ትኹረት ዘድልዮ ዓውደ ትምህርቲ

ትንታነ- ዜና

ሓንቲ ሃገር ኩለመዳያዊ ለውጢ ክህልዋ እንድሕር ደኣ ኮይኑ ዝተመሃረ ዜጋ ክህልዋ ናይ ግድን ‘ዩ፡፡ ብዙሓት ምዕቡላት ሃገራት ዓለም ናብ ጠርዚ ምዕባለ ዝበፅሓ ዝተመሃረ ዜጋ ብምውናነን ‘ዩ፡፡ ስለዚ ትምህርቲ ዓብዪ ትኹረት ዘድልዮ ሴክተር ከም ምዃኑ መጠን ሃገርና ኢትዮጵያ ነዚ ግቡእ ትኹረት ከትህቦ ይግባእ፡፡

ቕድሚ ሕዚ ግቡእ ትኹረት ስለዘይተዋሃቦ ብዙሕ ተማሃራይ ናይ መሕለፊ ነጥቢ እናረኸበ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ትግራይ እንተሪእና በጀካ ውሱናት ተማሃሮ መብዛሕተኦም መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸቡ ኣይኮኑን፡፡ ስለዚ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ፀገማት ነቒስካ ብምውፃእ ክስርሑ ዝግበኦም ነገራት ብትኹረት ምስራሕ የድሊ፡፡ ነዚ ድማ ኩሉ መዳርግቲ ኣካል ክሰተፍ ክኽእል ኣለዎ፡፡

ኣብ ትግራይ ን2017 ዓ.ም ኣብ 2016 ዓ.ም ዝነበሩ ፀገማት ትምህርቲ ብኣግባቡ ብምግምጋም ዝሓሸ ነገር ንምስራሕ ምንቅስቓስ ከም ዘድልን ከም መንግስቲ ድማ ኣድላይ ዝባሃል ሓገዝን ክትትልን ከም ዝግበር ተገሊፁ ኣሎ። እዚ ዝተገለፀ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣመራርሓ ትምህርቲ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2016ን ቀፀልቲ መደባት 2017ን ዓ.ም መድረኽ ዘተ ኣብዘሳለጠሉ ‘ዩ፡፡

ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ትልሚ ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ህይወት ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ትግራይ ምስ ብዙሕ ፀገማቱ ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ትምህርቲ ክጅምር ምግባሩ ዝሓሸ ለውጢ ከም ዘምፀአን ኣብ ሃገራውን ክልላውን ዝነበሩና ፈተናታት ተምሃሮና ምስ ብዙሓት ፀገማቶም ዝሓሸ ውፅኢት ከም ዘምፅኡን ምስግና ከም ዝግበኦምን ይገልፁ፡፡

እተን ብተመዛበልቲ ዝተትሓዛ ኣብያተ ትምህርቲ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንክምለሱን ኣብ 2017 ዓ.ም ትምህርቲ ትግራይ ናብ ንቡር ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምምላስ ብዕቱብ ከም ዝስራሕ ዝገልፁ ፕሮፌሰር ክንደያ፤ ቕድሚ ሕዚ ዝነበሩ ፀገማት ንምምሕያሽ ትኹረት ከምዝግበር ይዛረቡ፡፡

ድሕሪ ናይ 3 ዓመት ኩናት፣ ትግራይ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ተምሃራይ ብምሓዝ ብተስፋ ዝጀመርናዮ ምምሃር ምስትምሃር ዋላ’ኳ ዘዕግብ ውፅኢት ኣይንርከብ ሳላ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ትግራይን መላእ ሕብረተሰብ ትግራይን ዝሐሹ ምንቅስቓሳት ከም ዘለውን እንተኾነ ግን ሐዚ ‘ውን ብምኽንያት እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዘይተመለሱ ዝሓበሩ ድማ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኪሮስ ጉዕሽ (ዶ/ር) ‘ዮም፡፡

ፅሬት ትምህርቲ ትግራይ ንምርግጋፅ ብዙሓት ፀገማት ከምዘለዉ ብምግላፅን ስርዓት ትምህርቲ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ልዕሊ 5 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ዶላር ከምዘድሊ ብምሕባርን፤ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዘተ መድረኻት ከምተጀመረን እቲ መድረኽ ክሳብ ዞባታት ከም ዝቕፅል ተገሊፁ ‘ዩ፡፡ ብኻሊእ ወገን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 2017 ዓ.ም ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ እናተሰርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ንምግባር ግደና ክንዋፃእ ኢና ክብሉ ተምሃሮ፣ መምህራንን ወለድን ገሊፆም ‘ዮም፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ዘመነ ትምህርቲ 2017ዓ.ም ስሩዕ ናይ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 6 መስከረም ዝጀመረ ኮይኑ፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ናይ ሎሚ ዘመነ ትምህሪቲ ኽልተ ነጥቢ ኣርባዕተ ሚልየን ተምሃሮ ኣብ ማኣዲ ትምህርቲ ከምዝርከቡ ዝተገለፀ ኮይኑ፤ ዘመነ ትመህርቲ ምጅማር ስዒቡ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቲ ክልል ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ እናተሰርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ንምግባር ግደኦም ንምውፃእ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም ‘ዮም፡፡

