
ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ወድዓዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣመልክቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሃብዎ መግለፂ ሙሉእ ቃል ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።
ኣብ ዝሓለፈ መንግስቲ ኣብ ሰብኣዊ ዝተመስረተ ውሳነ ተኹሲ ጠጠው ምባል ምውሳኑን ሰራዊት ምውፅኡ ተደሓሒዙ ዘለዉ ጉዳያት ምግላፅና ዝዝከር እዩ። ሎሚ ድማ እሱ ብምሕሳብ ብሃገር ውሽጥን ወፃእን ዝስተውዓሉ ሓፈሻዊ ኩነታት መሰረት ብምግባር ምልከታን ቅዋምን መንግስቲ ፌደራል ብዝምልከት ሓፂር መብርሂ ንምሃብ እዩ።
ከምዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ሃገርና ብዝተፈጠረ ጎንፂ በዚ ዝተልዓለ መንግስቲ ተገዲዱ ብዝኣተዎ ምኽባር ሕጊ ኣብ ህይወት ዜጋታት ንብረትን ከምኡ’ውን ኣብ ገፅታ ሃገርን ዘስዐቦ ጉድኣት ዓብይ ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ። መንግስቲ ተወሳኺ ኪሳር፣ጉድኣት ህዝቢን ዕንወት ንምቕራይ ክባሃል መሰረቱ ኣብ ሰብኣዊ ዝገበረ ኾይኑ ግና ካልኦት ማሕበራውን ፖለቲካውን፣ኢኮኖምን ከምኡ’ውን ሉኣላውነት ሃገር ዘጋጠሙ ሓደጋታት ኣብ ግምት ውሽጢ ዘእተዉን ተደሓሓዝነት ዘለዎም ምኽንያት መሰረት ዝገበረ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ከምዝወሰነ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ተኸቲሉ ሰራዊት ጎንፂ ካብ ዘለዎ ከባቢ ከምዘውፀአ’ውን ግልፂ እዩ።
እዚ ስጉምቲ ድማ ንብዙሓት መልሲ ዝሃበ እዩ ነይሩ። እዚ ብሓደ ወገን ኣይተዓጅቡና ፤ኣይተከተሉና፣ ንሕና’ውን ብዝተመቸወና መንገዲ ተንቀሳቂስና ንበይንና ኾይና ሓገዝ ክነብፅሕ ኣለና ዝብል ስምዐታ እናካየዱ ንዝነበሩ ኣካላት መልሲ ዝሃበ እንትኸውን ፤ምስ እዚ ዝተድሓሓዘ’ውን ካብ ኬላታት ፍተሻ ይላዓለና፤ ብፍተሸ ምኽንያት ዝተኣጓጎል ሰዓት ኣይሃሉ፤ እንታይ ከምዝሓዝና’ውን ንምፍታሽ ኣይትሞክሩ፤ ነፃ ገይርኩም ልቐቑና ዝብሉ ብዙሓት ድፍኢት እናካየዱ ንዝነበሩ ኣካላት መልሲ ዝኸውን እዩ ነይሩ።
ብተመሳሳሊ ኹናት ንክዝሕል ብምግባር በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ስጉምቲ ሓገዝ ብቐሊሉ ክበፅሕ ዝከኣለሉ መገዲ ይፈጥር፤ ሓረስታይ’ውን ይሕረስ እናበሉ ዝነበሩ ኣካላት፣ከምኡ’ውን ኣዝመራን ሕርሻን ግዜ እንተሓሊፉ ጥምየት ከም መሳርሒ ተጠቂምኹም ኢልና ክንከሰኩም ኢና ፤ስለዚ ሓረስታይ ምሕራስ ዝኽእለሉ ዕድል ክፍጠር ኣለዎ እናበሉ ንዝነበሩ ኣካላት’ውን መልሲ ዝሃበ እዩ ነይሩ።
