‹‹ብዓቕሚ ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ተስፋ ዝህቡ ስራሕቲ እናተሰርሑ ‘ዮም›› – ኣይተ ገብረመድህን ዮሃንስ፣ ከንቲባ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ትግራይ ብዝነበረ ኩናት ብርክት ዝበሉ መሰረተ ልምዓታት ጉድኣት በፂሕዎም ‘ዩ። እዚኦም መሊስኻ ናብ ዝነበርዎ ንምምላስን ግልጋሎት ንምጅማርን ከም ምፍራስ ምፅጋን ቀሊል ኣይኮነን። ኣብዝሓ ከተማታትን ገጠርን ትግራይ ዘለዉ መሰረተ ልምዓት ናብ ዝነበረዎ ንምምላስ ፃዕሪ እናተገበረ እንተኾነ ‘ውን ሓገዝ መዳርግቲ ኣካላትን መንግስትን ከምዘድሊ ግና እናተገለፀ ይርከብ።

ከንቲባ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣይተ ገብረመድህን ዮሃንስ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝገለፅዎ ‹‹ኣብታ ከተማ ኣጋጢሙ ዝነበረ ዕንወት ኸቢድ እንተኾነ ‘ውን ብዓቕሚ ህዝብን ምምሕዳር እታ ከተማን ስራሕቲ ይሳለጡ ከምዘለዉ ይገልፁ። ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዝነበረ ኹናት ከቢድ ዕንወት ካብ ዝበፅሖም ከተማታት ሓንቲ እንትትኾን እዚ ምስትኽኻል ኢድ ኣታውነት ካልኦት ኣካላት የድሊ።

መሰረተ ልምዓት መሊስኻ ግልጋሎት ንክህቡ ናይ ምግባር ፈተናን ብዙሕ ካፒታል ‘ውን ዝሓትት ‘ዩ፤ ስለዚ ብዓቕሚ እቲ ምምሕዳር ከተማን ኣብቲ ኸባቢ ዝነብር ማሕበረሰብ ኢና እቲ ስራሕቲ ዝጀመርናዮ፤ ኣብ ዝሓዝናዮ ዓመት ዝሓሸ ውፅኢት ንክህሉ መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ትኹረት ገይሩ ክሕግዝ ኣለዎ ይብሉ። ምስ ኣይተ ገብረመድህን ዮሃንስ ዝገበርናዮ ቃለ መሕተት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡ኣብዚ ሐዚ እዋን ኩነታት ሰላምም ፀጥታን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ገብረመድህን፡ናይ ከተማና ኩነታት ፅጥታ ድሕሪ እቲ ኹነታት ምስ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ተታሓሒዙ፣ ምስ በዝሒ ህዝቢ ከምኡ ‘ውን ተማዛባላይ ምስ ምብዝሑ፣ ስራሕ ዘይብሉ መንእሰይ ‘ውን ብምህላዉ ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ዘጋጥሙና ፀገማት ነይሮም ‘ዮም።

እዚ ንምቁፅፃር ምስ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትእስሳር ስራሕ ንምስራሕን ንምርግጋዕን ተንቀሳቒስና ኢና። ብተነፃፃሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እቲ ኩነታት እናተመሓየሸ እናኸደሉ ዘሎ ኩነታት ኣሎ። እዚ ማለት ግና መሊኡ እቲ ፀጥታ ዉሑስ ‘ዩ ፀገም የለን ማለት ግና ኣይኮነን። ኸዚ ‘ውን ዝተጠናኸረ ሰራሕ ከምዘድልየና ኢና እናገምገምና እንኸይድ ዘለና። ኾይኑ ግና ካብ ቁፅፅርና ንላዕሊ ዝኾን ነገር የለን። ዓበይቲ ዝባሃሉ ዘለዉ ለውጥታት እናመፀ ከምዘለዉ እናረእና ኢና ንኸይድ ዘለና።

ወጋሕታ፡መንእሰይ ከተማ ሽረ ካብ ዝነበሮ ከቢድ ኩነታታ ብምውፃእ ዓርሱን ቤተሰቡን ዝመርሐሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ክዋፈር ግድንዩ፤ እዚ ንክኸውን ነቲ መንእሰይ ኣብ ዕድል ስራሕ ፈጠራ ከም ምምሕዳር ከተማ ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንታይ ይመስሉ?

