ባህላዊ ፀወታት ቃርሳን ቅልስን

ኣብ ትግራይ በቢ ከባቢኡ ዝተፈላልየ ስማትን ዓይነታትን ዘለዎም ብዙሓት ባህላዊ ፀወታታት ኣለው ‘ዮም። ካብቶም ብዙሓት ባህላዊ ፀወታ ትግራይ እዞም ዝስዕቡ ድማ ንኣብነት ከም ዝስዕቡ ይርከብዎም:- ቃርሳ፣ ያህለላ/ ኳሊንኳል ፣ ቅልስ፣ ገበጣ፣ ኣደራራስ፣ ሸደድ/ሸተታ፣ ሕንቅልሕንቅሊተይ፣ ብሪሞ፣ ነበረ ያ ነበረ፣ እንካ ኣዝግነኒን ዝኣምሰሉን ካልኦትን ‘ዮም።

ከምዝፍለጥ ብዙሕ ግዘ በዓላት እንትኽበሩ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝተፈላለዩ ባህላውን ልምዳውን ዝከናወኑ ነገራት ይህልው ‘ዮም። ሎሚ ቅነ ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ካብ ዝተኸበረ ልደት ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብዝቅፅል ካብ ዝኽበሩ ዓበይቲ በዓላት ድማ በዓል ጥምቀት ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስን ‘ዮም። ኣብዞም ዓበይቲ ክብረ በዓላት እዚኦም እንትኽበሩ ካብ ሃይማኖታዊ ትሕዝትኦም በተወሳኺ ብዝተፈላለዩ ባህላዊ ፀወታታት ዝኽበር እንትኸውን፤ ካብ መንጎ እቶም ፀወታታት ድማ ፀወታ ቓርሳን ቅልስን ተፈለጥቲ ‘ዮም። እዞም ፀወታታት ኣብ መላእ ትግራይ ብፍላይ ድማ ከባብታት እንደርታ፣ ራያ፣ ክልተ ኣብ ላዕሎን ዓጋመን ዝፍለጡ ‘ዮም።

ባህላዊ ፀወታ ቃርሳ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢ ኣብ ከባቢ በዓል ፋሲካ ዝፅወት ኮይኑ፤ ኣግባብ ኣፀዋውትኡን ብዝምልከት ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መቐለ ፕረስ ከምዝተገለፀ፤ ካብ ብላይ ኮንጎ ጫማ ብሓዊ ጌርካ ወይከዓ ካብ ዕንፀይቲ ብግምት ዲያሜትራ 4ሳ.ሜ. ኮይና እትስራሕ ንእሸተይ ክቢ ዝኾነት ነገር ‘ያ። እታ ዋና መፃወቲት ቃርሳ ዳርጋ ኩሉ ወዲ ተባዕታይ ክሰርሓ ዝኽእልን ብመንደር ዝፃወትዋን ‘ያ።

ካብ ሰገናት ክሳዕ ንመርዓን ሕፀን ዝበፅሑ ዝፃወትዎ እንትኸውን ኣብ ውሽጢ ሓደ መንደር ካብ ሓደ ጫፍ ናብ ሓደ ጫፍ ወይከዓ ኣብ መንጎ ክልተ ጎረባብቲ መንደራት ካብኡ እንትሓልፍ ከዓ ኣብ መንጎ ብዙሓት መንደራት ኮይኑ ኣብ መንጎ ክልተ ጉጅለታት ዝግበር ፀወታ ‘ዩ። ኣብዙይ ብፍፁም ሓይልካን ጉልበትካን ዝግበር ፀወታ ዳርጋ ኩሉ ብሰላማዊ መንገዲ ዝፃወት እንትኸውን ገልገለ ችኮታት ከዓ ኣይሰኣኑን። በዙይ ፀወታ እዙይ ዘይሓለፈ ወዲ ገጠር ኣይክህሉን።

ኣገባብ ኣፀዋውትኡ እዞም ክልተ ጉጅለታት ነናይ ባዕሎም መፃወቲ ኣንፈትን ሕድ ሕድ ተፃዋታይ ነቲ ፀወታ መካየዲ ዘገልግል ቅኑዕ በትሪ ይሕዙ። ንኣብነት እቲ ሓደ ጉጅለ ንምብራቕ ኣንፈት ንምኻድ ዝደሊ እንትኾን በቲ ዝሓዞ በትሪ ነታ ቃርሳ ንምብራቕ ኣንፈት እናቐለዐ ክወስድ ይፅዕር ብኣንፃሩ እቲ ካልኣይ ጉጅለ ድማ ንምዕራብ ኣንፈት ንምኻድ ዝደሊ እንትኾን ነታ ቓርሳ ንምዕራብ ኣንፈት እናቐለዐ ክወስድ ይፅዕር፡ ፡ ኣብዚ ፀወታ በዝሒ ኣባላት ጉጅለ ወሳኒ ስለ ዝኾነ ናይ ክልቲኡ ጉጅለ በዝሒ ኣባላት ተመጣጣኒ ክኸውን ይግባእ።

