ኣብ ቀረባ ተግባራዊ ምግባር ዝተጀመረ ምምሕዳር ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ ምምሕያሸ ብዙሓት መዘራረቢ ኣጀንዳ ኾይኑ ‘ዩ፡፡ መንግስቲ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚ ምምሕያሽ ስዒቡ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ምምሕዳር ስርዓት ምምሕያሽ ብወገን ብሄራዊ ባንኪ ብሃገር በቀል ዘርፍ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኹሉ ዝሓቖፈ ረብሓ ከምዘለዎ እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ ‘ዩ፡፡
ካብዚኦም ብርኪ ዕብየት ሃገር ምስ ዝተረፈ ዓለም ዘለዋ ርክብ እናዓበየ እናመፀ ዘሎ ምትእስሳር ዘጠናኽር ከምዝኾነ ተጠቂሱ ‘ዩ፡፡ ምስፍሕፋሕ ፀሊም ዕዳጋ ዝቕንስ፣ ምኽባር ናብራ ብዘላቕነት ንምቁፅፃር ዘሕእል፣ ዝግበሩ ማዕድን ሰፊሕ ናይ ኮንትሮባንድ ንግዲ ዘትርፍ ከምኡ ‘ውን ሸርፊ ወፃኢ ካብ ስርዓት ባንከ ወፃኢ ካብ ሃገር ንከይወፅእ ዝገብር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ኢንቨስተራት ወፃኢ ብምስሓብ ፣ ናይ ወፃኢ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ዘዕቢ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡ ርግፅ እዚ ምምሕያሽ እዞም ኹሉ ረብሓ ሒዙ ድዩ ? ንዝብል ሕቶ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ምስ ኣይተ በረከት ፍስሃፅዮን ዝገበሮ ቃለ መሕትት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡፡
ትፕኢ፡- ብባንኪ ብሄራዊ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዝተገበረ ምምሕያሽ ስርዓት ምምሕዳር ሸርፊ ወፃኢ ዋና ዓላማኡ እንታይ ‘ዩ?
ኣይተ በረከት፡- ናይ ኸዚ ምምሕያሽ ንምርዳእ ቅድሚ ኸዚ ዝነበሩ ኩነታት ምልስ ኢልካ ምርኣይ ኣድላይ ‘ዩ:: ቅድም ኢሎም ዝነበሩ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚ ስርዓት ዓብይ ምዝባዕ ስብራት ዝነበርዎም ‘ዮም:: በዚ ዝተልዓለ እቲ ኢኮኖሚ ዘጋጥምዎ መዋቅራዊ ፀገማት ንምፍታሕ ብዙሓት ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ተግባራዊ ክግበሩ ተራእዮም ‘ዮም::
ምስ እዚ ተደሓሒዙ ናይ ዓሰርተ ዓመት ልምዓትን ትልምን ናይ መጀመርያ ሃገራዊ በቀል ኢኮኖሚ ምምሕያሽ ተግባራዊ ከምዝተገበረ ዝዝከር ‘ዩ:: ኣብዚ ውሽጢ ብዋናነት ዝተፈላለዩ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚ ጉዳያት ናይ ዘፈር ምህርትን ምህርታማነት ዝምልከቱን ኢንቨስትመንት ኩነታት ኸባብያዊ ምምሕያሽ ዝምልከቱ ነይሮም::
ኣብቲ እዋን ትኹረት ተዋሂብዎም ማክሮ ኢኮኖሚ ሪፎርም ናይ መንግስቲ ዕዳ ፅዕንቶ ምቕናስ እቲ ሓደ ‘ዩ:: ናይ መንግስቲ ኣታዊ ምምሕዳር ውፅኢታዊ ምግባር፣ ናይ መንግስቲ ልምዓት ትካል ውፅኢታውነት ምርግጋፅ ኣብ ገንዘብ ፖሊሲ ውሽጢ ናብ ዘመናዊ ፖሊሲ ገንዘብ ስግግር ምግባር ዝብሉ ‘ዮም::
