‹‹ሃገራዊ ምርድዳእ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት››

ኣብ ዓለምና ስርዓት ፌደራሊዝም ዝኽተላ ሃገራት ብርክት ዝበላ’የን።እዘን ሃገራት ከከም ነባራዊ ኹነታት ሃገረን ንቲ ስርዓት ይትግብርኦ።ሃገርና’ውን ምስ ምፅዳቕ ህገ መንግስቲ ስዒቡ ብዝህነት ማእኸል ዝገበረ ስርዓት ፌደራሊዝም ምኽታል ጀሚራ ኣለ።

እንትኾነ ግና እቲ ከይዲ ሓላፍ ዘላፍ ዝነበሮ ስለዝኾነ ኣብ ማዕረ ተጠቃሚነትን ዓርሰ ምሕደራን ህዝቢታት ኢትዮጵያ ሕቶታት የልዕሉ ነይሮም።እቲ ሕቶ መሰረት ገይሩ ድማ ለውጢ ክመፅእ ገይሩ ኣሎ።ድሕሪ ለውጢ ሕቶ ክልል ንኹን ዝብል መልሲ ረኺቡ ክልላት ኢትዮጵያ ካብ ትሽዓተ ናብ ዓሰርተ ክልተ ክብ ክብልን ካልኦት ሕቶታት ህዝብታት መልሲ እናረኸቡ ‘ዮም።

ስርዓት ፌደራሊዝም ሕብረ ብሄራዊነት ማእኸል ገይሩ ሓድነት ህዝብታት ብዘጠናኽር እናተተግበረ ይርከብ። ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ዝፀደቐሉ ዕለት 29 ሕዳር በቢ ዓመቱ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ እናተኸበረ መፂኡ ኣሎ።ሎሚ ዓመት‹‹ሃገራዊ ምርድዳእ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት›› ብዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ክኽበር’ዩ።

ስርዓት ፌደራሊዝም መግለፂ መንነት፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ድሌታት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ምሕላው ዓቢዪ ግደ ኣለዎ ፤ ንኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ኣፍልጦን ማዕረ መሰረል ምሃቡ ናይ ባህሊ፣ ቋንቋን ከምኡ ‘ውን መግለፂ መንነትን ንምምዕባል ኢሉ ‘ውን ንካልኦት ኣብ ምፍላጥን ዓብይ ግደ ዝፃወት ‘ዩ።

ሕብረ ብሔራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ንብዙሕ መንነት መግለፂአን ዝኾና ሃገራት ዝሓሸ ኣማራፂ ‘ዩ፤ ፌደራሊዝም ማዕርነት ህዝብታት፣ ሓድነትን ምትእስሳርን ምጥንኻርን ዲሞክራሲያውን ንቅሓተ ሕገ-መንግስቲ ህዝቢ ብምዕባይን ሓያል ሃገር ናይ ምህናፅ ግደ ከምዘለዎ ይፍለጥ። ስርዓት ፌደራሊዝም ንኹሎም ብሄር ብሄረሰባት ኣፍልጦ ብምሃብ፤ ኩሎም ዜጋታት ባህሎም፣ ቋንቋኦምን ከምኡ ‘ውን መግለፂ መንነቶም ዝኾኑ ንከማዕብሉ የኽእሎም ‘ዩ።

ንብሄራት ብሄረሰባት ማዕረ መሰል ተዋሂቡ ነቲ መዓልቲ ብሓባር ምኽባር ምኽኣል ባዕሉ ሓደ ካብ መኽሰብ ስርዓት ፌደራሊዝም ምዃኑ ምግንዛብ ይግባእ።ብሄር ብሄረሰባት ኣብ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ዓውድታት ክሳተፉን ተጠቀምቲ ክኾኑ ክኢሎም ‘ዮም። እቲ በዓል በቢዓመቱ ምኽባሩ ኣብ ብዝሃነት ውሽጢ ሓድነት ንምሕያልን ከምኡ ‘ውን ኣገዳስነት ሓድነት ኣብ ብዝሃነት ንምግንዛብ ረብሓ ዘለዎ ምዃኑ ርዱእ ‘ዩ።

ሎሚ ዓመት ንመበል 19 ግዜ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ንምኽባር ሰፊሕ ምድላዋት እናተገበረ ይርከብ። ብዙሕነት ነቲ ብውልቂ ዘየማልእናዮ ድሌታት ከነማልእን ነቲ ክፍተት ብሕታውነት ንክንሰግሮ ዘኽእል ‘ዩ። ናይ ሓባር ዝኾነት ኢትዮጵያ ክንሃንፅን ከነብልፅግን ሓቢርና ደው ክንብል እዚ ሕብረት ብሄር ብሄረሰባት ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።

ምኽባር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰብ ብዙሕ ረብሓታት ከም ዘምፀአ ዝከሓድ ኣይኮነን ። ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝተጠናኸረ ሓድነት ፈጢሩ ‘ዩ፤ ባህሎምን መንነቶምን ንኻልኦት ብምክፋል ኣፍልጦ ክረኽቡ ኾይኑ ‘ዩ። እዚ ድማ ንምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት መሰረት ኾይኑ ‘ዩ ።

እቲ በዓል ክኽበር ከሎ ህዝብታት ንነዊሕ ዘመናት ሒዞሞ ዝመፅኡ ጥምረቶም ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ፣ ኣብ ክንዲ ምፍልላይ ኣብ ሓድነት ትኹረት ክገብሩን ብዛዕባ ሕገ-መንግስትን ፌደራላዊ ስርዓትን ግንዛበ ክፈጥሩ ‘ውን ዝገብር ‘ዩ። እዚ ድማ ምዕቡል ፌደራላዊ ስርዓት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክሓልፍ ዝገብር ‘ዩ።

አቲ በዓል “ሃገራዊ ምርድዳእ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣርባ ምንጭ እንትኽበር መግለፂ ሓድነት፣ ሰላም፣ ምክእኣልን ሕብረ ብሄርን ኾይኑ ክኽበር ይግባእ። ብተወሳኺ ‘ውን ኢትዮጵያውያን ብዙሕ ባህሊ፣ ታሪኽ፣ ፀጋን መስሕብ ተፈጥሮን ከምዘለዎም ንዓለም ዘፋልጥሉ መድረኽ ብምዃኑ እቲ በዓል ኣብቲ ክልል ምኽባር ዓብይ ዕድል ከምዝኾነ ይፍልጥ።

በብዓመቱ እቲ በዓል ምኽባሩ ኣብ ትንሳኤ ቁጠባን ኢንቨስትመንትን ሃገርና፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ልምዓት ዓውዲ ቱሪዝም ዓብይ ግደ ከምዘለዎ ብምርዳእ ናብ ረብሓ ምቕያር የድሊ።ብዝተደመረ ዓቕሚ ሓድነትን ሰላምን ምፅናዕ ብዘኽእል መልክዑ ክኽበር ‘ዩ።ሰናይ በዓል።

ወጋሕታ 26 ሕዳር 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You