መንነትኻ ተረዲእኻ ንኻልኦት ንምርዳእ ዝዓለመ ሃገራዊ ፃውዒት

ኢትዮጵያ ብዙሓት ሃይማኖታውን ባህላውን ባዓላት ዝኽበረላ ሃገር ‘ያ:: ኣብዚ ትርኢት ብዙሓት ናይ ህዝብታት ነበራት ስልጣነታት ዘርእዩ፤ መሰረት ታሪኽ ዘንፀባርቑ ሃፍትታት ብብዝሓት ዝንፀባረቑ ‘ዮም:: ኢትዮጵያ ብተፈጥሮ ብባህሊ ፣ብስነፅሑፍ፣ ውፅኢት ጥበብ፣ ብቕርሲ ዝተዓደለት ‘ያ:: ናይ ብዙሕ ቱሪዝም መስሕብ ዝርከበላ ሃገር ‘ውን ከምዝኾነት ዝሕብሩ ብዙሓት ሓበሬታታት ኣለዉ:: ሰለስተ ሽሕ ዘመናት ዝተሳገረ ታሪኽን ናይ መስሕብ ሃፍቲ ሎሚ ‘ውን ግልፂ ብዝኾኑ መረዳእታት ብኽብሪ ተቐሚጦም ‘ዮም:: እዚ ሃፍቲ ናብ መስሕብ ቱሪዝም ንምቕያርን ካብዚ ‘ውን ተረባሒ ምስ ምዃን ተተሓሒዙ ገና ብዙሕ ስራሕቲ ትፅቢት ይግበር:: እዚ ሃፍቲ ንማሕበረሰብ ዓለም ቅድሚ ምፍላጥ ዜጋታት ብፍላይ ሓድሽ ወለዶ እዚ ሃፍቲ ብዝግባእ ንክፈልጥን መሰረት መንነቱ ንክግንዘብ ኣብ ምግባር ክስራሕ ይግባእ::

ባዓል ገዝኡ ዘየኽበሮ ንብረት ከምዝባሃል ናይ መንነትና መሰረት ዝኾነ ኢትዮጵያ ዝተብሃልናሉ ፍልፍል ኩርዓትና ዝኾነ ታሪኽ፣ ባህሊን መስሕብ ሃፍትን ኹላትና ብደንቢ ክንፈልጥ ይግባእ:: እዚ ክኾን ከሎ ‘ዩ ኽሳድና ቅንዕ ኣቢልና ፣ብድፍረትን ፍልጠትን ዝተረፈ ማሕበረሰብ ዓለም ‹‹ተኣንገዱልና›› ክንብል እንኽእል::

ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ትኹረቱ ብምግባር እናሰርሐ ይርከብ:: ብፍላይ ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ንክፈልጡ እናበረታተዐ ይርከብ:: ናይ ባዕልና ታሪኽን ተፈጥሮ መስሕብን ብምፍላጥ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ብምምፃእ እዚኦም ሃፍትታት ዑደት ንክገብሩ፤ ጥብቂ ርክብ ንክህለዎም እናገበረ ‘ዩ:: ነዚ ድማ ሚኒስተር ቱሪዝም ‹‹ኢትዮጵያ ክፈልጠኪ›› ዝብል መርህ ቀሪፁ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ሃገሮም ንክፈልጡ ጎስጓስ እናገበረ ‘ዩ::

ብፍላይ ብቀዳማይ ሚኒስትር ትውልደ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንክኣትዉን ባህሎምን ታሪኾምን ምትእስሳር ንክፈልጡ ፃውዒት ብምግባር ቅድሚ ኸዚ ዝነበረ ናይ ዑደት ርክብ መስመር ንምጥንኻር ፃዕሪ እናገበረ ‘ዩ::