ምስ እዚ ዝተድሓሓዘ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ተመን ውፅኢታዊ ንክኾን ኣብ ኢኮኖሚ ውሽጢ ዘለዉ ምዝባዓት ምእራም ተጠቀስቲ ‘ዮም:: እቲ ሓደ ሃገር በቀል ኢኮኖሚ ሪፎርም እንትዛዘም ዝተሰርሐ ውፅኢታዊ ዝኾኑ ኣጠናኺሩ ንምቕፃል ዘይተሰርሑ ንምስራሕ ዓብይ ግደ ዘለዎ ‘ዩ:: ብተወሳኺ ‘ውን ኣብ ኢኮኖሚ ውሽጢ ምዝባዕ ንምፍታሕ ክውሰዱ ካብ ዘለዎም ምምሕያሽ እቲ ሓደ ካብ ወፃኢ ሸርፊ ተተሓሒዙ ዘለዉ ናይ ኣሰራርሓ ክፍተት ‘ዩ::
ብሓፂሩ ኸዚ ዝተወሰደ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚ ምምሕያሽ ብድንገት ዝተኸሰተ እንተይኾነስ ቅድም ኢሎም እናተወሰዱ ዝነበሩ ብምትሕሓዝ ብኻልኣይ ሃገር በቆል ሪፎርን ምምሕያሽ ንምስራሕ ቀዲሙ ብትልሚ ዝተትሓዘ ‘ዩ:: ብሓፈሻ ናይ ኸዚ ምምሕያሽን ቅድሚ ኸዚ ዝተሰርሑ ‘ውን ዕብየት ኢትዮጵያ ንምፍጣን፣ ንምኽባር ናብራ ንምቕናስ፣ ናይ ፊስካል ዓቕሚ ንምዕባይ፣ ናይ ወፃኢ ዕዳጋን ኢንቨስትመንት ንምስፍሕፋሕን ናይ ሃገር ዓለም ለኸ ወፃኢ ሸርፊ መጠባባቒ ዝጠራቐም ንምዕባይ ዓብይ ግደ ኣለዎ::
ትፕኢ ፡- ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ምምሕያሽ እንታይ ዓይነት ረብሓ ከርክብ ‘ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር ?
ኣይተ በረከት፡- እቲ ምምሕያሽ ብዙሓት ረብሓታት ዘምፅእ ‘ዩ:: ካብዚኦም ውሽጢ እቶም ዋና እንተሊዕልና ናይ መንግስቲ ዕዳ ንምቅላል ዝጠቅም ‘ዩ:: ኣብ ውሽጢ ዕዳጋ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ስርጭት ፍትሓዊን ውፅኢታዊ ንዝኾኑ ዘፈራት ዝሓሸ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ጥራሕ ንክውዕል ንምግባር ዝሕግዝ ‘ዩ:: በዚ ‘ውን ብኢኮኖሚ ግደ ዘለዎም ዘፈራት ዝሓሸ ሸርፊ ወፃኢ ንክረኽቡ ብምግባር ፍርያት ንምዕባይ ይረብሕ ‘ዩ::
ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ውፅኢት ዘይብሎም ፍርያት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንክፈርዩ ይሕግዝ:: እቲ ሪፎርም ሓፈሻዊ ብምዃኑ ናይ ወፃኢ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ናይ ምዕባይ ዓቕሚ ኣለዎ:: ብዓቕሚ ሃገር ውሽጢ ክትክኡ ዝኽእሉ ፍርያት ንምፍራይ ንውሽጢ ሃገር ባዓል ሃፍቲ ሰፊሕ ዕድል ዝኸፍት ብምዃኑ ንብዙሓት ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ‘ዩ:: ከም ሃገር ዕዳጋን ውድድርን መሰረት ዝገበረ ዝተረጋገዐ ኢኮኖሚ ንክፈጥር ‘ውን ዝጠቅም ‘ዩ:: ትኽክልኛ ዋጋ ብምትሓዝ ዓለም ለኸ ተወዳዳርነት ብምርግጋፅ ምስ ዓቕሚ ዝተመጣጠነ ናይ ወፃእን ኣታውን ንክህሉ ይገብር::
ተወዳዳሪ ንምዃን ድማ ማክሮ ኢኮኖሚ ስብራት ንምፅጋን ዝጠቅም ‘ዩ ዝኸውን:: እዚ ድማ ንግዲ ሚዛን ጉድለት ንምፍታሕ ናይ ክፍያ ሚዛን ንምስትኽኻል ዓብይ ብፅሒት ዝወስድ ‘ዩ:: ብሓፈሻ ናይ ውልቀ ዘፈር ዝተምስረተ ጠንካራ ነፃ ኢኮኖሚ ዋና መረጋገፂ ኣብ ዕዳጋ ዝተመስረተ ዋጋ ምህላው ‘ዩ::
ትፕኢ፡- ፅዕንቶ ዕዳ መንግስቲ ከምዝቕንስ ኣልዒሎም ነይሮም ፤እዚ ብምንታይ መልክዑ ‘ዩ ክኾን ዝኽእሉ ?