በዚ ምኽንያት መንግስቲ ዝወሰዶ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ስጉምቲ፣እዚኦም ኣካላት ምኽንያቶም፣ ዋና ድልየቶም ምንም ይኹን ምንም እዚኦም ጉዳያት ብዓለም ኣደባባይ ብውልቀን ብሕብረትን እናሰራጨዉ ዝነበሩ ኣካላት መልሲ ክኾን እዩ ተባሂሉ ነይሩ ዝተሓሰበ። ርግፅ ንህዝብን ኢትዮጵያን ድሕንነትን ምርግጋዕን ተጨኒቆም ንዝነበሩ ኣካላት ድማ እፎይታ ዝህብን ዘድልይ ኣወንታዊ ውሳነ ነይሩ ተባሂሉ ተሓሲቡ እዩ።
ውሳነኡ ስዒቡ ድማ ከም መንግስቲ ዝተዓዘብናዮም ጉዳያትን ዝንባለን ኣለዉ። በዚ ድማ እንፈልጦም ፤ናይ ባዕሎም ኣፍረስቲ ዝንባለ፣እንጥርጥሮምን ብውልቀ እንፈልጦም ዝነበሩ ኣፍረስቲ ዝንባለ ስፍሓትን ተደሓሓዝነትን፣ከምኡ’ውን ቐፃልነት መንግስቲ ንምርግጋፅ ዝኻኣሎም ዝንባለታት ተዓዚቡ እዩ። እዚኦም ትዕዝብቲ ሕፅር ብዝብለ መልክዑ ምቕማጥ ይካኣል እዩ።
እቲ ሓደ ውሳነ መንግስቲ ስዒቡ መሳርሒ ኣዘንቢሉን ፅዒኑን ካብ ቀጠና ጎንፂ እናወፀ ዝነበረ መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምኽታል ጎንፂ ጠጠው ንከይብል ይበፅሕ ዝነበረ ትንኮሳ ዝተቃወመ ኣካል ኣይነበረን። እቲ ዋና ውትወታ ጎንፂ ጠጠው ኣብሉ ፤ሰላም ንምፍጣር ሞክሩ፣ እቲ ህዝቢ ግዘ ክረክብ ኣለዎ ፤ ሓገዝ ክነብፅሕ ኣለና ዝብል ዝነበረ ኣካል ሓቀኛ ድልየቱ እዚ ድዩ ነይሩ? ዝብል እዩ።
ምኽንያቱ ድልየቱ እዚ እንተነይሩ መንግስቲ እዚ ተቐቢሉ ብናይ ባዕሉ ውሽጣዊ ምኽንያት’ውን፣ብናይ ባዕሉ ፖለቲካ’ውን ኢኮኖምያውን እንተወሰነ’ውን፣ብኻልእ ዝኾነ ምኽንያት እንተወሰነ’ውን እቲ ውሳነ ግና ናይዚኦም ኣካላት ሕቶ ዝምልስ ዝነበረ እዩ። እዚ ውሳነ ዘተኣጓጉል ምንም ዓይነት ምንቅስቃስ ካብ ካልእ አካል እንትፍፀም ጠጠው ምባል፣ምውቃስ ምኹናንን ምግላፅን ትፅቢት ይግበር ነይሩ ተባሂሉ እዩ ዝሕሰብ። በዚ ጉዳይ ዝራእናዮ ተላዓዓልነት ትሑት እዩ።
ካልኣይ፣ዝተወሰኑ ኣካላት ውሳነ ገና ምስተወሰነ ምንዕዓቕ፣ንምንእኣስ እናተሸቐዳደሙ ተራእዩ እዩ። መራኸቢ ሓፋሽ ምዕራባውያን ይኹኑ ሓደ ሓደ ምዕራባውያን ሃገራት ዘርኣይዎም ዝንባለ ኣወንታዊ ውሳነታት ተኸቲሉ ኣወንታዊ ሓገዝ ንምግባር እንተይኾነስ፣ብዙሓት እንትንቀሳቀሱን ክሓቱና ዝነበረ መንግስቲ ውሳነ ወሲኑ እንሃለወ፣እዚ ካብ ምድናቕ፣ ዝጎደለ ኣብ ክንዲ ምምላእ ነዚ ኣፍራስን ኣሉታዊ ምኽንያትን ምድርዳር ናይቲ ውሳነ ንኡስነት ንምጉላህ ተንቀሳቒሶም እዮም።
