“መስቀል ኣብ ዓለምና ዝዓበየን ዝኸበረን ከም ፃዕዳ ርግቢት ተምሳሌት ሰላምን ዕርቅን ‘ዩ” – መምህር ብርሃነሂወት ግርማይ

ሃገርና በዓልቲ ብዙሕ ሕብራዊ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓላት ዝኽበረላ ‘ያ። ኣብዚ ወርሒ እኳ መለወጢ ዘመን ሓዱሽ ዓመት ሓዊሱ ብዙሓት ዓበይቲ በዓላት ዝተኸበሩላን ዝኸበሩላን ‘ያ። ፅባሕ ዝኽበር ሃይመኖታዊ በዓል መስቀል ሓዊሱ ባህላዊ በዓል ኢሬቻ ኦሮሞ ዝኽበሩላ ‘ውን ‘ያ።

በዚ ምኽንያት ብምገባር ‘ውን ናይ ሎሚ ጋሻና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሃገረስብከት መካነ ሰማእት ቂርቆስ ቤተክርስተያን ሰባኬ ወንጌል ዝኾኑ መምህር ቀሲስ ብርሃነሂወት ግርማይ፤ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ብዛዕባ መበገሲ ኣከባብራ በዓል መስቀልን ኽብርታቱን እቲ በዓል ኣብ ማሕበራዊ ሂወተና ሰላም፣ ፍቅሪን ሓድነትን ኣብ ምብርትታዕ ዝህቦ ረብሓን ከምኡ ‘ውን ነዛ ሃገር ቱሪዝም ኣብ ምስሓብ ዝህለዎ ግደ፣ ካብ ኣስተምህሮታት እቲ በዓል ዝርከብ ትምህርታትን ካልኦት ጠቀምቲ መልእኽታትን ዘሕለፉሉ ፃኒሒት ከምዚ ዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣልና ሰናይ ንባብ:-

ወጋሕታ:- በዓል መስቀል ብፍላይ ንማሕበረሰብ ኣማኒ ክርስትና ዘለዎ ትረጉምን ረብሓን እንታይ ይመስል?

መምህር ብርሃነሂወት:- ሕፅር ብዝበለ እንትግለፅ፤ መስቀለ ክርስቶስ ወይ መስቀል ብዝብል ብብሉይ ኪዳን ‘ውን ብስርዓት ሮማውያንን ኣይሁዳውያንን ናይ ባዕሉ ዘኾነ ስፍሕ ዝበለ ታሪኽ ኣለዎ ‘ዩ። ሐዚ ንምሕፃር ክንብል ናብኡ ኣይነኣቱን።

መሰረታዊ ወይ መበገሲ ትሕዝቶ እቲ ሐዚ እነኽበረሉ ዘለና ምኽንያትን ንኣማኒ ዘለዎ ረብሓን እንተኢልና፤ መስቀል ማለት ናይ ምድሓን ቃል፣ ናይ መተዓረቂ ቃል ‘ዩ። መስቀል ማለት ኣብ ሞነጎ ክልተ ህዝብን ኣህዛብን ተባሂሎም ዝፍለጡ ዝነበሩ ብስርዓት፣ብሃይማኖትን ብባህልን ተፈላልዮም ዝነበሩ ናብ ሓደ ዝኣከበን ፅልእን ህውከትን ከም ጎቦ ከይኑ ፈልይዎም

ስለዚ መስቀል ማለት ናይ ቅድስና ቃል ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ንሓደ ክርስትያን ክርስትያን ኮይኑ ክነብር ከሎ ዝገለፀሉ ማንነት ‘ዩ። ንክፀውም፣ ንክፅሊ፣ ንክምፅውት፣ በዓላት ንከኽብር፣ ሰላም ክፈጥርን ኣብ ሞነጎ ዝተፃልኡ ከተዓርቅ ዝገብር ዘገድድን መንገዲ ኩሉ ናይ መስቀል ስርዓትን ኣስተምህሮን ተባሂሉ ይፍለጥ።

መስቀል ክንብል ከለና ዘድህሰስን ዘይድህሰስን ኢለካ ክትኸፍሎ ዝትኽእል’ዩ። እቲ ዘይድህሰስ እንብሎ፤ በዓል ምኽባር ነቲ መስቀል ዝግባእ ኽብሪ ብምሃብ፤ ኣብቲ በዓል ዝጠመዩ፣ ዝፀምኡን ዝዓረቁን ክበልዑ፣ ክሰትዩን ክለብሱን ዘተፃልዑ ክዕረቁን ዝገብር ከይዲ ኣስተምህሮ፣ ኣፈፃፅማን ኣሰራርሓን ኩሉ ዘይድህሰስ መስቀል ንብሎ። ሰለዚ መስቀል ማለት ናይ መተዓርቂ ናይ ድሕነት ቃል ‘ዩ። እቲ ዝድህሰስ መስቀል ድማ ባዕሉ እቲ መስቀል ኮይኑ ኣርማን ሎግን መለለይ መታወቅያ ክንብሎ እንኽእል ማለት ‘ዩ።