ኣይተ በረከት፡- ፅዕንቶ ዕዳ ዝባሃል ቅድሚ ኸዚ ዝነበሩን ኣብ ቀፃሊ ኢኮኖሚ ዝደልዮም ናይ ልምዓት ፋይናንስ ድልየት ዘካትት ‘ዩ:: ኣብ ምምሕያሽ ውሽጢ ከምዝተቐመጠ ስግግር ዕዳ ማለት ዕዳ ብዘላቕነት ካብ ምፍታሕ ኣንፃር ዝተገበሩ ስምምዕነት ኣለዉ:: እዚ ድማ እቲ ዕዳ ዝኽፈለሉ ግዜ ንክፀንሕ ዝገብር ‘ዩ:: እዚ ኸዚ ዘሎ ፅዕንቶ ዕዳ ዘረጋግዕ እንትኾን ኢኮኖሚ ብምዕባይ ኣታዊ መንግስቲ ብምውሳኽ ዕዳ ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ንክህሉ ዝገብር ‘ዩ::
ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣላቃሕቲ ትኽክለኛ ዕዳጋ ከምዘሎ እንድሕር ፈሊጦም ዘለቅሕዎ ገንዘብ ክምለሰሎም ከምዝኽእል ስለዝኣምኑ ካልኦት ጉዳያት ብተወሳኺ ንልምዓት ዝውዕል ፋይናንስ ንምርካብ ‘ውን ዝካኣለሉ ዕድል ዝፈጥረ ‘ዩ:: እዚ እንትባሃል ኹልግዘ ብልቃሕ ክንነብር ኢና ማለት ኣይኮነን:: ዝርከብ ንብረት ብኣግባብ ኣብ ስራሕ ብምውዓል ልቃሕ ንምኽፋል ምኽኣልን፣ ካብዚ ብዝሓለፈ ብምቑጣብ ካልኦት ተግባራት ልምዓት ብናይ ባዕልና ዓቕሚ ንምፍጣር ዓብይ ግደ ዝህልዎ ‘ዩ::
ትፕኢ፡- እዚ ምምሕያሽ ናብ ጎረቤት ሃገራት ዝግበር ኮንትሮባንድ ንግዲ ንምቕናስ፤ ለኣኽትን ኣምፃእትን ዋጋ ሸቐጣት ብዘይ ኣግባብ ልዕል ወይም ትሕት ንከየብሉ ዝህልዎ ረብሓ እንታይ ይመስል?
ኣይተ በረከት፡- ኣብ ውሽጢ ዕዳጋ እቲ ሓደ ዓብይ ዋጋ ዘለዎ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ‘ዩ:: እዚ ክውሰን ዘለዎ ድማ ስርዓት ስሩዕ ፋይናስ ‘ዩ:: ካብዚ ወፃኢ እንድሕር ኾይኑ ካብ ወፃኢ ኢድ ኣእታውነት ኣሎ ማለት ‘ዩ:: ቅድሚ ኸዚ ካብ ወፃኢ ሸርፊ ተተሓሒዙ ዝነበሩ ስርዓት ኣፍረይቲ ዘበረታትዑ ኣይነበሩን::
ካብዚ ብምልዓል ሸርፊ ወፃኢ ብቀጥታ ንምርካብ ፍርያት ናብ ወፃኢ ሃገራት ብፍላይ ናብ ጎረቤት ሃገራት ብምውፃእ ዘኸእሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ:: ብተወሳኺ እናተተግበረ ዝነበረ ሸርፊ ወፃኢ ስርዓት ትኽክለኛ ስርዓት ዕዳጋ ዘመላኽት ብዘይምዃኑ ዝሓሸ ንምርካብ ኣማራፂ ዝደልዩ ብዙሓት ‘ዮም:: ኸዚ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ኣብ ዕዳጋ ውሽጢ ዝነበረ ሸርፊ ወፃኢ ተመን ባዕሉ ብዕዳጋ ዝውሰን ብምዃኑ እዚኦም ፀገማት ንምቕራፍ ዝሕግዝ ‘ዩ::
