‹‹ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ስራሕቲ ዕቐባ ሓመድን ማይን ልምዓት ትኹረት ተዋሂብዎም ኣሎ›› -ሚኒስቴር ግብርና ፌዴሪኢ

ኣብ ሚኒስቴር ሕርሻ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ልምዓትን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣቶ ፋኖሴ መኮነን ከምዝገለፅዎ፤ በብዓመቱ ዝካየድ ስራሕቲ ልምዓት መፋስስ ማይ ኣብ ምዕባይ ምህርትን መፍረያይነትን ከምኡ ‘ውን ምድረበዳነት ንምክልኻል ዓብዪ ብፅሒት የበርክት::

ስራሕ ልምዓት መፋስስ ማይ ኣብ ኣዋርሕ ክረምቲ ንዝካየድ ሓምለዋይ ኣሰር ልምዓት መሰረት ከምዝኸውን ኣብ ክልል ሲዳማ ስራሕ ማይን ሓመድን ዕቓባ ኣብዝተጀመረሉ ገሊፆም ‘ዮም:: ብተማሳሰሊ “ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንዘላቒ ቁጠባዊ ውሕስናና” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ብብርኪ ክልል ብቢሮ ሕርሻ ትግራይ ዝተዳለወ ዘተ መድረኽ ተኻይዱ ‘ዩ:: ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከምዝበልዎ፣ እዚ መድረኽ ዓብይ ‘ዩ።

ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን መሰረት መሰረት ህይወትና ‘ዩ፤ ኣብ ኩሎም ምንቅስቓሳት ሰለጤን ብዘለዎ መንገዲ ውፂኢት ክነምፅ ይግበኣና፤ ልዕሊ ኩሉ ግና ኩሎም ዓቕምታት ብምውዳድ ህዝብና ናብ ዝሐሽ ብርኪ ከነብፀሖ ኩሉ በቢብርኩ ክረባረብ ይግባእ::

ዓርሰ ሙርኮሳ መሰረት ዝገበረ ሃፍቲ ተፈጥሮን ስራሕቲ ሕርሻን ኣጠናኺርና ምውሳድ ብቐንዱ ድማ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ዘላቒ ቁጠባዊ ውሕስናና ኢልና እነካይዶ ናይዚ ዓመት ናፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ከባብያዊን ሞራላውን ፖለቲካ ትሕዝትኡን ዓቂብና ብዝተቐመጠሉ መጠን፣ፅሬትን ሰለጤንን ንምዕቃብ ዘጋጠሙና ፀገማት ድርቅን ጥምየትን ብዝፈትሕ መንገዲ ንምፍፃም ለይትን ቀትርን ምርብራብ ከምዝግባእ ‘ዮም ዝገልፁ።

ብተወሳኺ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ብወገኖም፤ ኣብ ፍርያትን መፍረይነትን ልምዓት መስኖ ማለት ‘ውን ማይ መሰረት ዝገበረ ሕርሻ ምልዕዓል ቀዳማይ ዙር ኣጠቓሊልና ንካልአይ ዙር ምንቅስቓስ ልምዓት ጀሚርናዬ ኣለና፤ እዞም ተደራረብቲ ፈተናታት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት፣ ምክልኻል ብርሰት ደኒ ዘጠናኽር፣ ሕፅረት ጠልን ማይን ብመሰረቱ ዝፈትሕ ፍርያትን መፍረያይነትን ሃፍቲ እንስሳ ዝውስኽ ፣ ስራሕቲ ከተማ ሕርሻ ዘቀላጥፍ፣ ቀፃላይ መደብና ዓቕሚ ምፍራሕ መካናይዜሽን ከፈፅም ዝገብር ኣካይዳ ክህልው ይግባእ ክብሉ የረድኡ።

ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ምሕዋይ ተፈጥሮ ሃፍቲ ናይ ቕድሚ ሕዚ ተሞክሮ ከንወስድ ንኽእል ኢና:: ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዋሕዲ ዝናብ ብተደጋጋሚ ብድርቂ ካብ ዝጥቓዓ ክልላት ሓንቲ ምዃና ትፍለጥ ‘ያ። ኣብ ክልል ትግራይ ኮነ ኣብ መላእ እታ ሃገር ፍግረ መሬት ቁልፊ በዳሂ ሓረስቶት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ምስ ለውጢ ከባቢ ኣየር እናተጋደደ ብምኻድ ኣብ ቁጠባ ማሕበረሰብ ፀገማት ዘስዕብ ’ዩ።