ወጋሕታ:- በዓል መስቀል ኣብ ማሕበራዊ ሂወተናን ኣብ ሞነጎ ህዝብታትን ሰላም፣ ፍቅሪን ሓድነትን ኣብ ምብርትታዕ ዝህቦ ረብሓ ኣለዎዶ? እንታይ ምስል?

መምህር ብርሃነሂወት:- እወ መስቀል ኣብ ማሕበራዊ ሂወትናን ኣብ ሞነጎ ህዝብታን ዝፍጠር ሰላምን ሓድነትን ከመይ የበረታትዕ ንዝብል ኩለና ከም እንፈልጦ ዝበዝሕ ማሕበረሰብ ዓለምና ኣብ ሃይማኖት ክርስትና ክኣምን ከሎ ኣብ ውሽጡ ነኒ ባዕሉ ስርዓት ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብ ናይ ካቶሊከ፣ ፕሮቲታንትን ኦርቶዶክስን ክርስትና ሃይማኖታት መስቀል ኣሎ ‘ዩ። እዚ መስቀል ኣብ ዓለምና ዝዓበየን ዝኸበረን መግለፂ ሰላምን ዕርቅን ኮይኑ ‘ውን ንዓለምና የገልግል ኣሎ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ መስቀል ፍልይ ዝበለ ክብሪ ኣለዎ ‘ዩ።

በዓል መስቀል ቅድሚ ዓሰርተ ኣርባዕተ ክፍል ዘመን ኣብ ቤተክርስትያን ውሽጢ ጥራሕ ‘ዩ ዝኽበር ነይሩ፤ ብድሕሪኡ ግና ኣብ ሓደ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሓምሳን ሸውዓተን ዓ.ም መንግስቲ ዝመስረቱ ሃፀይ ዳዊት ምኽንያት ግማደ መሰቀሉ ካብ ግብፂ ናብ ኢትዮጵያ መፂኡ ትምህረቲ ‘ውን ምስተውሃበ ከም ሃገር ሃይማኖታውን ማሕበረሰባውን በዓል ኣደባባይ ኮይኑ ክኽበር ጀሚሩ።

ስለዚ ኣብዚ ኣከባብራ በዓል ‘ዚ ካብቲ ሃይማኖታዊ ኣከባብራ ብተወሳኺ ናይቲ ሕብረተሰብ ናይ ሓዱሽ ዓመት መእተዊ ምስ ምዃኑ ኩሉ ማሕበረሰብ ብሓዱሽ መንፈስ ብሓዱሽ ትልሚን ኣተሓሳስባን ክሰርሕ ዝብገሰሉ፣ብኽረምቲ ምኽንያት ተበታቲኑ ዝነበረ ዘመድ ኣዝማድ ናብ ሓደ ተኣኻኺቡ ዝራኸበሉን ብፍሉይ ዓለባ ዓዲ ደሚቁ ዘኽብረሉ በዓል ብምዃኑ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ።

ማሕበረሰባዊ በዓልነቱ ምስ ናይ ካልኦት ማሕበረሰባዊ በዓላት ኣብ ዓለም ከርአ ከሎ ‘ውን ፍልይ ብዝበለ ገልገለ መስቀል ሒዝካ ዝኽበር ምዃኑ ደስ ዝብል ሰሓባይን ነቲ ሕብረተሰብ ሓዱሽ መንፈስ ምልዕዓል ዝፈጥር ሃይማኖታውን ማሕበረሰባውን በዓል ‘ዩ። እዚ በዓል ነቲ ሕበረተሰብ ከመይ ንገለፀሉን ንርድኦን ዝብል ሓደ ቃል ኣምላኽ ምጥቃስ ስለዘድሊ ኤፌሶን ምዕራፍ 2 ፍቅዲ13 ከሳብ 15 ኣብዘሎ ከምዝብሎ “እሱ ሰላምና እዩ” ንሱ ሰላምና ኣርማና ‘ዩ።

