“ኣብ ኣጣቓቕማ መዓድን ዝነበሩ ክፍተታት ንምስትኽኻል ሕግን ደንብን ብምውፃእ እናተሰርሐ ይርከብ” – ኣይተ ፍስሃ ግርማይ

ኣብ ሃገርና ንመጋየፂ፣ ኢንዱስትሪ፣ ኮንስትራችሽን ዝውዕሉ ብርክት ዝበሉ ሃፍቲ መዓድናት ካብ ዝርከብዎን ክልላት ኢትዮጵያ ክልልትግራይ ሓንቲ ‘ያ። ኮይኑ ግና ዘመናዊ ዝኾነ ኣጠቓቅማ ስርዓት ብዘይ ምዝርግሑን ብፍላይ ድማ ንኸባቢ ክልተ ዓመታት እታ ክልል ኣብ ኩናት ብምፅንሓ ብዙሓት ኣካላት ብኢሕጋዊ መንገዲ ኣብ ምፍራይ መኣድን ተዋፊሮም ብምፅንሖም እታ ክልል ትኹን እታ ሃገር ካብቲ ዘፈር ከትረኽቦ ዝግበኣ እቶት ከይረኸበት ፀኒሓ ‘ያ።

ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ቢሮ መሬትን መዓድንን ክልል ትግራይ ኣይተ ፍስሃ ግርማይ ነዚ ብምዝምልከት እንትገልፁ፤ ኣብቲ ክልል ከም ወርቒ፣ ንእታዎታት ኢንዱስትሪን ኮንስትራክሽንን ዝውዕሉ ብበዝሒ ይርከቡ። ካብቶም ክባራት ዝኾኑ መዓድናት ብቐንዱ ዝጥቐስ ወርቒ ኮይኑ ከምኡ ‘ውን ሳፋየር ብስፍሓት ይርከብ።

ብኻሊእ ወገን እቶም ብስፍሓት ንእታዎታት ኮንስትራክሽን ዝውዕሉ መዓድናት ከም ፀፀር፣ ሓሸዋን ኣእማንን ዝመሳሰሉ ኮይኖም እዚኦም ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ብስፍሓት ዝርከቡ ‘ዮም። ብምዃኑ እዞም መዓድናት እዚኦም ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ዘለዎም ዓቕሚ ልዑል ዋላ እኳ እንተኾነ ኮይኑ ግና ናይ ኣጣቓቕማ ክፍተት ብምህላዉ ብዝግባእ ናብ ጥቕሚ ኣይወዓሉን ይብሉ። ፍቓድ ወሲዶም ‘ውን ናብ ስራሕ ዘይኣተዉ ኣለዉ። እቶም ዳይሬክተር ኣብዚ ዙርያ እዚ ከምዝስዕብ ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ሂቦምና ኣለዉ። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ኣብ ስራሕቲ ሓፈሻዊ ኩነታት መዓድን ወይ ኣፈፃፅማ ትልሚ ዝነበሩ ድኽመታትን ጥንካረታትን ከመይ ይግለፁ?

ኣይተ ፍስሃ፡- በቶም ዝነበሩ ድኽመታት እንትጅምር፣ ቕድሚ ሕዚ ‘ውን ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብዙርያ መዓድን ስፍሕ ዝበለ ሓበሬታ ሂበ ምንባረይ ዝዝከር ‘ዩ፤ ዝነበሩ ስራሕቲ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዓመት ኮይና ከንሪኦ እንተለና፣ እቶም ዓበይቲ ፀገማት ናይቲ መዓድን፣ እቲ ሓደ ከምቲ ዝፍለጥ እዚ ክልል ኣብ ኩናት ምስ ምንባሩ ተተሓሒዙ ኣብ ዙርያ መዓድን ዝነበረ ቑፅፅር ልሑሉሕ ‘ዩ ነይሩ። ከምኡ ‘ውን እቲ ኩናት ኣብ ሕብረተሰብ ብዙሕ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ቑልውላው ፈጢሩ ‘ዩ።