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝነብሩ ‹‹ትውልደ ኢትዮጵያውያን›› ናብ ሃገሮም ንክመፁን ምስ ታሪኽ፣ ባህልን መንነቶምን ምትእስሳር ንክፈጥሩ ፃውዒት ቐሪቡ ‘ዩ:: ሚኒስተር ቱሪዝም ‘ውን እዚ ኣመልኪቱ እዞም ኢትዮጵያውን ናብ ሃገሮም ንክመፁን ዝተትሓዘ መርሃ ግብሪ መብርሂ ተዋሂቡ ‘ዩ:: ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝነብሩ ካልኣይ ወለዶ ንዝተገበረ ፃውዒት ዝተጣየሸ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ብኣካቢነት ዝመርሖ ሚኒስትር ሚኒስቴር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ንጋዜጠኛታት ከምዝበለኦ፤ ‹‹ናብ ትውልዲ ስፍራኹም ተመለሱ›› ዝብል ስም ዝተውሃቦ ካልኣይ ወለዶ ፃውዒት ኢትዮጵያውያን ብሰለስተ ዙር ዝካየድ ‘ዩ:: ግዜ ዕረፍቶም ስዒቡ ኣብ ሰለስተ ዙር ዝተኻየደ ፃውዒት ካብ 20 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ክሳብ መስከረም 2017 ዓ.ም መጨረሻ ከምዝካየድ ተፈሊጡ ‘ዩ::

በዚ መሰረት ድማ ፈላማይ ዙር ምስ ብዙሕ መሰረት ባህሊ (Connect to Culture) ንክራኸቡ ፃውዒት ዝቐረበ እንትኾን ካብ ታሕሳስ 20 ክሳብ 30 ዝካየድ ‘ዩ፤ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ካልኣይ ወለዶ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ብምእታው ዝተሰርሑ ስራሕቲ ንክዕዘቡን ዑደት ንክገብሩን ዝዓለም ‘ዩ:: እዚ ድማ ብክርስትና እምነት ተኸተልቲ ናይ ልደትን ጥምቀትን ዝኽበረሉ እዋን ብምዃኑ ነቲ መርሃ ግብሪ ተግባራውነት ንክኾን ምችው ግዜ ‘ዩ:: ኣብ ናይ መጀመርያ ዙር ናይ ኢትዮጵያ ሰሙን ዝብል መርሃግብሪ ከምዝካየድን ድምፅታት ኢትዮጵያ ብዝሃነትን ዝገልፁ ተግባራት ከምዝህልው ‘ውን ተፈሊጡ ‘ዩ::

ካልኣይ ዙር ዝካየድ ትውልደ ኢትዮጵያውያን መርሃ ግብሪ ድማ መሰረት ታሪኾም ይፍለጡ (Con­nect to History)” ዝብል ‘ዩ:: እዚ መርሃግብሪ ካብ ለካቲት 20 ክሳብ ሚያዝያ 30/2016 ዓ.ም ከምዝካየድ ተገሊፁ ‘ዩ:: ካልኣይ ወለዶ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሃገሮም ተረኺቦም ታሪኾም ዝርድእሉን ዝፍለጥሉን ከምዝኾን፤ ብፍላይ ምስ ባዓል ዓድዋ ዝተተሓሓዘ ታሪኾም ንክፈልጡ ዝሕግዝ ‘ዩ ::

ሳልሳይ ዙር ‹‹ኣሰሮም የንብሩ ግዜ ዕረፍቶም የጠዓዕሙ›› ዝብል ስም ዝተውሃቦ እንትኾን ካብ 10 ሰነ ክሳብ 20 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ካልኣይ ወለዶ ኢትዮጵያውያን ክፍሊ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ሃፍቲ ሃገር ዑደት ብምግባር፤ ኣብ መዛናግዒ ቦታታት ግዜ ዕረፍቶም ብምሕላፍ ፃንሒት ከምዝገብሩ ኣፍሊጠን ‘የን::

ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝነብሩ ካልኣይ ወለዶ ኢትዮጵያውያን ፃውዒት ዝተገበረሉ ምኽንያት ፍቕሪ ሃገሮም ንክጥንክር ምስ ሃገሮም ዘለዎም ምትእስሳር ‘ውን ንክጥንክር ንምኽኣል ‘ዩ ክብላ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን እየን:: ፃውዒት ተቐቢሎም ናብ ሃገሮም ንዝመፁ እዞም ኢትዮጵያውያን ብናይ ኢትዮጵያ ኣየር መንገድ ትኬት ቅነሳ ከምዝግበረሎም ተገሊፁ ‘ዩ:: ሆቴላት ትካላት ዑደት ኣካየድቲ፤ ኣቕረብቲ ግልጋሎት ትራንስፖርት ፍሉይ ምቕናስ ዋጋ ገይሮም ንምትእንጋድ ከምዝተዳለዉ ተዛሪበን ‘የን:: ብፍላይ ናብ ሃገር ውሽጢ ኣብ ዝኣትዉሉ እዋን ምንግልታዕን ኣድላይ ዘይኾኑ ነገራት ከይገጥሞም ዝተቐላጠፈ ግልጋሎት ጉምሩክን ኢሚግሬሽን ንምሃብ ዘኽእሉ ኩነታት ከምዝተመቻቸዉ ‘ውን ገሊፀን ‘የን::

ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝነብሩ እዞም ትውልደ ኢትዮጵያውያን ምስ ሃገሮም ንክቀራረቡ ስራሕቲ ክሰርሑ ፀኒሖም ‘ዮም፤ ዝበላ እተን ኣምባሳደር ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ፃውዒት ቀሪብሎም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመፁ ኣዘኪረን እየን:: ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ወፃኢ ሃገር ተረኺቦም እዞም ማሕበረሰብ ክፍልታት ብምርካብ ዘተ ከምዘካየዱን ካብዚ ዝተልዓለ ምልዕዓል ተፈጢሩ ትውልደ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ብምምፃእ ምትእስሳር ተፈጢሩ ‘ዩ ኢለን::

ከም ገለፃ እተን ሚኒስትር፣ ቅድሚ ኸዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንክመፁ ምግባር ተኻኢሉ ‘ዩ:: ኾይኑ ግና ቕብብል ወለዶ ግድን ብምዃኑ ካልኣይ ወለዶ ዲያስፖራ ትኹረት ምግባር ኣድላይ ኾይኑ ‘ዩ:: በዚ ድማ ንሳቶም ናብ ሃገሮም ንክመፁ ምእንጋድን ምስ ናይ ወለዶም ሃገር፣ ባህሊ ታሪኽን ምፍላጥን ጥብቒ ምትእስሳር ንክህልዎም ምግባር ኣድላዩ ‘ዩ:: እዚ ምግባር እንድሕር ዘይተኻኢሉ ኣብ መንጎ ወለዶ ቅብብል ንከይህሉን ክፍተት ንክፍጠር ምኽንያት ዝኾን ‘ዩ::

እዚ ሃገራዊ ፃውዒት ዝርዝር ዕላማ ከምዘለዎ ተገሊፁ ‘ዩ:: ኣብ መንጎ ወለዶ ድልድይ ምህናፅ ዓብይ ትኹረት ዝተውሃቦ ጉዳይ ‘ዩ:: ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ዘሎ ክፍተት ንምፅባብ ከምኡ ‘ውን ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ዜጋታት ምስ ኢትዮጵያ ባህሊ፣ ታሪኽ፣ልምዲ ዝተፈላለዩ ፀጋታት ንከይረሓሓቁ ምግበር ኣድላይ ከምዝኾነ ኣልዒለን እየን:: ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ልምዲ ከምዘሎን፤ ከም እስራኤልን ቻይናን ዝኣመሰሉ ሃገራት ከምዚ ዓይነት ፕሮግራም ብምቕራፅ ወለዶ ምስ ሃገሩ ጥብቒ ዝኾነ ርክብ ንክህልዎም ምግባሮም ተረባሕቲ ከምዝገበሮም ገሊፀን::

ትውልደ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንክመፁ ዕላዊ ፃውዒት እንትገብር እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን:: ቅድሚ ኸዚ ብምኽንያት ኮቪድ ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ዝፈጠሮ ፅዕንቶ ንምንቅቃሕ ከምኡ ‘ውን ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ዜጋታት ምስ ሃገሮም ዝጠበቐ ርክብ ንክህልዎም ንምኽኣል ዝዓለመ ናብ ሃገሮም ንክኣትዉ ፃውዒት ተገይሩ ነይሩ:: በዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽበሩ ዓመታዊ ሃይማኖት ባዓላት፤ ባህላዊ ፌስቲቫል ትውልደ ኢትዮጵያውያን ንክመፁ ተገይሩ ነይሩ:: ሓደ ሚልየን ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ብምእታው ኣጋርነቶም ኣሪኦም ‘ዮም:: ኣብቲ እዋን ድማ ብዙሓት ቅድሚ ኸዚ ናብ ዘይፈልጥዎም ቦታታት ኸይዶም ባህሊ፣ ታሪኽ ተፈጥሮ ምርኣይን ስለ ሃገሮም እኹል ፍልጠት ክረኽቡ ተገይሩ ‘ዩ:: ግዜ ዕረፍቶም ብምዝንጋዕ ምስ ወገኖም ብምዃን ኣሕሊፎም ‘ዮም:: ናብ ዝመፅዎ እንትምለሱ ድማ ንዝተረፈ ዓለም ኢትዮጵያ ብኣንባሳደርነት ወኪሎም ኣፍሊጦም ‘ዮም::

