«ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ሕግታት ዝድግፍዎ’ዩ » – ኣይተ በፈቃዱ ድሪባ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ መምህር ሕጊ

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ለውጢ ሓዱሽ መንግስቲ ካብ ዝመፅእ ጀሚሩ ብትኹረት ካብ ዝተሰረሐሎምን ለውጢ ካብ ዝምፀአሎምን ጉዳያት ሓደ ሕቶ ኣፍደገ ባህሪ ‘ዩ። መንግስቲ ብኢትዮጵያውያን ንዘመናት ሕራነ ፈጢሩ ዝነበረ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ብምምላስን ስብራትን ብምፅጋን ታሪኻዊ ግዲኡ እናተዋፅአ ይርከብ። ን27 ዓመታት ዝኣክል ፈሪሱ ዝፀንሐ ሓይሊ ባሕሪ ከም እንደገና ብምምስራት ክንደገና ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ንክሕልዋ ገይሩ ‘ዩ።

ኣብዚ ሰሙን ምስ ሶማሊላንድ ስምምዕነት ብምግባር ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረኽበሉ ኣማራፂ ኣስፊሑ ‘ዩ። ንምዃኑ ኢትዮጵያ ዘልዓለቶ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ብመንፅር ዓለምለኸ ሕጊ ከመይ ይርኣይ? ተቀባልነቱኸ ከመይ ይረጋገፅ? ምስ ሶማሊላንድ ዝተፈራረምዎ ሰነድ መረዳድኢ (Memorandum of understanding) ብኣንፃር ሕጊ ከመይ ይርኣይ? ክብል ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ምስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ መምህር ሕጊ ዝኾኑ ኣይተ በፈቃዱ ድሪባ ዝገበሮ ቓለ ምልልስ ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዚ ዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ።

ትፕኢ:- ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነብራ ብፅሒት ዋንነት ከመይ ይግለፅ?

መምህር በፍቃዱ:– ኢትዮጵያን ብዘይ ቀይሕ ባሕሪ፤ ቀይሕ ባሕሪ ‘ውን ብዘይ ኢትዮጵያ ምሕሳብ ኣይከኣልም። ኢትዮጵያ በዓል ቤት ቀይሕ ባሕሪ ከም ዝነበረት ብመጀመርያ ዝተፈልጠ ካብ100 ክሳብ 150 ዓ.ም ኣብ ዝተፀሓፈ “ተህ ፒሪፒለስ ኢቭ ዘኤርትርያን ሲ” ኣብ ዝብል መፅሓፍ ‘ዩ። እዚ መፅሓፍ መንግስቲ ኣኽሱም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መጠነ ሰፊሕ ንግዲ የካይድ ከምዝነበረ ይገልፅ። ኣዶሊስ ድማ ዋና ወደብ ከምዝነበረ የረድእ። ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዋና ተዋናይትን ፍልጥትን ከምዝነበረት ዘረድኡ ብዙሓት ናይ ታሪኽ ፅሑፋት ኣለው።

ትፕኢ:- ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበራ ብፅሒት በዓል ዋንነት ንክርሳዕ ዝተገበረ ዝተሰሓሓተ ትርኽቲ ‘ዩ። ይብሃል እዚ እንተብሩሁልና ኸ?

መምህር በፍቃዱ፦ ኣብቲ ትርኽቲ ዝነበረና ሓቂ ምቅያር እንተዘይተኽኣለ ‘ውን ምጥማም ግና ይክኣል ‘ዩ። ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ተተሓሒዙ ኢትዮጵያ ዝገጠማ ፀገም ናይ ትርኽቲ ምጥማም ‘ዩ። ኢትዮጵያ ካብ ቀደም ጀሚራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ በዓል ዋንንት ዝነበራን ቀይሕ ባህሪ ‘ውን ዝትእዝዘሉ ዝነበረት ሃገር ‘ያ። 1ሽሕን 800 ኪሎሜትር ዝነውሕ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ትሕዝቶ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅራ ዝነበረን ወፃእን ኣታውን ኣቁሑት ብኽልተ ወደባት ዝተመሓዳድር ዝነበረት ሃገር ነይራ። ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ወፃኢ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ምሕሳብ ኣይከኣልን ነይሩ።

ይኹን እምበር ዕብየት ኢትዮጵያ ዘይደልዩ ሓይልታትን በብእዋኑ ዝነበሩ ቅርሕንትታትን ዝተፈጠረ ክፍተት ኢትዮጵያ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ንኽትውገድ ተገይራ ‘ያ። ኢትዮጵያ ንዘመናት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾነ ብፅሒት ከም ዘይነበራ ኾነ ተባሂሉ ዝተበተነ ትርኽቲ መሰላ ‘ውን ንምሕታት ዘይትደፍረሉ ኮይና ፀኒሓ ‘ያ። ነዚ መርኣያ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ብዛዕባ ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ምዝራብ ኾነ ናይ ኢትዮጵያ ናይ በዓል ዋንነት ሕቶ ምሕታት ከም ነውሪ ካብ ሙቁፃሩ ብተወሳኺ ሓደጋ ‘ውን ዘኽትል ‘ዩ ነይሩ።

