“ኣውሮፕላን ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣትው ጀሚሩ ካብ መንግስቲ ናብ መንግስቲ ምስ ውፃእ ውረዱ ተሻጊሩ ኣብዚ በፂሑ ኣሎ” -ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ፣ ዋና አዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ

መበል 88 በዓል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምኽንያት ብምግባር ናይ ሎሚ እዋናዊ ዓምድና ምስ ናይቲ ትካል ዋና አዛዚ ዝኾኑ ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ካብ ዝተገበረ ቃለ መሕትት ዝተወሰነ ክፋሉ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ሕቶ:- ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝምስረት ናብ 88 ዓመታትን ኣቁፂሩ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ናይ 88 ዓመታት ጉዕዞ እንታይ ይመስል?

ሌተናል ጀኔራል ይልማ፡– ናብ ኢትዮጵያ ውሺጢ ኣውሮፕላን ዝኣተወት ቅድሚ 88 ዓመት ‘ዩ። ሓደ ሓደ ሃገራት ኣውሮፕላን እንታይ ከምዝመስል ኣብ ዘይፈልጥሉ እዋን ኣንሕና ግና ኣውሮፕላን ተዓጢቅና ነይርና። ንፈለማ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣውሮፕላን ዝዓረፈት ነሓሰ 12 1921 ዓ.ም ዩ። ብድሕሪኡ ዝተፈላለዩ ኩነታት ነይሮም ‘ዮም።

እታ ናይ መፈልምታ ኣውሮፕላን ምስ መፅአት ፖስታን ሰበ ስልጣንን ናይ ምምልላስ ስራሕ ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ ኣብ ውግእ ‘ውን ተሳትፎ ነይርዋ ‘ዩ። ኣብ ሞንጎ ራስ ጉግሳ ወሌን ኣብቶም ንጉስን ዝነበረ ምጭቅጫቅ፤ ወረቀት ኣብ ምብታንን ቦንቢ ኣብ ምድርባይን ስራሕቲ ፈፂማ ‘ያ።

ብድሕሪኡ ብምኽንያት ወራር ጣልያን ዝኣተወ ዕጥቂ ሓይሊ ኣየር ብሙሉኡ ኣብ መሬት እናሃለወ ዓንዩ ‘ዩ። ድሕሪ ወራር ድማ እቲ ሓይሊ ኣየር ከም ብሓዱሽ ናይምምሕያሽ ስራሕ ብሓገዝ መንግስታት ስዊድንን ኣመሪካን ተሰሪሑ ‘ዩ።

ኣብ ዘመን ንጉስ ዝነበረ ሓይሊ ኣየር፤ ብፍላይ ናብ ናይ ምዕራባውያን ዕጥቂ ዘዘንበለን ምስ ምዕራባውያን ዝራኸቡ ዕጥቅታት ዝተዓጠቀ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ብጣዕሚ ዓብዪ ገድልታት ተፈፂሙ ‘ዩ። ናይ መፈለምታ ኣብ ኦጋዴን ንሶማሌ ወራሪ ዘፈሸሎ እዚ ትካል ‘ዩ።

መንግስቲ ደርጊ ናብ ስልጣን እንትመፅእ ለውጢ ርእዮተ ኣለም መፂኡ። ምዕራባውያን ኣብ ጎኒ ሶማልያ ኮይኖም ምድጋፍ ምጅማሮምን ኣንሕና ዝሓተትናዮም ዕጥቅታት ንምሃብ ፍቃደኛ ብዘይምዃኖም፤ መንግስቲ ደርጊ ናብ ምብራቅ፤ ናብ ሶሻል ሕብረት ዘይሩ ብዙሕ ዕጥቅታት ከም ሚግ ዒስራን ሓደን፣ ሚግ ዒስራን ሰለስተን ራዳራት ምዕጣቅ ተኻኢሉ። እዚ ብ1969ዓ.ምን ብ1970ን ዝነበረ ወራር ሶማልያ ምምላስ ዘኽአለ ‘ዩ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ድሬዳዋ ናይ ኣየር መዕረፊ ክልል (ኤር ቤዝ) ኢልና ክሳብ ዝመስረትናዮ ቦታ ናይ ሶማልያ ታንክታት ኣፍጫ በፂሐን ነይረን። ንዕአን ካብ ኣየር ናብ መሬት ብምቱካስ እቲ ውግእ ክንምልሶ ዝኸኣልና በዚ ይካል ‘ዩ። ከምዝፍለጥ ኣብ ዘመን ደርጊ ምስ ኤርትራን ወያነን ነኒ ባዕልና ኣብ ጦርነት ነይርና። በቲ ጦርነት ደርጊ እንትወድቅ ትካል ሙሉእ ንሙሉእ ፈሪሱ።

