ሓደሽቲ ኮኾባት ንፈጣን ሰዓት ዝጋጠምሉ ማራቶን በርሊን

ኣትሌታት ኢትዮጵያውያን ሓድሽ ዓመት ናይ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ካብ ዝገብርዎም ውድድራት ማራቶን ብርሊን ተፀባይ ‘ዩ። ብዙሓት ናይ ዓለም ማራቶን ኮኾባት ዝጋጠምሉ ኣበዚ ውድድር ድሕሪ ኽልተ ሰሙን እንትካየድ ኢትዮጵያውያንን ኬንያውያንን ኣትሌታት ብኽልቲኡ ፆታ ዝገብርዎ ንሕንሕ ከምዝተለመደ ብሃንቀውታ ትፅቢት እናተገበረሉ ‘ዩ።

ብተደጋጋሚ ሪከርድ ዓለም ዝስበረሉ ማራቶን በርሊን ድሕሪ 2014 ናይቲ ርሕቐት ቀነኒሳ በቀለን ኢሉድ ኪፕቾጌ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣይሳተፉን። እዚ ድማ ናይ ዓለም ክብረወሰን ንምምሕያሽ ኣብ ሓደሽቲ ናይቲ ርሕቐት ከዋኽብቲ ማእገር ወዲቑ ‘ዩ።

ብደቂ ተባዕትዮ ዝግበር ፉኽክር 42 ኪሎ ሜትሮ ትሕቲ 2፡05 ምዝዛም ዝኻኣሉ ሽድሽተ ኣትሌታት ክሳተፉ ‘ዮም። ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ትሕቲ 2፡20 ዝዛዛሙ ኣርባዕተ ኣትሌታት ከምኡ ‘ውን ትሕቲ 2፡22 ዓሰርተ ኣትሌታት ተሳተፍቲ ‘ዮም። ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዱባይ በቲ ርሕቐት ንመጀመርያ ግዜ ብዝተሳተፈት ኣትሌት ዝተመዝገበ ፈጣን ሰዓት 2፡16፡07 ዝተዓወተት ትእግስት ከተማ እታ ሓንቲ እንትትኾን ካልኣይ ድማ ኣብ ቶኪዮ ማራቶን መበል ካልኣይ ኾይና ዝዛዘመት ኬንዊት ኣትሌት ‘ያ።

ኣብ በርሊን ናይ መጀመርያ ውድድራ እትገበር ትእግስት ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በዚ ውድድር ናይ ዓለም ክብረወሰን ዝሰበረት ናይ ብሩር ኦሎምፒክ ሜዳልያ ዝወሰደት ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ ናይ ልምምድ ኣጋር እንትትኸውን ናይ በርሊን እትኸይድ ፈጣን ሰዓት ብምድሓዝ ‘ዩ።

ነባር ናይ 1500ሜትሮ ባዓል ክብረ ወሰን ገንዘቤ ዲባባ ካብ ማእኸላይ ርሕቐት ናብ ማራቶን ምስዞረት ኣጀማምርኣ ፅቡቕ እንተኾነ ‘ውን ብዙሕ ርሕቀት ኣይተጉዓዘትን። ሎሚ ኣብ በርሊን ታሪኽ ማራቶን ብፈጣን ሰዓት ንምድማቕ ክትጎይ ‘ያ። ገንዘቤ ቅድሚ ኽልተ ዓመት ናይ መጀመርያ ማራቶን ውድድራ ኣብ ኣምስተርዳም ኣካይዳ 2፡18፡05 ምዝዛም ከምዝካኣለት ዝዝከር ‘ዩ። እዚ ሰዓት ግና ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ምምሕያሽ ኣይካኣለትን።

ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ኣትሌታት መስታወት ፍቕሩ፣ ኣዝመራ ገብሩ፣ ሲሳይ ጎላ፣ ኣባብል የሻነህ ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ኢትጵያውያን ኣትሌታት ‘የን። ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮ ዝግብር ንሕንሕ ‘ውን ቀዳሚ ፈጣን ሰዓት ዝሓዘ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ታደሰ ታከለ ‘ዩ። ካልኣይን ሳልሳይን ሒዞም ምስ ዝወዳደሩ ኣትሌታት ኬንያውያን ዝገብሮ ንሕንሕ ትፅቢት ይግበረሉ።

ካብ 1974 ኣ.ፈ ጀሚሩ እናተኻየደ ዝርከብ ማራቶን በርሊን ካብ ዓለም እቶም ሓሙሽተ ዓበይቲ ማራቶን እቲ ሓደ እንትኾን ሎሚ ዓመት መበል ሓምሳ ዓመቱ ክኽብር ‘ዩ። ኣብዚ ውድድር ጉዕዞ ፍርቂ ክፍለዘመን ዓሰርተ ሰለስተ ዝኾኑ ናይ ዓለም ማራቶን ክብረወሰን ዝተሰበርሉ እንትኾን እዚ ድማ ካብ ካልኦት ውድድራት ማራቶን ዝተፈለየን ኣትሌታት ፈጣን ሰዓት ንምምዝጋብ ንክመርፅዎ ኾይኑ ‘ዩ።

ድሕሪ ኽልተ ሰሙን መበል ሓምሳ ዓመቱ እንተኽብር ካብ ኣትሌታ ብተወሳኺ ንመጀመርያ እዋን ልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ህዝቢ ከምዝሳተፍ ትፅቢት ይግበር።

መሰረት ገብረዮሃንስ
ወጋሕታ 16 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You