ሳልሳይ፣ብገበን ኲናትነት ዓለም ዝፈረጆ ህፃናት ንኹናት ምምልማን ንምስላፍ ምንቅስቃስ ብግልፂ በቲ ኻልኣይ ወገን እናተኻየደ፣ብኤግዚብትነት እናተርኣየ ዓለም ለኸ መራኸቢ ሓፋሽ’ውን ሓደ ሓደ ኣካላት መንግስቲ ብዝተፈላላየ መገዲ እናወቐሱ እናኸሰሱ ዝነበሩ ኣካላት ኹሉ ሰብ ክቃወሞን ስሕተት እዩ ክብሉ ዝግባእ ጉዳይ ተፈፂሙ እናሃለወ ከምዘይራእኻ ከምዘይሰማዕኻ ምሕላፍ ዝንባለ ተራእዮም እዮም።
ሓደ ሓደ ምዕራባውያን መራኸቢ ሓፋሽ እዚ ሪኦም ከም ወታደራዊ ሚዛን መስተኻኸሊ እንትጠቀምዎ ምዃኑ ብምጉላህ ብኣወንታዊ መልክዑ ንምፅብፃብ ዘርኣይዎ ዝንባለ ከም ትዕዝብቲ ተገይሩ ክውሰድ ይግብኦ።
ራብዓይ፣ ህወሓት ኸዚ’ውን ጎንፂ ብዓፋርን ብኣምሓራን ንምቅስቃስን ምስፋሕን ፤መንግስቲ ምስ ወፀ ኣብቲ ከባቢ ዝግበሩ ኣሉታዊ ምቅስቃስ ንምፍላጥን ንምግላፅን ዝግበር ሙከራ ትሑት ኾይኑ ተራእዩ እዩ።
መንግስቲ ተኹሲ ጠጠው ኣቢሉ ኣከባቢ ለቒቑ ዝወፀ ንህዝቢ ዕረፍቲ ንሰላም ዕድል ንምፍጣር እንበር ናይቲ ጎንፂ ቦታ ንምቅያር ኣይነበረን። እዚ ዑደት ብግልፂ እናተርኣየ ኣብ ዘለዎ ኩነታት፣ኹላትና እናሓቶ ዝነበረ ተኹሲ ጠጠው ምባን ንህዝቢ እፎይታ ንምሃብን፣ ሓገዝ ንምሃብ ዘኽእል ምድልዳል ምፍጣር ኣድላይነት ይጎድእ እዩ እሞ ጠጠው ይበል ዝብል ኣካል ብዙሕ ዘይምኻኑ፣ ብርግፅ እቲ ጎንፂ ጠጠው ክብል ይደሊ ድዩ? ዝብል ሕቶ መንግስቲ ንከልዕል ኣገዲዱ እዩ።
ሓምሻይ፤ብፍላይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቕርብ ኢና ዝበሉ ሓደ ሓደ ኣካላት ቅድም ክብል ዘቕረብዎም ሕቶታት ተመሊስሎም እናሃለወ ኸዚ’ውን መንግስቲ ኣብ ኸባቢ ዝነበሮን ጎንፂ እናካየደ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እናስመዖም ዝነበረ ሰምዐታ፣ክሲታትን ወቀሳታን ብዘይ ምንም ዕንቅፋት ኣጠናኸሮም ዝቐፀልሉ ኩነታት እናተርኣየ እዩ። እዚ’ውን መጀመርያ ዕንቅፋት ስለዝነበረ ድዩ ወይስ እዚ ኹሉ ሰምዐታ እናቐረበ ዝነበረ ዝብል ሕቶ ንምላዓል መንግስቲ ኣገዲዱ እዩ።
ሻድሻይ፣መንግስቲ ኣብቲ ስፍራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝመፀሉ ክስታት ኣብዝሓ ፀገም ፈቲሑ እናሃወ’ዉን፣ በረራ ተፈቒዱ እናሃለወ በረራ ተኣጊዱ እዩ ምባል ፤ ብፍላይ ድማ ብዓፋርን ብኣምሓራን ብትግራይ ደቡባዊ ክፍሊ ከባቢ እኽሊ ምእታው ዝካኣለሉ ምችው ኩነታት ተፈጢሩ፤ ሓበራዊ ኮሚቴ ተጣይሹ ምስ ትካል ሕቡራት መንግስታት ዝተፈላዩ ኣካላትን መንግስቲ ዝተወደበ ስራሕ እናተሰርሐ ኣብ ዘለዎ ኩነታት፣ ሓደ ሓደ ኒውዮርክን ጄኔቫ ተቐሚጦም ኸዚ’ውን ክሲን ስምዐታን ንምግላፅ ዘለዎም ድልየትን ተላዓዓልነትን ክረአ ከሎ፣ መሰረታዊ ድልየት ሓገዝ ምቕራብ ድዩ ዝብል ሕቶ ንምልዓል ዘገድድ እዩ።
