ዜና ትንታነ
ኣብ ዘመበነ ምህርቲ 2016/17 ኣብ ትግራይ ልዕሊ 700ሺ መሬት ብዝራእቲ ተሸፊኑ ኣሎ። እዚ ምህርቲ ብእዋኑ ምእካብን መስኖ ንምስፍሕፋሕን ከምኡ’ውን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ መፍረያይነትን ልምዓት ትሩፋት ብምትእትታው ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ስራሕቲ ይሰርሑ ኣለው።
ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ኢያሱ ኣብርሃ (ዶ/ር)፣ሓረስታይ ትግራይ ንምዝማንን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ መፍረያይነት ንምርግጋፅን ግዜን ጉልበትን ዝቑጡብ ቴክኖሎጂ ወሳኒ ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ፡
ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ምስ ትካል ዓለም ለኸ ተራድኦ ጀርመንን / ጂ ኣይ ዜድ/ ዓለም ለኸ ምርምር ስርናይን ዕፉንን ስሚትን ብምትሕብባር ኣብ ወረዳ እንድርታን ሕንጣሎን ብምርምር ዝተዘርአ ክላስተር ስርናይ ብሉፅ ተሞኩሮ ንምክያድ ዑደት ኣሳሊጡ ኣሎ።
ሓረስቶት ሜካናይዜሽን ተጠቒሞም ግዚኦም፣ገንዘቦምን ጉልበቶምን ቆጢቦም ዝሐሸ ምህርቲ ክረኽብሉ ዘኽእል ዕድል ምህላው ኣተሓባባሪ ትካል ዓለም ለኸ ተራድኦ ጀርመን ኣይተ በላይ ታደሰን ሲነር ስፐሻሊስት መካናይዜሽን ሲምት ኣይተ ኤፍረም ታደሰን ገሊፆም።
ብሜከናይዜሽን ዝተደገፈ ዝራእቲ ተጠቒሞም ፅቡቕ ፍርያት ይፅበዩ ምህላዎም ዝገለፁ ተጠቀምቲ ብግዲኦም ካልኦት ሓረስቶት ዘመናዊ እታዎት ተጠቒሞም ምህርቶም ከዕብዩ ይግባእ ኢሎም። ብሜካናይዜሽን ምዝራእ ኣብ መፍረያይነት ዓብዪ ግደ ከምዘለዎ ዝገለፁ ኣብቲ ዑደት ተሞኩሮ ዝወሰዱ ሓረስቶት ድማ ብተግባር ንምስራሕ ከምዘላዓዐሎም ይገልፁ።
ብኻሊእ ወገን ዶ/ር እያሱ ኣብርሃ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ከምዝበልዎ፤ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ግዚኡ ዘይሓለወ ዝናብ ክህሉ ዝኽእልን፤ ዘስዕቦ ሓደጋ ከይህሉ ዝራእቲ ብእዋኑ ምእካብ የድሊ። ነዚ ድማ ኣብ እዋን ምእካብ ዝራእቲ ኩሎም ኣማራፅታት ምጥቃም የድሊ ዝበሉ ዶክተር እያሱ፣ ሓይሊ ሰብ ኣብ ዝርከቦም ብወፈራ ተዋዲድካ ክፍፀም ከምዝግበኦ ኣገንዚቦም።
ካብዚ ሓሊፉ ዋሕዲ ሓይሊ ሰብ ኣብ ዘጋጥመን ከባቢ ሜካናይዜሽን ንምጥቃም ምድላው ከምዝተገበረ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፣ እዚ እኹል ከምዘይኾን ድሕሪ ምሕባር ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፣ መናእሰይ፣ ተምሃሮን ሰብ ሃፍትን ብሰፊሑ ክሳታፉ ክግበር ከምዘለዎ ኣረዲኦም። ንስድራ ስውኣት፣ ደቂ ኣንስትዮን ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናትን ቀዳምነት ክወሃብ ‘ውን ፀዊዖም።
ዶክተር እያሱ ኣብ መግለፂኦም፣ ከም ቢሮ ሕርሻ ዝተታሕዘ ኣንፈት፣ ሓረስታይ ኣብ ሓጋይ ክልተ ግዘ ኣብ ክረምቲ ሓደ ግዘ ከፍሪ ይስራሕ ኣሎ። ስለዚ ልምዓት መስኖ ጎና ጎድኒ ምእካብ ፍርያት ቀልጢፍካ ምጅማር የድሊ። ብመሰረት እዚ ኣብ 2017 ዓ.ም ልዕሊ 69 ሽሕ ሄክታር ብመስኖ ንምልማዕ ምድላዋት ከምዝተገብረ ይዛረቡ።
ነዚ ንምዕዋት እኹል ቀረባት እታዎት ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር ውፅኢት ዝርከብ ዓቕምታት ብምእካብን መንግስቲ ንሕርሻ ጠመተ ሂቡ ብተወፋይነት እንትሰርሕን ብምዃኑ መሪሕነት ዝለዓለ ጠመተ ክህብ ከምዝግበኦ ድማ የተሓሳስቡ። ብኻሊእ ወገን ኣብ ክልል ትግራይ መርሃ ግብሪ ሌማት ትሩፋት ንምስፍሕፋሕ ዘኽእል ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ እቶም ሓለፊ ኣፍሊጦም’ዮም።
ዶክተር ኢያሱ ኣብርሃ ንትልምታት ስራሕ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝገለፅዎ፤ ድኽነት ንምቕራፍ ዓቕሚ ምፍፃም ምዕባይን ካብቲ ዝተለመደ ኣካይዳ ውፅእ ኢልካ ምስራሕን ይግባእ። ኣብቲ ክልል ውሕስነት ምግቢ ምርግጋፅ፣ ዕዳጋ ተኮር ፍርያት ምፍራይን ዘላቒ ልምዓት ምርግጋፅን ጠመተ ዝተውሃቦም ጉዳያት ምዃኖም ተዛሪቦም።
ብፍላይ ኣብቲ ክልል ንዘሎ ሃፍቲ እንሰሳት ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ሌማት ትሩፋት ንምስፍሕፋሕን በቢከባቢኡ ንህብን ደርሆን ምርባሕን ክላስተር (መንደር) ናይ ፀባ ኣላሕም ንምፍጣርን እናተሰርሐ ምዃኑ ኣመላኺቶም። ብድጋፍ መንግስቲ ፌደራል ‘ውን ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ተቐሪፆም ናብ ትግበራ እናተኣተወ ምዃኑ ኣልዒሎም።
ኣብቲ ክልል ኣብ ዘመነ ምህርቲ 2016/17 ዓ.ም ልዕሊ 700 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ዝራእቲ ከምዝለምዐ ሓቢሮም፤ እቲ ዝራእቲ ‘ውን ኣብ ፅቡቕ ቑመና ይርከብ ኢሎም ኣብቲ ክልል ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ንምልማዕን ሜካናይዜሽን ሕርሻ ንምስፍሕፋሕን ምስ ሚኒስቴር ግብርና ብምትሕብባር እናተሰርሐ ምዃኑ ዶክተር ኢያሱ ኣብርሃ ገሊፆም።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 16 መስከረም 2017 ዓ.ም