ማሕበር ተስፋ ብርሃን ትግራይ ፅጉማት ተማሃሮን ጉዱኣት ኣካልን ንምሕጋዝ ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፡- ማሕበር ተስፋ ብርሃን ትግራይ ፅጉማት ተማሃሮ፣ ጉዱኣት ኣካልን ተመዛበልትን ንምሕጋዝ ምትእኽኻብ እቶት ንኽግበር ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

መስራቲ እቲ ማሕበርን ፈፃሚ ስራሕን ኣይተ ሓጎስ ነጋ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከም ዝበልዎ፤ ማሕበር ተስፋ ብርሃን ትግራይ 19 ሓምለ2016 ዓ.ም ተመስሪቱ፤ንቐፃሊ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን እቶት ብምትእኽኻብ ብሰንኪ ኲናት ንዝተመዛበሉ ወገናት፣ ፅጉማት ተምሃሮን ጉዱኣት ኣካልን ሓገዝ ክገበር ‘ዩ፡፡

ብሰንኪ ኲናት ብዙሕ ህይወት ከም ዝጠፍአ ብምዝኽኻር፤ህፃናት ብዘይ ወለዲ ዓበይቲ ወለዲ ድማ ብዘይ ጠዋሪ ኣብ ፀገም ይርከቡ፤ብተወሳኺ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ኣካሎም ብምጉዳሉን ኣድላዪ ሕክምና ብዘይምርካቦም ህይወቶም እናስኣኑ ‘ዮም ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ቑፅሮም ዘይንዓቕ ተምሃሮ ድሌት ትምህርቲ እናሃለዎም ብሰንኪ ውልቃዊ ፀገምን ዕንወት ቤት ትምህርታትን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዝርሓቑ ብምግላፅ፤ ካብ ኲናት ዝተመለሱ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ተስፋ ብምስኣኖም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ስደት ብምምራፅ፤ በዚ ምኽንያት ድማ ብምድረ በዳን ብባሕርን እናሃለቑ ‘ዮም ኢሎም፡፡

መፅናዕትታት ከም ዘመላኽትዎ ልዕሊ ኽልተ ሚሊዮን መናእሰይ ትግራይ ተስፋ ዝቖረፁ፣ ህይወት ዝፀልመቶምን ብሕታውነት ዝመረፁን ከምኡ ‘ውን ብዝተፈላለየ ሱስ ዝጥሓሉ ‘ዮም ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ብፍላይ ድማ ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉን ኣብ መዕቖቢ ዘለዋ ኣዴታት፣ህፃናትን ኣቦታትን ኣብ ፍርሕን ጭንቀትን ይርከቡ ምስ በሉ፤እዚ ማሕበር ፀገማት ህዝቡ ንምፍታሕ ግዲኡ ክዋፃእ ሓምለ 19/2016 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመስረተን እቶት ምትእኽኻብ ከም ዝጀመረን ገሊፆም፡፡

እቲ ማሕበር ዝተመስረተሉ ዕላማ ተመዛበልቲ ወገናት፣መናእሰይ ንምብርትታዕን ዓቕሚ ዘይብሎም ንምሕጋዝ፤ከምኡ ‘ውን ሓለዋ ተፈጥሮ ሃፍቲ ብምግባር ኣብ ጥዕና ትኹረት ገይሩ ተስፋ ንዝስኣኑ ተስፋ ንምዃን ‘ዩ፤ስለዝኾነ ኹሉ ሰብ ዕላማና ብምድጋፍ ኣብ ጎንና ኾይኑ ዓቕሙ የበርክት ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ሄርሞን ፍቃዱ

ወጋሕታ 30 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You