በዚ ድማ ቑጠባ ገንዘብ ተመጣጣኒ ዝኾነን ተወዳዳሪነት ዘንፀባርቕ ክኾን ይኽእል:: እዚ ድማ ኣፍረይቲ ዘፍረይዎ ናይ ማዕድን ኾነ ናይ ኻልኦት ፍርያት ዝተፈለየ ፍርያት ስለዘይረኽቡ ብሃገር ውሽጢ ዕዳጋ ንምሻጥ ይበረታትዑ:: ክሰብ ኸዚ ዝነበረ ልምዲ ብሸርፊ ወፃኢ ዝካየድ ኢ-ስሩዕ ዕዳጋ እናተስፋሕፈሐ ብምምፅኡ ኣብዝሓ ማሕበረሰብ ንግዲ ተገልገልቲ ሓዋላ ኣብዝሓ ብፀሊም ዕዳጋ እንትዕድጉን ይረኣዩ:: እቲ ሓዱሽ ስርዓት ምምሓያሽ ስርዓት ሸርፊ እዚ ኩነታት ዕዳጋ ኣብ ግምት ውሽጢ ዘእተወን ከምዚ ዓይነት ዘይስሩዕ ኣሰራርሓ ብምትራፍ ተወዳዳሪ፣ ግልፅነትን ምችው ናብ ዝኾነ ዘመናዊ ዕዳጋ ስርዓት ምእታው ዘበረታትዕ ዝኾን ‘ዩ::
ትፕኢ፡- ንምኽባር ናብራ መደጎሚ መንግስቲ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ናይ ሓደ ሓደ መሰረታዊ ሸቐጣት ዋጋ ብግዝያዊነት ንምዱጓም ወሲኑ ‘ዩ:: ኾይኑ ግና ምምሕያሽ እቲ ሕብረተሰብ ብዘላቕነት ኣብ ምግባር ኣንፃር እንታይ ጥቕሚ ይህልዎ?
ኣይተ በረከት፡- እቲ ምምሕያሽ እንትግበር ዕሙቕ ብምዃኑ ፅዕንቶ ይበፅሖም ‘ዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ ክፋል ማሕበረሰብ ንምሕጋዝ ብዙሕ ተሰሪሑ ‘ዩ:: በዚ ድማ ፍርያት ዘዕብይ ሴፍቲኔት ፕሮግራማት ተበፃሒ ንምግባር፣ መሰረታዊ ዝኾኑ ከም ነዳዲ፣ ማደባርያ፣ ዘይቲ መድሓኒት ዝበሉ ምህርቲ ድጎማ ዝግበረሎም ‘ዮም ዝኾኑ::
ነዚ ዝኸውን እኹል ፋይናንስ ዝተዳለወ እንትኾን ብተወሳኺ መንግስቲ ዓቕሚ ኣታዊ ብምዕባይ ፅዕንቶ ዝበዝሖም ዜጋታት ንምዕባይ በቢእዋኑ ዝስርሑ ብዙሓት ስራሕቲ ክህልዉ ‘ዮም:: እዚ ድማ ምምሕያሽ ስዒቡ ኣብ ዕዳጋ ውሽጢ ዝፍጠር ምኽባር ንምቁፅፃር ዘኽእል ‘ዩ ዝኸውን::
እዚ ኾይኑ ‘ውን ከምዚ ዓይነት ዓበይቲ ምምሕያሻት እንትውሰዱ ኣብ ዕዳጋ ውሽጢቲ ፀገማት ከምዝህልዉ ትፅቢት ይግበር:: ነዚ ድማ ብወገን መንግስቲ እቲ ሕብረተሰብ ንፀገም ከይቃላዕ መሰረታዊ ዝኾኑ ሸቐጣት ዝውሰዱ መሰረታዊ ተኸታታልነት ዘለዎም ቁፅፅራት ስጉምቲ ክህልዉ ‘ዮም:: እዚ ድማ ካብ ዝተለመደ ኣካይዳ ዝተፈለየ ለውጢ ከምፅእ ይኽእል ‘ዩ:: ነዚ ድማ ካብ ወፃኢ ዝመፁ ፍርያት ብዝተወሰነ ብርኪ ናይ ዋጋ ምኽባር ከሪኡ ይኽእሉ ‘ዮም::
እዚ ከምዘሎ ኾይኑ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያት ምንነት ተፈሊዩ ክረአ ኣለዎ:: ኣብዝሓ ነባሪ ካብ ከተማ ወፃኢ ዝነብር ‘ዩ:: ከጋጥም ‘ዩ ተባሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ወሰኽ ኣብዝሓ ዜጋ ንዝተጋነነ ዘውፅእ ኣይኮነን፤ ኣብዝሓ ህዝቢ ዝነኽኡ ጉዳያትን ነዚ ስዒቡ ዘጋጥሙ ነገራት ንምቁፅፃር ምድላው ተገይሩ ‘ዩ:: ብኣንፃሩ ይፍጠር ‘ዩ ተባሂሉ ዝተስግአ ሓደ ሓደ ፍርያት ዋጋ ምውሳኽ ውሽጢ ፍርያት ዘበረታትዕ ‘ዩ ዝኸውን::
ትፕኢ፡¬- ኣብ ሃገርና እናተሰርሑ ዘለዉ ምንቅስቃሳት ኢንቨስትመንት ንምቕፃል ዘለዎ ግደ እንታይ ‘ዩ?
