ስራሕቲ ምልላይ ንዕብየት ዘፈር ቱሪዝም

ሃገራት ቱሪዝም መሰረት ዝገበሩ ብዝሓት ዓለምልኸ ዓውደ ርዕይን ትርኢት ይዳለው ‘ዮም። መስሕብ ቱሪዝም ዘለዎም ሃገራት በፃሕቲ ዓዲ ንምስሓብን ፅቡቅ ምስሊ ሃገሮምን ከባቢኦምን ንምህናፅን ኣብ ዓለምለኸ መድረኻት ብምስታፍ፤ ባህላዊ፣ ተፈጥሯዊ፣ ታሪካዊን ዝኣምሰሉ ፀጋታት ቱሪዝምን ዝገልፁ መፋለጢ ምድላዋት ብምግባር ተበፃሕነቶም ንምስፋሕ ንምልላይ ይፅዕሩ ‘ዮም።

ብዓለም ብርኪ ብቱሪዝም ትርኢትን ዓውደ ርዕይን ካብ ዝፍለጡ ቀዳሞት ምድላዋት በቢዓመቱ ኣብ ወርሒ መጋቢት ንተኸታታሊ ሓሙሽተ መዓልትታት ዝካየድ (ITB) በርሊን “ናይ ዓለም ዓብዪ ኤክስፓ ቱሪዝም“ ተፀራሒ ‘ዩ። እዚ ዓለም ለኸ ዓውደ ርዕይ ከም ኣቆፃፅራ ፈርንጂ ብ1966 ነዚ ስሙ ሒዙ ካብ ሓሙሽተ ሃገራት ብዝተወፃፅኡ ትሽዓተ ተሳታፍቲ ‘ዩ ተጀሚሩ።

ክሳብ አ.ፈ 2019 ብዝተመዝገበ መረዳእታ መሠረት በቢዓመቱ ኣብቲ ምድላው ናብ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ዝበፅሑ ጎብነይቲ ይርከቡ ‘ዮም። ኣብዚ ዓውደ ርእይ ሚኒስትር ቱሪዝም አምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ተረኺበን ኢትዮጵያ ብፍሉይ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ንዘፈር ቱሪዝም ትኩረት ብምሃብ እናተሰርሐ ዘሎ ምልማዕ ምስሕባት ቱሪዝም ኣፍሊጠን ‘የን።

ምስ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላት’ውን ንምስራሕ ዘኽእለን ዘተታት ምግባረን ስራሕ መፈፀሚ ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስትር ዝኾኑ ኣይተ ኣለማየሁ ጌታቸው ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ሂቦም ‘ዮም። ፍሉጣት መድረኻት ቱሪዝም በቲ ኢንዱስትሪ ተመረፅቲን ሰሓብትን ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ ብዙሓት ቱሪስታት ንምርካብን መስሕባት ቱሪዝም ንምልላይ ተመረፅቲ ‘ዮም።

ተፈለጥቲ ካብ ዝኾኑ ዓውደ ርእዮያት ውሽጢ ዓለም ልኸ ኤክስፖ ጉዞ ቫንኮቨር፣ ምርኢት ጉዞ ኒዮርክ ታይምስ፣ ናይ ላስ ቬጋስ ፎረም ወኪላት ዓለም ጉዕዞን ዕዳጋ ጉዕዞ ለንደን ይርከብዎ። ኣይተ ጌትነት ይግዛው ከምዝገልፅዎ፤ ዓለምለኸ ቱሪዝም ኤክስፖታትን ዓውደ ርእያትን ልክዕ ከም ኣብ ሃገርና ውሽጢ ዝካየዱ ባህላዊ ዕዳጋታት ‘ዮም ዝመስሉ።

እዞም ባህላዊ ዕዳጋ ዝምስሉ ተፈልጥቲ ናይ ንግዲ ትርኢታት፣ ኤክስፖታትን ዓውደ ርእያትን ኩሉ ዝምልከቶ ተሳታፊ ብምዃን ሃብቲ ቱሪዝምና፣ ባህላዊ ፀጋታትና፣ ታሪኻዊ ቦታታትናን መሰል ናይቲ ዘፈር ሃብትታት ንምፍላጥ ከምኡ ‘ውን በፅሕቲ ዓዲ ብምስሓብ ባኬጃት ምሻጥ ንምኽኣል ልዑል ረብሓ ዘለዎም መድረኻት ‘ዮም።

ኣይተ ጌትነት ከምዝበልዎ፤ ካብ ስልታት ዕዳጋ ኣብ ዓለም ኸ ኤክስፖን ዓውደ ርእይን ቱሪዝም ብተግባር ምፍላጥ ‘ዩ። ንኢትዮጵያ ሓደሽቲ ቦታታት ቱሪዝም፣ ባሕላዊ ፀጋታት፣ ግልጋሎት ዘፈር ቱሪዝም፣ ካልኦትን ሃገራት ዓለምን ጎብነይትን ዘይፈልትዎ መስሕብ ቱሪዝማት ንምፍላጥ በሪ ዝኸፍት ‘ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ልዕሊ 500 ትካላት መጎብነይቲ፣ ልዕሊ 700 ሆቴላት ከምኡ’ውን ብዙሓት ሰብ ዋና ኣቅረብቲ ምርኢት ቱሪዝም ከምዘለው ብምግላፅ፤ እዞም መዳርግቲ ኣካላት ብወገኖም ናይ ባዕሎም ተፅዕኖ ከዕርፉሉ ዝኽእሉ ውዳበታት ምፍጣር ከምዝፅብየኦም ይዛረቡ።  ብፍላይ ብኮቪድን ብዝተፈላለዩ ሰብ ስራሕ ጎንፅታት ዝተዳኸሙ ምንቅስቃስ ናይ ውልቀ ዘፈር ምድጋፍን ምንቅቃሕን ከምዘድሊ የተሓሳስቡ።