ካብዚ ብተወሳኺ ቅልጡፋት ጎየይትን ንፉዓት ቀላዕትን ከም ኮኸባት ናይቲ ፀወታ ይቑፀሩ። እዚ ፀወታ ዝዛዘም ሓዲኡ ጉጅለ በቲ ናይቲ መጋጥምቱ ጉጅለ ፃዕሪ ከይተዓገተ ናብቲ ዝደልዮ ኣንፈት ደፊኡ ነዊሕ ርሕቐት እንትወስድ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ጉጅለ ደኺሙን ተስፋ ቆሪፁን ነታ ቃርሳ ገዲፉ ነናብ ዓዱ ምምላስ እንትጅምር ‘ዩ። ምልክት ዓወት እቲ ዝተዓወተ ጉጅለ ድማ እታ ክፃወቱላ ዝዋዓሉ ቃርሳ ናይ ዓርሱ ምግባር ‘ዩ። እቲ ዝተሳዕረ ጉጅለ ‘ውን ስዕረቱ ከየምለሰ ዓሪፉ ስለ ዘይቕመጥ ኣብ ቐፃሊ መዓልቲ ተጠናኺሩ ብምቕራብ ዓወት እንተቐኒዕዎ እታ መፃወቲት ቃርሳ ይውንን። በዚ መልክዕ እቲ ፀወታ ይቕፅል። ኣብ መንጎ አዚ ፀወታ ረብሻ ዝፈጥር ተፃዋታይ በቲ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ኮነ ብመሓዙቱ ተቐባልነት ስለዝስእንን ተፅዕኖ ስለዝዓርፎን እዚ ተግባር ዘይፍተን ‘ዩ። እንተተፈተነ ‘ውን ቀልጢፉ ብይቅርታ ‘ዩ ዝዕፆ።

ፀወታ ቅልስ ኣብ መንጎ መሓዙት ዝግበር ኮይኑ ኣብ ሑፃ፣ ኣብ ጎልጎል ወይከዓ ኣብ ሓሰር ክግበር ይክእል ‘ዩ። ብዋናነት ግን ኣብ እዋን ተሃብኪ ማለት ‘ውን ካብ ታሕሳስ 29- ጥሪ 11 ኣብ ዝኽበር ዘበነ ተሃብኪ፣ ሰገናትን መንኣሰያትን ማለት ‘ውን ዘይተመርዓው ዝግበር ‘ዩ።

እዙይ ፀወታ ኣብ እዋን መውፅኢ ቀውዒን መእተዊ ሓጋይን ዝግበር እንትኸውን ሓሰር ኣብ ዓወዲ ከምድላይካ ዝርከበሉ እዋን ‘ዩ። ብዋናነት መሓዙት ዝኾኑ ብድልየት እናወፁ ዝፀዋትዎ እንትኾኑ ብሓይልን ብጥበብን ወይከዓ ዝግበር ፀወታ ‘ዩ። ቅልስ ከም ሓደ ባህላዊ ስፖርታዊ ፀወታ ተራእዩ ብውድድር መልክዕ ‘ውን ንፈልጦ ኢና። እምበኣርከስ ክቡራት መንበብቲ መግለፂ ሓደ ማሕብረሰብ ካብ ዝኾኑ ባህላዊ ፀወታታት ትግራይ ብፍላይ ኣብ ኣብዝሓ ከባቢታት ግጠር ብዝፍሓት ዝዝውተሩ ባህላዊ ፀወታታት፤ ኣብ ምዕዛዝ ቱሪዝም እቲ ከባቢን ብኡ ኣቢሉ ድማ ፍልፍል እቶት ኣብ ምዃን ዘለዎም ግደ ቀሊል ዝብሃል እኳ እንተዘይኮነ ክንድቲ ክህብዎ ዝኽሉ ረብሃታት ግና ተፀኒዖም፣ ተሰኒዶምን ተዓቂቦምን ዝተተሓዙ ኣይኮኑን ምባል ይክኣል። ስለዚ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ነዚ ናይ ፅባሕ መግለፂ ባህልን ስልጣነን ዝኾነ ሃፍቲ ትኹረት ብምሃብ ክሰርሐሉን ክዕቅቦምን ይግባእ ዝብል መልእኽቲ ክነሕልፍ ንፈቱ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 2 ጥሪ 2016 ዓ.ም

Recommended For You