ኣብዞም ዓመታት ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ዝተተሓሓዙ መፅናዕትታትን ምርምራትን ኩሎም ተኸልኺሎም ‘ዮም ፀኒሖም። ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ዝዛረቡ ሰባት ከም ሃገር ከም ፀላእቲ ‘ዮም ዝረኣዩ ነይሮም።

ብዝተሰረሐሉ ሽርሕን ኾነ ተባሂሎም ብዝተፈጠሩ ትርኽትታትን ኢትዮጵያ ወደብ ዘይብላ ብምዃና ንብዙሕ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ፅዕንቶ ተጋሊፃ ‘ያ። እዚ ድማ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ናይ ኢትዮጵያ ኽብርን ኣፍልጦን ንክወርድ ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ብኢኮኖሚ ወገን ‘ውን ተጎዳኢት ንክትኸውን ገይርዋ ‘ዩ። ንብዙሕ መሰረተ ልምዓታትን ንምቀነሲ ድኽነትን ክውዕል ዝነበረ ልዕሊ 1ነጥቢ 6 ቢሊዮን ዶላር በቢ ዓመቱ ንግልጋሎት ወደብ ጥራሕ ብምውዓል ኣብ ድኽነት ውሽጢ ንክትነብር ገይርዋ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ወደብ ዘይብላ ብሙዃና ንኪራይን መጎዓዓዝን ልዑል መጠን ዶላር ስለ ዝተውፅእ ዋጋ ሸቀጣት ንክንህርን ንክበኣኣስ ምኽንያት ኮይኑ ‘ዩ።

ብዲፕሎማሲን ብፅዕንቶ ፈጣሪነትን ወገን ‘ውን ግደ ኢትዮጵያ ወሪዱ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ዝትርከበሉ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ብጣዕሚ ተደለይቲ ካብ ዝኾኑ ናይ ሓያላት ሃገራት ትኹረት ከይተረፈ ዝስሕብ ከባቢ ብሙዃኑ ዕብየታ ዘይደልዩ ኣካላት ብዝተቀናበረ ሽርሒ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ክሳብ ዘቋርፅዋ ተበሃጊትን ብኹሉ ተደላይትን ኮይና ‘ያ ፀኒሓ። ይኹን እምበር እታ ሃገር ወደብ ዘይብላ ካብ ትኾን ጀሚራ ተደላይነታ እናወረደ፤ በምትክኣ ከም ጅቡቲ ዝኣምሰላ ኣናእሸተይ ሃገራት ዝበለፀ ተደለይትን ተደመፅትን ኮይነን ‘የን።

ትፕኢ:-ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት እናደለየት ‘ያ ንሙዃኑ ኢትዮጵያ ዘልዐለቶ ሕቶ ብኣንፃር ዓለምለኸ ሕግታት ክንደይ ዘኣክል ተቀባልነት ኣለዎ?

መምህር በፍቃዱ፦ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ወደብ ካብ ዘይብለን 16 ሃገራት ሓንቲ እንተኾነት ‘ውን ወደብ ንከይህልዋ ዝገበራ ምኽንያታት ግና ብታሪኻዊነቱ ይኹን ብሕጋዊነቱ መሰረት ዘይብሎም ‘ዮም። ኢትዮጵያ ብሃፍቲ ማይ ኣብ ዓለም ካብ ዝፍለጡ ሃገራት ሓንቲ እንትትኾን ኣፈጣጥርኣ ‘ውን ምስ ማይ ዝተተሓሓዘ ‘ዩ። መበገሲ ሩባ ኣባይ ምስ መዋስንቲ ቀይሕ ባሕሪ ምርካባ ናይዚ ምኽንያት መርኣይ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን 44 ሃገራት ሓንቲ ‘ያ። ኣብ ኣፍሪካ ‘ውን ካብ ዘለው 16 ኣፍደገ ባሕሪ ካብ ዘይብለን ሃገራት ተርታ ትርከብ። ይኹን እምበር ካብዘን ሃገራት ኢትዮጵያ ዝፈልይዋ ብዙሓት ነገራት ኣለው። ሓደ በዝሒ ህዝባ ‘ዩ። ኣብዚ እዋን በዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ 126 ሚሊዮን በፂሑ ኣሎ። ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብር ህዝቢ ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ ዘይብለን ዝነብር ህዝቢ መበል 1/3 ዝሽፍን ‘ዩ።