ብተደጋጋሚ ድርቒ ኣብዘጋጥመሉ ከባቢ ቁጠብኡን መነባብርኡን ኣብ መፍረያይነት መሬት ሕርሻ ዝተሞርከሰ ነባሪ ገጠር (ሓረስታይ)፣ ከም ጣፍ፣ መሸላ፣ ዕፉን ስርናይን ካልኦትን ዝተፈላለዩ ዘራእቲ ኣፍሪዩ ውሐስና መግቡ ከረጋግፅ ኣፀጋሚ ’ዩ። ድርቂ፣ ብርስት ኣግራብን ፍግረ መሬትን ምስ ኣቀማምጣ መሬታ ተተሓሒዙ ንትግራይ ኣሉታዊ ፅልዋ አሕዲሩላ ‘ዩ::

ከምኡ ‘ውን ንሰዕቤናት ለውጢ ኣየር ኣዝያ ተጋላፂት ክትከውን ጌሩዋ ’ዩ። ኣብ 2015 ዓ.ም ክረምቲ ትግራይ ሱር ዝሰደደ ድርቒ ኣጋጢምዋ ‘ዩ:: ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ድማ ኣብ እዋን ክረምቲ ካብቲ ልሙድ ዘንጊዑ ምጅማርን ዋሕድን ማይ ዘጋጠመ ብምዃኑ ህዝብን ጥሪትን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቆም ይርከቡ::

ካብዚ ወፃኢ ኣብተፈላላዩ እዋናት ኣብ እዋን ክረምቲ ዝተዛብዐ መጠንን ዝርገሐን ዝናብ የጋጥማ ‘ዩ:: እዚ ድማ ኣብ ሕርሻዊ ማእቶትን መነባብሮን ሓረስቶትን ኣብ ርእሲ ዝህልዎ ፅልዋ ንብርሰት ኣግብራብ ’ውን ክጋደድ እናገበሮ ፀኒሑ ’ዩ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ካብተን ብብርሰት ኣግራብ ዝፍለጣ ከባብታት’ታ ሃገር ትግራይ ሓንቲ ’ያ::

ንኣግራብ ክንንክን ተጌሩሉ ሽፋን ደኒ ክውስኽ እንተድኣ ዘይጌርና ኣብ ግድሚ ዝርከብ ሓመድ ብቐሊሉ ይብሕጎጉ። ተወሰኽቲ ንፍግረ መሬት ካብ ዘቓልዑ ነገራት፣ ዕብየት ተፈጥራኣዊ ኣግራብ ዓጊቱ ልሙዕ መሬት ብውሕጅ ክሕፀብ ካብ ዝገብሩ፣ ሓደ ስዲ ጋህፂ’ ‘ዩ።

ኮይኑ ግና ጠመተ ተተገይርሉ ዘይሕከም መሬት የለን:: ንኣብነት ጣብያ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ትርከብ። እዛ ጣብያ ንውሕጅን በረኻነትን ኣብ ዝተቓልዐ ኣኻውሕ ዝተደኮነት ጣብያ ኮይና ናይታ ጣብያን ከባቢኣን ሕርሻዊ ማእቶት ብፍግረ መሬት ዝተጎድአ ‘ዩ። ብፍላይ ድሑር ኣጠቓቕማን ምሕደራ መሬትን ማይን፣ ነቲ ከባቢ ንለውጢ ከባቢ ኣየር ዝተቓልዐ ጌሩዎ ’ዩ።

እታ ጣብያ መብዛሕትኡ መሬታ ዘይልሙዕን ብዋናነት ብጋህፃፅ ኣኻዉሕ ዝተኸበበት ’ያ። ከም ሳዕቤኑ ኻኣ ናይቲ ከባቢ መነባብሮን ውሕስና መግብን ክኽፍእ ጌሩዋ ’ዩ። ኣብ መጀመርታ ዓመታት 2000 ብኣ.ፈ ነገራት ኩሎም ንጣብያ ኣብርሃ ወኣፅብሃ እናኸፍኡ ከይዶም። ከምውፅኢቱ ድማ እቲ ህዝቢ እግሩ ናብ ስደት ከምርሕ ተገዲዱ::