ሻውዓይ፣ ሓደ ሓደ ሕብረት ሃገራት ኣውሮፓ ባዓል ስልጣንን ምዕራብ ዓለም ውልቀ ሰባትን ባዓል ስልጣን ጉዳይ ናይ ውልቀ ሰባት ክሳብ ዝመስል ንሓደ ወገን ዘዘምበለ ቅዋምን ኣመለኻኽታን ብቀዋምነት ብምግላፅ ኢትዮጵያ ናይ ምህዋኽን ምጭንናቕን ቅዋም ኣጠናኺሮም ዝቐፀልሉ ብጣዕሚ ዘተዛብዐ ኾይኑ ቐፂሉ እዩ።
ኣብ ጄኒቫ ዝተኻየደ ዝተወደበ ማዕቐብ ንምግባር ቅድመ ኩነታት ዝኾን ሓደ ሓደ ኣካላት ኸዚ’ውን ፍንጪ እናተርኣዮ ዘሎ፣ኾይኑ ግና ሓባራዊ ምርመራ ብዝምልከት ኣብቲ ኸባቢ ጎንፂ ካብ ዝተፈጠረ ጀሚሩ ብማንም ይፈፀም ኣብ ዜጋታት በፂሑ ዝባሃል ናይ ምፅራይ ጉዳያት መንግስቲ እቲ ሓደ፤ ንኣፍሪካ ሰብኣዊ መሰል ኮምሽን፣ክልቲኦም ንሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ መሰል ኮምሸን ብምዕዳም ብፍላይ ምስ ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ መሰል ኮምሽን ብሓባር ምርመራ ኣካይዱ፣ ሰብ መዲቡ ምርመራ ሓደ መልክዕ ሒዙ እናተኻየደ ኣብ ዘለዎ እዋን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት መንግስታት ሕቶ ኣብ ዘይቀረበሉ፤መንግስቲ ኣይተሓባባረንን ዝብል ስምዐታ ኣብዘይብሉ፤ ኸቢድ ድራማ ብምስራሕ፤ ሓደ ሓደ ሃገራት’ውን ብምፍርራሕ ሓደ ሓደኦም ድማ ብምሕባል ውሳነ ሓሳብ ቀሪቡ ኣብ ኢትዮጵያ መግለፂ ቅዋም ንክወፅእ ንምግባር ምቅስቃስ ተገይሩ እዩ።
በዚ ምንቅስቃስ ድማ መንግስቲ ዝወሰዶም ኣወንታዊ ሓቅታት ብሙሉእ ብምኽሓድ ጎንፂ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበረን ንመንግስቲ ናይ ምውኻብ ኩነታት ኣጠናኺሩ ናይ ምቕፃል ኩነታት ተራእዩ እዩ። ኾይኑ ግና ብዙሓት ሃገራት እቲ ጉዳይ ስለዘይኣመንሉ፣ እዚ ብዝተድሓዞ መገዲ እንትቕፅል ዝተፈለየ ኢድ ኣእታውነት ኣየድልን ዝብል ቅዋም ወሲዱ እዩ። ነዚ ድማ መንግስቲ ብጣዕሚ የመስግን።
ሓደ ሓደ’ውን እቲ ጉዳይ ተዘይኣመንሉ’ውን ምስ ኢትዮጵያ ጠጠው ብምባል ትኽክለኛ ቅዋም ንምውሳን ድምፂ ብዘይምሃብ ዝተወሰኑ ሃገራት ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ። እዚኣቶም እንተናኣሰ እቲ ሓቂ ብምግንዛቦም ክነመስግን ንፈቱ።
ብኣንፃሩ ሓደ ሓደ ሃገራትን ውልቀሰባት ሕብረት ኣውሮፓን ብልዑል ኩነታት ናይ 24 ሰዓት ስርሖም ገይሮም ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ወፍሪ ንምክያድ ዝሞከርሉ መገዲ ዘሕፍር እዩ። ዝሃንፅ ኣይኮነን ሕወነታዊ ኣየመልክትን ዝብል ቅዋም ኣለና። እዚ መንግስቲ ኣጥቢቑ ክገልፅ ይፎቲ።
