ባህላዊ ስነ ስርዓት ኣፈታትሓ ጎንፂ ህዝቢ ሃድያ ‹‹ሲራ››

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ጥንታውያን ባህልታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ካብ መንጎ ዘለዎም ህዝብታት፤ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሃገርና ዝርከቡ ብሄረሰብ ሃድያ ተጠቀስቲ እዮም።ከምዝፍለጥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ኣፈታትሓ ጎንፅታት ኣለዉ፤ዝተፈላለዩ ጎንፅታት ‘ውን ይኽሰቱ እዮም። ካብ ኣቶም ቤተሰባዊ፣ ዓሌታዊ፣ብወሰን ወይ ድማ ድምበር፣ሕልፍ እንትብል ውን ናብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ፀገማት ክገፍሕ ይኽእል እዩ።

መልዐሊ ምኽንያት ክህሉ ስለዝኽእል፣ሰባት ንምንታይ ተጋገዩ፣ ንምታይ ሰሓቱ፣ ንምንታይ ይጋጨዩ ኣይበሃልን። ኣሽንኳይዶ ሰብ ተዛራቢ፣ ተንቀሳቃሲ፣ እምኒ ምስ እምኒኳ ይላተም ይብሉ ዓበይቲ። እንተኾነ ግና ብገንኡ ተዘይተኣሪሙ ሓደ ሻዕ ዝተፈጠረ ጌጋ ንምምላሱ ኣፀጋሚ እዩ። ብዙሕ ሰብ ስለ ዝመላላእ ምእራም፣ ይቕረ ምባል፣ ምሕረት ምግባርን ሰባት ካብ ምቅይያም፣ ምጥቕቓዕ ወፂኦም ሰላማዊ ህይወት ንምምራሕ ካብ ፍርሕን ንሕንሕን ናፃ ንምዃን፤ በዳሊ ምስ ተበዳሊ ብሓደ ቐሪቦም ብሽማግለታት፣ ብዓበይቲ ዓዲ፣ ብመራሕቲ ሃይማኖትን ዝፍፀም ባህላዊ ስነ‑ስርዓት ዕርቂ ንኽፍጠር ምክንያት ዀይኑ እዩ።

ባህላዊ ስነ‑ስርዓት ዕርቂ፤ ኣብ ሞንጎ ሰባት ንዝፍጠሩ ዝተፈላለዩ ጐንፅታት፣ ኣፈላላያት፣ ናብ ሓደ ብምምፃእ፣ ናፍቲ ቕድሚ ጐንፂ ዝነበሩሉ ሰላምን ስምምዕን ብምፍጣር ንብዙሕ ዘበናት ማሕበረሰብ እናገልገለ ፀኒሑ እዩ። ንኣብነት ኣብ ማሕበረሰብ ከፋ ሽምግልና፣ቶሞ፣ኢቆ ዝበሃሉ ስነ ስርዓታት ዕርቂ ኣለዉ።

ብምዃኑ ድማ ካብ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ህዝቢ ሃድያ፤ ባህላዊ ስነ‑ስርዓት ኣፈታትሓ ጎንፂ ዕርቂ ኣልዒልና እንታይ ተባሂሉ ይፍለጥ፣ ዝርዝር ስነ‑ስርዓቱ፣ ከመይን ብምንታይን ይትግበር? ዝብሉ ብሓፂሩ ክንርእይ ኢና።

ኣብ ማሕበረሰብ ሃድያ ‹‹ሲራ›› እናተብሃለ ዝፍለጥ ባህላዊ ስነ ስርዓት ዕርቂ ኣሎ፤እዚ ስነስርዓት ምርቓት፣ መርገምን ከም ዋና ካሕሳን ብይንን ብምጥቃም ብባህላዊ መገዲ ዝፍፀመሉ ስነስርዓት እዩ።

 ብመሰረት ፅንዓታዊ ፅሑፍ ዳንኤል ሃንዲኖ፤ ባህላዊ ስርዓት ሃድያ ኣብ ኣፈታትሓ ጎንፅታት ዓብዪ ግደ ከምዝተፃወተን እቲ ቐንዲ ቑልፊ መፍትሒ ኾይኑ ከምዘገልገለን እንትገልፅ ብፍላይ ካብ ውልቀ ሰባት ጀሚሩ እስካዕ ሰፋሕቲ ማሕበረሰባዊ ጎንፅታት በዞም ኽልተ መገድታት ገይሩ ማለት’ውን ምርቓትን መርገምን እናተጠቐመ ገበናት ብምፅራይን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምቕራብን ነቲ ጉዳይ ኣብ ምፍታሕን ዓብዪ ተራ ኣለዎ ይብል።

ሓቂ ምዝራብ ኣብ ስነ ስርዓት ኣፈታትሓ ጎንፂ (ዕርቂ) ብሄረሰብ ሃድያ እቲ ቐንዲ ሕጊ ኾይኑ ዘገልግልን ትፅቢት ዝግበረሉን ተግባር እንትኸውን እዚ ድማ እቲ በዓል ጉዳይ ካብ መርገም ንኽድሕን ወይ ድማ ንኸይርገም ይገብሮ።

ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብሓንሳብ ኾይኖም እቲ ዕርቂ ተጀሚሩ እስካዕ ዝውዳእ፤ማለት’ውን ኣፍቲ ውሳነ ምርቓትን መርገምን ይርከቡ። ኣፍቲ ኸይዲ እስካዕ መወዳእታ በቶም ዓበይቲ መራሕቲ እናተርኣየ ዝፀንሕ እንትኸውን ኣብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ግና እቲ በዳሊ ሓቂ እንድሕር ዘይተዛረበ ወይ ሓሳዊ እንተኾይኑ ብርግማን ይኽምበት። ይርገም።

ይኹን ‘ምበር ሓልሓሊፉ እቲ ስነስርዓት ዕርቅን መርገምን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ፍትሓውነቱ ይጓደል እዩ፤ንኣብነት እቲ በዳሊ ምስቶም ዓበይቲ ሽማግለታት ዘይፋተው እንተኾይኑ፤ ነቲ ባህላዊ ስነ ስርዓት ዘይኣምነሉ እንትኸውንን ወይ ድማ እቲ ሽማግለ ባዕሉ ጉቦ እንተበሊዑ ፍትሓውነቱ ኣየተኣማምንን ይብሉ።

ኣብ ማሕበረ ሰብ ሃድያ ዝኾነ ዓይነት ጎንፂ በዚ ስነ ስርዓት እዩ ዝፍታሕ ካብዚ ወፃኢ የለን።ኣብ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት ዝተፈላለየ ዓይነት መፍትሒ ጎንፅታት ኣለዉ እዮም፤ልክዕ ከም ናይ ሃድያ ‹‹ሲራ›› ኣብ ትግራይ’ውን ‹‹ዕርቂ እንደርታ›› ዝፍለጥ እዩ።

እምበኣርኸስ ባህላዊ ፀጋታትና ንሓሉ ካብ ህልኽን ግብዝነትን ወፂእና በቲ ናይ ቐደም መንነትና ኾሪዕና ናብ ሰላም ንፀምበር ሓድነትና ነጠንክር ካብ ፈኸራን ኲናትን ናብ ሰላም ንፀምበር።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013

Recommended For You