‹‹ኸዚ ዘሎ ኣማራፂ ተኸባቢርካ ተደሚርኻ ንቕድሚት ምስጓም ‘ዩ›› -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኼባ ዘካየደ ማእኸላይ ኮሚቴ ፓርቲ ብልፅግና ንኣይተ ደመቀ መኮንን ካብ ሓላፍነቶም ብኽብሪ ሰንዩ ንኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ምክትል ፕሬዝዳንት ገይሩ መሪፁ ‘ዩ። ማእኸላይ ኮሚቴ ብልፅግና መትከል ምትኽኻእ ኣመራርሓን ስርዓት ኣሰራርሓን እቲ ፓርቲ ብምኽታል ኣብ ዘሳለጦ መዛዘሚ ኣኼባ፤ ብምሉእ ድምፂ ንኣይተ ደመቀ መኮንን ብኽብሪ ሰንዩ ‘ዩ።

እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣብ ወሰንቲ ሃገራዊ ጉዳያት ዘተ ኣካይዱ ‘ዩ። ሃገራዊ፣ ዞባውን ዓለምለኻውን ኩነታት ብኣግባቡ ገምጊሙ ኣንፈታት ቐፃሊ ብምቕማጥ ከምዝዛዘመ ይዝከር። ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊ ከምኡ ‘ውን ፖለቲካዊ ትርጉም ዘለዎም ትሕዝቶታት ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብኣግባቡ ዝተመኸረሎም እንትኾን፤ ከም ሃገር ንብሄራዊ ተረኽ ንዝተጀመረ ጉዕዞ ከጠናኽሩ ዝኽእሉ እታዎታት ከምዝተረኸበሉ ተገሊፁ ኣሎ።

እቲ ኣኼባ ንተኸታተልቲ መዓልትታት ብምቕፃል ገለፃታትን ጉጅላዊ ዘተታትን ኣካል እቲ መርሃ ገብሪ ነይሮም። ፕረዝደንት ፓርቲ ብልፅግናን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ኣብ ብዙሓት ጉዳያት መብሪሂ ሂቦም’ዮም። ካብ ዘልዓልዎም ብዙሓት ሓሳብት እቶም ቀንዲ ክንርኢ ከለና ፡-

ኢኮኖሚ

ናይ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ስብራት እቲ ሓደ ምዝባዕ ማክሮ ኢኮኖሚ፣ ጉድለት ፍትሓዊ ተጠቃሚነትን ፀገም መፈራይነት ‘ዮም። ስብራት ማክሮ ኢኮኖሚ ማለት ናይ ንግዲ ሚዛን ምዝባዕ ‘ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ዘውፀኦን ዘእትዎን ዘሎ ፍልልይ ‘ዩ። ንኣብነት ብወፃኢ ሸርፊ እንረኽቦ ኣታዊ ድልየትና ንምምላስ ገና ሰፊሕ ፃዕሪ ዝደሊ ‘ዩ። ካልኣይ ጉድለት በጀት ‘ዩ። ሳልሳይ ድማ ልቃሕ ‘ዩ። ፅዕንቶ ዕዳ ‘ውን ኣለና ።

ዝተኣከበ ናይ ዕዳ ስብራት ንወለዶ ምምሕልላፍ የብለልናን ዝብል መትከል ብምኽታል ዝነበረና ዕዳ እናኸፈልና ተወሳኺ ከይተለቃሕና ኢና እዚ ኹሉ ተኣምር ዝሰራሕና። ትሻዓንተ ነጥቢ ትሻዓንተ ቢልየን ዶላር ንዕዳ ተዘይንኸፍል ነይርና ክንደይ ዝኣክል ፕሮጀክት ክንሰርሐሉ ከምዝነበርና ምሕሳብ ቀሊል ‘ዩ።