ግንቦት 1983 ዓ.ም በረርቲ በቢዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ተበቲኖም። ናብ ኬንያ፣ ዑጋንዳ፣ ጅቡቲ፣ ሶማሊያ፣ ሱዳንን የመንን ተበቲኖም። ሰብን ዕጥቅታትናን ብኡ መጠን ተበቲኖም ‘ዮም። ካብኡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ብዝተኽኣለ መጠን መሊሱ ናይ ምስብሳብ ስራሕ ተሰሪሑ። ስልጠናታትና ንምክያድ ሙከራ እናተጀመረ እናሃለወ ናይ ኢትዮ ኤርትራ ጦርነት መፂኡ።

ኣብ ኢትዮ ኤርትራ ጦርነት እታ ሃገርን ‘ቶም ዝነበሩ መራሕትን ካብ ድቃሶም ተበራቢሮም ‹‹እዚ ነገር የድሊ ድዩ ›› /ሓይሊ ኣየር / ኢሎም ንክሓስቡ ዕድል ዝፈጠረ ነይሩ። ሐዚ እንሪኦም ዝተወሰኑ ዕጥቅታት ከምብሓዱሽ ዝኣተው ሽዑ እዋን ‘ዩ ነይሩ።

እዚ ትካል ኣብ ኢትዮ ኤርትራ ጦርነት ልዑል ግደ ንክፃወት ዝገብሩ እዞም ዕጥቅታት ‘ዮም። ካሊእ ተሪፉ ቅድሚኡ እቲ ትካል ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጅሃድ ኣብ ዝኣወጀሉ እዋን ልዑል ጀግንነት ዝፈፀመ ትካል ‘ዩ።

ብፍላይ ካብ 2000 ዓ.ም ናብዚ ህንፀት ናይቲ ትካል ናብ ቁልቁል ዝኸደሉ ኩነታት ተፈጢሩ ነይሩ። ብድሕሪኡ ድማ እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ብዝሃቦ ትኹረት እቲ ሓይሊ ኣየረ ብሰብ ሓይሊ፤ ብዕጥቂ፤ በመሰረተ ልምዓት ዓርሱ እናሃነፀ ‘ዩ። ብሓፂሩ ኣውሮፕላን ናብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ካብ ዝኣትው ጀሚሩ ብዙሕ ታሪኻት ኣለው። ካብ መንግሥቲ መንግሥቲ ምስ ውፃእ ውረዱ ተሻጊሩ ኣብዚ በፂሑ ኣሎ ማለት ይክኣል።

ሕቶ:- ጦርነት ብሩሑቅ ንከትርፍ ከምኡ ‘ውን ብመንፅር ሓለዋ ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ሙዃን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ምንታይ ቁመና ይርከብ?

ሌተናል ጀነራል ይልማ፡– ጥንኩር ሓይሊ፤ ጥንኩር ሓይሊ ኣየር፣ ጥንኩር መከላኸሊ፣ ጥንኩር ሓይሊ ምድሪን ዝትሃንፅ ዘላ ብሰላም ንምፅናሕ ‘ዩ። ኣንሕና እንሃንፆ ብሰላም ንምፅናሕ ‘ዩ። እዚ ብኸመይ ኢኻ ተረጋግፆ ንዝብል፦

ቀዳማይ ዓቅምኻ ሪኡ ‘ዩ ሰብ መፂኡ ዝደራደረካ። ስለዝኾነ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ እንተሃልዩ፣ ቴክኖሎጂን ክሽከም ዝኽእል፣ ታርጌታት /ዒላማታት/ ብደንቢ ከይሰሓተ ምውቃዕ ዝኽእል በራሪ እንተሃልዩ፣ ነዚ ኣውሮፕላን ብልዑል ብርኪ ዝፅግን፣ ዝቅይር፣ ዘኽእል ሓይሊ ሰብ እንተሃልዩ፣ ብሓፈሻ ጥንኩር ዲስፕሊን ዘለዎ ሓይሊ ሰብ እንተሃኒፅካ፣ ምስ ሓይሊ ሰብ ድማ ነቲ ዘመን ዝምጥን ዕጥቂ እንተሃልዩ፣ ነዚ ዕጥቂ ድማ ዝምጥን መሠረታዊ ልምዓት እንተሃልዩ ዝኾነ ይኹን ትልዕል ኢሉ ኣይሓስበካን።

