ፕሪቶርያ ዘምፀኦም ውፅኢት ምድናቕ ንቀፃሊ ብርተዐ ‘ዩ

እዚ ኹሉ ፀገም ተሓሊፉ ናብ ስምምዕነት ፕሪቶርያ በፂሕና ኢና ። ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ምስተፈረመ ኹሉ ሕጉስ ‘ዩ። ብዙሕ ነገራት ተቓሊሉ ‘ዩ፤ ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ እንተናኣሰ ሞትን ምምዝባልን፤ መሰላት ደቂ ሰባት ከይገሃስን ከይቕፅልን ህዝቢ ትግራይ ሰላማዊ ንፋስ ክረክብ ዕድል ተፈጢሩ ‘ዩ ።

እዚ ብምምፅኡ ድማ ንብዙሓት ሓጎስ ፈጢሩ ‘ዩ ። እቲ ንዝሓለፈ ዓመታት ዝነበረ ክዝከር ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ፀገም ዝወፀሉ እዋን ዝናፈቖ ግዘ ‘ዩ ነይሩ። ድሕሪ ኸዚ ኣባና ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ካልኦት ‘ውን ከይፍጠር፣ ሰላም ክንደየናይ ኣድላይን ከምኡ ድማ ንሰላም ትኹረት ገይርካ ምስራሕ ክንደየናይ ተረባሒ ከምዝገብር ዘርኣየና ግዜ ‘ዩ ።

ሰላም እናሃለወ ትኹረትኻ ኹሉ ኣብ ሰላም ገይርኻ ምስራሕ ብጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ። ሰላም እንድሕር ሓደ ግዜ ተዘሪጋን ተበላሽያን ምምላሳ ኸቢድን ብዙሕ መስዋትንት ዘድልያን ‘ያ ። ኹናት እንታይ ከምዝፈጥር ኣሪእና ‘ዩ። ካብ ዝሓለፈ እንድሕር ትምህርቲ ዘይወሲድና ዋጋ ሰላም ክርደአና ኣይኽእልን። ኣሽንኳይዶ ትምህርቲ ወሲድናስ እቲ ዝሓለፈ ‘ውን ተዝካኣል ነይሩ ብግዜ ጠጠው ንክብል ተንሰርሕ ነይርና ክንደይ ህይወት ወዲሰብን ምምዝባል ደቂ ሰባትን ምቐነስና ነይርና።

ስምምዕነት ፕሪቶርያ ምምፅኡ ብዙሕ ነገራት ተቐይሮም ‘ዮም። ካብዚኣቶም እቲ ዋና ተኹሲ ጠጠው ምባል ‘ዩ። እዚ ልዕሊ ኹሉ ‘ዩ። ካልኦት ጉዳያት ንምግምጋምን ስምምዕነት ፕሪቶርያ ተፈፃሚ ኾይንዶ ኣይኮነን ኢልና ንምሕሳብ ‘ውን ምርግጋዕን ሰላምን ኣድላይ ‘ዩ። እዚ ምርግጋዕን ሰላምን ዝፈጠሮ ድማ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብምምፅኡ ‘ዩ።

ቀፂሉ ክመፅእ ዘለዎ ጉዳይ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ኹሉ ፀገማት ትግራይ ይፈትሕ ‘ዩ ኢልና ትፅቢት እንተገይርና ምናልባት ‘ውን በቲ ስምምዕነት ስዒቡ ዝመፁ ለውጥታት ንከይረአየና ይኽእል ። ግና እተን ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተቐመጣ ነጥብታት ናብ ተግባር ንክቕየራ ትኹረት ካብ ምግባር ዝተልዓለ ብምኳኑ ሕልኽላኽ ክፈጥር ይኽእል።

ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ እንታይ ረብሓ ኣምፂእሉ ኢልካ ምሕታትን እቲ ዝተረኸበ ‘ውን ምድናቕ የድሊ። እቲ ዝጎደለ ‘ውን እናተኸታተልካ ተፈፃሚ ንክኸውን ምሕታት ትኽክል ‘ዩ። ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብምፍራሙ እንተናኣሰ ተኹሲ ጠጠው ኢሉ ፤ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ረኺቡ ናብ ካልኦት መሰረታዊ ዝኾኑ ሕቶታት ምሕታት ጀሚሩ ‘ዩ። እዚ ዓብይ ስጉምቲን ውፅኢትን ‘ዩ ፤ ናይቲ ስምምዕነት ሰላም ናይ መጀመርያ ዕላምኡ ‘ውን እዚ ስለዝኾነ።

