ስራሕ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ሃገራዊ ምኽክር ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ክዛዘም ‘ዩ

ኣዲስ ኣበባ፡- ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ሃገራዊ ምኽክር ክሳብ 30 መስከረም 2017 ዓ.ም ክዛዘም ምዃኑ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክክር መስፈን ኣርኣያ (ፕ/ር) ገሊፆም። እቲ ኮሙሽን ካብ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ወፃኢ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኣጀንዳ ናይ ምእካብ ስራሕ ብዝተቐመጠሉ እዋን ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ፕሮፌሰር መስፈን ኣርኣያ ብፍላይ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብዓሰርተ ክልላትን ክልተ ምምሕዳር ከተማታትን ዝተጀመረ ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክሳብ 30 መስከረም 2017 ዓ.ም ንምዝዛም እናተሰርሐ ‘ዩ፡፡

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ‘ውን ተዛማዲ ሰላም ኣብ ዝህልወሉ እዋን ናብ ኣጀንዳ ምፍላይ ንምእታው ምድላው እናተገብረ ምዃኑ ፕሮፌሰር መስፈን ኣብሪሆም። ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ዘሎ ኩነታት ምፍራስ ፀጥታ ዝተወሰነ ፅልዋ እኳ እንተሐደረ ኣብዝተጀመረሎም ቦታታት ከይዲ ምእካብ ኣጀንዳ ብዝግባእ ኩነታት እናኸደ ከምዝርከብ እቶም ኮሚሽነር ገሊፆም።

ምፍላይ ኣጀንዳ ክሳብ መወዳእታ መስከረም ዝደፍኦ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ዓፋር ልዑል ሙቐት ስለዘጋጠመ ‘ዩ ኢሎም፡፡ ናይቲ ኮምሽን ዋና ተግባራት ኣካታቲን ኣሳታፍን ዝኾነ ሃገራዊ ምኽክር ምክያድ ብምዃኑ ጉባኤ ኣካል ጉድኣት ተዳልዩ ‘ዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር መስፍን፤ እቲ ኮምሽን ሃገራዊ ምኽክር ንኹሉ ዜጋታት ናይ ሓባር መድረኽ እናመቻቸወ ሃገራዊ ምርድዳእ ንክፍጠር እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣረዲኦም፡፡

ናይቲ ምኽክር ዓላማ ካብ ህዝቢ ዝተኣከቡ ኣጀንዳታት ኹሉ ብዝግባእ ተፈልዮም ብዝተመረፁ ናይ ሃገር ተወከልቲ ኣድላይ ዘተ ተገይሩ ኣብ ምርድዳእ ምብፃሕ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡ ኣብቲ ከይዲ ክሳብ ኸዚ ምንም ዓይነት ናይ ወፃኢ ኾነ ናይ ውሽጢ ዓዲ ጣልቃ ዘይምህላዉ ዝገለፁ ፕሮፌሰር ምስፍን፤ ኾይኑ ግና ኹሉ ፓርትታት ፖለቲካ ናይ ዕጥቂ ቃልሲ እናገበሩ ዘለዉ ወገናት ናብ ሃገራዊ ምኽክር ብዘይምምፀኦም ናይ ባዕሉ ዝኾነ ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናሕደረ ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ከም ፕሮፌሰር መስፍን ገለፃ፤ ኣብቲ ምኽክር ናይ ካልኦት ሃገራት ተሞክሮ ተወሲዱ ካብ ማንም ጣልቃ ኣታውነት ነፃ ተገይሩ ‘ዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ የመንን ሱዳንን ሃገራዊ ምኽከር ናይ መንግስትን ካልኦት ኣካላትን ጣልቃ ኣታውነት ስለዝነበሮ ፍረ ኣልቦ ኾይኖም ‘ዮም ክብሉ ኣረዲኦም፡፡ ንሃገራዊ ምኽክር ምስኻዕ ግደ መራኸቢ ሓፋሽ ልዑል ብምዃኑ ግቡእ ሓገዝ ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ብኻሊእ ወገን ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ወሃቢ ቓል ኮሚሽን ብሄራዊ ምኽክር ኣይተ ጥበቡ ሰሎሞን ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፤ ብዘይካ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ካልኦት ክልላት ኣብቲ ምኽክር ብስፍሓትን ኣሳታፊን ብዝኾነ መልክዑ ሰፊሕ ግዜ ተዋሂብዎ ኣጀንዳ ናይ ምእካብ ስራሕ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ሕዚ ብዘሎ ነባራዊ ኩነታት ኣብቲ ምኽክር ዘይተኻተቱ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ከም ፀገም ዋላ እንተተረኣየ፤ ኣብከይዲ እቶም ፀገማት እንትቃለሉን ኣንፃራዊ ሰላም ምስተረኸበን ክልቲኦም ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ከምዝሳተፉን ናብቲ ከይዲ ዝኣትውሉ ስርዓት ብምምዕባል ናብቲ መስርሕ ንምእታው ይስራሕ ከምዘሎን ሓቢሮም።