ሐዚ ብዘሎ ኩነታት ተዋጋእቲ ኣውሮፕላናት ፅቡቅ እየን ዘለዋ። ትራንስፖርት ኣውሮፕላናትና ፅቡቅ እየን፤ ድሮን ተዓጢቅና ኢና፣ ናይ ሳይቨር ዓቅምና ፅቡቅ ‘ዩ። እዚኦም ኩሎም እናሃነፅና ኢና ዘለና። እዚ ድማ ኣብዚ ደው ዝብል ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ነገራት ስለዝቀያየሩ።

ካሊእ ድማ ናይ ነዊሕ ዓመት ዕዳ እናኸፈልና ኢና ዘለና፤ ዕዳ ኢና እነወራርድ ዘለና። ሐዚ ‘ውን ሐዚ ክንኾኖ እንግባእ ቦታ ኣይኮናን ዘለና። ሐዚ ብዘሎ ብርኪ ዓቅምና ፅቡቅ ‘ዩ ምባል ይክኣል።

ሐዚ ብሰራዊትና፣ ብመንግስትን ብኣናን ብዝተሰርሐ ስራሕ ፅቡቅ ምምሕያሽ ኣሎ። ንዝኾነ ዝሕሰብ ነገር መልሲ ምሃብ ይክኣል ‘ዩ። ሓለዋ ክልል ኣየርና 24/7 ‘ዩ። 24/7 ዓይንና፣ ኣየር ክልልና እናሓለውና ኢና። ስለዝኾነ እዚ እንትሕሰብ ብጣዕሚ ኣብ ፅቡቅ ብርኪ በፂሑ ማለት ይክኣል ‘ዩ።

ሕቶ:- ልምምዳት ትርኢት ኣየር እናተገበሩ ከምዝኾነ ንርኢ ኣለና። ኣብ ልምምዳት ትርኢት ኣየር ናይ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬት ኣውሮፕላናት ዝሓወሰ ከምዝነበረ ኢና ርኢና። ሐዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬት ብሙኻን እናተገበረ ዘሎ ትርኢት ልምምድ ኣየር እንታይ ማለት እዩ?

ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ :- እዚ መበገሲ ናይ ክልቲኣን ሃገራትን ናይ ክልቲኣን መራሕቲ ሃገራት ዘሎ ውፅኢት ርክብ ዲፕሎማሲ ‘ዩ። ሐዚ ብብርኪ ዲፕሎማሲ ምስ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬት ዘሎ ርክብ ብልዑል ብርኪ ዓብዩ ናብ ብርኪ ኣሕዋት ሃገራት ዝበፅሐሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ዛዕባታት ስምምነት ገይርና ኢና።

ካብ ዲፕማሲ፣ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ ስምምዕነት ብዝሓለፈ ወታደራዊ ስምምነታት ‘ውን ገይርና ኢና። ብተወሳኺ ሓይሊ ኣየር ንሓይሊ ኣየር በጣዕሚ ብዙሓት ርክባት ኣለውና። ብዝተፈላለዩ ስልጠናን ልምምዳትን ‘ውን ንዓና ይዕድሙና ‘ዮም። ኣንሕና ‘ውን ኸይድና ንሳተፍ ኢና።

ኣብዚ ቀፃልነት ዘለዎ ንምኽባር መበል 88 መዓልቲ ሓይሊ ኣየር እንትንሓስብ ንምንታይ እቶም ብጣዕሚ ዝቀርባና ፈተውቲ ሃገራት ዘይንዕድሞም ኢልና ሕቶ ኣቅሪናሎም። ንሶም ‘ውን ኣይተወላወሉን። ኣይተወላወሉን ክንብል ከለና መጀመርትኡ ‘ውን እቲ ዝነበረ ዓቅምና ይፈልጡ ነይሮም ‘ዮም።