ምሕደራ ስነምሕዳር ንኡስ-መፋሰስ ኣብ 1996 ኣ.ፈ ሚኒስተር ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ኢትዮጵያ፣ ማሕበረሰብ ቶኮር ዘይምእኹል ምሕደራ ኣተኣታትዩ:: እዚ ዘይምእኹል ምሕደራ ኣብ መሬት፣ ሃፍቲ ተፈጥሮን ማይን ዝነበሩ ፀገማት ከባያዊ ፍታሕ ብተበግሶ ምምሕዳር ከባቢታት ክሳለጡ ወሲኑ ናብ ተግባር ኣትዩ። ካብቶም ተበግሰታት ሓደ ማሕበረሰብ ተኮር “ምሕደራ ስነምሕዳር ንኡስ መፋሰስ” ሞዴል ‘ዩ።

እዚ ስትራተጂ ነቲ ናይ ከባቢ ማሕበረሰብ ዓቕሚ ክዓቢ ብምግባር ስዲ ጋህፂ ብምክልኻል ከፍቶም ኣሲሮም ዝቕልብሉ፣ ግድምታት ከባቢኦም ብውሕጅ ከይብሕጎግ ናይ ማይን ሓመድን ዕቀባ ስራሕቲ ክሰርሑን ናብ ሕዙእ ቦታ ከፍቶም ንዝሰዱ ዝቕፅዑሉ ከባብያዊ ሕጊ ኣብ ምውፃእ ዝብሉ ዛዕባታት ሓበራዊ ኣረዳድኣ ክፈጥሩ ዝሃቀነ ‘ዩ::

ማሕበረሰብ ተኮር ተፀዋርነት ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ 2004 ኣ.ፈ ተበግሶ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ብድሆታት ዘይምርግጋፅ ዉሕስና መግቢ ፣ ፍግረ መሬትን ቀረብ ፅሩይ ማይን ንምፍታሕ ተጣይሹ። ካብዚ ጀሚሩ እዚ ተበግሶ ናይ ማሕበረሰብ ተኮር ተፃዋርነት ለውጢ ከባቢ ኣየር መሪሕ ኣብነት እናኾነ መፂኡ።

እዚ ተበግሶ ናይቲ ከባቢ ህልዊ ናይ ጥዕናን ማሕባዊ ቅሳነትን ብፍላይ ከዓ ምስ ለውጢ ኣየርን ከባብን ተዛሚዶም ዝመፁ ብድሆታት ብምንፃር’ዩ ተጀሚሩ:: እቲ ከባቢ ብርክት ዝበሉ ብድሆታት እኳ እንተነበርዎ ቀዳምነት ግን ናይ ዝስተማይ ፀገም ምፍታሕ’ዩ ሂቡ። በዚ ተበግሶ ኣቢሎም ነቶም ቀልፊ ፀገማት ከባቢኦም ዝኾኑ ፍግረ መሬትን ቀረብ ማይ ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት ጌሮም።

ካብቶም ውፅኢታውያን ዝኾኑ መፍትሒ ተግባራት ወፍሪ ምትካል ገረብ፣ ህንፀት ሓፅብታት፣ ዒላታትን ናይ ማይ ባንክን ዝበሉ ይርከብዎም። እዚ ድማ ነበርቲ እቲ ከባቢ ናይ ባዕሎም ማይ ክህልዎምን ብዝስተ ማይ ውሑሳት ክኾኑ ኣኽኢልዎም። ካብ ምትንኻፍ እንስሳ ነፃ ዝኾነ ጊዚያዊ ሕዙእ መሬት ክህሉ ምግባሮም ሃገር በቆል ዝኾኑ ኣግራባት ዳግም ከንሳዕርሩ ሓጊዝዎም።