በዚ ስራሕ ንብዙሓት ዕድል ስራሕ ካብ ምፍጣር ብዝዘለለ ዝተዘሓሓለ ዘፈር ቱሪዝም ዳግም ንክላዓል ዓብይ ስራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ:: ነዚ ‘ውን ‘ዩ ቅብብል ወለዶ ንምቕፃልን ትውልደ ኢትዮጵያውያን ናይ ርሕቐት ስሚዒት ንከይስመዖም እዚ ንቐፃሊ ‘ውን እዚ ፃውዒት ንክቕፅል ዝተደለየ:: ኢትዮጵያውያን ፀላኢ ብሓድነት ኣውዲቖም ልኣላውነቶም ንምኽባር ብሓባር ጠጠው ዝብሉ ከምዝኾኑ ኣብዚ ሃገሮም መፂኦም ካብ ዓወት ዓድዋ ታሪኽን ካልኦት ሃፍቲ ታሪኻት ‘ውን ክግንዘቡ ኣለዎም ዝብል እምነት ኣለና:: ንሶም ‘ውን ናይዚ ታሪኽ፣ ባህልን ሃገርን ባዓል ዋና ስለዝኾኑ እዚ ንክፈልጡ እዚ ሃገራዊ ፃውዒት ብጣዕሚ ኣድላይ ከምዝኾነ እሙን ‘ዩ::

እዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ዝተፈለላዩ ክልላት ‘ውን እዚ ዕብየት ቱሪዝም ንክዓብን እቲ ሃገርካ ምፍላጥ ጎስጓሱ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ንክኸውን እናተሰርሐ ‘ዩ:: በዚ መሰረት ድማ ብምኽንያት ኹናት ተሃስዩ ዝነበረ ቱሪዝም ክልል ትግራይ ዳግም መጀመሪ መርሃ ግብሪ ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ ‘ዩ:: ንዓመታት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ንምጅማር ኣብቲ ክልል በቲ ዘፈር ዝተዋፈሩ ሰብ ግደ ኣካላት ዘሳተፈ ዕላዊ መጀመሪ ቱሪዝም መርሃ ግብሪ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ከምዝተሳለጠን እዚ ድማ እቲ ፃውዒት ስዒቡ ትውልደ ኢትዮጵያውያን ናብ ትግራይ ብምኻድ ታሪኻዊ ቦታታት ዑደት ብምግባርን ኣብ ምንቅቃሕ ቱሪዝም ናይ ባዕሎም ግደ ክፃወቱ ‘ዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር::

ኣብቲ መርሃ ግበሪ መኽፈቲ መደረ ዝገበሩ ሓላፊ ቢሮ ቱሪዝም ክልል ትግራይ ዶክተር ኣፅብሃ ገብረእግዚአብሔር ከምዝበልዎ ፤ ኣብቲ ክልል ብዝዓሰለ ኣንፃራዊ ሰላም መስሕብ ቱሪዝም ዝኾኑ ቦታታት ካብ ዝኾነ ዓይነት ስግኣት ነፃ ምዃኖም ንዘፈር ቱሪዝም ፅቡቕ ዕድል ፈጢሩ ‘ዩ ኢሎም። ካብ በዓል ኣሸንዳ ጀሚሩ ቱሪስታት እናመፁ ዝነበሩ እንትኸውን እኹል ምድላው ብምግባር ናይቲ ክልል ዘፈር ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ዘኽእል ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም ‘ዮም። ሚኒስቴር ቱሪዝም ዘዳለዎ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ካብ 18 ክሳዕ 21 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝተኻየደ ዝዝከር ‘ዩ:: እዚ ድማ ኣብ ምንቅቃሕ ቱሪዝም እቲ ክልል ዓብይ ለውጢ ከምፅእ ከምዝኽእል ይግመት::

 መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 25 ታሕሳስ 2016

Recommended For You