ኣይተ ገብረመድህን፡ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ዝነበረና ከቢድ ኢኮኖሚያው፣ ማሕበራዊን ፀገም ስነልቦናዊ ማሕሰይትን እቲ ከተማ ኸቢድ ፀገም ስለዘሕለፈ ብዙሕ ነገር ዓንዩ ‘ዩ። እቲ ህዝቢ ‘ውን ኣብ ስራሕ ስለዘይነበረ ኣዝዩ ተሓስዩ ‘ዩ። ውልቀ ሰብ ይኹን፣ነጋዶ፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ትካላት መንግስቲ እንተይተረፈ ዓንዩ ‘ዩ።

እዚ ንምዕራይን ስራሕ ንምጅማር ‘ውን ብጣዕሚ ዝተፀገምናሉ ‘ዩ ነይሩ። ግን ድማ ሰብ ሃፍቲ ኣተሓባቢርና፣ ህዝብና ዘለዎ ዉስን ዓቕምን ብምጥቃም ስራሕ ዝጀመርናሉ ዓመት ‘ዩ። ምጅማር ጥራሕ እንተይኾነስ ተስፋ ዝህቡ ምንቅስቃሳት ‘ውን ‘ዩ ነይሩና። እዚ ድማ ስራሕቲ ናብ ተግባር ብምእታው ሰሪሕና ኢና ናይ ኮብልስቶን፤ ፀፀር መንገዲ ብርክት ዝበሉ ናይ ተፋሰስ ስራሕቲ ‘ውን ብማሕበራት እናወደብና ጀሚርና ኢና። ርግፅ እቲ መንእሰይ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብዚ ስራሕ ዝተሳተፈ ኾይኑ ግና ተሳትፎ መንእሰይ ኣለዎ። ኣብዚ እቲ ልምዓት ‘ውን ንምንቕናቕ መንእሰይ እናረብሐ ይኸይድ ኣሎ ‘ዩ።

እዚ ማለት ግን ምስ እቲ ዝነበረ ሰፊሕ ምስኣን ስራሕ ብፍላይ ልዕሊ ሰላሳ ሽሕ ስእነት ስራሕ ዘለዎ ከምዝኾነ ኣፅኒዕና ኢና ካብዚ ድማ ከባቢ ሰብዓ ሚኢታዊ ዝኾነ መንእሰይ ‘ዩ፤ ስለዚ ምስቲ ዘጋጠመ ዕንወትን ኣጠቓላይ ናይ ኢኮኖሚ ንድሕሪት ምምላስን ዝምጥን ኣይኮነን። ግና ዝተወሰነ ጅማሮታት ጀሚርና ኢና ሓጊና፤ ኣብዚ ዋላ እኳ ዉሑድ ይኹን እቲ መንእሰይ እናተንቀሳቐሰ ‘ዩ እዚ ክብል ከለና ጠቕላላ ምስ እቲ ዘሎ ስእነት ስራሕ ዝምጥን ኣይኮነን። ብዙሕ ስራሕ ዘድልዮ ‘ዩ ብሓደ ግዜ ‘ውን ዝምለስ ኣይኮነን።

ወጋሕታ፡ኣብ ዝሓለፈ 2016 . ኣብ ዋና ዋና ዝባሃሉ መሰረተ ልምዓት ማለትውን ኣብ መስተ ማይ፣ትምህርቲ፣ ጥዕናን ዝኣመሰሉ ዝነበረ ምንቅስቃስ ከመይ ይገልፅዎም?