ምስ እዞም ፀገማት እዚኣቶም ተተሓሒዞም ድማ ኣብ መኣድን ዝነበረ ምሕደራ ጉድለታት ነይሮም ‘ዮም። ስርዓት ዝጎደሎ ኣጣቓቕማ ነይሩ ‘ዩ። ካብቶም ፀገማት ካብ ላዓሊ ክሳብ ታሕቲ ዝተዘርገሐ ንፁር ዝኾነ ምሕደራ መኣድን ኣይነበረን። ደምቢ ዘውፅእ እቲ ክልል ‘ዩ ነይሩ፤ ኣዋጅ ዘውፅእ ግና መንግስቲ ፌዴራል ‘ዩ።

እዚ ዘይምንባሩ ሓደ ዓብዪ ፀገም ምሕደራ ማኣድን ነይሩ ‘ዩ። ካብቲ ደንቢ ተበጊስካ ድማ በቢኸባቢኡ መምርሕን ኣፋፃፅማን ይወፅእ። እዚ ደንብን መምርሕን ኣይነበሮን፤ ብፍላይ ምስቲ ዝነበረ ናይ ኩናት ኩነታት ተተሓሒዙ እዚ ከምሓደ ዓብዪ ክፍተት ወይ ድኽመት ‘ዩ ኢልካ ምውሳድ ይከኣል ‘ዩ።

እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ብፍላይ ድማ ብምኽንያት እቲ ዝነበረ ኩናት ካብ ክልል ጀሚርካ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ ወረዳ ዝነበረ ምትእስሳር ብጣዕሚ ልሑሉሕ ‘ዩ ነይሩ። ሓደ እቲ ኣዋዳድባ መስርሕ ናይ መዓድን ፅብብ ዝበለ ‘ዩ ነይሩ። ስፍሕ ዝበለ ስትራክቸር ክህልዎ እናተገበኦ ከምዚ ኣይተገበረን።

ኣብ ወረዳ ወሪድካ ውሑድ ወይ ሓደ ክኢላ ሰብ ኢኻ ትረክብ፤ እቲ ወረዳ ግና ብርክት ዝበሉ መዓድናት ኣለውዎ፤ ስለዚ ኣብቲ ኣዋዳድብኡ ‘ውን ብዝግባእ ዝተወደበ ምሕደራ ኣይነበሮን። ኣብቲ ናይ መዓድን ምፍራይ ክሳብ ታሕቲ ብዝግባእ ብዝግባእ ሓይሊ ሰብ ኣይተዋቀረን። መን ይስርሕ ኣሎ? መን ከ ‘ዩ ዘይሰርሕ ዘሎ? ኢልካ ሪኢኻ ክትትልን ደገፍን ንምሃብ እንደጋና ‘ውን ዘይሰርሕ ኣካል ምኽንያቱ ፈሊጥካ እንተስ ብኽልል እንተስ ብፌዴራል ፈሊኻ ንምድጋፍ ዘኽእል ኩነታት ኣይነበረን።

ስለዚ ኣብዚ ሓለፈ ዓመት እዚኦም እቶም ዓበይቲ ፀገማት ‘ዮም ነይሮም ምባል ይከኣል። ስለዚ እቲ ናይ ክልልን ወረዳን ኢሉ ‘ውን ኣብ ጣብያ ምትእስሳር ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት ድማ ዘይሕጋውያን መፍረይቲ መዓድናት ክባራኸቱ ክኢሎም ‘ዮም፣ ስለዚ ብርክት ዝበለ ዝፈረየ ሃፍቲ መዓድን ድማ ብዘይ ኣገባብ ክዛዋወር ተገይሩ ‘ዩ። እዚኦም እቶም ዓበይቲ ነገራት ‘ዮም።

ሕዚ ንሕና ከም ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ወሪድና ዳህሳስ ዝገበርናዮ ብጭቡጥ ኣብቲ ወረዳ ዘሎ ዝሰርሕን ዘይሰርሕን፣ ውዑል ዘለዎን ዘይብሉን፣ ሕጋውያን ዘይሕጋውያን ዝብል ንኽትሓትት እቲ ኣብቲ ወረዳ ዘሎ መሓውር ኣፍልጦ የብሉን። ናይዚ ምኽንያት ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅክዎ ‘ዩ፤ እቲ ዘሎ ናይ መሓውር ሓይሊ ሰብ ውሑድ ብምንባሩ ‘ዩ። እዚ ድማ ብፍላይ እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ዝፈጠሮ ፀገም ‘ዩ። ኣብቲ ድኽመት መሰረት ጌርና ከንርኢ እንተለና ነዚ ይመስል።