እቲ ፀገም ሰፊሕ ስለዝነበረ ብተደጋጋሚ ኹናት ስለዝነበረ ብዙሕ ሓገዛት ከምዘድሊ ሕቶ ኣየድልዮን። ብመንግስቲ ፌደራልን ትካላት ዝኻእልዎ ኹሉ ሓጋዝ ንክገብሩ ዕድል ዝተፈጠረ ስምምዕነት ፕሪቶሪያል ስለዝተፈጠረ ‘ዩ። ምንም እኳ ዝድለ ሓገዝ ከምቲ ዝድለ ተበፃሒ ተዘይኾነ ግና ሓገዛት ካብ ምግባር ንድሕሪት ኣይተብሃለን።

ኹለን ግልጋሎት መንግስቲ ናብ ስራሕ ክምለሳ ፤ ቴሌኮም ብቁልጥፍ ተፀጊኑ ናብ ስራሕ ክኣቱ ፤ መንገዲ ኣየር ብቅልጡፍ ስራሕ ክጅምር ፤ ባንክታት ስረሐን ክጅምራ ፤ ጥዕና ጣብያን ቤት ትምህርትን ናብ ስራሕ ክኣትዋ እዚ ኹሉ ዝተፈጠረ ሰላም ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብምምፅኡ ‘ዩ።

እንድሕር ዘይተሰርሑ ስራሕቲ ጥራሕ እንቖፅር ኾይና ዝስርሑ ዉሑዳት ስራሕቲ ክነበረታትዕ ኣንኽእልን ። እቶም ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንድሕር እናበረታትዕና ከይድና ንቕድሚት እናሰጎምና ኢና ማለት ‘ዩ። ንቕድሚት ዝስርሑ ስራሕቲ እናላዓዓልና ከምዝኾነ ክንርዳእ ይግባእ።

ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ካብ ፌደራል መንግስትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ጥራሕ ትፅቢት እንድሕር ገይርና ኣዕጋቢ ውፅኢት ኣይመፅእን። ህዝቢ ‘ውን ሓላፊነት ኣለዎ ‘ዩ። እቲ ሰላም ንክፀንዕ ህዝቢ ዓብይ ግደ ኣለዎ። ሰላም ንከይፀንዕ ዝገብሩ ኣካላት ኣብ ምክልኻል፣ ኣሉታዊ ሓሳባት ጥራሕ እናምፅኡ ተስፋታት ዘፀልሙ ሰባት ተደማፅነት ንከይህልዎም ኣብ ምግባር ክሰርሕ ይግባእ። ሰላም ምስ ምንም ዝወዳዳር ኣይኮነን።

ሰላም ዝዘርግ ኣካል ምቅዋም ሓላፍነት ሕድሕድ ዜጋ ‘ዩ። ናይ ሎሚ ሰላም ብምፅናዕ መገዲ ሓድሽ ወለዶ ምፅራግ ማለት ‘ዩ። ኣብ ናትና ወለዶ ዝተርኣየ ሕፅረት ሰላም ኣብ ደቅና ንከይድገም ዓብይ ሓላፍነት ኣለና። ትማሊ ብምኽንያት ኹናት ዝተንገላትዑ ተምሃሮ ፣ ወለዲ ፣ ደቂ ኣንስትዮ ፣ህፃናት ብምዝካር ንከይድገም ክንሰርሕ ይግባእ። እዚ ድማ ዝመፅእ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ብምፅናዕ ‘ዩ።

እዚ ትፅቢት ዝግበር ድማ ካብ ምሁር ፣ ባዓል ሃፍቲ ፣ዳያስፖራን ብሓፈሻ ኩሉ ትግራዋይ ክሰርሕ ኣለዎ። ውፅኢቱ ድማ ነቲ ናተይ ኢሉ ዝቃለሰሉ ህዝቢ ‘ዩ ተረባሓይ ዝገብር። ካልኣይ ድማ ንመንግስቲ ሓገዝ ይኸውን፤ መንግስቲ ኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ተጣነኺሩ ክሰርሕ ዝኽእል ህዝቢ ኣብ ጎኑ ክኸውን ከሎ ‘ዩ። ሰላም ምምፅኡ ኾነ ምጥፍኡ ተጎዳኣይ ህዝቢ ‘ዩ ፤ ስለዚ ሰላም ኣብ ምምፃእ ቀዲሙ ክቃለስ ዘለዎ እቲ ህዝቢ ‘ዩ።

ኣብ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ድማ ተግባራዊ ንክኸውንን በቲ ስምምዕነት ተግባራዊ ዝኾኑ ብምሕላው ጠንኪሩ ክሕዝ ዘለዎ ህዝቢ ‘ዩ፤ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ። እቶም ብምኽንያት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዝመፁ ውፅኢት ምድናቕ ማለት ዘይተፈፀሙ ንክፍፀሙ ንምግባር ዓብይ ሞራል ይኸውን።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ  5 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You