ሻምናይ፤ ሓደ ሓደ መተሓባባራ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተለመደ ኣብ ሃገርና’ውን ቅድሚ ኸዚ ተራእዩ ከምዝፈልጥ ብረድኤት እኽልን ብረድኤት ኣቕርቦት ብምትሕግጋዝ እቲ ሓደ ወገን ክዕጠቅ ብምግባር ፤በዚ ምኽንያት ምንቅስቃስ ጠጠው ከይብል ንምግባር ዘኽእል ኣስተዋፅኦ ከምዝፃወት ዝፍለጥ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ሃገርና ቅድሚ ኸዚ ተገይሩ ከምዝፍለጥን፤ በዚ ጎንፂ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣጋጢሙ ከምዝፈልጥ መልክዕ ክሕዝ ከምዘለዎ መንግስቲ እናተሓሳሰበ ፀኒሑ እዩ።
ሓደ ሓደ ኣካላት ብፍላይ ትካል ሕቡራት መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ነተሓባብር ኢና ዝብሉ ሓደ ሓደ ወገናት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተቐሚጦም ንከተሓባባሩ ካብ ዝተመደቡ ወፃኢ ብርሕቀት ኾይኖም ካብ ሓገዝ ካልእ ፕሮፖጋንዳ ምትሕብባርን መንግስቲ ኢትዮጵያ ስም ንምጥፋእ ወፍሪ ኸፊቶም ይርከቡ።
እዚ መንግስቲ ንምጥንቃቅ ሞኪሩ እዩ። እዚ ጉዳዩ በዚ ዝቕፅል እንኾይኑ ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ክወፃእ ስለዘለዎ ምስ ሓደ ሓዲኦም ሓቢሮም ናይ ምስራሕ ኩነታት ከም ሓድሽ ንኽርእዮ፣ንሓደ ሓደኦም ድማ ካብ ሃገር ንምውፃእ ዝግደደሉ ምችዉ ኩነታት እናተፈጠረ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ትካላት ሕቡራት መንግስታት ኾነ ማንም ኢትዮጵያዊ ክሕግዝ እየ ፤ሓገዝ ከቕርብ እየ ዝብል ሰብ ኣብ ሰብኣዉነት ተሓፂሩ ምንቅስቃስ ምግባር ከምዝግባእ ንምግላፅ ንፎቱ።
ብድምሩ እንትረአ ሃገርና ብታሪኽ ዘጋጠምዋ መሰረታዊ ዝኾኑ ፈተናታትን ኣብዚ ኸዚ እዋን እትሓልፈሉ ኩነታት ቀዳማይን ካብቶም ዋና እቲ ሓደ ክውሰድ ከምዝኽእል ዝግመት እዩ። ግድብና፣ ዶብና፣ፖሊስታትና፣ ኣብ ዘለናዮ መልከኣ መሬት ዘለና ተደላይነት ግምት ውሽጢ ኣእቲኻ፣ ዘለና ዕሙቕ ሓይሊ ተሓሳቢ ተገይሩ፤ ኣብ ህዝብና ዘሎ ዘይምርድዳእ ተሓሳብ ዝገበረ፣ በዚ’ውን ሓደ ሓደ ኣናእሸተይ ምፍልላይ ብምጉላህ፣ ዘየለዉ ‘ውን ብምፍጣር ሓደ ኾይና ጠጠው ከይትብልን ተበቲና ንክንቐሪ ፤ ንክትንብርከኽ ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ቀፂሉ እዩ።