ብፍላይ ድማ እቲ ዘሎ ልማት መሰረት፤ ኣውሮፕላናትና ምትእንጋድ ምኽኣል ሓደ ዓቅሚ ‘ዩ። ንሶም ‘ውን ንዕኡ ስለዝረኣዩ፣ ስለዝፈለጡ። ካልኣይ ድማ ኩነታት ፀባይ ኣየር ኢትዮጵያ ብጣዕሚ ምችው ብምዃኑ ‘ውን ዕድመና ተቀቢሎም።

ዕድመ ምቅባል ጥራሕ ዘይኮነስ ሐዚ ኣብ “ኤር ሾው” ኣብ /ኣየር ትርኢት/ ንምስታፍ ዘለዎም ዓቅሚ ብሙሉኡ ካብ ሃገሮም ሒዞም መፂኦም። ሐዚ ሓቢርና ልምምድ እናገበርና ኢና ዘለና። ትርኢት ‘ውን ብሓባር ኮይንና ክንገብር ኢና።

እዚ እንታይ ማለት ‘ዩ ናይ ክልቲአን ሃገራት ብርኪ ርክብ ኣብ ልዑል ብርኪ ዝበፅሐ ምዃኑ ዘርኢ ‘ዩ። ብዙሕ ግዘ ሃገራት ዘለወን ወታደራዊ ዓቅም ሓደ ንካልእ ኣየርእይን። ባዕሊ ንባዕሎም ስለዝጠራጠሩ።

ብኦም ብርኪ ግና ኣንሕና ኣሕዋት ዝኾነ ርክብ ስለዘለና ዘለዎም ኽእለት ሓቢርካ ናይ ምጥቃምን ሓቢርካ ናይ ምልምማድ፣ ልምዲ ልውውጥ ኣየር ትርኢት ንምግባር ንሰርሕ ኢና፤ ኣብ ዘራባና ስልጠናታትና እናተቀያየርና ኢና። ነሃትና ናብኡ ኸይዶም ዝስልጥኑሉ፣ ናሃቶም ‘ውን ኣብዚ መፂኦም ዝስልጥኑሉ ኩነታት ኣሎ።

ስለዝኾነ እዚ ናይ ዲፕሎማሲ ውፅኢት ኮይኑ ሐዚ ናብ ትካላዊት ወታደራዊ፣ መከላኸሊ ፣ ሃይሊ ኣየር ወሪዱ በዚ ብርኪ እናሰራሕና ኢና። በዚ ወገን ንሶም ‘ውን ብጣዕሚ ሕጉሳት ‘ዮም፤ ኣንሕና ብጣዕሚ ሕጉሳት ኢና።

ሕቶ:- ኢትዮጵያ ካብ ዘላቶ ናይ ጂኦፖለቲካ አቀማመጣ ናይ ትኹረት ነጥቢ ‘ያ። ብአንፃር ናይቲ ቀጣና ኣድላይነትን ስትራቴጂክነት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ እንታይ ዓይነት ተወዳዳሪነትን ብቅዓት ኣለዎ? ጥቅሚ ኢትዮጵያ ካብ ምኽባር አንፃር እንታይ ዓይነት ምድላውነት ይግበር ኣሎ?

ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ:- ኣብ ከባብና፣ ብኹሉ ከባቢ ትርምስ ዝበዝሖ፣ ብጂኦፖለቲካ ርግፀኝነት ምዃን ዘይከኣለሉ፣ መዓዝ እንታይ ይኸውን ዘይበሃለሉ ‘ዩ።

ሐዚ እናሃነፅናዮ ዘለና ዓቅሚ ‘ውን ነዚ ተመጣጥኒ ይኸውን ኢና ንብል። ብምብራቅ ይምፃእ፣ ብምዕራብ ይምፃእ ከመይ ገይርና መልሲ ምሃብ ንኽእል ዝብል ‘ዩ እምበር ሱቅ ኢልካ ኣውሮፕላን ምእካብ ኣይኮነን።

ንኣብነት ሐዚ ብምዕራብ ዝኾነ ፀገም እንተተፈጢሩ ከመይ ገይርና ኢና ኣብ ምዕራብ እንዋጋእ ዝብል ናይ ውግእ ዓውዲ ሓሳብ ክህልወና። ካብ መሬት፣ ልምዓት መሰረት፣ ካብ ኣየሩ፣ ካብ ርሕቀቱን ከመይ ገይርና ኢና ክንዋጋእ ዝብል ሓሳብ ብምብራቅ?

