ባህላዊ ፀወታታት ኣብ በዓል ጥምቀት!

መግለፂ መንነትና ካብ ዝኾኑ ባህልናን ታሪኽናን ሃይማኖትናን ብሓፈሻ እንኽብሮም ዝተፈላለዩ ዘይድህሰሱ ሓድግታትና በዓላትናን መርኣያ ዘለና ባህላዊ ፀጋታት ‘ዮም:: ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላላዩ ኸባባታት ሃይማኖታዊ ባዓላት ዝኽበሩ ኾይኖም፤ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ድማ ብፉሉይ ትኹረትን ብፈሉይን ድሙቕን ዝኸበረሎም ኸባብታት ኣለዉ ‘ዮም ::

ንኣብነት እንተሪእና ‘ውን “ኣሸንዳ” ኣብ መቐለን ዓብይ ዓድን “ዓይኒ ዋሪ” ብዝብል ስም ድማ ኣብ ኣክሱምን ከባቢኡን ካብ ኻልኦት ኸባብታት ብፍሉይ ብድሙቕ ክኽበሩ ንዕዘብ:: ከምኡ ‘ውን በዓል ሕዳር ፅዮን እንተሪእና ብመላእ ኢትጵያውያን ብሃንቀውታ ዝፅበይዎ ምስ ጥንታዊ ኣክሱም ሃወልቲ በቢ ዓመቱ ብድምቀት ዝኽበርን ብዙሓት ቱሪስታት ዝርከብሉ ታሪኻዊ ቦታ ‘ዩ:: መስቀል እንተሪእና ድማ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ከባቢኡን ምስ ባህላዊ መለሊይኡ ምግቢ ጥሕሎን ሜስን ዝኽበር ‘ዩ::

ናብዚ ናይሚ ትኹረትና እንትንኣቲ ቅድሚ ሒደት ማዓልትታት ዘሕለፍናዮ ባዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ትግራይ ብድምቀት ዝተኸበረ ኾይኑ ብፍላይ ድማ ኣብ ራያ ማይጨው ብፉሉይ ተኸቢሩ ‘ዩ:: መግለፂ ፍቕሪ፣ ሓልዮትን ልግስናን ራየቶት ብተግባር ዘርኢ ፀባን ርጉኦን ዘይፍልየሉ፤ መግለፂ ፍቕሪ፣ ምቁር ባህልን ማንነትን ካብ ዝኾነ ራያ ጉማየ ከም ማይዓይኒ ዝፈሰሉ፤ ኮታስ ከም ቅልስ ወይ ግድል ዝበሉ ተፋቃዒ ባህላዊ ፀወታት ዝርኣየሉ ከባቢታት ብፍላይ ድማ ከተማ ማይጨው ጥምቀት ንምኽባር ካብ ዝተፈላለየ ኸባቢ ዝጓዓዘሉ ‘ዩ::

ሎሚ ዘመን ‘ውን ከምቲ ልሙድ ማይጨው ከም ቀደማ ደሚቓ ባዓል ጥምቀት ኣሕሊፋ ‘ያ:: ከምዝፍለጥ ታሪኻዊት ከተማ ማይጨው፣ እምባ ኣላጀ፣ ካብ ትግራይ እቲ ዝዓበየ ጎቦ ፅበት፣ ብሕታዊ ተፈጥሮኣዊ ቃላይ ትግራይ ዝኾነ ቃላይ ሓሸንገ፣ ደኒ ሕጉምብርዳ፣ ኮረፌ ኦፍላ/ኮረም፣ ገዳማት ማሕበር በኩሩን ኣባ ጉባን፣ መስጊድ ሕጅቢ ወራባየ ወይ ጎልጎል ራያ ንምርኣይን እቲ ኣዝዩ ምቁር ባህሊ ራያ ንምስትምቓርን ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍትን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ብድምቀት ተኸቢሩ ‘ዩ::

በዓል ጥምቀት ብብርኪ ክልል በቢ ዓመቱ ኣብታ ከተማ እንትኽበር ካብ ትፈላለዩ ከባቢታት ኣጋይሽ ብምምፃእ መንእሰይ ራያ ብሁራ፣ ዓበይቲ ኣንስቲ ገዳኣማኖ፣ ስነ-ስርዓተ ዝማረ ካህናትን ካልኦት ባህላዊ ስነ-ስርዓትን ኣዝዩ ብዝደመቐ ዝኽበረላ ከተማ እያ። ብመሰረት እዚ ሎሚ ዘበን ‘ውን እታ ከተማ ዝያዳ ወቂባን ማዕሪጋን ኣጋይሻ ብምቕባል ኣታኣናጊዳ ‘ያ ።