እዚ ኩሉ ኮይኑ እናሃለ ግና ብደረጃ ክልል ፈቃድ ዝተዋሃቡ ኣካላት ነይሮም ‘ዮም። ዋላ ኣብ ፀገም እናሃለወ በቲ ዘሎ ሓይሊ ሰብ፣ በቲ ናይቲ ክልል ዓቕሚ ተስፋታት ብምግባር እናተሰርሐ መፂኡ ‘ዩ። ምስቲ ኩሉ ፀገም ኢንቨስት ንኽገብሩ ዕድል ተፈጢሩ ‘ዩ። ንኣብነት ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ምፍራይ ግራናይት፣ ፀፀር፣ ወርቂ፣ ሑፃ፣ ሳፋየር ዝመሳሰሉ ፈቃድ ተዋሂብዎም ‘ዩ። እዚኦም ብድምር 118 ዝኾኑ ‘ዮም።

ንኣብነት ኣብ 2016 ኣብ ግራናይት እንተሪእና 37፣ ኣብ ፀፀር 32 ሰባት ወዘተ ፈቃድ ተዋሂብዎም ‘ዩ። ድምር ኣቢልካ እንትረአ ዋላ ኣብዚ ‘ውን እቲ ተረኽበ ውፅኢት እንታይ ‘ዩ እንተይልና፤ ንኣብነት ቅድሚ ኩናት ተዋሂብዎም ዝነበረ ኣብዚ ዓመት እዚ ደሚርና ከንሪኦ እንተለና ጠቅላላ 670 ‘ዮም። ካብዚኦም ኣብ ስራሕ ከምዘለዉ ሪፖርት ዝገበሩ 127 ጥራሕ ‘ዮም። እቲ ካሊእ የለን ማለት ‘ዩ። ብድምር ከትሪኦ እንተለኻ ማለት ካብ ክልቲኦም ነባራት ኣብ ስራሕ ዝነበሩን ሓደሽትን 30 ሚኢታዊ ጥራሕ ‘ዮም ናብ ስራሕ ኣትዮም ዘለዉ። ስለዚ እዚ ሰፊሕ ክፍተት ከምዘለዎ ‘ዩ ዘማላኽት።

ዋላ በቲ ዘሎ ውሑድ ሓይሊ ሰብ ኣብ ክትትል ምግባርን ‘ውን ክትትል ዝገብራን ዘይገብራን ወረዳታት ኣለዋ፤ ብርክት ዝበላ ኣብ ወረዳታት ክትትል ዘይገብራ ኣለዋ፤ ግና እተን ክትትል ዝገብራ ጥራይ እንተወሲድና ላዕላይ ቖራሮ፣ ታሕታይ ቖራሮ፣ ፅምብላ፣ ኣስገደ፣ ዓዲ ዳዕሮ፣ ኣድያቦ፣ ራያ ዓዘቦ፣ እንደርታ ዝመሳሰላ ‘የን። ፍቓድ ወሲዶም ኮይኑ ግና ናብ ስራሕ ዘይተዋፈርሉ ኣካላት እቲ ሓደ ምኽንያት እቲ ኩናት ዝፈጠሮ ፀገም ኮይኑ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝነበረ ክትትል ኣዝዩ ድኹም ‘ዩ።

መጀመርታ እቲ ክልል ስልጠና ይህብ ‘ዩ፤ ናይ ኮብልስቶን፣ ሑፃ፣ወርቂ ዝመሳሰሉ፣ ዓቅሚ ዘለዎን ኣብ መጀመርታ ዓመት መድረኻት ፈጢረን ግንዛበ ፈጢረን ‘የን። ኮይኑ ግና ናብ ታሕቲ ወሪድካ እንታይ ይስራሕ ኣሎ ኣብ ዝብል ክትትል ዝገብራ ወረዳታትን ክትትል ዘይገብራ ወረዳታትን ኢልካ ብኣግባቡ ክትትል ንኽገብራ እቲ ኣዋህባ ናይ ክትትልን ደገፍን ጥብቅ ዝበለ ናይ ምትእስሳር ኣይነበረን።