ብምብራቅ ድማ እቲ መሬት ዝተፈለየ ‘ዩ። መሰረተ ልምዓቱ ‘ውን ዝፍለይ ‘ዩ። ብዙሕ ሓገራት ዘለውኦ ቦታ ‘ዩ። ናይ ባሕሪ ሽፍትነት ኣሎ። ኣንሕና ድማ ብሄራዊ ድልየት ኣለና። ኩሉ ዕጥቅታትና ኣብ ዝኣትውዎ ባሕሪ ናይ ባዕልና ድልየት ኣለና። ብሰሜን ድማ ካሊእ ነገር ኣሎ። መሬቱ ዝተፈለየ ‘ዩ። ሓይሊ ክትሃንፅ ከለኻ ነዚ ኹሉ ተሓሳቢ ኢኻ ትገብር።

ስትራቴጂክ ቲንኪንግ /ናይ ቅድሚት ራእይ/ ትልሚ ‘ዩ። ኣበይ ከባቢ መሠረተ ልምዓት ይህልው? ንክንደይ ዝኣክል እዋን ንጥቀመሉ ንኽእል? ነየናይ እዋን እንታይ ዓይነት ዕጥቂ ይህልወና? እንታይ ዓይነት ሓይሊ ሰብኸ ይህልወና? ኢልና ክንሓስብ ይግብአና።

ኣብ ዘረባና ሓደ ነሃትና ተልእኾ ኣብ ዝኾነ እዋን ይኹን ናይ ኣየር ክልላትና መክልኻል ‘ዩ። ኹሉ ነገር እንሓስቦ ነዚ ተሓታሳቢ ብዝገበረ ምክዕ ‘ዩ፤ ኣብቲ መሠረተ ልምዓት ኣብ ሓይሊ ሰብን ብዕጥቅን ብቴክኖሎጂን ነዚ እናሓሰብና ኢና እንሃንፆ።

ሕቶ:- ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኽልል ኣየር የኢትዮጵያ ብዘተኣማምን ኩነታት ካብ ምሕላው ዝሓለፈ ኣብቲ ቀጣናዊ ከምኡ ‘ውን ኣብ ካልኦት ዓለምለኸ ተልእኾታት ምኽባር ሰላም ዘለዎ ግደ እንታይ እዩ?

ሌተናል ጄኔራል ይልማ፡– ኣብ ዘረባና ሐዚ ኣይኮነን ሓይሊ ኣየር ምኽባር ሰላም ዝጀመረ። ናይ መፈለምታ ብ1960 ኮንጎ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ተዋጋኢ ኣውሮፕላናት ሒዝና ኸይድና ተሳቲፍና ኢና። እቲ ታሪኽ።

ብትኽክል ተፃሒፉ ተሰኒዱ ‘ዩ፡፡ እሱ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ 60ታት ናይ ታንዛንያ ክልል ኣየር ሓሊና ኢና፡፡ ኣብቲ እዋን ናይ ታንዛኒያ ክልል ኣየር ዝሕልው ዝነበሩ ብርጋዴር ጄኔራል ተጫነ መስፍን እዮም ብሂይወት ኣለው።

ኣብ ዳርፉር፣ ኣብየዬ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ብዙሓት ፀገማት ኣለው፤ ሓደ ኣብ ተልእኾና ግልፂ ዝገበርናዮ እንታይ ‘ዩ? ኣብ ስራሕቲ ቀጠናውን ዓለምለኻዊ ምኽባር ሰላም፤ በብቅዓት ምስታፍ ዝብል ኣሎ፡፡

ብትካል ሕቡራት መንግስታት ምኽንያት ሐዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ‘ውን ናብ ሶማሊያ እናኣተና ኢና ፡፡ ብሓይሊ ምድሪ ‘ውን ልምዲ ዘለና ስለዝኾንና እዚ ‘ውን ብብቅዓት ንምስታፍ ልዑል ምድላው እናገበርና ኢና፡፡

ሕቶ :- እቲ ሰማይ ነሃትና እዩ ዝብል ናይ ብሓቂ ነቲ ሓይሊ ኣየር ይገልፆ እዩ ድዮም ዝብሉኒ ዘለው?