እዚ ዝኣክል ህዝቢ ሒዛ ኣፍደገ ባሕሪን ወደብን ዝተኸልከለት ሃገር የላን። ካልኣይ ጉዳይ ድማ ኢትዮጵያ ብኣፍደ ባሕሪ ዝተኸበበት ሃገር ‘ያ። ብሳልሳይ ብርኪ ብታሪኽ ‘ውን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዘመናት ወናኒት ኮይና ምፅንሓ ዘርእዩ ብዙሓት መረደዳእታት ዘለዋ ሃገር ‘ያ።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ብግፍዒ ካብ ትሕዝቶኣ ንኽትንቀል ካብ ምግባራ ብተወሳኺ ዋንነታ ዘኽልኽል ዋላ ሓደ ዓለምለኸ ሕጊ የለን። ኢትዮጵያ ወደብ ንከይህልዋ ዝኾነትሉ ይኹን ካብ ቀይሕ ባሕሪ ንክትእለይ ዝተገበረሉ ኣከይዳ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ንክትእለይን ወደብ ዘይብላ ንክትኸውን ዝተገበረት ብ1900፤ 1902ን ብ1908ን ምስ ባዕዳዊ ገዛእቲ ኣብ ዝተገበሩ ውዕላት ምኽንያት ‘ዩ።

እዞም ውዕላት ድማ ብመመስረቲ ቻርተር ሕቡራት መንግስታት ሕጋዊነቶም ዝሰኣኑ ‘ዮም። ትካል ሕቡራት መንግስታት ዓለም እንትምስረት ካብዘውፅኦም ድንጋገታት ሓደ ሃገራት ውዕሊ ባዕዳዊ መግዛእትታት ንምቅባል ኣይግደዳን ዝብል ዓንቀፅ ሓደ እንትኾን፤ ኢትዮጵያ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተገዝአት ሃገር ካብ ምዃና ብተወሳኺ ብባዕዳዊ ገዛእቲ ዝተረቀቁ ናይ 1900፤ 1902ን 1908ን ውዕልታትንምቅባል ዘገድድ የብላን።

ብዙይ መሰረት ቀዳማይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዋ (Access to the sea)። ካልኣይ ድማ ናይ ባሕሪ ዋንነት መሰል (Maritime sovernity) ዘለዋ ሃገር ‘ያ። ኢትዮጵያ ብዚኦም መብታት ናይ ምርካብ መሰል ዘለዋ ስለዝኾነት ዘልዐለቶም ሕቶታት መሰረት ዘለዎም ‘ዮም።

ይኹን እምበር እዞም መሰላት ንምርግጋፅ ዓለምለኸ ሕግታት እንታይ ይብሉ ዝብል ምፍታሽ ግቡእ ‘ዩ። ዓለም ለኸ ሕግታት ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዘሎ ርክብ ዝዳንን ዘመሓዳድሩ ሕግታት ‘ዮም። ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዘሎ ርክብ ዝዳንዩን ፀገማት እንተጋጥም ውሳነ ዝህቡ ‘ዮም። ዓለም ለኸ ሕግታት ዝፍልፍሉ ሃገራት ካብ ዝገበርዎም ውዕልታት ‘ዮም።

ዓለም ለኸ ውዕላት እንትንምልከት ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘስእና ወይ ንክትረክብ ዝእግዳ ሓደ ነገር የለን። ኣብ መመስረቲ ፅሑፍ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ኣብ ዓንቀጽ 38 ብግልፂ ከምዝተደነገገ ሓደ ሃገር ብዝተዛብዐ መልክዕ ፍትሓዊ ብዘይኮነ ውሳነ ተወሲኑኒ ‘ዩ ኢላ ክሳብ ዝሓተተት ሕቶኣ ናይ ምቅራብን ምሙጋትት ይክኣል ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንክትስእን ካብ ዝኾነቶም ውዕላት ውዕሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተፀራሒ ‘ዩ። ካብ ሃፀይ ሚኒሊክ ጀሚሩ ኢትዮጵያ ምስ ባዕዳዊ ገዛእቲ ዝገበርዎም ስምምዓት ኣፍደገ ባሕራ ንክትስእን ከምዝገበርዋ ‘ዩ ዝዝረብ። ስምምዕነታት ባዕዳዊ ብባህሪኦም ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝገዝኡ ዝነበሩ ሓይልታት ብመልክዕ ምግዳድ ዝተፈፀሙ ‘ዮም። ስለዝኾነ ውዕሊ ካብ ምባል ሓያላት ኣብ ልዕሊ ድኹማት ዝተፈፀመ ኣገዳዲ ስምምዕነት ‘ዩ ምባል ይክኣል። ስለዚ እዞም ውዕላት ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ እምበር ናይ ተገዛእቲ ሙሉእ ፈቃደኝነት ዝሓዙ ኣይኮኑን።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ዝፈረመቶም ናይ 1900፤1902ን ናይ 1908ን ውዕላት ገዛእቲ ውዕላት ኣይኮኑን፤ ብምዃኑ ተፈፃሚነት ኣይህልዎምን። ‘ዞም ውዕላት ኣብ መመስረቲ ቻርተር ሕቡራት መንግስታት ተፈፃሚነት ከምዘይህልዎም ብግልፂ ተደንጊጉ ‘ዩ። ነዚ ‘ውን በዋናነት ምኽንያት ተገይሮም ካብ ዝተቀመጠ ሓደ ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ውዕላት ብዘይ ተገዛቲ ድልየት ብሓይሊ ዝተፈፀመ ምዃኑ ‘ዩ። ባዕዳዊ ገዛእቲ ሓይሊ ብምጥቃም ብምግዳድ ሓንቲ ላኣላዊነት ሃገር ውዕሊ ይፍፅሙ ነይሮም ‘ዮም። ስለዝኾነ ሕቡራት መንግስታት እንትምስረት መጀመርያ ውድቂ ካብ ዝገበሮም ክፍሊ ሕግታት ውዕልን ስምምዓትን ባዕዳዊ መግዛእቲ ብዝምልከት ‘ዩ።