ኣይተ በረከት፡– ቅድሚ ኸዚ ኢኮኖሚ ሓኒቆም ዝሕዙ ሸርፊ ወፃኢ ኣሰራርሓ ስርዓት ‘ዩ ነይሩ:: እዚ ሓድሽ ምምሕያሽ ብምስግጋር ውፅኢታዊ ንዝኾኑን ብዓለም ለኸ ብርኪ ተወዳዳሪ ንዝኾኑ ዘፈራት ተበፃሒ ንምግባር ዘኽእል ‘ዩ:: ናይ ወፃኢ ኢንቨስተራት ናብ ሃገር እንትኣትዉ ሒዘምዎም ዝመፁ ዕዳላት ከምዘሎ ክፍላጥ ኣለዎ::
ብሓፈሻ ኢንቨስትመንት ዘነቃቅሕ ‘ዩ:: ዘሎ ዓቕሚ ብኣግባቡ ብምጥቃም ድልየት ውሽጢ ሃገር ብሃገር ውሽጢ ምህርቲ ንምትካእ ዘበረታትዕ ‘ዩ:: ኣብዚ እዋን ዓቕሚ መንግስቲ እናተጠናኸረ ይመፅእ:: ነዚ ስዒቢ ዕብየት ኢኮኖሚ ንምቕፃል ናይ ዜጋታት ፍትሓዊ ተረባሕነት ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ናይ መንግስቲ ማሕበራውን ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ዝቕፅሉ ‘ዮም ዝኾኑ::
በዚ ድማ ብሪፎርምን ናብ ሃገር ውሽጢ ንክኣቱ ዝግበር ልዑል ዝኾነ ፋይናስ ዝህብ ‘ዩ:: ብወገን መንግስቲ ‘ውን ካብ ታክስን ታክሲ ካብ ዘይኾኑን ካልኦት ፍልፍላት ዘረኽቦም ኣታዊ ንምዕባይ ዝስርሑ ጠንካራ ስራሕቲ ኣለዉ:: ብተወሳኺ ናይ መንግስቲ ወፃኢ ብኣግባቡ ፈርዩ ውፅኢታዊ ንክኸውን ብመንግስቲ ወፃኢ ምምሕዳር ዝውሰድ ተኸታታሊ ዘለዎም ስጉምቲ ክህልዉ ‘ዮም::
ትፕኢ፡- እዚ ምምሕያሽ ብሄራዊ ባንክ ግደ ዝፈታተን ኣይኾንን?
ኣይተ በረከት፡– ዕዳጋ ዋጋ ብባንክን ብዓማዊልን ዝውሰን እንትኾን ግደ ብሄራዊ ባንኪ ዝህልዎ ዋጋ ናይ ምርግጋዕ ተግባር ጥራሕ ‘ዩ:: እቲ ሓደ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ዝኾኑ ዘይምርግጋዕ እንተጋጥሙ ዘሎ መጠባባቂ ሸርፊ ወፃኢ ናብ ዕዳጋ ብምእታው ሕፅረት ዝቐርፍ ‘ዩ ዝኾን::
ብተወሳኺ ኣብ ኢኮኖሚ ዘለዉ ምንሃርን ምዝሓልን ንምስትኽኻል ብተዘዋዋሪ ፖሊሲ ኣብ ገንዘብ ዝወስዶም ዝተፈላለዩ ስጉምቲ ኣለዉ:: እዚኦም ‘ውን ዝተረጋገዐ ኸባቢ ኢንቨስትመንት ብምፍጣር ትኽክለኛ ዋጋ ተመን ንክህሉ ዘኽእል ‘ዩ:: ብሓፈሻ ሸርፊ ወፃኢ ተመን ተግባር ምጭብርባር ምፍፃም ፍፁም ዝተኸልኸለ ‘ዩ::
ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ብልሓት፣ብፍላይ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ብምጥቃምን ከም ኣገዳስነቱ ካብ ፋይናንስ ድሕንነትን ካልኦት ሕግ ኣኽበርቲ ኣካላትን ብመተሓባባሪ እዚኦም ናይ ቁፅፅርን ክትትልን ስራሕቲ ዝሰርሑ ‘ዮም:: ሕጊ ኣብ ዝጣሓሰሉ እዋን ስጉምቲ ዝወስድ ‘ዩ ዝኸውን::
ትፕኢ ፡- ዝተገበረ ምምሕያሽ ዓቕሚ ገንዘብ ንምድኻም ‘ዩ ይባሃል እዚ ከመይ ይሪእዎ?
