ታሪኽ ኣብ ኪነ ጥበብ እንትስነድ

ኪነ ጥበብ ካብ ብዙሕ ጥቅምታቱ ሓደ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ እምነትን ኣነባብራን ሓደ ማሕበረሰብ ዓቂቡ ንቀፃሊ ወለዶ ምምሕልላፉ ‘ዩ እንተተብሃለ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይከውንን።

ኣብ ሓደ እዋን ዝነበረ ኩነታት መነባብሮ፣ ድልየት፣ ኣተሓሳስባ፣ ስምዒትን ብሓፈሻ ታሪኽ ሓደ ማሕብረሰብ ኣብ ማሰ፣ መልቅስ፣ ደርፍን ብሓፈሻ ኣብ ኪነ ጥበብ ተዓቂቡ ሕሉፍ ኩነታት ነቲ ቀፃሊ የመሓላልፍ ‘ዩ። በቲ ዝተመሓለፈ መልእኽቲ መሰረት ድማ ሓደ ወለዶ ካብ ዝሓለፈ ሕማቅ ይኹን ፅቡቅ ታሪኽ ቀዳማይ ወለዶ ንክሓትት፣ ክፈልጥን ክምሃርን ይገብር።

ብዙይ መሰረት ኣብ ኪነ ጥበብ ተሰኒዶም ካብ እንረኽቦም ገለ ታሪኽና ሓደ ኣብ 1977 ዓ.ም ዝነበረ ሕማቅን ከቢድን ታሪኽ ድርቂ ሃገርና ብፍላይ ትግራይ ኮይኑ፤ እቲ ዝነብረ ድርቂ ክንድ ምንታይ ከቢድ ከምዝነበረን እቲ ህዝቢ ዘሕለፎ ስቃይን መከራን ከመይ ከምዝነበረ ብዘርኢ መልክዕ ኣብ ኪነ ጥበብ ተሰኒዱ ይርከብ።

ብፍላይ ብተጋዳላይ ኣርቲስት እያሱ በርሀ “ዘራጊት ስድራና ድርቂ ማንታ ደመኛ ብሓቂ” እትብል ስምዒት ብዝነክእ ግጥምን ዜማን ዝተሰርሐት ሙዚቃ ዘመን ዘየህስሶ ናይዚ ዓብይ ምስክር ‘ዩ ምባል ይክኣል።

ኣርቲስት እያሱ በርሀ ፍሉይ ብቅዓት ጥበቡ ተጠቂሙ ኣብቲ እዋን ነዝነበረ ከቢድ ድርቂ እንታይ ይመስል ከምዝነይረ ብከመይ ገሊፅዎ እስቲ ንርኣይ:-

“ዘራጊት ስድራና ድርቂማንታ ደመኛ ብሓቂ

እምባሕ የለን ደሪቁ ኣሳውሕና

መዓል ኣዛብእ ኮይኑ መዋፍርና

ድሕሪ ኩሒል ጠዋርን የብልና

ብዕራየ ብዕራየ ኣይንዓ ኻእንድየ

ኣንታ ቀላብየ ኣንታ ኸዳንየ

ዘበን ከፊኡዶ በይነይ ጠሊምካኒ

ኣካሒዳ ኮይኑ በይነይ ገዲፍካኒ

ሰኣን ጠሊ ዶታ ራሕሲ ናይ በረኻ

ኣንጉዕኻ ፈሲሱ አዒምካ ተሪፍካ

ንዓይ ይስጠሓኒ ተሰጣሕካ ኣብ ቅድመይ” ብምባል፤ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ድርቂ ሰውሒ ደሪቁ እንስሳት ዝበልዕኦ ሳዕሪ ስኢነን ከምዝተውድኣን ኣብቲ መዋፈሪ ቦታ ኣብ ክንዲ እተን እንስሳት ኣዕፅምተን ዝኣራርዩ ኣዛብእ ከምዝበዝሑ ብምሕባር፤ ድሕሪ ሙማት ከፍቶምን ኣብዑሮምን ናብራ ሓራስታይ ብጣዕሚ ከምዝኸበደ ይሕብር።

ብምቅፃል ድማ ውሽጥን መረባን ገዛ ሓረስቶት ቅድምን ድሕርን እቲ ድርቂ እንታይ ከምዝመስል ብንፅፅር ብምግላፅ ብዙሕ ተዘክሮታት ዘሕለፈሉ ገዝኡ ከይፈተወ ተገዲዱ ዓይኑ ኣቁፀርፂሩ ዓኾር ደርብየልኪ ከድኩ ብምባል መንደሩ ገዲፉ ክስደድ ከምዝተገደደ ከምዚ ክብል ይገልፆ :-