ሓንቲ ሃገር ባንዴራ ከምዘለዋ ክርስትና ‘ውን መለለይኣ መስቀል ‘ዩ። መሰቀል ናይ ሰላም ምልክት ‘ዩ። መሰቀል ከምፃዕዳ ርግቢት ተምሳሌት ሰላም ‘ዩ። ኣብ ዓለም ብመሰቀል ሰላም ፍቅሪን ሓድነትን መፂኡ ‘ዩ። ናይ መስቀል በዓልን ክብርን ዝተረድአ ኩሉ ሰብ ድማ ሰላማዊ ይኸውን ሰላም ‘ውን ይሰብኽ ማለት ‘ዩ። ስለዚ መስቀል ምስ ሰላም ‘ውን ዓብይ ርክብ ዘለዎ ዓብይን ቅዱስን በዓል ‘ዩ።

ወጋሕታ:- በዓል መስቀልን ካልኦት ናይ ጎዳና በዓላትን ኣብታ ሃገር ቱሪዝም ኣብ መስሓብ ዘለዎ ግደ እንታይ ይመስል?

መምህር ብርሃነሂወት:- ቱሪዝም ብዝምለከት በዓል መስቀል ብብርኪ ሃገር ኣብ ዩኒሰኮ ካብ ዝተመዝገቡ ሓደ ኾይኑ፤ ኣብቲ ኣከባብራ በዓል መስቀል ‘ውን ዝርኣዩ ደስ ዝብሉ ፅቡቃት ነገራት ኣለው ‘ዮም። ሓደ እቲ ሕብረተሰብ ናይ ሰላም፣ ጥንታዊ፣ ናይ ሃይማኖት ማሕበረስብ ብምዃኑ እቲ በዓል ኣከባብራ ይገንን።

ኣብቲ በዓል ኣከባብራ ብፍላይ ብናይ ቅዱስ ያሬድ ዜማ፣ ወረብን ቅኔን ተዓጅቡ ዝኽበር ምዃኑ ፍሉይ ድባብ ይፈጥር። እቲ ሕብረተስብ ‘ውን ብዓለባ ዓዲ ብጥለፊ ደስ ብዝብል ወቂቡ ክወፅእ ከሎ ዓለም ነዚ ማሕበረስብ ከብሪ ይህብ። ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ተኸባቢሩ ዝነብር ምዃኑን ናይ ሰላም ማሕበረሰብ ምዃኑ ነቶም በፃሕቲ ዓዲ ‘ውን ዝገልፅ ፍሉይ በዓል ብምዃኑ ንቱሪዝም ዘለዎ ረብሓ ልዑል ‘ዩ።

ብተወሰኺ ናብዚ ዝመፅእ ቱሪስት ካብዚ ብዙሕ ተማሂሩሉ ክኸይድ ኣንሕና ‘ውን ዝተፈላለየ ረብሓታት ክንረክብ የኽእለና ‘ዩ። ብሓፈሻ ኣከባብራና ናይ ስላም ናይ ምክብባርን ፍቅርን ስለዝኾነ፤ ብፍላይ ንቱሪዝም መስሕብ ልዑል ግደ ካብ ዘለዎም ዝተፈላለዩ በዓላት ‘ውን ሓደ ብምዃኑን ከም በዓል ጥምቀት ዝበሉ ካልኦት ባህላውን ማሕበረሰባውን በዓላት ኢትዮጵያ ድማ እዚ በዓል ጥንታውነቱን ክበርታቱን ሓልዩ ዝኸበረሉ በዓል’ዩ።

ኣብዚ በዓል ምትሕግጋዝን ኩሉ ፀጊቡ ዝውዕለሉን ካብ ወዲ ሰብ ሓሊፉ እንስሳት ‘ውን ጠምየን ከይውዕላ ብፍሉይ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ዘለዎ ንክበልዓ ብምግባር ፀጊበን ዝውዕለሉ በዓል ‘ዩ። ስለዚ ምሰዚ ተተሓሒዙ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓዱሽ ዓመት ‘ውን ስለዝኾነ ናይ ፍቅሪ፣ ናይ ሰላም፣ ናይ ፅጋብ፣ ናይ ራሕዋ፣ ናይ ምርድዳእን ምትሕግጋዝን ዘመን ክኸውንን ኣብዚ በዓል ዚ ዓሊምካ ተሊምካ ዝትኸደሉ ‘ውን ከምዘኾነ ካብ ባህሊ ማሕበረሰብና ምርዳእ ይከኣል ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ካብ በዓል መስቀል እንታይ ክንምሃር ንኽእል? ብፍላይ ምስቲ ፀላእቲ መስቀል ንክርሳዕ ተባሂሉ ጎቦ ዝኣክል ጎሓፍ ኣብ ልዕሊኡ ኣፍሲሶም እንተቀበርዎ‘ውን ተቀቢሩ ክተርፍ ብዘይምኽኣሉ ተተሓሓዙን “ፈትሊ ሓቂ ትምንምን እምበር ኣይትብጠስን” ምስ ዝብል ምሳለ ወለዲ እንታይ ንምሃር?