ዕዳ እንትጠራቀም ዋና ዋና እንብሎም ሃፍትና ክወስደና ስለዝኽእል እዚ ንከይምፅእ ዝተረፈ ተሪፉ ዕዳ ክንኸፍል ኣለና። ዕዳ እንትኽፈል በዚ ልክዕ ልቃሕ እንትቋረፅ ዝጎድለና ነገር ኣሎ። ኽልተ ነገር ምፉታይ ኣይካኣልን። በዚ ልክዕ ዝተርፍ ነገር ክተርፍ ‘ዩ ትፅቢት ኣይግበርን።

ኸዚ ፀገም ዝኾነ ናይ ንግዲ ሚዛን ጉድለት እኹል ሰደድ ወፃኢ (ኤክስፖርት) ምግባር ከይኻኣልና ድልየት ካብ ወፃኢ እነእትዎ(ኢንፖርት) እናዓበየ ስለዝኾነ ‘ዩ፤ እዚ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክስተኻኸል ኣይኽእልን። መፍረይነትን ስርዓት ዕዳጋን ግና ግዜ ዝደሊ ‘ዩ። ስብራት ማክሮ ኢኮኖሚ እንድሕር ዘይፀጊንኹምኒ ዕብየት ከምፅእ ኣይኽእልን እናበለ ‘ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንህረት ዋጋ ንዝሓለፉ ዒስራ ዓመታት እናገደደ ዝኸድ ዘሎ ነገር ‘ዩ። ዕድል ስራሕ ዝፀንሐ ስራሕ ስእነት ኣሎ ኸዚ ‘ውን ካልእ ሓድሽ ስራሕ ደላይ ብዝሓት ኣሎ። ፀገም ኽፍፍል ሃፍቲ ኣሎ። ዉሑዳት ብጣዕሚ ሃፋትም ‘ዮም ብዙሓት ድማ ኣብ ፀገም ይርከቡ። እዚ ንምስትኽኻል ኣብ ድኻ ማሕበረሰብ ዘተኮረ ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ። እዚ ገና ኣብ ጅማሮ ኢና ዘለና።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንተሪእና ብጣዕሚ ፀገም ዘለዎም ቤተሰባት ኣለዉ፣ በዚ መንፃር ድማ ምግቢ ዝድፈአሉ ቦታ ‘ውን ኣሎ፤ እዚኦም ምርኻብ ማለት ‘ዩ፤ ዝደፍእ ዘሎ ንከይድፋ ምግባር። እቲ ዘለዎ ማሕበረሰብ ንዘይብሉ ምክፋል።

ሳልሳይ ፀገም መፍረያይነት ‘ዩ ፤ዝተሓበአ ዓቕሚ ብኣግባቡ ዘይምጥቃም ‘ዩ። ኢኮኖሚያዊ ዕብየትና ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት 7 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ከምዝነበረ ተራእዩ፣ እቲ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ልዕሊ እዚ ንከይኸይድ እቲ ሓደ ዕንቅፋት ብፀበብ ጉጅላዊ ድልየት ዝተፈጠሩ ምትእስሳራት ዘስዐብዎም ከባብያዊ ጎንፅታት ‘ዪም፣ ዘፈር ግብርና፣ ኢንዱስትሪን ግልጋሎትን ብቕደም ሰዓብ ነቲ ዕብየት ኣበርክቶ ገይሮም ‘ዮም።

ኢኮኖሚያዊ ዕብየት በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ከምዝኸውን ተተንቢዩ፣ ሃገርና ዝለዓለ ለውጢ ዘምፅአትሎም ፍርያት ስርናይ ሓጋይን ሓምለዋይ ዓሻራን ኣብዚ በጀት ዓመት ንዝህልዎም ቐፃልነት ግቡእ ኣንፈት ተቐሚጡ ‘ዩ።

ስራሕቲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብምጥንኻርን ናህሪ ዋጋ ብምቅላል መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝተገምገሙ እንትኸውን፤ ኣብ ቐፃሊ ክውሰዱ ኣብ ዘለዎም ተግባራት ውሳነታት ተመሓላሊፎም ‘ዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ውሽጣውን ደጋውን ፅዕንቶታት ተፃዊርና ጥንኩር ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ክምዝገብ ተኻኢሉ ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት መንግስቲ ብዝተኸተሎ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዘበረታትዕ ዕብየት እናተመዝገበ ይርከብ።