ኣዝዩ ልሕሉሕ ‘ዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ብደገፍን ክትትልን ናብ ስራሕ ክኣትዉ ዝግበኦም ክኣትዉ ኣይኸኣሉን ማለት ‘ዩ። መገዛ በዓሎም ተላዓዒሎም ዝሰርሑ ግና ኣለዉ። ግና ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅክዎ ውሑዳት ‘ዮም፤ 30ሚኢታዊ ዝኾኑ ‘ዮም። እዚኦም ኣብ ስራሕ ከምዘለዉ በዓሎም ሪፖርት ዝገበሩ ‘ዮም። እዞም ኣካላት እዚኦም ድጋፍ ተገይርሎም እንተይኮነስ መገዛ በዓሎም ብዝገበርዎ ፃዕሪ ‘ዩ።

ኣብዚ በጀት ዓመት እዚ ዝተሰርሑ ዕውታት ስራሕቲ ንምጥቓስ ድማ፣ ቅድም ኢለ ከምዝገለፅክዎ እቶም ዝነበሩ ድኽመታት ከምዘለዉ ኮይኖም፣ እቶም ዝነበሩ ጥንካረታት ብዝተኻኣለ መጠን ናይ መዓድን ፖተንሻል ዘለዎን ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ወረዳታት፣ ናይ መዓድን ክኢላታት ወይ መተሓባበርቲ ፀዊዕኻ መድረኽ ፈጢርካ እዚ ፖተንሻል እዚ ንኣብነት ብዩኒቨርስቲ መቐለ ብትኽክል ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖተንሻል መዓድን እንታይ ይመስል ኣብዝብል ስልጠናታት ተዋሂቡ ‘ዩ።

ከምኡ ‘ውን ኣብ ግራናይት፣ ፀፀር፣ ሑፃ፣ ወርቒ፣ ሳፋየር ወዘተ፤ በቲ ዩኒቨርስቲ እንታይ ዝኣክል ዓቕሚ ኣለና ዝብሉ ብደንቢ ተነፂሩ ፅንዓት ተገይሩ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ሓደ ከም ጥንካረ ዝውሰድ ‘ዩ። ካልኣይ እቲ ዝተጠቐሰ ፀገም ከምዘሎ ኮይኑ፣ ብዝተኻኣለ መጠን ፍቓድ ዝደልዩ ኣካላት ግና ከይጉልኣልኡ ፃዕሪ ተገይሩ ‘ዩ።

ምኽንያቱ ኣብ ኩናት ምስ ምፅናሕና ተተሓሒዙ እቲ ኩናት ኣብ ናይ ማሕበረሰብ ዝፈጠሮ ኢኮኖሚያዊ ማሕሰይቲ ስለ ዘሎ ናብ ስራሕ ንኽኣቱ በቲ ሕግን ስርዓትን ዝፈቅዶ ኣካል እንድሕር ሃልዩ፤ እዚ ክዳናጎይ የብሉን ቐልጢፉ ናብ ስራሕ ክኣቱ ከንገብር ኣለና ብዝብል ኣብዞም ዝገለፅክዎም ዓይነታት መዓድን ኣብኡ ስራሕቲ ክጅምሩ ፈቃድ ክዋሃቡ ዝተገበረሉ ኩነታት ኣሎ። ካልኦት ኣብ ናይ ነዳዲ ናቑጣታት ዝሓተቱ ‘ውን ፍቃድ ክረኽቡ ተገይሩ ‘ዩ። እዚ ከምጥንካረ ዝረኣይ ‘ዩ።

