መሰረተ ልምዓት እታ ከተማ ንምስላጥ ሓገዝ መንግስትን መዳርግቲ ኣካላትን ከምዘድሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- መሰረተ ልምዓት ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ንምስላጥ ሓገዝ መንግስትን መዳርግቲ ኣካላትን ከምዘድሊ ከንቲባ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣይተ ገብረመድህን ዮሃንስ ገሊፆም።

እቶም ከንቲባ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝገለፅዎ፤ ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ልምዓት ከተማ ሽረ በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ተሓስዩ ‘ዩ። መሊስኻ ግልጋሎት ንክህቡ ናይ ምግባር ፈታንን ብዙሕ ካፒታል ‘ውን ዝሓትት ‘ዩ ኢሎም። እንተኾነ ‘ውን ብዓቕሚ እቲ ምምሕዳርን ነባራይ ማሕበረሰብ እቲ ከተማን ስራሕቲ ተጀሚሮም ‘ዮም።

ኣብዚ ዓብይ ከተማ ዝምጥን ቀረብ ማይ ዘይምህላዉ እቲ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕ ‘ውን ዝበለፀ ፅዕንቶ ኣሕዲርሉ ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ገብረመድህን፤ ነዚ ሓገዛት ከምዘድልዮ ፅንዓት ተኻይዱ ፅገና ብምክያድ ዉሱን ይኹን እንበር ምንቅስቓስ ንምግባር ክኢልና ኢና፤ ግና እዚ ነቲ ከተማ ዝምጥን ኣይኮነን ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ጥዕና እተን ሆስፒታልን ጥዕና ጣብያን ናውቲ መሳርሒ ኹሉ ጉድኣት ዝበፅሖ እንተኾነ ‘ውን ናብ ስራሕ ንምእታው ገብርቲ ሰናይ ዝተወሰነ ዝሓገዙና ሓዊሱ እቲ ሰራሕተኛ ስርሑ ጀሚሩ ‘ዩ ኢሎም። ሕፅረት መድሓኒት ከምኡ ‘ውን ሕፅረት ናውቲ እንተሃለወ ‘ውን በቲ ዘሎ ናውቲ መሳርሒ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብስሩዕ ግልጋሎት ጀሚርና ኢና እዚ ተጠናኺሩ እናኸደ ‘ዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

ሕፅረት ህንፃ ቤት ትምህርቲ ኣሎ፤ ነዚ ፀገም ንምቕላል ድማ ምስ ህዝብናን ሰብ ሃፍትና ኾይና ተወዲብና ኣብ ሜዳ ብኬንዳን ቆርቆሮን ናብ ምስራሕ ኣቲና ኢና ዝበሉ ኣይተ ገብረመድህን ፤ ክፍልታት ብምስራሕ ብእዋኑ ተምሃራይ ናብ ትምህርቲ ክነእትዎ ኽኢልና ኢና ኢሎም።

ስለዚ ምስቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ስዒቡ ኣብ መሰረተ ልምዓት ጉድኣት ብምብፅሑ ኣጠቓላይ ናይ ኢኮኖሚ ንድሕሪት ምምላስን ነዚ ዝምጥን ስራሕ ኣይተሰርሐን፤ ብዙሕ ስራሕ ዘድልዮ ‘ዩ፤ ብሓደ ግዜ ‘ውን ዝምለስ ኣይኮነን ሓገዝ መንግስትን መዳርግቲ ኣካላትን ዘድልዮ ‘ዩ ኢሎም።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 30 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You