እዚ ባዓል ጥምቀት ምኽንያት ብምግባር ብስነ ስርዓት ባህላዊ ኣከዳድና ራያ ደሚቁ፣ ብደርፊ፣ ብባህላዊ ምግብታት መስተታትን መቂሩን ከምኡ ‘ውን ብዑደት ሃይማኖታውን ታሪኻዊ ገደማት ተዓጅቡ፤ ብባህሊ ምትሕግጋዝ ንዝተፀገሙ፣ ንስድራ ስውኣት መርኣያ ሰናይ ተግባራት ዑደት ምግባር ወሲኹ ምቅማጥ እምነ ኩርናዕ ሓደሽቲ ፕሮጄክትታትን ብኤግዚብሽንን ብኻልኦት ስነ-ስርዓታት ጥምቀት እቲ በዓል ብድምቀት ተኸቢሩ ‘ዩ::

ኣብዚ እዋን ጎና ጎኒ ሃይማናታዊ ስነ ስርዓታቱ በቢ ዓመቱ ቀልቢ ብዙሓት ካብ ዝስሕብን ድርብ ድምቀት ካብ ዝሕቡ ሓደ ባህላዊ ቅልስ ወይ ግድል ‘ዩ። ግድል ካብቶም አብ ከተማ ማይጨው አዚዮም ተፈተውቲ ዝኾኑ ፃወታታት በዓል ጥምቀት ሓደ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ በዓላት ዝፅወት ዓይነት ፀዋታ እንትኸዉን ክልተ ተመሳሳሊ ዕድመ፣ ጉልበትን ጉብዝናን ዘለዎም መናእሰያት ብድልየቶም ተመራርፆም ሓይሎም፣ ዓቅሞምን ክእለቶምን ብምፍታሽ ዝፃወትዎ ኣዝዩ ተፈታዊ ዝኾነ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዝፅበይዎ ባህላዊ ፀዋታ ራያ ‘ዩ::

ብፍላይ ድማ ኣብ በዓል ጥምቀት ካብቲ ነቲ በዓል ዘድምቁ ፀወታታት ራያ ሓደ ኾይኑ ሎሚ ዓመት ድማ ግድል ጥምቀት ኣብ ከተማ ማይጨዉ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ፣ አጋይሽ፣ ነበርቲን ተወለድቲ እቲ ከባቢን አብ ዝተረኸቡሉ ብድሙቕ ኩነታት ተኻይዱ ‘ዩ::

እዚ ከምዚ ዓይነት ተፈታዊን ቀልቢ ብዙሓት ሰሓባይን ዝኾነ ፃወታናን ካልኦት ሃይማኖታዊን ባህላዊን ትውፊታትናን ብምዕቃብ ንመሰሕብን ተረባሕነትን ቱሪዝም ክ ውዕል ስለዝግባእ ብቐፃሊነት እዚ ተፈታዊ ባህሊ ተዓቂቡ ክኸይድን ዝግባእ ‘ዩ።

ኣብ ኣደባባይ ዝኽበሩ በዓላት ሃገርና ቀልቢ በፃሕቲ ዓዲ ብምስሓብ ልዑል ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ከምዘለዎም ይፍለጥ። ኢትዮጵያ ካብ ጥምቀት ብተወሳኺ ካልኦት ዓበይቲ በዓላት ኣደባባይ ከምዘለውዋን እቶም ሃፍትታት ብዝግባእ ምሕላውን ኣብ ረብሓኻ ምውዓልን ከምዝግባእ እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ዕብየት ዘላ ሃገር ዓብይ ፍልፍል ኢኮኖሚ ከምዝኾነ እሙን ‘ዩ::

ሰላምን ድሕንነትን ብምሕላው ቀልቢ ዑደተኛታት ኣብ ምስሓብ ኣብ መጉዳቲ ዝነበረት ክልል በዚ ድሙቕ ዝኾኑ ሃይማኖታውን ባህላውን ባዓላት ትኹረት ብምግባር ምክሓስ ይግባእ። ጥምቀት ድኻን ሃፍታምን ከይተብሃለ ኩሉ ኣሚኑን ማዕሪጉን ናብ ኣደባባይ ወፂኡ ዘኽብሮ በዓል ስለዝኾነ። እዞም ከምዚ ዝበሉ ብዋጋ ዘይትመኑ በዓላት ክብሮም ብዝግባእ ብምሕላውን ብምፍላጥን ክንርበሐሎም ይግባእ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 16 ጥሪ 2016 ዓ.ም

Recommended For You