መስርሕ ምእካብ ኣጀንዳ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድረዳዋን ክልል ሃረሪን ኣብዝቕፅል ብምጥቓስ፤ ክሳብ ሕዚ ዝተገበረ ጉዕዞ ንኹሉ ዝሓቁፍን ኣሳታፊን ከምዝኾነ ገሊፆም። እቲ ኣሳታፊነቱ ኣብቲ ምኽክር ዝሳተፉ ኣካላት ጥራሕ ከምዘይግለፅ ብምግላፅ፤ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ብቀሊሉ ከምዘይረኣይ ገሊፆም።

እቲ ናይ ቅድመ ምድላውን ስራሕቲ ምድላውን መብዛሕትኡ ብግቡእ ከምዝተሰርሐ ብምጥቓስ፤ ኣብ ምዕራፍ እቲ መስርሕ ብቐንዱ ኣብቲ ጉዳይ ምርድዳእ ንምፍጣር ስራሕቲ ንቕሓት ይስራሕ ከምዘሎን ተሳተፍቲ ኣብ ዝተፈለየሎም ክልላት ድማ ስራሕቲ ምፍላይ ኣጀንዳ ይስራሕ ከምዘሎን ኣብሪሆም። ብፍላይ ኣብተን ተሳተፍቲ ዘይተለለየለን ክልላት ኣምሓራን ትግራይን እቲ መስርሕ ንምቕፃል ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ፀገም ፀጥታ ሃገርና እቲ ስራሕ ብመሰረት እቲ ትልሚ ንከይኸይድ ዕንቅፋት ምዃኑ ዝጠቐሱ ኣይተ ጥበቡ፤ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ኮሚሽን ምኽክር ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ብምሓዝ እቲ ምኽክር ካብ ዝተጣየሸሉ ኣዋጅን ዕላማን ብዘይምርዳእ ፀገማት ከምዘሎ ጠቒሶም።

ይኹን እምበር ፀገማት ብምፅዋር ጫፍ ዝወፁ ዝቐልቀሉ ኣረኣእያታት ተቓራሪብካ ብምዝታይን ኣብ ከይዲ ጉዳይ ዓቕሚ ብምህናፅን እቶም ፀገማት ንምብዳህ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ጋምቤላ ከካይዶ ዝፀንሐ መስርሕ ምእካብ ኣጀንዳ ኣብዝሓለፈ ሰሙን ዝዛዘመ እንትኸውን ኣብቲ መዛዘሚ ተሳተፍቲ ኣብፃኒሕቶም ንሃገር ይጠቕም ‘ዩ ዝበልዎ ኣጀንዳታት ኣኪቦም በቶም ዝመረፁዎም ኮሚቴታት ኣቢሎም ናብ ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ኣረኪቦም ‘ዮም።

ኮሚሽን ኮሚሽነር ምኽክር ኣይተ መላኩ ወልደማርያም ኣብ መዛዘሚ እቲ መድረኽ ከምዝገለፅዎ፣ ኣብቲ ክልል ካብ ዝሓለፈ 22 ሓምለ 2016 ጀሚሩ ክካየድ ዝፀንሐ መስርሕ ምእካብ ኣጀንዳ ብዓወት ምዝዛሙ ብምግላፅ፤ ኣብ መስርሕ ምእካብ ኣጀንዳ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ንነባሪ ሰላምን ራህዋን ኢትዮጵያ ፅቡቕ ዝኾኑ ሓሳባት ብነፃነት ብምስታፍ ፅቡቕ ተሳትፎ ዝተረኣየሉ ከምዝነበረ ገሊፆም፡፡

ተሳተፍቲ ንህዝብን ሃገርን ይጠቕሙ ‘ዮም ዝበልዎም ኣጀንዳታት ኣብ ምልላይን ምእካብን ዘርአይዎ ንጡፍ ተሳትፎ እቲ ኮሚሽን ልዑል ምስጋና ከምዘለዎ ገሊፁ ‘ዩ። ኣብ ቀፃሊ ኢትዮጵያ ዘለዉዋ ፀገማት ብዘተ እትፈትሕ ሃገር ዝብል ሽም ክህልዋ ምእንቲ ንዘላቒ ሰላም ሃገር ዝጀመርዎ ፃዕሪ ከሐይሉ ኮሚሽነር መላኩ ሓቲቶም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 2 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You