መልክዓ ምድራዊ ለውጢ መሬት እታ ጣብያን ካብቢኣን ንምልዋጥ ጊዜ ኣይወሰደሉን። ሽፋን ደኒ እቲ ከባቢ ተመሊሱ፣ ልሙዕ ሓመድ እቲ ከባቢ ሒዙ ዝኾይድ ነበረ ውሕጅ ኣዝዩ ነክዩ። ምስራፅ ማይ ንውሽጢ መሬት ወሲኹ፣ ማይ ብቐረባ ኳዕቲ ክረኽቡ ጀሚሮም። በዚ ድማ ቀሊል ስራሕቲ መስኖ ኣተኣታትዮም። ምስ ምምሕያሽ ስነ ምሕዳር ከባቢኦም መነባብሮኦም’ውን ኣናተመሓየሸ መፂኡ።

ፍልፍል እቶቶም ክሰፍሕን ውሕስና መግቦም ክጠናኸር ኪኢሉ። ዘጊድ 1000 ዝኾኑ ሓረስቶት ኣብዚ ሓድሽን ሰረተ ብዙሕ እቶት ዘርክብ ሕርሻዊ ማእቶት ኣብ ምንጣፍ ይርከቡ። ካብዚ ሓሊፎም’ውን ካልኦት በሽሓት ዝቑፀሩ ሓረስቶት ካብዚ ዳግመ ግረባዊ ስራሕቲ ይጥቀሙ ኣለው። እታ ጣብያ ብማሕበረሰብ ተኮርን ኣሳታፍን ትልሚ ፈላሚት ኣብነት ኮይና ትርከብ።

እዚ ድማ ሕድሕድ ፕሮጀክት ካብ ውጥኑ ጀሚሩ ኣፈፃፅማኡን ክትትሉን ብንጡፍ ተሳትፎ ህዝቢ ይፍፀም።ንድልየት ህብቢ ተገዛኢ ምዃንን ሃፍቲ ከባቢኻ መሰረት ምግባር ከም ጥንካረን መሰረት ውፅኢታውነትን ተበግሶ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈትሮ ጣብያ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ‘ዮም።

ዝተናውሐ ደርቂ፣ ክረምቲ ድሒሩ ምጅማር፣ ሓፂር እዋን ዝናብን እንተጋጥሙ ህዝብን እንስሳትን ናብ ከቢድ ሓደጋ ይቓልዑ:: ወይ ድማ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ብዝኾና ሕርሻዊ ማእቶት ንዝነበር ህዝቢ፣ ምምሕያሽ ናብራን ምርግጋፅ ውሕስና መግብን በዳህቲ ‘ዮም።

ህዝቢ ጣብያ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ግና ነዚ ግድል፣ ናይ መሬቶም ማይ ናይ ምዕቃብ ተክእሎ ብምምሕያሽ ማይ ከርሰ መሬት ክመልእ ብምግባር ቀለልቲ ዒላታት ኩዒቶም ስራሕቲ መስኖ ብምስላጥ ተረባሕቲ ክኾኑ ክኢሎም ‘ዮም:: ምኽንያቱ ምምሕያሽ ልሙዕነትን ትሕዝቶ መሬቶም ብቐፃልነት ማይ ናይ ምዕቃብ ተኽእሎኡ ክማሐየሽ ጌሮም::

ስራሕቲ ዳግመ ግረባ፣ ምሕዋይ ስነ ምህዳር ከባብን ምጥቃም ኮምፖሳትን ባህርያዊ ድኩዒን ጥራሕ ኣይኮኑን ትሕዝቶ መሬቶም ዘማዕብሉ። እንታይ ድኣ እንተይልና ዝተመሓየሸ ውሕስና ማይ ምህላው ማይ ከርሰ ምድሪ ኩልሻዕ ክመልእ ምኸኣሉ’ዩ። ምምሕያሽ ልሙዕነት መሬቶም ማይ ናብ ውሽጢ መሬት ናይ ምስራፅ ተኽእሎ ክማሓየሽ ኣኽኢልዎ።