ደሓረ ኣብ ናይ መወዳእታ ዓመት ድማ ዝኹሉ ኣብ መዓድን ዘሎ ፀገም ከመይ ክነሕውዮ ንኽእል? እስቲ ኣብቲ ስራሕ ዘሎን ዘየሎን ተነፂሩ ይምፃእ ዝብል ብዝተኻኣለ መጠን ካብቶም ቅድም ኢለ ዝገለፅክዎም 670 ዝኾኑ ቅድሚ ኩናትን ድሕሪ ኩናትን ፍቓድ ዝተዋሃቡ ኣካላት ዝሰርሕን ዘይሰርሕን፣ ሕጋዊን ዘይሕጋውን፣ ንፍለ ተባሂሉ ‘ውን ዝተፈለየሉ ኩነታት ኣሎ። እዚ ከምፅቡቕ ወይ ከም ጥንካረ ክውሰድ ዝኽእል ‘ዩ።

እዚ ንቐፃሊ ‘ውን እንታይ ከንሰርሕ ከምዘለና ዘመላኸተ ‘ዩ። እዚ ተፈልዩ ኣሎ ፍቃድ ዝወሰደ ክንዲዚ ዝኣክል፣ኣብ ስራሕ ዘሎ ‘ውን ክንደይ ኣሎ ዝብል ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ስራሕ ዘየለ ‘ውን ከምኡ። ብተወሳኺ ሕጋዊ መን ‘ዩ? ሕጋዊ ዘይኾነ ኸ መን ‘ዩ? ዝብል እንድሕር ተነፂሩ ካብኡ ቐፂሉ እንታይ ‘ዩ ክግበር፤ ከም ክልል ነቲ ሕጋዊ ደንብን መምርሕን ኣውፂኢና ኣለና፤ ስርዓት ሒዙ ዝንቐሳቐሰሉ መንገዲ ድማ ክፍጠር ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ 2016 ዓ.ም በጀት ዓመት ብሓፈሻ ምስ ትልሚ እቶትን ኣፈፃፅማን፣ ከምኡ ‘ውን ዝነበሩ ኢሕጋዊ ስራሕቲ ሕጋዊ ኣብ ምግባር ተተሓሒዙ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ፍስሃ፡- ኣብ ሕሉፍ ዓመት 2016 በጀት ዓመት ንደቒ ተባዕትዮ ዝተተሓዘ ትልሚ 22ሺሕን 500፣ ንደቒ ኣንስትዮ 22 ሺሕን 500 እንትኸውን ብድምር 45ሺሕ ‘ዩ። ኣፈፃፅመኡ እንትረአ ድማ ንደቒ ተባዕትዮ 33ሺሕን38፣ ንደቒ ኣንስትዮ 16ሺሕን897 እንትኸውን ብድምር ድማ 48ሺሕን935 ‘ዩ።

ብኻሊእ ወገን ብደረጃ ወረዳን ክልልን ኣታዊ ንምርካብ መደብ ተታሒዙ እናተሰርሐ ዝነበረ ኮይኑ፤ ብኽልል 10ሚልዮን ብር፣ ብወረዳ 18ሚልዮን ብር፣ ብድምር 28ሚልዮን ብር ‘ዩ ነይሩ። ኣብዚ ዝተኣከበ ብክልል 11ሚልዮንን622ሽሕን 224፣ ብወረዳ 19ሚልዮንን 842ሺሕን167 ኮይኑ ብድምር ድማ 31ሚልዮንን 464ሺሕን 391 ‘ዩ። ካሊእ ኣብዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከም መዓድን ወርቒ ብርክት ዝበለ ኢሕጋዊ ስራሕ ነይሩ ‘ዩ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እዚ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ እንተይልና፤ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኣብ ወርቂ ዝስርሑ ስራሕቲ ብዝሕ ዝበሉ ‘ዮም ነይሮም።

ናይ ዓሰርተ ወርሒ መደባት ኣብዝሓለፈ ‘ውን ዝገለፅክዎ ናብ 3ነጥቢ 12 ኪሎ ግራም ‘ዩ ብኢሕጋዊ ኣታዊ ኮይኑ፤ ናይ 12ወርሒ ከንርኢ እንተለና ድማ ልዕሊ 50ኪሎ ወርቂ ብሕጋዊ ኣታዊ ተገይሩ ኣሎ። ሕዚ እዚ እንታይ ‘ዩ ዘሪአካ ካብ መጀመርያ ክሳብ ሕዚ ኣብቲ ቑፅፅር ለውጢ ከምዘሎ ‘ዩ። ብዙሕ ናብ ሕጋዊ መንገዲ እናተመለሰ ከምዝኾነ ‘ዩ ዝሕብረልካ፤ ከም መንግስቲ እቲ ቑፅፅር ከመይ ይኹን? በበይ ከባቢ ‘ዩ ንደገ ዝወፅእ ዘሎ? ከም መንግስቲ ከመይ ቑፅፅር ንግበረሉ ኣብዝብል ትኹረት ተዋሂብዎ ‘ዩ።