ኣይተ በረከት፡- ገንዘብ ንምድኻም ዝባሃል ብዋናነት መንግስቲ ካብ ዝነበሮ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ስርዓት ዝተፈለየ ክፍያ ናይ ሃገር ውሽጢ ገንዘብ ዘዳኽም መልክዕ ዝውሰነሉ ስርዓት እንትዝርጋሕ ‘ዩ:: ማለት ‘ውን ኣቕርቦት ዕዳጋ ዓቅርቦትን ድልየትን መሰረት ከይገበረ ምውሳን ማለት ‘ዩ::
ኸዚ ዝተገበረ ኣብ ዕዳጋ ዝተመስረተ ምምሕያሽ ዋጋ ተመን ግን መንግስቲ ምምሕያሽ ስርዓት መንግስቲ ዕዳጋ ክፍቲ ብምግባር ስራሕ ምቁፅፃር ክስራሕ ዘግብር ‘ዩ:: እቲ ተመን ዝውሰን ግና ኣብ ውሽጢ ዕዳጋ ብዘሎ ኣብ መንጎ ኣቕርቦት ወፃኢ ሸርፊ ድልየትን ብዝህልዎ ምትእስሳር ‘ዩ ዝኾን:: ቅድም ኢልና ከምዝገለፅናዮ ኣብዚ ከይዲ ብሄራዊ ባንኪ ዝህልዎ ናይ ምርግጋዕ ግደ ከምዝተሓለወ ኾይኑ መንግስቲ ብቀጥታ ኣትዩ ዘቕምጦ ተመን ኣይህሉን ማለት ‘ዩ::
ትፕኢ፡- እዚ ምምሕያሽ ስዒቡ ኣብ ሕብረተሰብ ዝተፈጠረ ምድንግጋር ንምስትኽኻል እንታይ ንምስራሕ ተሓሲቡ?
ኣይተ በረከት፡– ክመፁ ‘ዮም ዝተብሃለ ፅዕንቶ ሕድሕድ ኣካላት ከምዝገልፅዎ ዝተጋነነ ኣይኮነን:: ከጋጥሙ ዝግበኦም ጉዳያት ቀዲሞም ዝተፈለዩን ቅድመ ምድላው ዝተገበረሎም ‘ዮም:: ዝፈጥሩ ፅዕንቶ ንምክልኻል ዝውሰዱ ተኸታታሊ ስጉምቲ ክህልዉ ‘ዮም:: ርግፅ እቲ ምምሕያሽ ጥልቀት ዘለዎን ብዙሕ ነገር ዝነኻኽእ ‘ዩ::
ብተቃራኒ ድማ ብዙሕ ሰናይ ዕድል ዝሓዙ ‘ዮም:: ስለ እቲ ምምሕያሽ ንምፍላጥ ዝነበሩን ዘለዉን ኣብ ቀፃሊ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ነገራት ብዕምቆት ምርዳእ ትፅቢት ይግበር:: ስለዝኾነ ዜጋታት ሓበሬታ እዚ ሪፎርም ዘፈፅሙ ኣካላት ጥራሕ ምርካብ ወይ ካብዚኦም ምርግጋፅ የድሊ:: ብተወሳኺ ሃገርን ህዝብን ብዘላቕነት ተረባሒ ንምግባር መንግስቲ ዝወስዶም ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ዜጋታት ብዝኽእልዎ ኹሉ ክድግፍዎ ይግበእ::
ትፕኢ፡– ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን::
ኣይተ በረከት፡– ኣነ ‘ውን ኣመስግን::
መሰረት ገብረዮሃንስ
ወጋሕታ 2 ነሓሰ 2016 ዓ.ም