መምህር ብርሃነሂወት:- ከምዝፍለጥ እዚ ዝተብሃለ ብመስቀል መድሓኒትናን ፅልኢ ሓዲርዎም ስለዝነበረ እቶም ዝሰቀለዎን ብዙሕ መከራን ዘብፅሑሉን ሞት ዘፈረዱሉን ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ እቲ መሰቀሉ ‘ውን ዕወራት የብርህ፣ ምውታን የተስእን ካልኦት ኣምላካዊ ፀጋታት ተኣምራትን የርእይ ስለዝነበረ፤ በዚ ምኽንያት እዚ ኣይሁዳውያን ንመሰቀለ ክርስቶስ ቀቢሮምዎ ‘ዮም።

ንልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ተቀቢሩ ድሕሪ ምፅናሕ ብፈቃድ እግዚኣብሄር ብምኽንያት ንግስቲ ኢሌኒ፣ ዓብይ ቆስጠንጢኖሰን ብካህን ኪራቆስ እቲ ዝተቀበረሉ ቦታ ንምርካብ ዓብይ ደመራ ተደሚሩ ትኪ እቲ ደመራ ድማ ናብ ሰማይ ወፂኡ ናብቲ መስቀል ዝተቀበረሉ ቦታ ምልክት ስለዘርአየ ብኡ ኣቢሎም ደማ ካብቲ ተቀቢረዎ ዘነበረ ኩዒቶም ኣውፂኦም ‘ዮም። በቲ መስቀል ‘ውን ዝተፈላለዩ መደነቅቲ ተኣምራት ተሰሪሑ ‘ዩ።

በዚ መሰረት ኣብ መስቀል ዘነበረ ሓቂ ቀቢሮም ከትርፈዎ ሞኪሮም ‘ዮም። ይኹን ‘መበር ማዕተብ ሓቂ ትምንምን እምበር ኣይትብጠስን” ከምዝበሃል ሓቂ ኩሉ ግዘ ተቀቢራ ኣይትተርፍና ‘ያ። ስለዚ ንሃገሩ፣ ንህዝቡን ንሃይማኖቱ ይፈትው ‘የ ዝብል ኩሉ ሓቂ ሒዙ ክሰርሕ ኣለዎ።

ወጋሕታ:- ኣብ ሃገርና ዝኽበሩ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓላት ኸመይ ክኽበሩ ከለው ‘ዮም ዝበለፀ ረብሓ ከህልዎም ዘኽእል?

መምህር ብርሃነሂወት:- ሃይማኖታውን ማሕበረሰባውን በዓላት ክኽበሩ ከለው፤ ናይ ኩሉ መሰረቱ ሰላምን ምክብባርን ‘ዩ። ስርዓት ሃይማኖት ንከትፍፅም እቲ መጀመርያ ዘድሊ ሰላም ‘ዩ። ንጉስ ዳዊት ንሰላም ተኸተልዋ ድለይዋ ‘ውን ይብል ‘ዩ ‘ሞ ንኹሉ መሰረቱ ሰላም ‘ዩ። ሃይማኖታዊ በዓል ህዘባዊ በዓል ማለት ‘ዩ።

ህዝባዊ በዓል ‘ውን ሃይማኖታዊ በዓል ማለት ስለዝኾነ በዓል መሰቀል ህዝባዊ በዓል ‘ዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ካልኦት ህዝባዊ ዝኾኑ በዓላት ‘ውን ዝፃረር ንሰላም ዝፃረር ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮ ‘ውን የለን ‘ዩ። ንውልቀ ረብሕኦም ንስልጣኖም ክብሉ ጠምዚዞም ሰፊሕ ማሕበረሰብ ዝጎድእ ተግባር ዝፍፅሙ ውልቀ ሰባት ግና ክህልው ይኽእሉ ‘ዮም።

