ቅነ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ

ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ጥንታዊ ታሪኽ ዲፕሎማሲ ዘለወን ሃገራት ‘ያ። ካብ ጥንቲ ኣትሒዛ ብሃይማኖት፣ ባህልን ንግዳዊ ንጥፈታትን ምስ ብዙሓት ሃገራት ድልዱል ዝምድና መሰረት ዘለዋ ኮይና ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ጠቓሚ ተመክሮ ከተማዕብል ካብ ምኽኣላ ሓሊፋ ካብ ንግስተ ሳባ ዘመን ጀሚራ ክሳብ ዘመናዊ ዲጂታል ዲፕሎማሲ ዓሚቕ ታሪኽን ተሞክሮን ዘለዋ ሃገር ‘ያ፡፡

በቢዘመኑ ዝነበሩ መራሕቲ ኢትዮጵያ እታ ሃገር ምስ ሃገራት ዓለም ዝሓሸ ዝምድና ክህልዋ ኢሉ ‘ውን ፅዕንቶ ፈጣሪት ሃገር ክትከውን ብዙሓት ርክባት ክምስርቱ ፀኒሖም ‘ዮም። ኣብ ዘመነ ዲፕሎማሲ ኣክሱም ብፍላይ ኣብ ዘመነ ንጉስ ኢዛና ኣብ ንግዲን ሃይማኖትን ዝተመስረተ ዝምድናታት ተጣይሹ ‘ዩ።

ናብ መእኸላይ ዘመን እንትንመፅእ እንተለና ናይ ዲፕሎማሲ ዋና ኣንፈት ልኣላውነት ሃገርን ሓድነትን ምፅናዕ ‘ዩ ነይሩ፡፡ ኢትዮጵያ ካብ ደገን ውሽጥን ዝመፅዋ ፀላእቲ ብምግፋጥ ሓድነታ ሓልያ ምኻድ ቑልፊ ዲፕሎማስያዊ ኣንፈት ነይሩ፡፡ በዚ ምኽንያት በቢዘመኑ ዘጋጥምዋ ፈተናታት እናሓለፈት ሕዚ ኣብዘለትሉ ብርኪ በፂሓ ኣላ፡፡

ን116 ዓመታት ዝፀንሐ ዘመናዊ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣድማሳቱ እናሰፍሐ ቀፂሉ ‘ዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ንዞባዊ ዝምድናታት ቀዳማይ ትኹረት ብምሃብ ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ጥቡቕ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክህልዋ ተገይሩ ‘ዩ፡፡

ብዛዕባ ታሪኽ ዲፕሎማሲ ሃገርና ንመእተዊ ዝኣክል ብሓፂሩ ከምዚ ካብበልና ሕዚ ድማ ብምኽንያት ቅነ ዲፕሎማሲ ‹‹ዲፕሎማሲና ንብሄራዊ ረብሓና›› ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ሳይንስ ሙዝየም ዝተዳለወ ዓውደ ርእይ ዝቀረቡ ናይ ሙሁራት ሓሳባት ብሓፂሩ ነዚዝስዕብ ይመስል፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ሳይንስ ሙዝየም ብዛዕባ ዲፕሎማሲ ዘዳለዎ ኣውደ ርእይ ዝዝከር ‘ዩ፡፡ ታሪኽ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ካብ ጥንቲ ክሳብ ሕዚ ዘርእዩ ታሪኻት ቐሪቦም ‘ዮም፡፡ ከምኡ ‘ውን ኣብዚ ሰሙን ኢትዮጵያ ኣብ ምስረታ ዓለምለኸ ትካላት ዝገበረቶ ግደ ዘርኢ ‘ዩ፡፡

ኣብዚ ብዕሊ ዝተኸፈተ ቕነ ዲፕሎማሲ ኣውደ ርእይ ፓናል ዝተኻየደ እንትኸውን ከምኡ ‘ውን ጉዕዞ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ዝድህስስ መፅሓፍ ተመሪቑ ‘ዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰርሑ ዓበይቲ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ብቪድዮ፣ ብፎቶን ብፅሑፍን ንምርኢት ቀሪቦም ‘ዮም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸባ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ‹‹ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ምስ ዘመን ንክጎዓዝ ኩሉ ግድኡ ክዋፃእ ይግባእ›› ክብላ ምልእክቲ ኣማሓላሊፈን እየን። ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዓማውቲ ብሄራዊ ረብሓን ሃገራዊ ክብርን እዛ ሃገር ዝሕሉ ስራሕ ከምዝሰርሐ ተዛሪበን።