ጣልያንን ኢትዮጵያን ኣብ ናይ 1900፤1902ን ናይ 1908ን ውዕለን እንትፈራረማ ኣውሮፓውያን ባዕዳዊ ገዛእቲ ንኣፍሪካ እንትቀራመቱ ኣብ ዝተንቀሳቀሱሉ እዋን ‘ዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እንግሊዝ፤ፈረንሳይን ጀርመን ናይ ባዕለን ብፅሒት እንትሕዙ ሓደ ባዕዳዊ ግዝኣት ዘይረኸበት ጣሊያን ገፃ ናብ ኢትዮጵያ ኣዚራ። ጣሊያን ብምድጋፍ ‘ውን እንግሊዝን ፈረንሳይን ብወገነን ድጋፍ ይገብራ ነይረን ‘የን። ናይ ወልወል ጥቅዓት ናይዚ ሓደ መሳርሒ ‘ዩ።

ብብዙሓት ቦታታት ዝተመረፀት ኢትዮጵያ መውፅኢ ነዃል ንክትረክብ ‘ዞም ውዕላት ብኣጋዳዲነት ንምፍራም በቂዓ ‘ያ። ሃፀይ ሚኒሊክ ነዚኦም ውዕላት ዝፈረሙ ብዝነበሮም ፅዕንቶታት ተገዲድዶም ‘ዮም። ኢትዮጵያ ብኢኮኖሚ፤ ብሓይሊ ጦርን ብዲፕሎማሲን ነዞም ሓይልታት ናይ ምውድዳር ዓቅሚ ኣይነበራን። ስለዝኾነ ተገዲዳ እያ ስምምዕነት ንምፍራም ዝበቀዐት። ሓደ ተወዓዓሊ ኣገዲዱ ንምፍራም ዘይሕጋዊ ካብ ሙዃኑ ብላዕሊ ኣብ ቅድሚ ሕጊ’ ‘ውን ተቀባልነት ኣይህልዎን።ብ 1994 ኣ.ፈ ትካል ሕቡራት መንግስታት ዝተደንገገ ውዕል ሕጊ ዓንቀፅ 39 ሓደ ተወዓዓሊ ናብ ውዕሊ ውሽጢ ንክኣትው እንተተፈራሪሑ እቲ ውዕሊ ፈራሲ ከምዝኸውን ይድንግግ ‘ዩ።

ትፕኢ:- ውዕል ባዕዳዊ መግዛእቲ ሐዚ ‘ውን ከምዝሰርሑን ኢትዮጵያ ‘ውን ኣፍደገ ባሕሪ ንኸይትረክብ ዕንቅፋት ከም ዝኾንዋ ዝከራኸሩ ወገናት ኣለዉ፤ እሶም ኣብዚ እንታይ ይብሉ?

መምህር በፍቃዱ ድሪባ፡- ነበር ቐዳማይ ሚኒስትር ሓዊሱ ውልቀ ሰባት ውዕሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ከም መተኣማመኒ ብምውሳድ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዋጋ ከም ዘይብሉ እናሞገቱ ይድመፁ። ኾይኑ ግና ነዚ ሓሳብ ዘልዕሉ ሰባት ሙሉእ ንሙሉእ ብዘይፍላጥ ‘ዩ ምባል የፀግም ‘ዩ። ኣብ 1900፤1902ን1908ን ዝተገበሩ ውዕላት ተፈፃምነት ከምዘይብሎምን ከም ዝሞቱን እናተፈለጠ፤ ነዚ ከም መተኣማመኒ ምውሳድን ሃገር ዝጎድእ ውሳነ ምሕላፍ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ‘ዩ። ናይዚ ድማ ትካላት ሕቡራት መንግስታት ኣዋጅ ሓዊሱ ከም ዘስፈሮ ሃገራት ባዕዳዊ ገዛእቲ ወኪሎም ዝፈረምዎ ውዕላትን ስምምዓትን ተቐባልነት ሕጊ ከይህልዎም ተገይሩ ‘ዩ። ኣብዚ ጣልያን ንኤርትራ ወኪላ ዝፈረመቶም ውዕላት ብሙሉእ ተቐባልነት ዘይብሎም ‘ዮም።