ርግፅ እዚ ክባሃል ከሎ ብዙሓት ፈተውቲ’ውን ኣለዉና። ፈተውትና ዝበፅሐና ወፍሪ ፈሊጦም ከምዝክተሉና ከምዝሕግዙናን ፤ካልኦት ኢትዮጵያውን ኣብ ታሪኽ ዘጋጥማ ፈተና ብፅንዓት ተፃዊራ ከምዝሓለፈት ኹሉ እዚ እዋን ድማ ከምትሓልፎ ብምፍላጥ ባዕሎም ምስ ሓቂ ንክትዓርቁ ፃውዒት ነቕርብ።
መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ከም ቅድሚ ኸዚ ብዙሕ ፈተና ተፃዊሩ ከምዝሓለፎ ብግድብናን ብመረፃን ዘርአናዮ ጠንካራ ተሳትፎ ክንቕፅል ኣለና ዝብል ፃውዒት የቕርብ።ፀገምና ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ። ፀገማት ዝተኣሳሰሩ ብምዃኖም ምኽንያት እዚ እዋን እንሓልፎ ብምድምማፅ ብምክእኣል፣ብምትሕግጋዝ ርግዕ ብምባል ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል።
ሕድ ሕድና ኣብ መንደር ዘለው ጉዳያት ብምጉላህ ሓቢርና ንምኻድ ዘኽእለና ዕድል ንከይንዓፁ ኹላትና ፌደራል መንግስቲ ብዘቕመጠና ኣንፈታት ብምዃን ብሓፈሻ ንህዝብና ሰላምን ሓድነትን ዝኸውን ምቹው ኩነታት ብምፍጣር ዝፅበየና እጃም ክንዋፃእ ከምዘለና መንግስቲ የተሓሳሰብ።
በዚ መሰረት ኢትዮጵያ ብዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክትሕገዝ ትደሊ እያ።ዕብየት ትደሊ እያ፣ድኽነት ኣለዋ፣ድኽነት ንምስጋር ሰለማ ንምጥንኻር ዝግበር ሓገዝ ክጠናኸር ይግባእ። በዚ ግና መንግስቲ ዝወሰኖ ውሳነ ሰብኣውነት ብምልባስ ወታደር ብምውፅኡ፤ ህዝቢ ዕረፍት ንረክብ ንሰላም ዕድል ንክረክብ ተኹሲ ጠጠው ኣቢልካ ሰራዊት ምውፅኡ ብመንፅር ወታደራዊ ዋጋ ከምዘኽፍሎን እናኽፈሎ’ውን ከምዘሎ’ውን ዝፍለጥ እዩ።
እዚ ንሰላም ዝኽፈል ዋጋ ስለዝኾነ መንግስቲ ፖለቲካዊ ውሳነ ወሲኑ ዋጋ ኸፊሉ እዩ። ኸዚ ዘሎ ኩነታት ብትዕግስቲ ንምሕላፍ እናሞከረ እዩ። ብኻሊእ ወገን ዝግበር ትንኮሳ በዚ እንተቐፂሉ ግና መንግስቲ ዝወሰዶ ውሳነ ደጊሙ ንምፅናዕ፤ በዚ ምኽንያት ድማ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝግደደሉ ኩነታት እናተፈጠረ ይርከብ። ብሓቂ’ውን ንሰላም ዝፅዕር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክሰፍን ዝሓስብ፣ ሰብኣዊ ቀውስ ንከይፈጥር ዝሰግእ፣ብርግፅ ኢትዮጵያ እንተተፀጊማ ንሕና’ውን ክንፅገም ኢና ኢሉ ዝሓስብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣካል፣ በቲ ሓደ ወገን ዝግበር ትንኮሰ ንክቃዎም፣ ንከጋልፅን መንግስት ፃውዒት የቕርብ።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013