እቲ ዓውደ ርእይ ሓቅታት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ዘርእይ ጥራሕ ዘይኮነስ ጉዕዞ ዲፕሎማሲ መፃኢ ትውልዲ ዝድህሰሰሉ ‘ዩ። ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ምስ እዋኑ ንክጎዓዝ ኩሉ ግድኡ ክዋፃእ ይግባእ ክብላ እተን ፕሬዚዳንት መልእክተን ኣማሓላሊፈን ‘የን።

ኣብዚ ፓናል ምይይጥ ‘ውን ተኻይዱ ‘ዩ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ፓናል ምይይጥ ዜና መዋእል ታርኽ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ዘመናዊት ኢትዮጵያ ርክብ ወፃኢን ዲፕሎማሲ ዝጠመተ ክልተ መፅሓፍቲ ተመሪቖም ‘ዮም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብቲ ዘተ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፣ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም መድረኽ ብመዳይ ዲፕሎማሲ ንቑሕ ተሳትፎ ከምዘለዋ ዘርኣየ ‘ዩ።

ጉዕዞ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ እታ ሃገር ዝመርሑ ኩሎም መንግስታት ብምቅብባል ዝቐፀለ ምዃኑ ብምሕባር፤ እቲ ዝተዳለወ ፓናል ምይይጥ ዝሓለፈ ጉዕዞን ንመፃኢ እንታይ ትፅቢት ይግበር ዝብል ንምምልካት ዓብይ እታወት ዝርከበሉ ከምዝኾነ ‘ዮም ዝሓበሩ።

ኣብቲ መድረኽ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማትን ዝተሳተፉ እንትኾኑ፤ ነባራት ዲፕሎማትን ኣምባሳደራትን መዛተይ ፅሑፍ ኣቕሪቦም ‘ዮም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፕሮፌሰር ባህሩ ዘውዴ፣ ዶክተር ኣብደታ ድሪብሳ፣ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፣ ኣምባሳደር ቆንጅት ስነጊዮርጊስን ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ መዛተይ ፅሑፍ ኣቕሪቦም ‘ዮም።

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ሚኒስትር ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ጠቕላይ ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣማራፂ በሪ ባሕሪ ንምርካብ እናገበረቶ ዛላ ምንቅስቓስ ናይ ሓባር ተረባሕነት ንምዕባይ ካብ ዘለዋ ድልየት ኣንፃር ከምዝኾነ ኣብ ጉዳይ ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ዝተቐመጠ ‘ዩ፡፡

ድልየት መንግስቲ ብጉልበት እንተይኾነስ ብሰላማዊ መንገዲ ብሂብካ ምቕባለ መርህ ዝተመስረተ ከመዝኾነ ኣብ ቀረባ ዝተገበረ ስምምዕነት መርኣያ ከምዝኾነ ገሊፆም ‘ዮም፡፡ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ዕድላ ብክፋል ሰሜን ጥራሕ እንተይኾነስ ብዙሪኣ ካብ ዘለዉ ኹሉ ናይ ምጥቃም ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘርእይ ‘ዩ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኢትዮጵያ ፍትሓዊ ዝኾነ መንገዲ በሪ ባሕሪ ክትረክብ ኣለዋ ዝብል ኣወንታዊ ኣጀንዳ ኾይኑ ብዙሓት እናደገፍዎ ‘ዮም፡፡ ድልየት ኢትዮጵያ ንባዕላ ውሕስና ንሓባር ጥቕምን ተተሓሒዝና ንዕበይ ዝብል ኣወንታዊ ምልከታ እናተንፀባረቐ ‘ዩ ክብሉ ኣምባሳደር ሬድዋን ኣብሪሆም ‘ዮም፡፡

ብተማሳሳሊ ኣብዚ ዓውደ ምርኢት ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም (ዶ/ር) እቲ ዓውደ ምርኢት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንክኽበር ተሳትፎ ኩሉ ሕብረተሰብ ክጠናኸር ይግባእ፡፡

ኣምባሳደር መለስ (ዶ/ር)፤ ‹‹ዲፕሎማሲና ካብ መዲና ኣፍሪካ ክሳብ ዓለም ለኸ መድረኽ›› ብዝብል ስያመ ኣብ ዝተካየድ ዓውደ- ምርኢት ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኮነት ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኤምባሲታት ዝተፈላለያ ሃገራት፤ ዓለም ለኸ ትካላት ከምኡ ‘ውን መንግስታዊን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ምስታፎም ብምግላፅ፤ ግዚኡ ዝጠልቦ ኣካይዳ ዲፕሎማሲ ብዲጂታል ዓውዲ እናተሓገዘ ብምዃኑ፤ ኢትዮጵያ ‘ውን ንባዕላ እናዘመነት ከምትጓዓዝን ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣምባሳደር ሃገሩ ንኽኸውን ኣብቲ ሰሙን ዲፕሎማሲ ቃል ዝኣትወሉ ከምዝኸውን ‘ውን ገሊፆም ‘ዮም።