ብኻልእ መዳይ ድማ ዝተፈረሙ ውዕላት ብተደጋጋሚ ዝጥሓሱ እንተኾይኖም እቶም ተወዓዓልቲ ብውዕል ናይ ምግዛእ ግዴታ የብሎምን። ኢትዮጵያ ምስ ጣልያን ዝተፈራመቶም ውዕላት 1900፤1902ን 1908ን ኣብ መንጎ ጣልያንን ኢትዮጵያን ዘይምርድዳእ ብምትራፍ ሰላማዊ ኹነታት ንምስፋን ብምትላም ‘ዩ ነይሩ። ኾይኑ ግና ጣልያን ንኢትዮጵያ ብምውራርን ብምጥቃዕን እቶም ውዕላት ብተደጋጋሚ ክጥሓሱ ገይራ ‘ያ። ስለዝኾነ

ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ጣልያን ዝጠሓሰቶም ውዕላት ክትግዛእ ግዴታ የብላን። እዞም ሰለስተ ስምምዓት ጣልያን ንኢትዮጵያ እንትትወርር ዋጋ ዘይብሎም ‘ዮም። ብኻልእ መዳይ ሓንቲ ሃገር ካብ መግዛእቲ ናፃ እንትትወፅእ ዝኣተወቶ ቃል ከም ሓዱሽ ተደራዲራ ውዕል እንተዘይሓዲሳ እቲ ባዕዳዊ ገዛኢ ካብ ዝኣተዎ ግዴታ እታ ሃገር ናፃ ወይ ድማ ከምዘይምልከቶ ኣብ 1978 ኣንቀፅ ናቪ ኮኔክሽን 16 ይድንግግ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ 1900፤1902ን 1908ን ጣልያንን ኢትዮጵያን ዝተፈራረመኦ ውዕላት ኣብዚ ሐዚ እዋን ንኢትዮጵያ ከገድዱ ኣይኽሉን።

ነዞም ወዕላት ተደሪኹ ዝወሃብ ዝኾነ ዳኝነት መሰረታዊ ናይ ሕጊ ጌጋ ስለ ዘለዎ እቲ ውሳነ ኣብ ቕድሚ ሕጊ ዋጋ የብሉን። ብኻልእ መዳይ ኣብ 1967 አ.ፈ ሃገራት ኣብ ካይሮ ተኣኪበን ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝወፃ ሃገራት ዝነበረን ትሕዝቶ ከይወሰኻን ከይነከያን ሒዘን ክቕፅላ ኣለወን ዝብል ሕጊ ኣውፂአን ነይረን።እዚ ስምምዕነት ብርክት ዝበላ ሃገራት ቕድሚ ብባዕዳዊ ምዛእቲ ምግዝአን ዝነበረን ትሕዝቶ ዘስእን ካብ ምዃን ሓሊፉ ሓደሓደ ሃገራት ድማ ካብ ኻልኦት ተወሲዱ ክውሃበን ዝገብር ስምምዕነት ‘ዩ። በዚ ስምምዕነት ሓደሓዲአን ብዙሕ ተረቢሐን ‘የን፤እተን ኻልኦት ድማ ብዙሕ ተጎዲአን ‘የን።ህዝብታት ሓደሓደ ሃገራት ተመቒሉ ፍርቁ ናፍቲ ፍርቁ ነነዘ ክነብር ተገዲዱ ‘ዩ። ኢትዮጵያ በሪ ባሕርን ወደብን እትስእን ብመሰረት እዚ ሕጊ ‘ዩ ዝብሉ መከራኸርቲ ነጥብታት ኣለዉ። እዚ መምርሒ ብመንፅር ዓለምለኻዊ ሕጊ ክንደየናይ ተቐባልነት ኣለዎ ዝብል ምፍታሽ የድልይ።