ከምዚ እንተተሰሪሑ ውሕጅ ይንክይ፤ ማይ ናብ መሬት ይሰርፅ:: ከምዚ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ በቢኸባቢኡ ኣናእሽቱ ግድባት፣ ሆረየታት፣ ከትሪታትን ምስራሕ። እዚ ኻዓ መስኖ ተጠቒምካ ዓመት ምሉእ ኣብ ሕርሻዊ ማእቶት ክትነጥፍ የኽእለካ:: ዝናብ ክረምቲ ከይተፀበኻ ኣብ እዋን ሓጋይ ፍረታትን አሕምልትን ተፍሪ::

ብዝግባእ ሓመድን ማይን ምዕቓብ እንተተኻኢሉ ብተወሳኺ ሕድሕድ ገባር ኣብ መሬቱ ገረብ ክተክል ይኽእል፤ በዚ ድማ ዝነድድ ዕንፀይቲ ኣብ ቀረባ ክረክብ፣ፅቡቕ ከባቢ ኣየር ክህሉ ይገብር:: ስለዚ ካብቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ሓደጋ ድርቒ ንምክልኻል ወይ ንምቕናስ ኣብ ዕቐባ ሓመድን ማይን ከምኡ ‘ውን ኣብ ዳግመ ግረባ በርቲዕና ከንሰርሕ ይግበአና:: ሃፍቲ ተፈጥሮና ተንከባኺብና ካብ ምሓዝ ወፃኢ ካሊእ መማረፂ የብልናን:: ስደት ፈፂሙ መማረፂ ክኸውን ኣይኽእልን::

ሎሚዘበን ብብርኪ ሃገር ዕቐባ ሓመድን ማይን እናተጀመረ ይርከብ:: ስራሕቲ ዕቓባ ሓመድን ማይን ምክያድ ብዘለዎ ልዑል ኢኮኖሚያዊ ጠቐሜታ መሰረት መንግስቲ ዓብዪ ቖላሕታ ብመሃብ እናሰርሐሉ ይርከብ:: ነዚ ክልል ትግራይ ከም ክልል ትግራይ ብዝግባእ ቆላሕታ ሂብና ከንሰርሐሉ ይግባእ:: ሎሚ ቕነ ኣብ ወረዳ ዓድዋ ኣብ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ዘድሃበ ስልጠና ተዋሂቡ ኣሎ::

እቲ ብብርኪ ወረዳ ዝተወሃበ ስልጠና ዕቀባ ሓመድን ማይን ካብ 19 ጣብያታት ዝመፁ ሰብ ሞያ ሕርሻን ሓንፀፅትን ዝሳተፉሉ ከም ዝኾነ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ዓድዋ ሓቢሩ ‘ዩ። መተሓባበሪ ዘፈር ቁጠባ ኣይተ ዮሃንስ ንጉስ ከምዝበልዎ፣ እቲ ሎሚ ዝተኻየደ ስልጠና ዕቀባ ሓመድን ማይን፣ ብምኽንያት እቲ ዝነበረ ኩናት ድሕሪ 4 ዓመት ‘ዩ። እዚ ስልጠና ዝካየድ ዘሎ ዝረሳዕናዮም ንምዝኽኻር ዝዓለመ ስልጠና ‘ዩ ይብሉ እቶም መተሓባበሪ::

ኣግራባትና በሪሶም ሕዚ ዘጋጥም ንዘሎ ድርቂ ‘ውን ዓርሱ ዝኸኣለ ተፅዕኖ አዕሪፉ ‘ዩ ይብሉ። ካብዚ ብዝነቐለ ሃብቲ ተፈጥሮን ናብ ንቡር ንምምላስ ዕቀባ ሓመድን ማይን ምክያድ ወሳኒ ስለዝኾነ እቲ ዝወሃብ ስልጠና ብትኹረት ብምክትታል ናብ ስራሕ ምእታው ከምዘድሊ ይሕብሩ።