ኣብ ከተማ መቐለ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ብርኪ ሓወልቲ 10ይ ክፍሊ ተምሃራይ ክብሮም ፍሳሃ፤ ከምኡ ‘ውን ናይ 11 ክፍሊ ተምሃራይ ዳዊት ተመስገን፤ ዝዋሀባና ትምህርቲ ብንቅሓት ብምክትታል ሓገዝቲ መፅሓፍቲ ብምንባብ እዚ ዘመነ ትምህርቲ ንምሕላፍ ከምዝተዳለዉ ‘ዮም ዝገልፁ፡፡

ብስነምግባር ንትምህርቶም ትኹረት ብምሃብ ናብ ቀፃሊ ክፍሊ ዘሕልፎም ውፅኢት ንምምፃእ ካብ ኸዚ ጀሚሮም ከምዝፅንዑ ዝገለፁ ድማ ኣብ መቐለ ገረብፀዶ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ ሻምናይ ክፍሊ ተምሃሮ ነብያት ኣሸናፊን በረከት ሺሻይን ‘ዮም፡፡

ግልጋሎት ቤት መፅሕፍቲ ተበፃሒ ንክኾን ሓገዝቲ መፅሓፍ ንክማለአሎም እቶም ተምሃሮ ዝሓተቱ ኮይኖም፤ ገረብ ፀዶ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲን ሓወልቲ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርትን መምህራን ዝኾኑ መምህር ቴድሮስ ንጋቱን መምህር ተስፋይ ገብረማርያም ሙሉእ ዓቕሞም ተጠቒሞም ንምምሃር ከምዝተዳለዉ ‘ዮም ዝልፁ፡፡

ኩረጃን ካልኦት ዓርስኻ ዘይምትእምማን ፀገማት ካብ ኸዚ ንምውጋድ ከምዝሰርሑ ዝተዛረቡ እቶም መምህራን ተምሃሮ ኣሰር ጎበዛት ተምሃሮ ንክኽተሉ ብጥንካር ከምዝሰርሑ ገሊፆም ‘ዮም፡፡ ተምሃሮ ሙሉእ ግዚኦም ንትምህርቲ ብምሃብ ሰናይ ዜጋ ንክኾኑ ግደ ወለዲ ዓብይ ከምዝኾነ ንፅሬት ትምህርቲ ናይ ግደና ክንሰርሕ ይግባእ ዝበላ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ወላዲ ተምሃራይ ዝኾና ወይዘሮ ፈትየን ረዳኢ እየን፡፡

ብኻሊእ ወገን ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ሓደሽቲ ተምሃሮ ታሽዓይ ክፍሊ 24 መስከረም 2017 ዓ.ም ክምዝግብ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣፍሊጡ ‘ዩ። ኣብ ብሄራዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ 85ን ልዕሊኡን ማእኸላይ ውፅኢት ዘመዝገቡ ተምሃሮ ክምዝገቡ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ ‘ዩ።

ምዝገባ ዝካየደሎም ቦታታት ድማ ኣብ መቐለ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ፣ ማይጨው ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጥላሁን ግዛው፣ ዓድግራት ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣግኣዚ፣ ኣክሱም ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብርሃ ወኣፅብሃ፣ ሽረ እንዳስላሰ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደምቦስኮ፣ ኣዲስ ኣበባ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ቦሌ ህድሞና ህንፃ ምዃኑ ተሓቢሩ ‘ዩ።

25 መስከረም 2017 ዓ.ም መእተዊ ፈተና ከምዝውሃብ ዝሓበረ እቲ ቤት ትምህርቲ፣ ባሕቲ ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ድማ ውፅኢት ከምዘፍልጥ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዝወዘዖ ሓበሬታ ኣመላኺቱ ‘ዩ።

ኣብ 1990 ዓ.ም ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝጀመረ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ፤ ዛጊድ 2500 ተምሃሮ ተቐቢሉ ዘምሃረ እንትኾን ኣብ 2016 ዓ.ም ኣብ ዝተውሃበ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ብደረጃ ሃገር ልዑል ውፅኢት ዝተመዝገበ ብተምሃሮ እቲ ቤት ትምህርቲ ምዃኑ ዝፍለጥ ‘ዩ።

መኣርግ ገ/ሄርን መሰረት ገ/ዮሃንስን

ወጋሕታ 9 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You