ኣይተ ገብረመድህን ከምቲ ልዕል ኢለ ዝገለፅኽዎ ኣብ ኩሎም ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ልምዓት በቲ ኩነታት ተሓስዩ ‘ዩ ። መሊስኻ ግልጋሎት ንክህቡ ናይ ምግባር ፈታንን ብዙሕ ካፒታል ‘ውን ዝሓትት ‘ዩ። ነዚ ዝድግፍ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ‘ውን የለን። ስለዚ ብዓቕሚ እቲ ምምሕዳር ከተማን ኣብቲ ኸባቢ ዝነብር ማሕበረሰብ ኢና እቲ ስራሕቲ ዝጀመርናዮ።

ካብ ማይ እንተጀሚርና ንኣብነት ማይ ድሙ ዝባሃል ዓብይ ግድብ ኣሎ ግና ካብቲ መፃረይ ጀሚሩ ዓብይ ዕንወት ዝበፅሖ ‘ዩ። ናይ ትራንስፎርመር ይኹን ናይ ውሽጢ መሳራሕታት ይኹን ከቢድ ዕንወት ‘ዩ በፂሕዎ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ከተማ ዝምጥን ቀረብ ማይ ዘይምህላዉ እቲ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕ ‘ውን ዝበለፀ ፅዕንቶ ኣሕዲርሉ ‘ዩ። ነዚ ሓገዛት ከምዘድልዮ ፅንዓት ተኻይዱ ኣብ ከተማ ፅገና ተኻይዱ ዉሱን ይኹን እንበር ምንቅስቃስ ንምግባር ክኢልና ኢና።

ግና እዚ ነቲ ከተማ ዝምጥን ኣይኮነን። ኸዚ ‘ውን ብዙሓት ፀገማት ዘለዉዎ ዓብይ ሕፅረት ማይ ዘለዎን ‘ዩ። ኣብዚ ናይ ካልኦት ሓገዛት ዝደሊ ‘ዩ ፣ገበርቲ ሰናይ ካልኦት ዓቕሚ ዘለዎም ትካላት ኢዶም ከእትዉሉ ይግባእ፤ ግና ክሳብ ኸዚ በዚ እዚ ‘ዩ ዝባሃል ዝተጠናኸረ ሓገዝ ኣይረኸብናን ። ኣብ ጥዕና ንተሪእና ‘ውን እተን ሆስፒታልን ጥዕና ጣብያን ናውቲ መሳርሒ ብበዝሒ ጉድኣት በፂሕዎ ‘ዩ።

እዚ ‘ውን ናብ ስራሕ ንምእታው ገብርቲ ሰናይ ዝተወሰነ ዝሓገዙና ሓዊሱ እቲ ሰራሕተኛ ስርሑ ጀሚሩ ‘ዩ። ግን ድማ ሕፅረት መድሓኒት ከምኢ ‘ውን ሕፅረት ናውቲ እንተሃለወ ‘ውን በቲ ዘሎ ናውቲ መሳርሒ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብስሩዕ ግልጋሎት ጀሚርና ኢና። እዚ ተጠናኺሩ እናኸደ ‘ዩ፤ ሐዚ ‘ውን ግና ናይ መድሓኒትን መሳርሕን ፀገማት ከምዘሎ ‘ዩ። እቲ ስራሕ ምጅማር ብዝምልከት ግና ጀሚሮም ኣብ ግልጋሎት ‘ዮም፤ምስ ጉድለታቱ ‘ውን እንተኾነ ስራሕ ተጠናኺሩ እናቐፀለ ‘ዩ።

እቲ ዝኸፍአ ፀገም ዘጋጠመና ኣብ ትምህርቲ ‘ዩ። ዓሰርተ ሰለስተ ቤት ትምህርቲ ኣለዋ፤ እዚአን ኹለን ብተመዛበልቲ ተታሒዘን እየን። ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ኸዚ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ትግራይ ዝመፁ ተመዛበልቲ ተታሒዞም ‘ዮም። ዓሚ ትምህርቲ ክንትጅምር ብክልል ደረጃ ትልሚ ተታሒዙ ልዕሊ ኣርብዓ ሽሕ ተምሃራይ ከምዘሎ ፅንዓት ብምክያድ ነዚ ዝኾን ግና ዋላ ሓንቲ ክፍሊ ኣይነበረትናን።