እምሃ ኣታኽልትን የማነ ስብትለአብን ተሳተፍቲ እቲ ስልጠና ‘ዮም። ንሳቶም ከም ዝበልዎ ፀገማት ኣለው ‘ዮም። ሕብረተሰብና ኣብ ሓያል ጥምየት ‘ዩ ዝርከብ፤ መሳርሒ ፀገም ‘ውን ኣሎ፤ ነገር ግን ፀገማት ተፃዊርና ኣብ ዘላቒ ረብሓ ‘ውን እናሓሰብና እቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ይከኣል ‘ዩ ኢልና ክንኣትዎ ኣለና ይብሉ:: ዕቀባ ሓመድን ማይን ንዝተፈላለዩ ፀገማት ተፃዊርና ምስ ሕብረተሰብና ተኣመሚንና ክንወፍር ይግበአና፤ እናተፀገምና እንተዘይሰሪሕና ካብ ፀገም ንምውፃእ ኣይንኽእልን ክብሉ ወሲኾም ይዛረቡ::

ካሊእ ወዲ 60 ዓመት ተመዛባሊ ብዓል ፀጋ ዕድመ ‘ዮም። ሓረስታይ ኣይተ ገብረክርስቶስ ዮሃንስ ይበሃሉ። ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ብሕርሻ ዝመሓደሩን ኣብ ሑመራ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ክረምቲ ሰሊጥ እንዳዘርኡ ኣብ ሓጋይ መስኖ እንዳልምዑን ውሐስና ምግቢ ከቲቶም ፍርያቶም ንዕዳጋ እንዳቕረቡ ፅቡቕ ሂወት ዝመርሑ ዝነበሩ ‘ዮም።

እዞም ወላዲ ብሰንኪ እቲ ኩናት ሃፍተ ገነቶም ራሕሪሖም ናብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ከተማ ውቕሮ ማራይ ብምምዝባል ናብርኦም የሕልፉ ኣለዉ። እዞም ሓረስታይ ናብራ ምምዝባል ዋላ ዕር እንተበሎም ክሳብ ናብ መረበቶም ዝምለሱ ብዘለዎም ዓቅሚ ሕዚ ብዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ካብ ከተማ ውቅሮ ማራይ ንኣንፈት ምዕራብ ማይሹም ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ንመስኖ ዝኸውን መሬት ተኻርዮም እናልምዑ ይርከቡ።

እዞም ወላዲ፣ “ጠሚኻ እንዳሃለኻ ኮፍ ኢልካ ምብካይ ኣይተረኣየንን፣ ተኾርሚኻ ኮፍ ኢልካ ረድኤት ምፅባይ ትኽክል ኣይኮነን” ይብሉ። በታ ዝደኸመት ጉልበቶምን ዘይቀሰነት ሕልነኦምን ዝተፈላለዩ ተኽልታት ብምልማዕ ዓርሶም ኪኢሎም ንዕዳጋ ቀረብ ዝኸውን ምህርቲ እንዳፍረዩ ከምዝኾኑ ‘ዮም ዝገልፁ።

ናይዞም ወላዲ ሓቦ፣ ፃዕሪ፣ኣይስዓርን ባሃላይነት ፤ “ኣብ  ዝኾነ ይኹን ኩነታት ሰሪሐ ክነብር ኣለኒ” ዝብል ድልዱል መንፈስ ብምሓዝ ጠንኪሮም እናሰርሑ ይርከቡ:: ኣብ መወዳእታ ዝብሎ ኣለኒ ዝበሉ ኣይተ ገብረክርስቶስ ዮሃንስ፣ “ነዞም ኣፍረይቲ ክኾኑ ዝኽእሉ መናእሰይ ደቀይ ዘስርሕ ጉልበት እንዳሃለዎም፣ ኣብ ዘይኮኑ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝውዕሉን ኣደዳ ዝተፈላለዩ ወልፍታት ኮይኖም ካብ ሰብ ተፀበይቲ ዝኾኑ ዘለዉን ልቦና ይሃብኩም፣ ጉልበትኩም ተጠቒምኩም ኣልምዑ” እየ ዝብል ክብሉ ምዒዶም ‘ዮም።

ስለዚ ክልል ትግራይ ዘስክፍ መጠን ዝናብ ዘለዋ ከባቢ እኳ እንተኾነት በዚ ልዕል ክብል ዝተጠቐሰ ኣብነት ሓደጋ ድርቒ ብምክልኻል ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ ስለዝከኣል ግቡእ ቖላሕታ ሂብና ከንሰርሐሉ ይግበአና::  

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 16 ጥሪ 2016 ዓ.ም

Recommended For You