እዚ ስምምዕነት ብፍላይ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ገዛኢ ክኸውን ኣይኽእልን።ቐዳማይ ርክብ ኢትዮጵያን ጣልያንን ገዛእን ተገዛእን ኣይነበረን።ኢትዮጵያ ብባዕዲ ዘይተገዝአት ሃገር ብዘይምዃና በዚ ሕጊ ክትግዛእ ግድን ኣይኮነን። እቲ ስምምዕ መግዛእቲ ኣስጢሞም ዝሕዙ እንተሃለዉ እኳ ዓሰብ ኣካል ኢትዮጵያ ዝነበረን ዓርሱ እናመሓደረ ዝፀንሐ ብምዃኑ ኤርትራ ናፃ ምስ ወፀት ብዝኾነ መልክዑ ምስ ኤርትራ ክኸይድ ዝግበኦ ኣይነበረን። ነዚ ስምምዕነት ስዒቡ ዝመፀ ስምምዕነት ኣልጀርስ ድሌት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ እስካዕ መወዳእታ ዝዓፀወ ‘ዩ ዝብል ዘይጥሉል ሓሳብ ከም ዘይጠቅም መርኣያ ‘ዩ። ስምምዕነት ኣልጀርስ ተባሂሉ ዝግለፅ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይትግደደሎም ውዕላትን ስምምዓትን ተደሪኹ ብዝተዛበዐ መልክዑ ዝተውሃበ ውሳነ ብምዃኑ ኢትዮጵያ ክትቕበሎ ዘይትኽእል ‘ዩ።

ትፕኢ፡- ኣብ ስምምዕነት ኣልጀርስ ኢትዮጵያ መሰል ወደብን በሪ ባሕርን ተመንጢላ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ፤ኣብዚ እንታይ ይብሉ?

መምህር በፍቃዱ ድሪባ፡– ስምምዕነት ኣልጀርስ ባዕሉ ከም መረዳእታ ዘቕርቡ ኢትዮጵያ ኣብ 1900፤1902ን 1908ን ዝተፈራረመቶም ውዕላት ‘ዮም። እዞም ውዕላት ድማ ብመጣየሺ ቻርተር ሕቡራት መንግስታት ዝተጥሓሱን ተቐባነት ዘይብሎምን ‘ዮም። ስለዝኾነ ኣብ ዝተስዓሩ ውዕላትን ስምምዓትን ተደሪኹ ዝተውሃበ ውሳነ ዋጋ ዘይብሉ ‘ዩ። ምስዚ ጎናጎኒ ክልዓል ዘለዎ ጉዳይ በሪ ባሕሪ እንትልዓል ኹሉ ግዘ ክልዓል ዝግበኦ ሰብኣዊ ርህራሀ ፍትሒ ዝበሃሉ ፅንሰ ሓሳባት ‘ዮም።

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ዝስኣነት ሰብኣዊ ርህራሀን ፍትሕን ብዘስኣነ መልክዑ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ህዝቢ ዝሓዘት፤ኢኮኖሚኣ እናዓበየ ዝኸይድን ብምኽንያት ዝተዛበዐ ፍትሒ በሪ ባሕራን ወደባን ዝስኣነት ሃገር ‘ያ። ብሓፈሻ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንክትስእን ዝተውሃበ ውሳነ ዘይፍትሓዊ ካብ ምኳኑ ሓሊፉ ዕድል ልዕሊ 100 ሚሊዮን ህዝባ ዘየገናዘበን ሰብኣዊ መሰል ዝገፈፈን ‘ዩ። ንኣብነት ኣብ መንጎ ካሜሮንን ናይጄሪያን ዝነበረ ናይ ደምበር ዘይምርድዳእ እንትፍታሕ ከባቢ 33 ዝኾና ቑሸታት ናብ ካሜሮን ክኽለል ተገይሩ ‘ዩ።እዚ እንትግበር እተን ቑሸታት ንካሜሮን ዝግባኣ ኾይነን ዘይኮነስ ኣብዘን ቑሸታት ዝነብሩ ነበርቲ ተነፃፂሎም ኣብ ኽልተ ቦታ ክነብሩ ስለዘይብሎም ‘ዩ። ብሓፈሻ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ስለ ዝኾነ ‘ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ግና ፍርቂ ህዝቢ ዓፋር ኣብ ኤርትራ ፍርቁ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ክነብር ተፈሪድዎ ‘ዩ።ልዕሊ እዚ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ክህልው ኣይኽእልን።

ዓለምለኸ ልምዲ ክንርኢ ከለና ጉዳይ በሪ ባሕሪ ብቐሊሉ ዝፍትሐሉ ልምድታት ንረክብ። ኣብ ስምምዕነት ቨርሳይለስ ጀርመን ንፖላድ ናይ ባዕላ መሬት ቆሪሳ ሂባታ ‘ያ። ፖላንድ ተዓፅያ ከይትነብር ጀርመን ንፖላድ መሬታ ብምሃብ ወናኒት በሪ ባሕሪ ክትኸውን ብምግባር ዘላቒ ሰላም ክተረጋግፅ ክኢላ ‘ያ። ኣብ ኒኳራጓን ኮሎምቢያን፤ኣብ ቼክን ፔሩን ኢትዮጵያ ልዕሊ ዘጋጠማ ፀገማት ተፈቲሖም ሃገራት ወነንቲ በሪ ባሕሪ ክኾና ክኢለን ‘የን።

ትፕኢ፡- ኻልኦት ዓለምለኸ ሕግታት ኸ ንኢትዮጵያ ክንደየናይ ይድግፋኣ?