ኣብከምዚኦም ዝበሉ ነገራት እናተሰርሐ ‘ዩ መፂኡ ሕዚ ‘ውን ይስራሕ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ጠቅላላ ኣብ ከባቢ መወዳእታ 2016 በጀት ኣመት ናብዚ ብርኪ በፂሑ ኣሎ። ናብ 50 ኪሎ ግራም ደይቡ ኣሎ። እዚ ናብቲ ንቡር እናተመለሰ ከምዝኾነ ‘ዩ ዘሪአካ። ምስቲ ናይ ቅድሚ ኩናት ዝነበረ ክነፃፀር እንከሎ ግና መጠኑ ኣዝዩ ትሑት ‘ዩ። እቲ ምኽንያት ድማ ኩሉ ከምዝፈልጦ ምስቲ ዝነበረ ኩናት ተተሓሒዙ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ምስቲ ኣብቲ ኩናት ምንባርና ብዙሕ ትሑት ‘ዩ ከንብል ኣይንኽእልን። እዚ ዋላ ብጣዕሚ ትሑት ይኹን እቲ ኣዝማምያ ግና ናብ ስርዓት እናኣተወ ከምዝኾነ ‘ዩ ዘሪአካ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ይኹን ዘሎ ኩነታት ምሕደራ ነዚ እንድሕር ዘይኣፅርይዎ ናብ ኖርማል ስራሕቲ ንምእታው ኣፀጋሚ ‘ዩ ዝብል ገምጋም ስለ ዘሎ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዓብዪ ትኹረት ገይሩ እናሰርሐሉ ‘ዩ ዝርከብ። ብኡ መሰረት ድማ እቲ ዝረአ ዘሎ ለውጢ ምስክር ‘ዩ።

ሕዚ ግና እታ ዓባይ ነገር እንታይ ‘ያ ሕጋውን ዘይሕጋውን ተፈልዩ ኣሎ፤ ኣብቐፃሊ እቲ ናይ ምሕደራ ስርዓት እናተረጋገዐ ብዝኸደ ቑፅሪ ዘይሕጋዊ ዝወፀሉ ወይ ክሰርሕ ዘይኽእል ምዃኑ እንድሕር ተረጋጊፁ ካብ መስርሕ ዝወፀሉ ኩነታት ተፈጢሩ ብሕጋዊያን ዝትከአሉ ኩነታት ምፍጣሩ ዘይቐሪ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብ2017 ዓ.ም በጀት ዓመት ዝተተለመ ስራሕ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ፍስሃ፡- ኣብ 2017 ዓ.ም ኣታዊ ንምርካብ ዝተታሓዘ መደብ ኣሎ፤ ነዚ ዝምልከት ካብ ንህቦ ግልጋሎት ብምብጋስ ኮይኑ ብክልል 15ሚልዮን፣ ብወረዳ 20ሚልዮን ኮይኑ ብድምሩ 35ሚልዮን ‘ዩ።

እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብ 2017 ዓ.ም ናብ ብሄራዊ ባንኪ 8ሚኢቲ ኪ.ግ ኣታዊ ንምግባር፤ ብተወሳኺ 60 ኪ.ግ ሳፋየር ናብ ዕዳጋ ንምቅራብ ኮይኑ ብደረጃ ክልል ን50 ሰብ ሃፍቲ ናይ ምፍራይ ፍቃድ መሪፅካ ዘለውሉ ደረጃ ምፍታሽ፤ ተኸሊሉ ንልምዓት ድሉው ዝኾን ኳሪ ሳይት ብክልል 172ሄክታር፣ ብወረዳ2300ሄክታር ተተሊሙ ኣሎ።

