ባህላዊ መግብታትን ስርዓት ኣመጋግባን ብሄረ ኩናማ

ምግቢ ካብቶም መግለፂ ባህልታትና ዝኾኑ ሓደ ኮይኑ ካብ ከባቢና ሪሕቅና ኣብ እንኸደሉ እዋን ‘ውን ልክዕ ከም ቤተሰብና፣ ዝዓበናሉ ማሕበረሰብ፣ እንዝክረሉን ባህላዊ ምግብና ‘ውን ጣዕሙን ሽትኡን ይዝከረና ንናፍቆ ‘ውን።

በዚ መሰረት ሓደ ማሕበረሰብ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ዝግለፀሉ ባህላዊ ኣመጋግባ ኣለዎ ‘ዩ። ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ብብዝሓት ካብ ዝፈለጡን ሓደ እዋን ጋዜጠኛ ደስታ ገብረመድህን ገለ ካብ ባህላዊ ምግብታት ትግራይ ኢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከምዝዘርዘሮም ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ:- ባህላዊ ዓይነታት ምግቢ ጣይታ /እንጀራ/፣ ሕምባሻ/ጎጎ/፣ ሕብሽቲ/ጓጉባ/፣ ብርኩታ፣ ኣባ ዘማርያም፣ ቃተኛ፣ ገዓት፣ ጥሕሎ፣ ቕጫ፣ ፎኸኽታ፣ ሃንዛ፣ ጦሮሾ፣ ፍራሮ/ጥሕኒ/፣ ጡቕጡቖ/ሙጎ፣ ሕስዮ፣ ፅልዖ /ህንኩቶ/ ትኩሻ፣ ኣኮቻ፣ ባሸላ (ምግቢ ኩናማ) እናበለ ይቅፅል።

ካብ ዓይነታት ፀብሒ ድማ ዝግኒ /ቀይሕ ፀብሒ/፣ ቅልዋ፣ ድውለት/መዓንጣ ሓሙት/፣ ፀብሒ እንጣጢዕ፣ ሰሊጥ/ሱፍ ፍትፍት፣ ሽሮ፣ ደርሆ፣ ሕልበት፣ ሓውዞ፣ ግዕዝም፣ ክክዕ፣ ሓምሊ፣ ድንሽ፣ ዱባ፣ ደቖቖ፣ ብርሽን፣ መረቕ ስጋ፣ ኣዋዘን ከምኡ ‘ውን ካብ ዓይነታት መስተ ድማ:- ስዋ/ዱቃ/፣ ሜስ፣ ኮረፌ፣ ብርዚ፣ ኣባዕኸ፣ ቡን፣ ፀባ፣ ርጉኦ፣ ኣጅቦ፣ ማጨባ፣ ዓውሶ (ሕቛን) ዳጋን ኣይፋን (መስተ ኩናማ) ካልኦትን ይርክርብዎም።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ትኹረት ፅሑፍና ኣብ ዛዕባ ናይዞም ኩሎም ዝተዘርዘሩ ዓይነታት ምግብን መስተን ትግራይ ንምፅሓፍ ዘይኮነስ ካብቶም ዝተዘርዘሩን ተመሳሳልን ዝኾኑ ዓይነታት ባህላዊ ምግቢ ብሄር ኩናማን ብፍላይ ስሩዕን ዘይስርዑን (ኣብ እዋን ድርቅ ዝዝውተሩ) ዝተወሰኑ ዓይነታት ባህላዊ ምግቦምን ስርዓት ኣመጋግብኦምን ገለ ንምባል ‘ዩ።

ከምዝፍለጥ ህዝቢ ኩናማ ካፍቶም ቀዳሞት ዓሌት /super family/ nilo sahran ዘርኢ ኒላዊ ተባሂሎም ካብ ዝፅውዑ ዓሌታት ዝመፀ እንትኾን ኣብ ብበዝሒ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኤርትራን ዝነብር ‘ዩ:: ዓበይቲ ተወለድቲ እዚ ብሄረሰብ ከም ዝብልዎ መበቆል ብሄረሰብ ኩናማ ኣክሱም ከም ዝኾነ ቅድሚ ዓሌታት ኩሽን ሴማውያንን ናብ ቀርኒ ኣፍሪካ ምምፅኦም ይገልፁ::

ብሄረሰብ ኩናማ ኣብ ትግራይ ዞባታት ምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብን ትግራይ ይርከብ። እዚ ህዝቢ ቑፅሩ ውሑድ እንተኾነ ‘ውን ባህሉን ታሪኹን ግና ብዙሕ ከምዝኾነ ‘ዩ ገለ ሙሁራት ዓውዲ ታሪኽ ዝገልፁ። ህዝቢ ኩናማ ብዙሕ ባህልን ታሪኽን ዘለዎ ህዝቢ እንተኾነ ‘ውን ክንድቲ ዝድለ ዘይተፀሓፈሉን ዘይተዘረበሉን ህዝቢ ከምዝኾነ ‘ውን ዝፍለጥ ‘ዩ።