እዚ እንትኸውን ሃፍቲ ሃገርና ምፍላጥን ፍሰት ቱሪስት ካብ እዋን ናብ እዋን ብምዕባይ ለውጢ ምምፃእ ከምዝክኣል ይገልፁ። ካብ ምፍላጥ ቱሪዝም ከይወፃእና ብተመሳሳሊ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዝኾኑ ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር ( ዶ/ር) ቱሪዝም ዘለዎ ረብሓታት ብምዝኽኻር ቱሪዝም ትግራይ ኣብ ምፍላጥ ኩሉ ግድኡ ክዋፅእ ከምዝስዕብ ፃውዒቶም የቅርቡ ፡፡

ብሰንኪ ክልተ ተኸታተልቲ ዓለም ዘደንገፁ ዓበይቲ ፈተናታት (ለበዳ ኮሮናን ኩናትን) ካብ ዕዳጋ ዓለም ተኣልዩ ዝፀንሐ ቱሪዝም ትግራይ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ናብ ዕዳጋ ዓለም ክምለስ ምግባር ሓደ ዓብዪ ታሪኻዊ ስራሕ ኮይኑ ፤ ትግራይ ካብ ዓለምለኸ ዕዳጋ ቱሪዝም ዝግበኣ ብፅሒት ክትረክብ ንምስራሕ ዝሓቶ መጠን በጀት ኣብ ካዝና መንግስቲ የለን።

ይኹን ‘ምበር ንዳግም ህንፀት ዝተበላሸወ ምስልናን ምምላስ እምነትን ድልየትን ኣጋይሽን ዝጠልቦ መጠን ፃዕሪ ‘ውን ናይ ማንም ትኹረት ኣይኮነን። ብዘይ ዝግባእ ኢንቨስትመንት ምልላይን ፅገና ዝዓነዩ ሓድግታትን ጋሻ ምእንተ ኣመሉ ዝመፀካ ጌርካ ምሕሳብ ክትቅበሎ ዘይትኽእል ድኽመት ‘ዩ።

ብሰንኪ ሕፅረት ካፒታል በጀትን ትሑት ትኹረት ቱሪዝምን ክንስእኖ ዝግባእ ዕድል ስጉሚ ሕውየትን ዕብየትን ቱሪዝም ትግራይ ክህሉ የብሉን። ግዜ ‘ውን ከነባኽን የብልናን። ስለዚ ኩልኹም ቤተሰብ ቱሪዝም ትግራይ (ሰብ ሞያ ቱሪዝም ጥራሕ ንምባል ኣይኮነን) ኩሎም ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ መዓልታዊ ብሓባር ብምልላይ ድልየት ሃወፅቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንምዕባይን ትግራይ ናይ ምህዋፅ ሸውሃቶም ንምውሳኽን ሓግዙታ።

እዚ ሓገዝኩም/ክን ንህዝቢ፣ መንግስትን ዓድናን ዘለዎ ኣበርክቶ መተካእታ የብሉን። ነንሕድሕድና 20 መሓዙት ብምዕዳም ንሳቶም ‘ውን ዒስራ ዒስራ ክዕድሙ ብምግባር ኩላትና እንርብሐሉ ቱሪዝም ትግራይ ክህሉ ንተሓጋገዝ ክብሉ ፃዊዒት ብምግብር ንኣገዳስነት ምልላይ ቱሪዝም ኣስሚሮምሉ ‘ዮም።

ብሓፈሻ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ትካላት ዲፕሎማት ዘለውዋን መዲና ኣፍሪካ እንትኾነት’ውን፤ ዓበይቲ ደረጅኡ ዝሓለወ መድረኻትን ማእኸል ኮንቬንሽን ክሳብ ሐዚ ብዝድለይ ልክዕ ምህናፅ ኣይኸኣለትን። እዚ ብድሆ ንምፍታሕ ድማ ልክዕ ከም አይ. ቲ.ቢ በርሊን ከምኡ ‘ውን ካልኦት ዓበይቲ ቀወምቲ ምርኢት ቱሪዝምን ንግድን ምድላው ከምዘድሊ ይግለፅ።

እዚ ምግባር እንትክኣልን ካብኡ ብተወሳኺ ኩሎም ድማ መዳርግቲ ኣካላትን ብሓባር ብምስራሕ ሃብቲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ብውሽጢ ሃገር ኾነ ብወፃኢ ሃገራት ብዝድለይ ልክዕ ምፍላጥ ይክኣል።

ኣብርሃ ሃጎስ

ወጋሕታ 12 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You