ኣብ ሳይንስ ሙዚየም ዝተኻየደ ዓውደ-ምርኢት ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዲፕሎማሲ ምዃና ኣብ ምፅናዕ ዓቕሚ ዝፈጥር ከምዝኾነ ተዛሪቦም ‘ዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ንመዳርግቲ ዲፕሎማሲ ተስፋ ዝሃበ ‘ዩ ዝበሉ ድማ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ‘ዮም፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ 2010ዓ.ም ብዝተፈጠረ ሪፎርም ዝተፈላለዩ ናይ ሕግን ርክብ ወፃእን ምምሕያሽ ተገይሮም ‘ዮም፡፡

በዚ ‘ውን ብዙሓት ዓወታት ዲፕሎማሲ ተመዝጊቦም ‘ዮም ይብሉ፡፡ ብዘተሰርሐ ዲፕሎማሲ ስራሕ ብዙሓት ሃገራት ገፆም ናብ ኢትዮጵያ ከዙሩ ምኽኣሎም ዝገለፁ እቶም ኣምባሳዶር፤ ኢትዮጵያ ኣብቀርኒ ኣፍሪካ ዛባዊ ሃገራት ብምቅርራብ ብኢኮኖሚ መሰረተ ልምዓት ምትእስሳር ምኽኣለ፤ብፍላይ ድማ ምስ ኤርትራ ዝገበረቶ ሓድሽ ርክብ ሰላም ብኣካላት መዳርግቲ ተስፋ ንክግብረላ ከምዝገበረ እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም ‘ዮም፡፡

ኣፍሪካዊ ፀገማት ብኣፍሪካ ፍታሕ ዝብል መርሕ ኢትዮጵያ ብዙሓት ተቐባልነት ዝረኸበ ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ኩነታት ተለዋዋጢ ዓለም ዘጋናዘበን ብሄራዊ ጥቕሚ ዘኽብር ግደኣ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ‘ውን ኣብሪሆም ‘ዮም፡፡

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገኖም ‹‹ኢትዮጵያ ንቡዝሓት ናፃነት ኣፍሪካ ኹለማደያዊ ሓገዝ ምግባር ዝኻኣለት ሃገር ‘ያ ›› ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም፡፡ ኢትዮጵያ መንቅስቓስ ነፃነት ኣፍሪካ ዲፕሎማሲ ብፖለቲካን ብዝተፈላለዩ ዘፈር ደጊፋ ‘ያ፡፡ ሕብረት ኣፍሪካን ትካል ሕቡራት መንግስታትን ንክምስረት ዓብዪ ግደ ኣበርኪታ ‘ያ፡፡

እዚ ድማ ዓብዪ ዓወት ዲፕሎማሲ ኾይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዘመናት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ሎሚ ኽሳድና ቅንዕ ኣቢልና ንክንኸይድ ዘኽአሉና ‘ዮም ይብሉ፡፡ ኢትዮጵያ ብዓለም ሰላም ኣብ ምሕላው፣ ኣብ ኮሪያ፣ ላይቤሪያ፣ ሩዋንዳ፣ ሶማሌን ካልኦት ሃገራት ዓብዪ ግደ ከምዘበርከተትን እዚ ዓብዪ ቃልሲ ንርክብ ዲፕሎማሲ ምጥቃም ከምዝግባእ ምዒዶም ‘ዮም፡፡

ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ዝነበሩ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብዓለም ለኸ ዲፕሎማሲ ዓብዪ ግደ ከምዝተፃወቱ ዝገለፁ ድማ ምሁር ታሪኽ ኤመሬተስ ፕሮፌሰር ባህሩ ዘውዴ ‘ዮም፡፡ በቢክፍለ ዘመኑ ዝነበሩ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ እንተነበሮም ‘ውን ብሕብረት ኣፍሪካን ብዓለም ለኸ ትካላት ዝሰርሕዎ ስራሕ ዲፖሎማሲ ኢትዮጵያ ብግልፂ ዘርኣየ ‘ዩ ነይሩ ይብሉ፡፡

