ኣዲስ ኣባባ:- ሃይማኖታውን ማሕበረሰባውን በዓላት ክኽበሩ ከለው ሰላምን ምክብባርን መሰረት ዝገበሩ ክኾኑ ይግባእ ክብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሃገረስብከት መካነ ሰማእት ቂርቆስ ቤተክርስተያን ሰባኬ ወንጌል ቀሲስ ብርሃነሂወት ግርማይ ገሊፆም።
ቀሲስ መምህር ብርሃነሂወት ግርማይ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝገለፅዎ፤ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ንኹሉ መሰረቱ ሰላም ‘ዩ። መስቀል ድማ ኣብ ዓለምና ዝዓበየን ዝኸበረን መግለፂ ሰላምን ዕርቅን ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ምዃኑ ብምገላፅ፤ መስቀል ምስ ሰላም ዓብይ ርክብ ዘለዎ ቅዱስን በዓል ‘ዩ ኢሎም።
ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ሰላምና ክነግስን ክዕቀብ ኣልዎ ዝበሉ መምህር ብርሃነሂወት፤ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ እቲ ዝሓለፈ መከራን ስደትን የኣኽሎ። ስለዚ መልእ ህዝቢ ኣብ ሰላም ትኹረት ገይሩ ከሰርሕ ኣለዎ። ምስ ኩሉ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ይኹን ምስ ካሊእ ማሕበረሰብ ዓለም ተስማዕሚዕና ብሰላም እንኸደሉ መንገዲ ክጠናኸር ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።
በዓል መስቀል ብብርኪ ሃገር ኣብ ዩኒሰኮ ካብ ዝተመዝገቡ ዘይድህሰሱ ቅርስታት ሓደ ምዃኑ ብምዝኽኻር፤ ኣብቲ ኣከባብራ በዓል ዝርኣዩ ደስ ዝብሉ ፅቡቃት ነገራት ብፍላይ ብናይ ቅዱስ ያሬድ ዜማ፣ ወረብን ቅኔን ተዓጅቡ ዝኽበር ምዃኑ ፍሉይ ድባብ ዝፈጥር በዓል ብምዃኑ ንቱሪዝም ዘለዎ ረብሓ ልዑል ‘ዩ ኢሎም ።
ኣከባብራ በዓላትና ብሰላም፣ ብምክብባርን ፍቕርን ዝተሰነየ ስለዝኾነ ዝተፈላለዩ ናይ ጎዳና በዓላት ቱሪዝም ኣብ ምስሓብ ልዑል ግደ ከምዘለዎም ብምግላፅ፤ በዓል መስቀል ናይ ኦርቶዶክሳውያን በዓል ጥራሕ ዘይኮንስ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ‘ውን ስለዝኾነ ኩሉ ዜጋ ናይ ሃገረይ ባህሊ ዝንፀባርቀሉ ቅርሲ ‘ዩ ኢሉ ብግቡእ ንክኽበር ግድኡ ክፃወት ኣለዎ ክብሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም።
በዓል መስቀል እንተኽበር ዝጠመዩ፣ ዝፀምኡን ዝዓረቁን፤ ክበልዑ፣ ክሰትዩን ክለብሱን ዘተፃልዑ ክዕረቁን ዝገብር ኣስተምህሮ መስቀል ብምዃኑ ኣብዚ እዋን እቲ ዘለዎ ንዝይብሉ ወገኑ ብምበላዕን ብምስታይን ተሓጋጊዙ ከኽብሮ ከምዝግባእ መምህር ብርሃነሂወት ምዒዶም።
መስቀል ክንብል ከለና ዝድህሰስን ዘይድህሰስን ኢለካ ከፊልካ ዝርኣይ ከምዝኾነ ዘረድኡ መምህር ብርሃነሂወት፤ እቲ ዘይድህሰስ እንብሎ፤ ነቲ መስቀል ዝግባእ ኽብሪ ብምሃብ፤ ኣብቲ በዓል ዝጠመዩ፣ ዝፀምኡን ዝዓረቁን ክበልዑ፣ ክሰትዩን ክለብሱን ዘተፃልዑ ክዕረቁን ዝገብር ከይዲ ኣስተምህሮ ኮይኑ፤ እቲ ዝድህሰስ መስቀል ድማ ባዕሉ እቲ እፀ መስቀል ኮይኑ ኣርማን መለለይን ክንብሎ እንኽእል ክብሉ ኣብሪሆም።
ከም ገለፃ መምህር ብርሃነሂወት፤ ሃይማኖታዊ በዓላት በሃይማኖታዊ ስርዓት ማሕበረሳባዊ በዓላት ብማሕበረሳባዊ ስርዓት ‘ዩ ክኽበሩ ከምዘለዎምን፤ በዓል ሓደ ማሕበረሰብ እንትተኻኢሉ ነቲ ካሊእ ማሕበረሰብ ‘ውን ብዘሳትፍ መልክዕ ሕጉስ ኮይኑ ከኽበር ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ድማ ብምክብባርን ብምትሕስሳብን ብሰላም ከኽበር ኣለዎ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 16 መስከረም 2017 ዓ.ም