ስብራት ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ዘሕዊ ስጉምቲ

ኢትዮጵያ ኢኮኖሚኣ ዕፅው ገይራ ብምፅንሓ ንዘበናት ኣብ ፈተና ውሽጢ ንክትወድቅ ምግባሩ ይፍለጥ፡፡ በዚ ምኽንያት ናይ ወፃኢ ንግዲ ክንዲ ዝኣኽሎ ወፃኢ ሸርፊ ምእታው ኣይከኣለን፡፡ ፍርያታት ኢትዮጵያ ብኮንትሮባንድ ንክወፅኡ ዕድል ፈጢሩ፡፡ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ዓቅሚ ልክዕ ካብ ወፃኢ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ተረባሒት ምዃን ኣይኽኣለትን፡፡

ብኻሊእ ወገን ስርዓት ፀሊም ዕዳጋ ንክስፍሕፋሕ ብምግባር ናህሪ ዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ልዑል ፅዕንቶ ንክፍጠር ገይሩ፡ ፡ በዚ መንፅር ኣብ ቀረባ እዋን ብመንግስቲ ዝተሰወደ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ልዕሊ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተፀዓኑ ስ ብራታት ብምሕዋይ ዝሓሸ ምንቕቓሓት ከምዝፈጥር ይእመን፡፡

መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብፍላይ ህልውና ዘፈር ፋይናንስ ኣብ ምቕፃል ዝህልዎ ግደ ዓብይ ‘ዩ፡፡ ንኣብነት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብዕድጊት ቦንዲ ዝኣከቦ ገንዘብ ልቅሖም ምምላስ ንዘይኸኣሉ ብዙሓት ፕሮጀክታት ልምዓት ተበፃሒ እናተገበረ ብምፅንሑ እቲ ባንኪ በዓል ዕዳ ከምዝገብሮን ናይ ሃገር ውሸጢ ባንክታት ኣብቲ ዕዳጋ ናይ ምቕፃል ዕድሎም ፈታኒ ነይሩ፡፡

ባንኪ ዕድኡ ክምልስ እንተዘይኽኢሉ ድማ ምፍራሱ ናይ ምፍራስ ዕድል ከጋጥሞ ስለዝኽእል እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ህልውና ባንክታት ኢትዮጵያ ዘቐፀለ’ዩ፡፡ መንግስቲ ካብ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ (አይ ኤም ኤፍ)ን ባንኪ ዓለምን ኣብ ዝገብሮ ድርድራት ካብ ዘልዓሎም ጉዳያት ሓደ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝምልከት’ዩ፡፡

ኣብቲ ድርድር ነቲ ባንኪ 700 ሚሊየን ዶላር ዝኸውን ተወሳኺ ገንዘብ ካብቶም ትካላት ንክረክብ ዝገበረ ስለዝኾነ ናይቲ ባንኪ ህልውና ዘቐፀለ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ኣብ ልምዓት ኢትዮጵያ ዘልዎ ተሳትፎ ብዝበለፀ ንክቕፅል ዝገበረ ምዃኑ ምርዳእ ግድን ይኸውን፡፡

ብመሰረት መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ስርዓት ምምሕዳር ወፃኢ ሸርፊ ዝተገበረ ለውጢ ጥዕና ዘለዎን ኣብ ፅኑዕ መሰረት ደው ዝበለን ዕብየት ኢኮኖሚ ንምቅፃል ዘኽእል ታሪኻዊ ውሳነ ‘ዩ፡፡ ቅድሚ ሃገራዊ ለውጢ ዝነበረ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ዝገብረ፣ ውልቀ ሴክተራት ካብ ልቃሕ ዘየገላገለን ልዑል ፅዕንቶ ልቃሕ ዝነበሮ ‘ዩ፡፡

እቲ ዝነብረ ዕብየት ኢኮኖሚያዊ ኢንቨስትመንት ‘ውን መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ብምዃኑ ፋይናንስ ዝግበረሉ ዝነብረ መንገዲ ጥዕና ኣይነበሮን፡፡ በዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ ግና ሃገር ቦቀል ሪፎርም ኢኮኖሚ ብምቕራፅ ስብራት ማክሮ ኢኮኖሚ ንምፅጋን ዘኽእሉ ስጉምትታት ተወሲዶም’ዮም፡፡

በቲ ናይ መጀመሪያ ትግበራ ሃገር ቦቀል ሪፎርም ኢኮኖሚ ውሽጣውን ደጋውን ተፅዕኖታት ተፃዊሩ ዓብይ ውፅኢት ኣመዚጊቡ’ዩ፡፡ ንኣብነት ኢትዮጵያ ዝነበራ ናይ ልቃሕ ፅዕንቶ ካብ 40 ሚእታዊ ናብ 17 ነጥቢ 4 ሚእታዊ ንክቕንስ ፤ ትካላት ፋይናንስ ካብ ዝህብዎ ልቃሕ 88 ሚእታዊ ንውልቀ ዘፈር ተበፃሒ ዝገበረ’ዩ፡፡

ብተመሳሳሊ ሓደሽቲ ዘፈራት ኢንቨስትመንት ንክኽፈቱ፤ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ብስርዓት ንክምርሑ ከምኡ ‘ውን ምፅጋን ስብራት ኢኮኖሚ መሰረት ዝገብረ ሓደሽቲ ትካላት ክጣየሹ ዝገበረ እንትኾን፤ እዚ ዓወትን ስራሕን ብምቕፃል ተረባሕነት ህዝቢ መሰረት ብምግባር ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ምእታውን እዚ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ምስ ትልምታት ፖሊሲታት መንግስትን ዝተጠዓዓመ ስለዝኾነ ስብራት ማክሮ ኢኮኖሚ ሃገር ንምሕዋይ ዓብይ እጃም ኣለዎ፡፡

ስብራት ማክሮ ኢኮኖሚ ዝፅግንን ዕብየት ኢኮኖሚ ዝቕፅልን እቲ መመሓየሺ ናብ ዝተማልአ ትግበራ እንትኣትው’ዩ፡፡ትግበራ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ቐፃላይነትን ጥዕና ዘለዎን ዕብየት ኢኮኖሚ ንክህልው ዝግብር ስለዝኾነ ብዓለምለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ) ትንበያ ጥራሕ ኣብ ቐፃሊ ኣርባዕተ ዓመታት ማእኸላይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ 8 ሚእታዊ ክዓቢ ‘ዩ።

በዚ መመሓየሺ ኣብ ተኣካቢ ኣታዊ ዓቅሚ ዝፈጥር፣ ዕቋር ወፃኢ ሸርፊ ዝውስኽ፣ ትርጉም ብዘለዎ መልክዕ ኤክስፖርትን ኢንቨስትመንትን ክብ ዘብል ከምኡ ‘ውን ፍትሓዊነትን ኢኮኖሚ ብምስፋን ስብራት ማክሮ ኢኮኖሚ ንክሓዊ ዝገብር ስለዝኾነ ዕውት ንክኸውን ኣብርቲዒኻ ምስራሕ ይግባእ፡፡

ወጋሕታ 2 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You