ኣብ መበል 15ን 16 ክፍለዘመን በቢግዚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ኣብ ዝተፈላላዩ ግዝያት ዘጋጠሙ ኹናትን መድረኻትን ዓብይ ዲፕሎማስያዊ ግደ ብምፅዋት ግደ ሃገርና ኣጉሊሆም ‘ዮም ክብሉ ኣረዲኦም ‘ዮም፡፡

ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ሚኒስትር ኣማኻሪ ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ጠቕላይ ሚኒስትር ኣብቲ ፓናል ምይይጥ ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ ከምዝበልዎ ኢትዮጵያ ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዋጋ ከምዝኸፈለት ድሕሪ ምዝካር፤ ሕቶ በሪ ባሕሪ ምድላይና ብተመሳሳሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንቃለሰሉ ኣካል ‘ዩ ክብሉ ኣረዲኦም፡፡ እንሰርሕ ሓይሊ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ‘ዩ፤ ብሄራዊ ጥቕሚ ንምሕላው እንሰርሖም ናይ ባዕልና ስራሕቲ ኣለዉ ኢሎም፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቴፍሻል ኢንተለጀንስ ኢንጅነር ወርቁ ጋቸና ብወገኖም፤ ‹ዲጅታል ዲፕሎማሲ ብስፍሓት ንክንጥቀም ዘገድደና ዘመን ኢና ዘለና ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም፡፡ ንዲጅታል ዲፕሎማሲ ውፅኢታዊ ንምዃን ማሕበራዊ ሚድያ ትኹረት ዝገበረ ስራሕ የድሊ፡፡

ካብ ህዝቢ ዓለም 5ነጥቢ 1 ቢልየን ኢንተርኔት ተጠቃሚ ‘ዩ፤ 4ነጥቢ 8 ቢልየን ህዝቢ ድማ ማሕበራዊ ሚድያ ተጠቃሚ ከምዝኾኑ ይፍለጥ፡፡ ካብ 193ትካላት ሕቡራት መንግስቲ ኣባላት እቶም 189 ሃገራት ተጠቀምቲ ትዊተር ብምዃኖም እቲ ዕድል ምጥቃም ከምዝግባእ ኣብሪሆም ‘ዮም፡፡

ኣብ ዝተፈላላዩ ሃገራት ካብ ዝርከቡ ቆንስላን ኢምባሲን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተገበረ ደህሰሳ እቶም 50 ዝኾኑ ገፅ ፌስቡክ ኣለወዎም እቶም 47 ድማ ገፅ ትዊተር ሃልይዎም ሓበሬታ እናመሓላላፉ ከምዝኾኑ ኢንጅነር ወርቁ ተዛሪቦም፡፡

ብሓፈሻ ዲፕሎማሲ ድጅታል ኢትዮጵያ ኣጀማምርኡ ፅቡቕ እንተኾነ ‘ውን ዝበለፀ ክዓቢ ኣለዎ፡፡ መጥቃዕቲ ሳይበር ትኹረት ዝገበረ ኣጠቃቕማ ቴክኖሎጂ ዲፕሎማሲ ዲጂታል ምዕባይ ከምዝግባእ ገሊፆም ‘ዮም፡፡

እዚ ኣብ ሳይንስ ሙዝየም ዝተዳለወ ዓውደርእይ ቅነ ዲፕሎማሲ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰብ ክፍልታት ‘ውን ዑደት እናገበሩ ይርከቡ፡፡ ኣባላት ኣመራርሓታት ቤት ምኽሪ እዚ ቅነ ዲፕሎማሲ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሳይንስ ሙዝየም ዝተዳለወ ዓውደ ርእይ ዑደት ኣካይዶም፡፡ ካብ ዝተፈላለየ ቤት ትምህርቲ ዝመፁ ተምሃሮን መምህራንን ድማ እቲ ዓውደርእይ ዑደት ገይሮም ‘ዮም፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ፤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮነን፤ ምክትል ፕሬዚደንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህን፤ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፤ ነባራት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ፤ ሚኒስትራት፤ ተቐማጥነቶም ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ዓለምለኸ ትካላት ሓለፍትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም ‘ዮም።

እቲ ዓውደ ርእይ፤ ‹‹ዲፕሎማሲና ንብሄራዊ ረብሓ›› ዝበል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ እንትኾን፤ ካብ ጥሪ 2 ክሳብ 24 ጥሪ 2016 ዓ.ም ከምዝፀንሕ ተገሊፁ ‘ዩ። ዲፕሎማሲ ታሪክ ኢትዮጵያ ሐዚ ዘለዎን ቀፃሊ ስራሕን ዘርእዩ መርሃ ግብሪታት ዝተርኣየሉ ‘ዩ፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 9 ጥሪ 2016 ዓ.ም

Recommended For You