ሌተናል ጄነራል ይልማ ፡- ንኣብነት ሓይሊ ምድሪ እንተኸይድኻ ሓይሊ ምድሪ ክነስልጥን ከለና ሓንቲ ጥይት ንሓደ ፀላኢ ዝብል ‘ዩ፡፡

ንምንታይ ኢኻ እዚ እተምህር፤ እቲ ሰራዊት ብሰላሳአን ጥይት ብሓደ ግዘ ተዂሱ ወዲኣ ከይብል ‘ዩ፡፡ ዝተውሃቦ ጠያይቲ በጥንቃቀ ንክጥቀም ‘ዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎት መከላኸሊ ሰራዊት ውሽጢ ከምዚ ዝበሉ ዓይነት ሓሳባት ኣልው፡፡

ናብ ሓይሊ ኣየር እንትንመፅእ ግና ብጣዕሚ ወሳኒ ዝኾኑ በራሪታት ናብ በረራ እንኸዱ ብዛዕባ እቲ ሰማይ ‘ዮም ክሓስቡ ዘለዎም፤ እዚ ሰማይ ነሃተይ ‘ዩ፡፡ ‹‹አይ ካን ኦን ዘ ስካይ›› ኣብ ልዕሊ ምድሪ ወይ ሓይሊ ምድሪ ነሃተይ ‘ዩ እቲ ምድሪ፣ ወሰኑን ክቆፃፀሮ ‘የ፣ ዝኾነ ይኹን ጥሒሱ ኣይኣትውን፣ ኣነ ክሳብ ዘለኹ ይላል፡፡ ንዓና ‘ውን ተመሳሳሊ ማለት ‘ዩ፡፡

ኣንሕና እናሃለና እቲ ሰማይ አይጠሓስን ‘ዩ፤ እዚ ሰማይ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ‘ዩ፤ ሓይሊ ኣየር እነሃለወት ሰማይ አይጠሓስን ነሃትና ሰማይ ‘ዩ። በእርግፀኝነት እንትንጅምር ሓደ ቀልዲ ነይሩ፤ እቲ ዝጀመርናዮ ግና እናዓበየ ኸይዱ ናብ ፊልም ተቀይሩ ፅቡቅ ብርኪ በፂሑ፡፡

እሱ ጥራሕ አይኮነን፤ ሕድ ሕድ ዲፓርትመንት ድማ ናይ ባዕሉ ‹‹ሞቶ›› ኣለዎ፡፡ ንኣብነት ቤት ትምህርቲ በረራ ኣካዳሚ ‹‹ዜሮ ቱ ሄሮ››፤ እንታይ ማለት ‘ዩ እዚ? ከምቲ ቅድም ዝበልክዎ፡፡ ሓንቲ ጥይት ንሓደ ፀላኢ ከምእንብሎ ንበረራ ቤት ትምህርቲ ዝተውሃቦ ካብ በረራ ዜሮ ሰዓት በረራ ዘለዎ ብዛዕባ ኣቬሽን ዝኾነ ይኹን ፍልጠት ዘይብሉ ተቀብልካ ግዳድ ንዝወፅእ ጀግና ገይርኻ ዓዱ ዝሕልው ምግባር ማለት ‘ዩ።

ሓይሊ ኣየር ዝዋገአሉ ናይባዕሉ ዓውዲ ኣለዎ፡፡ ከምዝረአኹሞ ኣብ ሰማይ ‘ዩ ዝዋጋእ፡፡ ወይ ካብ ሰማይ ናብ መሬት እዩ ዝትኩስ ወይ ካብ ሰማይ ናብ ሰማይ እዩ ዝትኩስ፡፡ ነዚ ‘ዩ እቲ ሰማይ ነሃተይ ‘ዩ፤ ‹‹አይ ካን ኦን፣ አይ ካን ኮንትሮል፣ አይ ካን ዶሚኔት ዘ ስካይ›› ማለት ክኽእል ኣለዎ፡፡ ሓደ ሰራዊት እንሃንፀሉ፣ ሞራል እንህበሉ፣ እነተባብዐሉ እዩ። ከምዚ ዝበሉ ዓይነት ጭርሖታት እነምፅእ፡  

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 11 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም

Recommended For You