ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ልዕሊ 9 ሚኢቲ ሽሕ ፈልሲ ንምትካል ምድላዋት እናተገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ:- ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምትካል ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ልዕሊ 9 ሚኢቲ ሽሕ ኣብ 450 ሄክታር ንምትካል ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ዳይሬክተር ልምዓትን ኣጠቓቕማን ደኒ እቲ ቢሮ ኣይተ ተስፋይ ተክለሃይማኖት ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፅዎ፤ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 58ሚልዮን558 ሽሕን 241ን ፈልሲ ንምድላው ተተሊሙ እናተሰርሐ ነይሩ፣ ይኹን ‘ምበር ብሕፅረት ዓቅሚ ምኽንያት 33ሚልየንን 207ሽሕን 433ን ፈልሲ ‘ዩ ተዳልዩ፡፡

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብብርኪ ሃገር ኣብ ጊነስ ቡክ ንምምዝጋብ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ዝግበር ወፍሪ ምትካል ኣብ ትግራይ 9 ሚእቲ ሽሕ ፈልሲ ኣብ 450 ሄክታር ንክትከል ብፌደራል ብዝተወሃበ መደብ መሰረት ኣብ ምድላው ኣለና ክብሉ ኣይተ ተስፋይ ተዛሪቦም።

ትማሊ ፅቡቅ ኣብ ስራሕቲ ምሕዋይ ከባቢ ዝነብርና ኢና ዝብሉ ኣይተ ተስፋይ፤ ሎሚ ‘ውን ናብኡ ንክንምለስ ፅቡቅ ፃዕሪ እናገብና ንረከብ ኣለና። ስለዚ ሐዚ ‘ውን ከም ትማሊ እቲ ህዝቢ ተወዲቡ ውፅኢታዊ ስራሕ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ትማሊ ዘጥረዮ ደኒ ኣብዚ ፀገም እዋን ተጠቂሙሉ ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ተስፋይ፤ ሐዚ ድማ ነቲ ተፈጥሮ ንምሕዋይ ክስራሕ ኣለዎ ፤ ናይ ቀፃሊ ሂወትና ክነውሕስ ሐዚ ብርሰት ክንከላከል ኣለና ኢሎም።

ነዚ ሐዚ ገጢሙና ዘሎ ፀገም ነኒበይንኻ ከይድካ ክፍታሕ ከምዘይክኣል ስለ እንርዳእ ምስ ዝምልከቶ ኩሉ ብምርድዳእን ብምትሕግጋዝን ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ ዝብሉ ኣይተ ተስፋይ፤ እዚ ተዘይኸውን ነይሩ ሐዚ ነዚ ፈልሲ ክነፍልሰሉ እንኽለሉ ዕድል ኣይምሃለወን ነይሩ፤ እዚ ተሰሪሑ ዘሎ ብናይ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ሓገዝ ከምዘኾነን በዚ ድማ ኣጠናኺሮም ክቅፅሉ ፀዊዖም።

ኣብርሃ ሓጎሰ

ወጋሕታ 18 ሓምለ 2016  ዓ.ም

Recommended For You