መምህር በፍቃዱ ድሪባ፡– ሕቡራት መንግስታት ሕጊ በሪ ባሕሪ (United nation cooperation the low of the sea) ዓንቀፅ 69 በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣብ ከባቢአን ዘሎ በሪ ባሕሪ ናይ ምጥቃምን ምስግጋርን ዓለምለኸ መሰል ከም ዘለወን ይድንግግ። እዚ መሰል በሪ ባሕሪ ኣብ ዘይብለን ሃገራት፤ኣብ መንጎ ሃገራት ወነንቲ በሪ ባሕር ቀጠናታትን ኣብ ዝግበር ስምምዕነት ክፍፀም ከም ዝኽእል ኣብዚ ዓንቀፅ ተመላኺቱ ‘ዩ።ሕብረት ኣፍሪካ ‘ውን ነዚ ውሳነ ዘፅንዕ ደንቢ መተሓዳደሪ ኣካቲቱ ‘ዩ። በሪ ባሕሪ ሕቡራት መንግስታት (United nation cooperation the low of the sea) ኣንቀፅ 27 በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ብስምምዕነት ተዘይተገይሩ ንዝተገልገላ በሪ ባሕሪ ዝኾነ ዓይነት ታክስ ወይ ድማ ኻሊእ ክፍሊት ከም ዘይሕተታ ይድንግግ። ስለ ዝኾነ ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ሕግታት ብምጥቃም ኣብ ቐረብኣ ዝርከብ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ዕድላ ምርካብ መሰላ ክተኽብር፤ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ከም እትደልይ በሪ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ዝሕረስ መሬትን ኻልኦት ዘድልይወን ሃፍትታት ብምቅይያር ሂብካ ምቕባል ብዝብል መርህ ተግባራዊ ምግባር፤ ሃገራት ወደባት ብማዕረ ብምልማዕ ዝጥቀማሉ ስልትታት ምዕራይን ዝኣመሰሉ ስልትታት ብምጥቃም መሰል ምውናን በሪ ባሕሪ ክተኽብር ይግባእ። ዓለምለኸ ሕጊ መሰል በሪ ባሕሪ ምጥቃም ይኹን ምርካብ በሪ በሕሪ የረጋግፅ። ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ ሓንቲ ሃገር ካብ ወሰን (ጠረፍ) እስካዕ 23 ኪሎ ሜትር ጥራሕ ‘ዩ ናታ ዝኸውን።ካብኡ ወፃኢ ዘሎ ናይ ኩሉ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሐበራዊ ሃፍቲ ‘ዩ። ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ካብ ዓለምለኸ ሃፍትን ንብረትን ናይ ምጥቃም መሰል ኣለዋ።

ትፕኢ፡- ሎሚ ቕነ ኢትዮጵያን ሶማሌ ላንድን ዝገበርኦ ስምምዕነት ዓለምለኸ ተቐባልነቱ ከመይ ይመስል?

መምህር በፍቃዱ ድሪባ፡- ኢትዮጵያን ሶማሌ ላንድን ዝተፈራረመኦ መረዳድኢ ሰነድ (Memorandum of understanding) ‘ዩ። እዚ ሰነድ ድማ ኽልተ ሃገራት ጥራሕ ዝገብርኦ ስምምዕነት ‘ምበር ብብርኪ ዓለም ከም ሰነድ ኮይኑ ዘገልግል ኣይኮነን። ኢትዮጵያን ሶማሌ ላንድን ሂብካ ምቕባል ብዝብል መርህ ጥቕሚ ኽልቲአን ንምርግጋፅ ‘የን ፈሪመን።እቲ ሰነድ ልዕሊ ሕጋዊ ሰነድነቱ ከባቢያዊ ረብሕኡ ዝዓዘዘ ‘ዩ።ይኹን ‘ምበር በዚ ሰነድ ዘይሕጎሳ ሃገራት ከም ዘለዋ ምርዳእ የድልይ። ብዋናነት ሪፐብሊክ ሶማሊ እታ ፈላመይቲ መቕራቢት ሕቶ ከም እትኸውን ዝፍለጥ ‘ዩ። ብኻልእ መዳይ ድማ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ምርካባ ዘሕርሮም ዕብየታ ዘይምነዩ ሃገራት ኣብዘየእትዎም ኣትዮም ዋዕዋዕታ ምፍጣር ከይተሓለመ ዝፍታሕ ‘ዩ።