ብሓፈሻ ከንሪኦ እንተለና ኣብቲ ስራሕ ሕጋውያን ኣለዉ፤ ዘይሕጋውን ‘ውን ኣለዉ፤ እቶም ዘይጋውያን ሕጊ ክሕዙ ክግበር ‘ዩ፤ ሰፊሕ መሬት ኣሎ፤ እንደጋና ደንቢ ኣውፂእና ኣለና፤ መምርሒ ‘ውን ኣውፂእና ኣለና፤ ብኽብሪ ዝተሰናበቱ ወገናት ኣለዉ፤ እዚኣቶም ብትኽክል ኣብኡ ኣትዮም ዝርብሕሉ ወይ ዝሰርሕሉ ኩነታት ክፍጠር ‘ዩ። እቲ ዝበዝሕ ዝተሰናበተ መንእሰይ ‘ዩ ዘሎ። ስለዚ ነዚኣቶም ብዝተኻኣለ መጠን ኣብቲ ናይ መዓድን ዘሎ ፖተንሻል ብስፍሓት ክሳተፍሉ ዝኽእሉ ኩነታት እናሰራሕና ኢና ንርከብ። እቲ ወፂኡ ዘሎ መምርሕን ደንብን ነዚ ዘማእኸለ ‘ዩ፡፡

ድሓር እተን ዘለዋ ድኽመታት ንምእላይ ጥቡቕ ክትትልን ድጋፍን ክግበር ‘ዩ። ካብቲ ዝሓለፈ ዝሓሸ ክኸውን ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ፤ ብኻልኣይ ደረጃ እተን መምርሕን ደንብን ዋና ትሕዝተኦን እንታይ ‘ዩ እንተይልና ካብ መዓድን ክርከብ ዝኽእል እቶት ንኽልል ይኹን ንሃገር ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎ ዓብዪ እቶት ንምርካብ ‘ዩ። ሓደ ዝመፅእ ኢንቨስተር፣ ናይ ኢንቨስተር ሕቶ ሒዙ ክቀርብ እንተሎ፣ ፈቃድ ይዋሃበኒ ክብል እንተሎ ክፍፅሞ ዝግባእ ግብኡ ክፍፅም ከምዘለዎ ‘ዩ እቲ ወፂኡ ዘሎ ደንቢ ዘቕምጥ።

ካብቲ ደንቢ ድማ እቲ ዝሓሸ መምርሒ ነዚ ዘፍፅም ‘ዩ። ስለዚ ኣብ 2017 በጀት ዓመት ካብ መዓድን ክርከብ ዝግበኦ ፍርያት ንምርካብ ዓብዪ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ስለዚ ብሓፈሻ ክረአ እንተሎ ኣብ መንእሰይ ዘለና ናይ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ከም ቢሮ መሬትን መዓድንን ኣብ መሬት ናይ መስርሒ ቦታ ኣብ ምሃብ፣ ኣብ መዓድን ‘ውን እተን ዘለዋ ፖተንሻል ኣፅኒዕኻ ካልኦት ናይ መዓድን ቦታታት ኣፅኒዕኻ ኩሉ ብሕጊ መሰረት ካፍቶም ዘይሕጋዊን ‘ውን ሕጋዊ ዝኾነሉ ኩነታት ብምፍጣር፣ ብኣንፃሩ ድማ ነቲ መምርሕን ደንብን መሰረት ገይርካ እቲ መንእሰይ ተጠቓሚ ዝኾነሉ ኩነታት ንምፍጣር መደብ ተታሒዙ እናተሰርሐ ይርከብ። እዚ ኣብ ናይ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ኩነታት ክልልና ዓብዪ ለውጢ ዘምፅእ ‘ዩ።

ካብቲ ኩናት ዝተመልሰ ብርክት ዝበለ መንእሰይ ኣለና፤ እዞም መናእሰይ ካብ ተስፋ ምቑራፅ ወፂኦም ንበዓሎም ተረቢሖም ቤተሰቦም ንምጥዋር ዘኽእሎም ኩነታት ናይ ምፍጣር መደብ ተታሒዙ እናተሰርሐሉ ይርከብ። ስለዚ ሰፊሕ ዝኾነ ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ከም ሓደ ዓብዪ መደብ ተታሒዙ ኣብዚ 2017 በጀት ዓመት እናተሰርሐ ይርከብ። እዚ ድማ ናብቲ ክልል ይኹን ናብቲ ፌዴራል ክኣቱ ዝግበኦ እቶት ከርክብ ዘኽእል ‘ዩ።