“ መርዓት ዓውዲ ዳንዴር ቦቍሉዋ

መክፈል ላጋ ሳርየት ወሪርዋ

ጎጆ ዓንዩ ታይከ ኣለዎ ፅዋ

ጎጆየ ጎጆየ ውሻጠ ገዘየ ኣንቲ ክብረት ናተይ መዓርግ ዕያለየ

ዓውዲ ኣብ ድሕሪ ቤተይ ከምዘየከድኩልኪ

ጓጉድ ፀባ ከፍተይ ከምዘይመላእኩልኪ

ዳሰይ ደደስዲሰ መርዓ ደርዓ ደቀይ ከምዘየሕለፍኩልኪ

ዘበን ከፊኡ’ዶ ቆፋፋ ጋሕ ኢሉ ንጋፍ ክስእነልኪ

በሊ ከድኩ ኣነ ዓኮር ደርብየልኪ

መገዛእ ገዛይዶ ጓና ክኮነኪ ዓይነይ እባ ደም መልአ ቁልሕ ከይብለኪ።

ኣርቲስት እያሱ በርሀ በዚ ኣየብቅዓን እቲ ዝነበረ ድርቂ ጥራሕ ዘይኮነስ ጥምየት ከምዝነበረ ከምዚ ክብል ስምዒትካ ብዝነክእ ኣብሪህዎ ‘ዩ። ፀበል ሓረስታይ ቀውዒ ሐሪሙና

ወይከ ትቁርጠም ትልሓስ ስኢንና

ዘርኢ ፈሲሱ ቀርዩ ኣብ ቆፎና

ዓውደየ ገርሆየ ፍርያት ናይ ቃልሰይ

ኣይሳላኪ እንዶ’ቲ መሪፀ ዝበልዕ ሰብ ኮይነ ዝኮርዕ

ሓሪሰ ኣለስሊሰ ከምዘይደኳዕኵኪ

ዋልካ ለሰ ገርሆይ ሎሚ’ባ ጠሊምኪ

ዳጉሻ ሃጕጉ ጣፍውን ሃፊሱ ፤

ዓተር’ውን ተሪፋ ድንኩል ተተርኢሱ

ኣፈይ ይፀዊሎ ናይ ዓሚ ኮሊሱ። ብምባል ኣብዚ እዋን ዝልሓስ ዝቅመስ እኽሊ ከምዘይነብረን ዓቅሚ ዘይብሎም ህፃናት ከምዝሞቱን እቲ ዝተረፈ ድማ ብደሓን ግዜ ዝበልዖ የፅንሖ ከምዘሎ ከምዚ ክብል ይገልፅ:-

ህፃውንቲ ከም ቆፅሊ ረጊፈ ፤

ሸዊት ዝዕድሚኦም ተይሓለፈ

ሰኣን እክሊ እባ ኣንታ ኩሉ ተረፈ

ዝገንዞ’ኳ የለ ሬሳ ኣብ ጎኒ ማእሱ

እምኒ ኮይኑ ይሓድር እምኒ ተተርኢሱ

ቁሸታት ባዲመን ገርገራ ፈሪሱ

ኣዶ ኣብ እግሪ መቂዕ ወዳ ምስ ሓቆፈት

ህፃን ክተዕንግል ንየን ነዘን ክትብል ፤

ካብ እክሊ ቀዲሙ ኣያ ሞት ይምጥል።

እቲ ኣርቲስት ኣብቲ እዋን ዝነበረ ጥምየት ብዝንታው ጥራሕ ‘ውን ደው ኣይበለን ካብኡ ቅድም ኢሉ ዝነበረ ካሊእ ተመሳሳሊ ታሪኽ ብምዝኽኻር ብ1951 ዓ.ም በጠቆ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከምዝኾነ ኮይኑ ክብል ታሪኽ ብምውካስ ከምዚ ዝስዕብ ይገልፅ:- ከም ወዮ በጠቆ ከምቲ 51 ኣካሒዳ ኮይኑ እዋን ክፋእ ዘመን

ደም ነቢዓ ጎርዞ ህፃን ካብ ሕቁፎኣ ክትፈሊ እንትትፍትን

ናይ ናተይስ ናተይ ፅኑዕ ኣርግፅኒ ፤ ምርሕኒ እስቲ ብርከይ

እታ ውድበይከ ፍጥረት ትግራይ ሒዛ ናበዳነይ ትእቶ።

ታሪኽ ባዕሉ ይደግም ከምዝብሃል ሎሚ ‘ውን ብዘሕዝን ኩነታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብፍላይ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ኣጋጢሙ ባዕሉ እቲ ክፉእ ታሪኽ ተደጊሙ ንሰምዖን ንሪኦን ኣለና እሞ፤ ኣብዚ መከራ ስቃይን ጥሒሎም ዘለው ኣሕዋትና ካብ ኣፍ ሞት ንምትራፍ ብዝተኽኣለና ኩሉ ግደና ንዋፅእ ምስ ዝብል መልእኽቲ ኣብዚ የብቅዕ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 11 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም

Recommended For You