እዚ ድማ ግብፂ፣ሊግ ዓረብን ዝኣመሰላን ኣዘየእትወን ጉዳይ ብምእታው ክህውኻ ተሰሚዐን ‘የን።ኾይኑ ግና ኢትዮጵያን ሶማሌ ላንድን ዝተፈራረመኦ ሰነድ ንዝኾነ ኣካል ዝጎድእ ኣይኮነን። እኳድኣስ ከባብያዊ ህድኣት ዘምፅእን ኢትዮጵያ ኣፍቲ ቀጠና ኣለኒ እትብሎ ሕቶ በዓል ቤትነት ምላሽ ንኽረክብ በሪ ዝኸፍት ‘ዩ። ልዕሊ ኹሉ ዓለምለኸ ሕግን ትካላትን ሓዊሱ ፍትሓዊ ዝኾነ ተበፃሕነት በሪ ባሕሪ ንክህሉ ዝኸፍት ‘ዩ። ልዕሊ ኹሉ ዓለምለኸ ሕግን ትካላትን ፍትሓዊ ዝኾነ በሪ ባሕሪ ተበፃሒ ክኸውን ስለ ዝደልዮ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሌ ላንድን ዝተገበረ ሰነድ ስምምዕነት ዝድግፍዎን ተቐባልነት ዘለዎን ‘ዩ።

ትፕኢ፡- እቲ ሐዚ ተጀሚሩ ዘሎ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ፃዕሪ ሽትኡ ክወቅዕ ካብ ኢትዮጵያ እንታይ ትፅቢት ይግበር?

መምህር በፍቃዱ ድሪባ፡– ከም ዕድል ኮይኑ እቲ ሐዚ ዘሎ መንግስቲ ሕቶ በሪ ባሕሪ ንምምላስ ዘይተደረተ ፃዕሪ ኣብ ምግባር ይርከብ። ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓማውቲ ዝነበረ ኣገዛዝኣ ብዛዕባ በሪ ባሕሪ ዘልዕል ከም ፃሕታሪ ነገር ይቖፅሮ ነይሩ።ሓሊፉ ተሪፉ ናብ ማእሰርትን ምንግልታዕን ህይወት ምስኣንን ዘብፅሕ ነይሩ። ሕቶ በሪ ባሕሪ ዘልዓሉ ምሁራን ሓዊሱ ንብዙሕ ላዕልን ታሕትን ምንግልታዕን ተዳሪጎም ‘ዮም።

ሐዚ ግና መንግስቲ ባዕሉ ምልዕዓል ገይሩ ሕቶ ዘበናት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያውያ ንምምላስ ብርክት ዝበሉ ፃዕርታት እናገበረ ‘ዩ። ሎሚ ቕነ ምስ ሶማሌ ላንድ ዝተፈራሞ ሰነድ መርኣያ ናይዚ ፃዕሪ ‘ዩ።ስለዝኾነ ኹሉ ኢትዮጵያዊ መንግስቲ ዝጀመሮ ፃዕሪ ክሕግዝን ኢትዮጵያ ድማ ናብ ታሪኻዊ መሰላ ክትምለስ ልዕሪ ክገብር ይግባእ።እቶም ዝተጀመሩ ፃዕርታት ከፍርዩ ዝኽእሉ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሰላም እንትህሉ ‘ዩ።ኣብዝን ኣፍትን ዘለዉ ጎንፅታ ጠጠው ክብሉ ይግባእ።ዕብየት ኢትዮጵያ ዘይደልዩ ወገናት ሓጓፋትና ተጠቒሞም ዝጀመርናዮ መሰል ምርካብ በሪ ባሕሪ ከየሰናኽሉና ሓድነትና ክጠናኸር ይግባእ።

በሪ ባሕሪ ብዝምልከት ሐዚ ኢትዮጵያ ኣብ ፅቡቕ መገዲ ትርከብ።ብምዃኑ ድማ ምስ ሶማሌ ላንድ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ፈላማይ ‘ምበር ናይ መወዳእታ ኣይኮነን።ኣብ ላዕሊ ከም ዝገለፅክዎ ኢትዮጵያ ዘልዓለቶ መሰል ሕቶ በሪ ባሕሪ ዓለምለኸ ኹሎም ሕግታት ዓለም ዝድግፍዎ ‘ዮም። ኾይኑ ግና እስካዕ ሐዚ እዞም ዓለምለኸ ሕግታት ኣይተጠቐምናሎምን።እኳድኣስ ኾነ ተባሂሉ ተፃራሪ ትርጉም ሕጊ ብምሃብ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ከይህልዋ ተገይሩ ‘ዩ። ሐዚ ግና ኹሉ ነገር ናብ ትኽክለኛ ቦትኡ ዝተመልሰ ይመስል። ስለዝኾነ ሰላምና እስካዕ ዝሓለውናን ሓድነትና እስካዕ ዘጠናኸርና መሰል ምርካብ በሪ ባሕሪ ክነኽብር ንኽእል ኢና።

ትፕኢ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

መምህር በፍቃዱ ድሪባ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።

ኣብርሃ ሓጎስ፣ ሄርሞን ፍቓዱ

ወጋሕታ 2 ጥሪ 2016 ዓ.ም

Recommended For You