ኣዲስ ኣበባ:- ማሕበረሰብ ኣብ ወቕቲ ኽረምቲ ብዝፍጠሩ ሕማማት ንኸይሳጣሕ ዓርሱ ናብ ሕማም ካብ ዘቃልዑ ነገራት ናይ ምሕላውን ምክልኻልን ስራሕ ክሰርሕ ይግባእ ክብሉ ሰብ ሞያ ጥዕና ተዛሪቦም።
በዓል ሞያ ጥዕና ማሕበረሰብ ዶክተር ዮሃንስ ኮስትር ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፤ ማሕበረሰብ ኣብ ወቕቲ ኽረምቲ ናብ ዝፍጠሩ ሕማማት ንኸይሳጣሕ ዓርሱ ናብ ሕማም ካብ ዘቃልዑ ነገራት ናይ ምሕላውን ምክልኻልብ ስራሕ ክሰርሕ ይግባእ።
ኣብ ወቕቲ ኽረምቲ ዝተፈላለዩ ተመሓላለፍትን ዘይመሓላለፉን ሕማማት ማለት ‘ውን ሕማማት ሳንባ፣ መተንፈሲ ኣካላት፣ ሰዓልን ዓሶን ተፈጢሮም ንማሕበረሰብ ስግኣት ጥዕና ዝኾኑሉ እዋን ‘ዩ ዝበሉ ዶክተር ዮሃንስ፤ እቶም ሕማማት ብኣብዝሓ ዝፍጠሩ እንተኾኑ ‘ውን ኣብ መተንፈሲ ኣካል ዝፍጠሩ ሕማማት ኣብ ልዕሊ ሰባት ናይ ምፍጣርን ፀገም ጥዕና ናይ ምስዓብን ዕድሎም ዝለዓለ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ኣብ እዋን ኽረምቲ ብደረቕን ፈሳስን ጉሓፋት ኸምኡ ‘ውን ብኻልኦት ነገራት ብኽለት ከባቢ ስለዝፍጠር ተመሓላለፍትን ዘይመሓላለፉን ሕማማት ስግኣት ጥዕና ዝኾኑሉ ኹነታት ልዑል ምዃኑ ብምሕባር፤ ማሕበረሰብ ኣብ ኽረምቲ ካብ ዝፍጠሩ ሕማማት ዓርሱ ንምክልኻል ውልቃዊ፣ ስድራቤታውን ከባቢያውን ፅርየት ናይ ምሕላው ስራሕ ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም።
ሰብ ሞያ ጥዕና ብዛዕባ ኣተሓላልዋ ጥዕና ንዜጋታት ናይ ምምሃር፣ ማሕበረሰብ ‘ውን ናብ ዓሶን ናብ ሕማም መተንፈሲ ኣካላትን ንዘቃልዑ ቦታታት ናይ ምፅራይ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ኣብ ኽረምቲ ዝፍጠሩ ሕማማት ክከላኸል ይግባእ ክብሉ ኣመላኺቶም።
ኣብ ኮሌጅ ሕክምና ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ስፔሻሊስት ሓኪም ህፃናትን ሓላፊ ትምህርቲ ሕክምና ህፃናትን ዶክተር ሚሊዮን ደቻሳ ብወገኖም፤ ንወቕቲ ኽረምቲ ስዒቡ ዝመፁ ሕማማት መብዛሕቲኦም ተመሓላለፍቲ ብምዃኖም ማሕበረሰብ ጥዕንኡ ክሕልው። ይግባእ።
ዓሶ፣ ማይ ወለድ ሕማምን ሕማማት ኣንጀት ማለት ‘ውን ጃርድያ፣ ኣሜባ፣ ኣተት ብሓፈሻ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ብዝግበር ምንኽኻእ ዝፍጠሩ ሕማማት ኣብ እዋን ኽረምቲ ንጥዕና ማሕበረሰብ ኣስጋእቲ ምዃኖም ብምሕባር፤ ማሕበረሰብ ናይ ኸባቢኡን ውልቀኡን ፅርየት ብምሕላው ማለት ‘ውን ዝዓቖሩ ጉድጓዳት ማይ ብምፍሳስ፣ ኣወጋግዳ ፈሳሲ ብምስትኽኻልን ኣጠቓቕማ ሽንቲ ቤት ብምዝማንን ብሕማማት ንኸይተሓዝ ዓርሱ ክከልኸል ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብ እዋን ኽረምቲ ዝፈጠሩ ሕማማት ኣብ ጥዕና ማሕበረሰብ ጉድኣት ንኸየብፅሑ ስራሕቲ ቕድመ ምክልኻል ክስራሕ ይግባእ ክብላ ዝገለፃ ሲስተር ኣሰገደች ጋሻው፤ ማይ ወለድ ሕማማት፣ ኣተት፣ ኣስሚ፣ ሳይነስ፣ ዓሶን ሰዓልን ኣብ እዋን ኽረምቲ ብኣብዝሓ ተፈጢሮም ኣብ ማሕበረሰብ ፀገም ጥዕና ከምዘስዕቡ ብምሕባር፤ ማሕበረሰብ ኣከዳድንኡ። ብምስትኽኻል፣ ውልቃውን ከባብያውን ፅርየቱ ብምሕላው፣ ማይ ኣፍሊሑ ብምስታይ ጥዕንኡ ክሕልው ይግባእ ክብላ ተዛሪቦም።
ምዝባዕ ስርዓት ኣመጋግባ ማሕበረሰብ፣ ብዛዕባ ኣተሓላልዋ ጥዕና ዘለዎ ግንዛበ ንኡስ ምዃኑን ዝምልከቶ ኣካል ስራሕቲ ግንዛበ ምጭባጥ ብግቡእ መገዲ ብዘይምስርሑ ማሕበረሰብ ናብ ተመሓላለፍትን ዘይመሓላለፉን ሕማማት ናይ ምቅላዕ ዕድሉ እናዓበየ እዩ ክብላ ገሊፀን።
ማሕበረሰብ ካብቶም ሕማማት ናፃ ንክኸውን ስርዓት ኣመጋግብኡ ምስትኽኻል፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምስራሕ፣ ከባብያውን ውልቃውን ፅርየት ምሕላው፣ ናይ ሕማም ስምዒት እንትስምዖ ኣብ ቐረብኡ ናብ ዝርከብ ጣብያ ጥዕና ብምኻድ ግልጋሎት ሕክምናን ምኽሪ በዓል ሞያ ክረክብን ኣለዎ ክብላ መልእኽቲ ኣሕሊፈን።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 2 ነሓሰ 2016 ዓ.ም