በዓል ከመይ ክኸበር ኣለዎ ናብ ዝብል ክንምለስ ከለና ሃይማኖታዊ በዓል በሃይማኖታዊ ስርዓት ማሕበረሳባዊ በዓል ብማሕበረሰባዊ ስርዓት ‘ዩ ክኽበር ዘለዎ። በዓል ሓደ ማሕበረሰብ እንትተኻኢሉ ነቲ ካሊእ ማሕበረሰብ ‘ውን ብዘሳትፍ መልክዕ ሕጉስ ኮይኑ ከኽበር ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ድማ ነኒ ባዕሎም ብምክብባርን ብምትሕስሳብን ሰላማዊ ብምዃን ከኽበር ኣለዎ።

ካብዚ ወፃኢ ኣነ ጥራሕ ዝብል መንፈስ እንተሃለዩ ግና ተቐባልነት ዘለዎ ኣይከውንን፤ ማሕበረሰብ ዓለም ‘ውን ከኽብረና ኣይኽእልን ክበፅሐና ‘ውን ኣይመፅእን። ስለዚ ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት ማሕበረሰብ ምስ ማሕበረስብ ተኸባቢሩ፣ ተደጋጊፉ፣ ተኸኣኢሉን ተሓጋጊዙን ከኽብሮ ይግባእ።

ብተወሳኺ ብፍላይ ኣብ እዋን በዓላት እቲ ዘለዎ ንዝይብሉ ወገኑ ንዝጠመየን ዝፀምአን ብምበላዕን ብምስታይን ተሓጋጊዙ ከኽብሮ ከሎ ‘ዩ ዝበለፀ እቲ በዓል ረብሓ ዘለዎ ዝኸውን። ስለዚ እዚ በዓል መስቀል ናይ ኦርቶዶክሳውያን በዓል ጥራሕ ዘይኮንስ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ‘ውን ስለዝኾነ ኩሉ ናይ ሃገረይ ባህሊ ዘንፀባርቀሉ ቅርሲ ‘ዩ ኢሉ ብግቡእ ንክኽበር ግድኡ ክፃወት ኣለዎ።

ወጋሕታ:- ኣብዚ ክልዓል ዘለዎ ዘይተለዓለ ሓሳብ መልእኽቲ እንተሃልዩ ናይ መወዳእታ ዕድል ክህቦም?

መምህር ብርሃነሂወት:- እዚ ንቋንቋ ትግርኛ መንበባይ ዝዳለው ጋዜጣ ምስ ምዃኑ ብዛዕባ ህዝብና ህዝቢ ትግራይ ብዝምልከት፤ እቲ ዝሓለፈ መከራን ስደትን የኣኽለና። ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ሰላም ኣድላይ ‘ዩ” ስለዚ መልእ ህዝብና ኣብ ሰላም ትኹረት ገይሩ ከሰርሕ ኣለዎ።

ምስ ኩሉ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ይኹን ምስ ካሊእ ማሕበረሰብ ዓለም ተስማዕሚዕና ብሰላም እንኸደሉ መንገዲ ክፍጠር ኣለዎ። ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ሰላምና ክነግስ ኣልዎ። ሰላም እንተዘይሃለዩ ካብ ዝሓለፈ ዝሓመቐ ‘ውን ከይመፅአና ኩለና ሰላምና ክንዕቅባ ይግባእ። ምኽንያቱ ስእነት ሰላም ሃይማኖትን ፆታን ከይፈለየ ዝጎድእ ስለዝኾነ ኩለና ብዘይኣፈላለይ ኣብዚ ብትኹረት ክንዋሳእ የድሊ።

ፖለቲካ ንሰብ ዋና ፖለቲካ ብምግዳፍ ብዝምለከቶም ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ጥራሕ ክትንተን ኣለዎ። መንግስቲ ናይ መንግስቲ ነጋዳይ ናይ ነጋዳይ ስርሑን ኩሉ ነናይ ባዕሉ ስራሕ ከሰርሕ ኣለዎ። ካብዚ ወፃኢ ሰብ ኣብዘይምልከቶ ኣትዩ ሓደ ናይ ሓደ ደጋፊ ‘የ ብምባል ብማሕበራዊ ሚደያ ንስላም ጠንቂ ዝኾኑ ዘየድልዩ መልእኸትታት ምብታን ፅቡቕ ኣይኮነን። ናይ መራሕቲ ፖለቲካ ይኹን መራሕቲ ሃይማኖት ክብሪ ብዘጉድል ቃላት ምንቁሻሽ ምፅራፍ ክተርፍ ኣለዎ። ቅድሚ ኹሉ ምንተ ሰላም ክስበኽ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ኣለኒ።

ወጋሕታ:- ንዝሃቡኒ ቃለ መሕትት የቐንየለይ።

መምህር ብርሃነሂወት:- ኣነ ‘ውን ንዝተወሃበኒ ዕድል የመስግን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 16 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You