በዚ ‘ውን ብተኸታታሊ እናተመዝገበ ዝርከብ ዕብየት ምስ ብዙሓት ሃገራት እንትነፃፀር ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ዘለዎ ‘ዩ። ፍልፍል ዕብየት ዝኾኑ ዓቕሚ መንግስቲ፣ ውልቀን ህዝብን ብምትሕብባር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ውፅኢት ተረኺቡ ‘ዩ።

በዚ ‘ውን ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ውሽጣውን ደጋውን ፅዕንቶታት ብምፅዋር ኣብ ቐንዲ ቐንዲ ፍልፍላት ዕብየት ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ተመዝጊቡ ‘ዩ። ምስ መዳርግቲ ልምዓት ዘሎ ምትሕብባር እናዓበየ ምምፅኡ ፤ እዚ ‘ውን ንኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዝለዓለ ኣበርክቶ እናበርከተ ይርከብ።

ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘመዝገቦ ዕብየት ብዝሓሸ መልክዑ ንምቕፃል ናህሪ ዋጋ፣ ምኽባር መነባብሮ ከምኡ ‘ውን ፅዕንቶ ዕዳ ምቅላል ኣንፈት ጠመተ ቐፃሊ ኾይኖም ክቕፅሉ’ዮም ።

ካብዚ ሓሊፉ ፍርያትን መፍረያይነትን ዘዕብዩ ስራሕቲ ማክሮ ኢኮኖሚ፣ ሪፎርምን ልምዓትን ጠመተ ከምዝወሃቦምን ህዝቢ ንምልማዕ ዘለዎ ዝለዓለ ድልየትን ጥንኩር ተሳትፎን ተጠናኺሩ ንክቕፅል ብፍሉይ ጠመተ ከምዝስራሕ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም’ዮም።

ምድማር

ብዛዕባ ረብሓ ምድማር ካብ ዝሃብዎ ሰፊሕ መብርሂ ድማ ሕቶ ህዝቢ ጠጠው ክብል ኣይኽእልን። ስብራትና ሰፋሕትን ዝፀንሑን ‘ዮም። ናይ ለውጢ ኣንፈት ብምቕያርና ጥራሕ ብቀሊሉ መልሲ ኣይመፅእን።

ብምድማርን ብምድግጋፍን ትኹረት ብምግባር ካብ ቅንእን ተንኮልን እንድሕር ዘይርሒቕና ዝደለናዮ ብልፅግና ዕብየትን ክምፅእ ኣይንኽእልን። ኹሉ ንብልፅግና ክፅዕር ዘለዎ ንባዕሉ ጥራሕ እንተይኾነስ ንደቁ ‘ውን ‘ዩ። ውፅኢት ምድማር ዝተኣሳሰረ ‘ዩ። ካብ ትማሊ ሰናይ ተግባራት መሪፅኻ ምውሳድ የድሊ።

ካብ ትማሊ ሰናይ ነገር ብምውሳድ ሎሚ ብምስራሕ ንፅባሕ ሰናይ ነገር ምስጋር ትፅቢት ይግበር። እዚ ብኸመይ ኢና ክንፈጥሮ እንኽእል እንተይልና ምድማር ዝሰርሕ ብድልየትን ሚዛንን ‘ዩ። ምድማር ኣብ ድልየት ዝተመስረተ ‘ዩ። ኣድላይነት ምድማር ፀገማት ወዲሰብ ውስብስብን ‘ዩ እዚ ድማ ንሕና ብዘለና ውስን ዓቕሚ ክንፈትሖ ኣይንኽእልን። ምትእኽኻብ የድሊ ‘ዩ።