ኣብ ባህላዊ ስርዓት ኣመጋግባ ብሄረ ኩናማ ፍልይ ካብ ዝብሉን ጠቀምትን ካብ ዝኾኑ ሓደ ቆልዑት ንድራር ወለዲ ክፀበዩ የብሎምን ዝብልን ንህፃናት ቀዳምነት ዝህብ ካብ ወለዲ ዝፀንሓ ልምዲ ‘ዩ። ቆልዑት ተደሪሮምን ምፅጋቦም ድሕሪ ምርግጋፁ እቲ ዝተረፈ ዓበይቲ ንክበልዑ ይግበር። እዚ ድማ ካብቶም ፅቡቃት ዝብሃሉ ባሕሊ ማሕበረሰብ ኩናማ ‘ዩ። እዚ ዝትግብርዎ ድማ ከም ባህሊ ኮይኑ ስለዝፀነሖም ጥራሕ ስለዘይኾነስ ሐዚ ‘ውን እቲ ልምዲ ካብ ልቦም ስለዝኣምኑሉን ክገብርዎ ደስ ስለዝብሎምን ‘ውን ‘ዩ።

ኣብዚ ልዕል ኢሉ ንምግላፅ ከምዝተሞከረ ባህላዊ ምግብታት ብሄረ ኩናማ ካብ ዝኾነ ሓደ ምግቢ “ትኩዳ” ወይ “ትኩሻ” ዝብሃል ካብ ስሩዕ ባሕላዊ ዓይነት ምግቢ ሓደ ኮይኑ፤ ናይዚ ምግቢ መባልዕቲ ፀብሒ ድማ “ዳባላ” ይብሃል። እዚ መባልዕቲ ፀብሒ ካብ ነቂፁ ዝተጠሓነ ቆፅሊ ዲማ ዝዳለው ኮይኑ፤ ዝተፈላለየ ዓይነታት ፀብሒ ዳባላ ድማ ኣሎ። ገለ ገሊኡ “ዑብ” ካብ ዝብሃል ኣብ ዋልካ ከባቢ ዝቦቅል ኮይኑ እዚ ‘ውን ብርሑሱ ተመቲሩ ደሪቁ ምስተጠሓነ ዝስራሕ ኣይነት ፀብሒ ዳባላ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ከም ባሸላ ዝበሉ ምግብን ካልኦት መግብታቶምን ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢኦም እንጀራ ዝብሃል ኣብ ዘይፈለጠሉ እዋን ስሩዕ መግቢ ኮይኑ፤ እዚ ምግቢ ድማ ሓይሊ ወሃቢ ዓይነት መግቢ ከምዝኾነ ‘ውን ይሕበር። ብተመሳሳሊ ከም “ዳጋን” “ኣይፋን” ዝበሉ መስተታት ኩናማ ‘ውን ካብ ባህላዊ ዓይነታት መስተታቶም ‘ዮም።

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ከምዝ ሐዚ ኣብ ቡዙሕ ከባቢታት ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ድርቂ ኣብ ዘጋጥምን እኹል ምህርቲ ኣብ ዘይርከበሉ እዋን ድማ ናይ ባዕሉ ዓይነት ኣመጋግባ ኣለዎም። ኣብዚ እዋን ካብ ዝምገብዎም ድማ ከም ኤሳ፣ ኦሳን ሽንጋላ ብትግርኛ መቂዕ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቆፅሉ ከም ሓምሊ ኾይኑ ንምግብነት ዝውዕል ኮይኑ፤ እቲ ፍረኡ ድማ ተማፂው ዝብላዕ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብኡ ብዝሓለፈ እቲ ፈረ መቂዕ ተቀጥቂጡ ዝወፅአ ድማ ዘይቲ ንክወፅኦ ብምግባር ንምግብነት ይውዕል።

ኣብ ስርዓት ኣመጋግባ ባህሊ ኩናማ መቂዕ ካብ ንምግብነት ካብ ምውዓሉ ብተወሳኺ ንዝተፈላለየ ግልጋሎት ይውዕል ‘ዩ። ካብዚ ከም መድሓኒት ንዝተፈላለዩ ሕማማት ከምዝውዕል ኩናሞቶት ወለዲ ይገልፁ። ንኣብነት ፍረ መቂዕ ንቁርፀት ከብዲ መድሓኒት ኮይኑ ከምዘገልግል ይፍለጥ።

ካልእ ብኩናምኛ “ሽኩታ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ካብ ፍረ ጋባ ዝስራሕ ኣይነት ምግቢ ኮይኑ፤ ፍረ ጋባ ኣብ ሞጉእ ተወቂጡ ተነፍዩ ዝወፅእ ሕሩጭ ተቀጭቅጩ ክሳብ ዓመት ‘ውን ክፀንሕ ዝኽእልን ኣብ እዋን ፀገም ወይ ከምዚ ሐዚ ዘሎ ድርቅን ጥምየትን ክፍጠር ከሎን ምግቢ ካብ ዝውዕሉ ዓይነት ምግቢ ሓደ ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ ድርቂ እዋን ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ተኽልታት ንምግብነት ብምውዓል ድርቂን ጥምየትን ዝሰግሩሉ ፅቡቅ ልምዲ ‘ዩ።

ስልዚ ከምዚ ዝበሉ ልምድታት ከምዚ ሐዚ ኣብ ብዙሓት ከባቢ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ድርቂ ንምስጋር ዝጠቅም ልምዲ ‘ዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ብተመሳሳሊ ኣማራፂ ምግብታትና ንምስፋሕ ‘ውን ፅቡቅ ዕድል ዝፈጥር ብሙዃኑ ብሰብ ሞያ መግብን ብኻልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ትኹረት ተዋሂብዎ ክበረታታዕን ክሰፍሕን ዝግባእ ልምዲ ‘ዩ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 25 ታሕሳስ 2016

Recommended For You