ቅድሚ ሕዚ ዘይነበረ ኣብቲ ደንቢ ሕድሕድ እቲ በዓል ሃፍቲ ክገብሮ ዝግባእ ብምፍፃም ብኡ መሰረት ኣብ መዓድን ዘሎ እቶት ኣዝዩ ሓፍ ዝብለሉ ኩነታት ንምፍጣር ‘ዩ ተሓሲቡ ዝስራሕ ዘሎ። እዚ ናይቲ መንእሰይ ስራሕ እድል ንምፍጣርን ናይቲ ክልል ኢኮኖሚ ንምዕባይን ክልቲኡ ተደሚሩ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት እቲ ከባቢ ዘምፀኦ ለውጢ ዓብዪ ‘ዩ ዝብል ተስፋ ተገይርሉ ብትልሚ ደረጃ እናተሰርሐ ይርከብ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ዙርያ እዚ ክተርፍ ዘይግበኦ ሓሳብ እንተሃልዩ ተዝገልፁልና፤

ኣይተ ፍስሃ፡- ክጥቀስ ኣለዎ ዝብሎ ሓሳብ ቅድም ኢለ ብተወሰና ደረጃ ከምዝገለፅክዎ፤ እዚ ክልል ኣብ ኩናት ከም ምፅንሑ መጠን ሰፊሕ ዝኾ ናይ ስራሕ ሕፅረት ኣሎ ‘ዩ።

ብፌዴራል ድማ ብርክት ዝበሉ ናይ መዓድናት ፈቃድ ዝተዋሃቡ ኣለዉ፤ ዓበይቲ ካምፓኒታት ማለት ‘ዩ። እዞም ካምፓኒታት እዚኣቶም ምንም ዓይነት ፍርያት ኣይሃቡን እቲ ሒዞሞ ዘለዉ ሰፊሕ መሬት ‘ዩ። እዞም ኣካላት እዚኣቶም ናብ ስራሕ ክኣትዉ ኣለዎም። ስራሕ ምስኣተዉ ድማ እቲ ናይ ከባቢ ሕብረተሰብ ተረባሒ ዝኾነሉ ኩነታት ይፍጠር። እንተዘይኮይኑ ሓደ እቲ ዝሓዝዎ ቦታ ፅቡቕ ናይ መዓድን ፖተንሻል ዘለዎ ‘ዩ።

ካሊእ ብደረጃ ስፍሓት ከንርኢ እንተለና ሓደ ኢንቨስተር ዝሕዞ ዳርጋ ሓደ ወረዳ ‘ዩ። ኣዝዩ ሰፊሕ ‘ዩ። ስለዚ ኩሎም ብፌዴራል ፈቓድ ዝወሰዱ ኣካላት ናብ ተግባር ክኣትዉ ፌዴራል ክሰርሕ ኣለዎ። እቲ ፌዴራል በዓሉ ፈቓድ ዝሃቦም ስለ ዝኾኑ መንግስቲ ፌዴራል ኣብዪ ትኹረት ተዝገብረሉ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። ወይ እቶም ፈቃድ ዝወሰዱ ኣካላት እዚ ክገብሩ እንተዘይክኢሎም እቲ ዘሎ ናይቲ ከባቢ መንእሰይ በዓሉ ኣብኡ ተዋፊሩ ኣብቲ ቦታ ዝሰርሐሉ እንድሕር ተፈጢሩ ዓብዪ ረንሓ ‘ዩ ነቲ ህዝቢ።

ወጋሕታ፡- ንዝሃቡና ሰፊሕ መብርሂ የቕንየልና።

ኣይተ ፍስሃ፡- ኣነ ‘ውን ሓሰባይ ንምግላፅ ስለ ዝዓደምኩምኒ የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 23 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You