ብጉልበትን ገንዘብን ጥምረት ብዙሕ ስራሕቲ ክስርሑ ይኽእሉ ‘ዮም። ብኹሉ መዳይ ዘዋፅእ እዚ ‘ዩ። ብነፀላ ኾይና እዚ ውስብስብ ፀገም ክንሳገር ኣይንኽእልን፤ ብምድማር ግና ውስብስብ ዝኾነ ፀገም ይፍታሕ ‘ዩ።

ኣብ ኹናት ዓድዋ ብሓባር ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ተዘይወፍሩ ነይሮም ዓወት ኣይመፅእን። ብሓባር ጠጠው ስለዝበሉ ‘ዮም ዝተዓወቱ። ኣብ ምድማር ምልዕዓል የድሊ፣ ሚዛናዊነት ክኾን ይግባእ ፣ንሓባር ሽቶ ዝሰርሕ ክኾን ይግባእ ፤ ብዘይ ምድማር ኢትዮጵያ ምንቅስቃስ ኣይንኽእልን፤ ንሱ ዘመን ተዛዚሙ ‘ዩ፤ ኸዚ ዘሎ ኣማራፂ ተኸባቢርካ ተደሚርኻ ንቕድሚት ምስጓም ‘ዩ።

በዚ መንገዲ ተጉዒዝና መባፂሕና ኣበይ እንተይልና ናብ ኹለንተናዊ ጎዳና ብልፅግና ‘ዩ። ዝተቐየረ ሰብን ሃገርን ናብ እንሪአሉ። ምቕያር ማለት ብምግብን ገዛን ኽዳንን ጥራሕ እንተይኾነስ ብምክብብርን ሓበራውነትን ዘከተተ ‘ዩ ዝኸውን። ወለዶ ምቕራፅን ድልየት ምምላእ ክንኽእል ከለና ‘ዩ።

ንፅባሕ ሎሚ ሰናይ ፍረ ዘሪእና ኢና ክንኸይድ ዘለና። ምርድዳእ ፤ ብሄራዊ ምርድዳእ ፣ ዲሞክራሲ ምትሕብባር ፣ ብቁዓትን ብሉፃትን ትካላት ገስጋሳይ ኢኮኖሚ ዕዳጋ ፣ ምትሕብባርን መዳርግትን ዘቐደመ ርክብ ወፃኢ ኣብዚኦም ጉዳያት ስምምዕነት ኣድላይ ‘ዩ። ››

ጉዳይ ሶማሊላንድ

መጀመርያ በሪ ባሕሪ የድልየና ‘ዩ እንክብል ከለና ኹናት ክጅምሩ ‘ዮም ዝብል ሰፊሕ ሓበሬታ ነይሩ። ሶማልያ ካብ ማንም ንላዕሊ ናይ ኢትዮጵያ ዘመድ ‘ያ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሰላም ምኽባር ሶማልያ ዋጋ ኸፊሎም ‘ዮም።

ኢትዮጵያ ምስ ህዝብን መንግስትን ሶማልያ ናይ ምውጋእ ፍፁም ድልየት የብላን። ኣብ ሓድነት ሶማልያ እዚ መንግስቲ ዝሕመይ ኣይኮነን ፤ንመጀመርያ እዋን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያን ሶማልያውያን ሓደ ንክኾኑ ብዘረባ እንተይኾነስ ብተግባር ዘርኣየ መንግስቲ ‘ዩ። ናታቶም ሰላም ናትና ሰላም ‘ውን ስለዝኾነ።

እዚ ካብ መጀመሪኡ ብልሓትን ጥበብን ዘድልዮ ‘ዩ ፣ድልየት ኹናት ስለዘይብልና። ዉግእ ናብራና ክኸውን ኣይንደልን፤ ዘተ ኢና ነቐድም። ስለዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ፀገም ክፍጠር ‘ዩ ኢለ እንዘይሓሰብኩ ‘ውን ኣብ መንጎ ህዝብታ ፅልኢትን ቅሬታን ንከይፍጠር ዝተረጋዐን ዝሰኸነን መገዲ ምምራሕ የድሊ። ›› ክብሉ ኣብሪሆም ‘ዮም።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 23 ጥሪ 2016 ዓ.ም

Recommended For You