ስለዚ እቲ ተመዛባላይ ናብ ምንም ክኸይድ ኣይኽእልን፤ በቲ ፌደራል ዝተገበረ ስምምዕነት ፕሪቶርያል ‘ውን ናብ ቦትኡ ክምለስ ኣይተገበረን ክምለሱ ዝተገበሩ ድማ ኣብቲ ቦታ ጉዳይ ፀጥታ ዝፀረየ ስለዘይኾነ ተመሊሱ ዝመፀሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ስለዚ ምስ ህዝብና ኾይና ምስ ሰብ ሃፍትና ኾይና ተወዲብና ካብቲ ቤት ትምህርቲ ወፂእና ኣብ ሜዳ ብኬንዳን ቆርቆሮን ናብ ምስራሕ ኢና ኣቲና ክፍልታት ብምስራሕ ብእዋኑ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣቲና ኢና፤ ወንበር ዘይብሉ፣ ጭቓ ይኹን ዋላ እኳ ምችው እንተዘይኾነ ግን ድማ እቲ ተምሃራይ ናብ ትምህርቲ ክነእትዎ ኽኢልና ኢና።

ዓሚ ልዕሊ ኣርብዓ ሽሕ እናምሀርና ኢና ሓጊና። ኸዚ ‘ውን እቲ ፀገም ኣይተፈትሐን፤ ኸዚ ‘ውን ብከተማ ምምሕዳርን እቲ ህዝብን ዓቕሚ ኢና ዘለና፤ ኸዚ ‘ውን ተወሰኽቲ ቆርቖሮ እናሰራሕና እቲ ተምሃራይ ናብ ትምህርቲ ዝኸደሉ ዕድል እናፈጠርና ኢና። ስለዚ ኣብ ትምህርቲ እቲ ህዝብን ምምሕዳርን ‘ዩ መሰረታዊ ስራሕ ሰሪሑ። እቶም ቤት ትምህርቲ ግን ብተመዛበልቲ ተዳሒዙ ‘ዩ። እቲ መምህር ‘ውን ናይ ዓሰርተ ሸውዓተ ወርሒ ደመዎዝ ኣይተኸፈሎን፣ቢሮ የብሉን፣ ሰነዳት ዘቕምጠሉ የብሉን ግን እቲ ኹነታት ተረዲእዎ እቲ ፀገማት ተፃዊሩ ‘ዩ ዘምህር ዘሎ።

ወጋሕታ፡ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበሩ ፀገማት ኣብ ምፍታሕን ከምኡ ድማ ኣብ 2017 . ዝስርሑ ስራሕቲ ከም ትልሚ ዝተድሓዙ ጉዳያት እንታይ ይመስሉ?

ኣይተ ገብረመድህን፡– ኣብዚ ዓመት እንታይ ክንሰርሕ ከምዘለና ፅንዓት ኣካይድና ኢና። ምስ ህዝብና ‘ውን ምይይጥ ኣካይድና ኢና። ኸዚ ናብ ስሩዕ ስራሕ ኢና እንኣቱ ዘለና። ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ዓሚ ዝጀመርናዮም ኣለዉና እዚ ኣብ መንእሰይ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ‘ዩ። ምስ ኮብልስቶን ፣ፀፀር መንገዲ፣ መብራህቲ መንገዲ ዝኣመሰሉ ኣጠንክር ኣቢልና ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ተሊምና ኣለና። እዚኦም ፍልፍሎም ካብ ምምሕዳር እቲ ከተማ ‘ዮም።

ዋና ትኹረትና እቲ መሰረተ ልምዓት ከምዘሎ ኾይኑ ሰፊሕ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር ‘ዩ ኢልና ኢና ሒዝናዮ ዘለና። ኣብ መስተ ማይ ምስፍሕፋሕን መጠነኛ ፅገናታት ገይርና ዋላ ናይቲ ከተማ ዓቕሚ ውስን እንተኾነ ኣብዚ ግና ክንሰርሖም ዝሓሰብናዮም መደባት ኣለዉ። ኣብ ትምህርቲ ተወሳኺ ክንሰርሕ ኣይንኽእልን ፌደራል መንግስቲ እቶም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምልስ ኣለዎ። ነባራት ኣብያተ ትምህርቲ ብጣዕሚ ተበላሽዮም ‘ዮም፤ እዚ ዝባሃል ናውቲ የብሎምን ዝዓነዉ ‘ዮም። ስለዚ እዚ ካብ መዳርግቲ ኣካላት ኾነ ካብ ፌደራል መንግስቲ ሓገዝ እንደልየሉ ኢና።

ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅክዎ ብከተማ ዓቕሚ ሒዝና ኢና ተበጊስና ዘለና። ምስ እቲ ተመዛባላይ ዝሓዘ፤ ተደጋጋሚ ዕንወት ዝበፅሖ ከባቢ ብምዃኑ ፌደራል መንግስቲ ‘ውን ዝተፈለየ ትኹረት ክህቦ ይግባእ ነይሩ። ኣብ ተመዛባላይ ‘ውን ፀገም ማይን ምግብን ዓብይ ሕፅረት ‘ዩ ዘለዎ። ንኣርባዕተ ዓመት ዝኾን እቲ ነባራይ ከተማ ዳርጋ ተሸኪምዎ ‘ዩ ዘሎ። እዚ ከቢድ እንተኾነ ‘ውን ግን ድማ ናይ ምርድዳእ ተሓጋጊዝኻ ምንባር ባህሉ ክብሩ ስለዝኾነ በዚ ብርኪ ‘ዩ ዝሓልፎ ዘሎ። ስለዚ በቢደረጅኡ ዘሎ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ሓገዝ የድሊ ‘ዩ። ኾይኑ ግና ብኣና ወገን ካብ ዝሓለፈ ጥንክር ዝበለ ስራሕ ንምስራሕ ከም ትልሚ ሒዝናዮ ኣለና።

ወጋሕታ፡እዚኦም ትልምታት ተግባራዊ ንክኾኑ ካብ ፌደራል መንግስቲ ኾነ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ኣይተ ገብረመድህን፡እቲ መሰረታዊ ነገር እቲ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ በታ ዝተፈረመታ መሰረት ተግባረዊ ክኾን ይግባእ። ንምንታይ ኢኮኖምያዊ፣ ማሕበራዊ ስነልቦናዊ ቀውሲ ኣብቲ ነባራይ ኾነ ብፍላይ ተመዛባላይ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ መፍራያይ ዘይምዃኑ ‘ዩ። ስለዚ ቁፅሪ ሓደ ክስራሕ ዘለዎ እዚ ህዝቢ እዚ ብጣዕሚ ኸፊእዎ ኣሎ፤ ቀልጢፉ ናብ መረበቱ ክምለስ ኣለዎ። ካልኣይ ድማ እቲ ህዝቢ ኣብ ጥምየት ‘ዩ ዘሎ።

ስለዚ እዞም ሓገዝ ወሃብቲ ዝባሃሉ ገበርቲ ሰናይ ካብቲ ኸባቢ ናብ መረበቶም ክምለሱ ‘ዮም እናተባሃሉ እናተመለሱ ‘ዮም ዘለዉ። እዚ ድማ ኹሉ ፅዕንቶ ነቲ ምምሕዳር ‘ዩ እናኾነ ዘሎ። እቲ ፀገም ‘ውን እናገደደ ‘ዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ መሰረታዊ ልምዓት ዕንወት ናብ ንቡር ክምለስ ፌደራል መንግስቲ ኾነ ግዝያዊ ምምሕደር ትኹረት ገይሩ ክድግፍ ይግባእ። ክሕግዙ ኣለዎም ጥራሕ እንተይኾነ ‘ውን ስረሖም ‘ውን ‘ዩ ስለዚ ዝተጠናኸረ ሓገዝ ዘድሊ።

ክሳብ ኸዚ ብተስፋ ተዘይኾይኑ ኣብ ተግባር ብዙሕ ዝተሰርሐ ስራሕ የለን። ከምቲ ኹልግዜ እንብሎ ጉዳይ ተማዛበልቲ ትኹረት ዘድልዮ ጉዳይ ‘ዩ። ንሕና ከም ምምሕዳር ከተማ ምስ ህዝብና እንገብሮ ሓገዝ ከምዘሎ ኾይኑ ማለት ‘ዩ።

ወጋሕታ፡ንዝነበረና ፃንሒት የምስግን።

ኣይተ ገብረመድህን፡ኣነ ‘ውን የመስግን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 30 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You