‹‹ሞባይል ኣዝዩ የድልየኒ ነይሩ ኮይኑ ግና ክገዝእ ዓቕሚ ስለ ዘይነበረኒ በዓለይ ክምህዝ ተገዲደ›› -ክብሮም ሓጎስ

ክብሮም ወዲ ዓሰርተ ዓመት እንተሎ ሰባት ብሞባይል ክዘራረቡ እናረኣየ ይግረም ነይሩ። ክገዝእ ድማ ድሌት ነበሮ። ኮይኑ ግና ገንዘብ ስለዘይነበሮ በዓሉ ክሰርሕ ክኢሉ ‘ዩ። ክብሮም ብዛዕባ እዚ ከምዚ ይብል፡- ሓደ ነገር ንምስራሕ መጀመርያ ልዑል ድሌት ክህልወካ ኣለዎ፤ ኣነ ልዑል ድሌት ስለዝነበረኒ ሕዚ ሞባይል በዓለይ ሰሪሐ እጥቀም ኣለኹ።

ኣነ ሕዚ ወዲ 18ዓመት ‘የ። ዓስራይ ክፍሊ ድማ እማሃር ኣለኹ። ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኮይነ ናብ ከተማ ክሳብ ዝኣቱ ብዛዕባ ኤሌክትሮኒክስ ኣይፈልጥን ነይረ። ንመጀመርታ ግዜ ሰባት ብስልኪ ክዘራረቡ እንተለዉ ኣዝየ እድነቕ ነይረ። ብዛዕባ እዚ እናተደነቕኩ ክነብር ግና ኣይደሉኹን። ብዛዕባ እቲ ዝረኣኽዎ ፍርያት ቴክኖሎጂ ካብ ምሕሳብ ኣቋሪፀ ኣይፈልጥን።

ንመጀመርታ ግዜ ዝረኣኹዎም ፍርያት ቴክኖሎጂ ብዛዕባ ኣስማትን ኣሰራርሓን ንሰባት ክሓትት ጀመርኩ። እቶም ዝሓቶም ዝነበርኩ ሰባት ብዛዕባ እቶም ፍርያት ቴክኖሎጂ ዝርዝር ኣፍልጦ እኳ እንተዘይነበሮም ብዛዕባ ዝፈልጥዎ ዝተወሰነ ደረጃ ግን መብርሂ ይህቡኒ ነይሮም ‘ዮም።

ነቶም ፍርያት ኣርቲፊሻል ምስ ተረዳእኹ መሃዚ ፍርያት ቴክኖሎጂ ንምዃን ኣብ ኣእምሮይ ተቐሪፁኒ። በዓለይ ክሰርሕ ኣዝየ ተሃንጠኹ። ኮይና ግና ከመይ ከም ዝሰርሕ ብዙሕ ኣይፈልጥን ነይረ። በቲ ናይ ቴክኖሎጂ ፍርያት ተሳሒበ መሃዚ ክኸውን ’ኳ እንተነበረኒ ቤተሰበይ ግና እዞም ፍርያት እዚኣቶም ስለዘይነበሮም ነቲ ፍርያት ከመይ ከም ዝሰርሕ ክፈልጥ ይኽእል እምበር ነቲ ፍርያት ክሰርሖ ዝኽእለሉ ዕድል የብሉን ኢሎም ይኣምኑ ነሮም።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዋላ’ኳ ድሌተይ ንምግሃድ ኣፀጋሚ እንተመሰለ ፍቕርን ናይ ምስራሕ ድሌት ስለዝነበረኒ ክምህዝ ክኢለ ‘የ። መሃዚን ቴክኖሎጂስትን ምዃነይ ኣይቀረየን። ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኒሕ ስለ ዝነበረኒ ሕጂ ብኢደይ ዝሰራሕኽዋ ሞባይል እጥቀመላ ኣለኹ። ካብ ዕንጨይቲን ኣብ ጥቕሚ ካብ ዝወዓሉን ንብረት እየ ዝጥቀም። ኣነ ኣብ ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ እምባ ኣላጀ ኣብ ገዘመ ዝባሃል ቁሸት ርሑቕ ገጠር ይነብር።

ዝነብረሉ ዓዲ ትሕተ ቅርፂ ፅርግያ፣ ኤሌክትሪክ  መብራህቲ፣ ኔትዎርክ ዳርጋ የብሉን። እዚኣቶምን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ኣብ ዘይርከበሉ ቦታን እዋንን ምስ ትምህርቲ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ዝግበር ምህዞታት ቴክኖሎጂ ከትኩር ወሲነ። እወ ሞባይል የብለይን።

መብራህቲ የለን፣ ኢንተርኔት የለን ብዛዕባ’ቲ ከፍርዮ ዝደሊ ፍርያት ንምድላይ ኮምፒተር ’ውን ኣይፈልጥን’የ። ሕጂ ‘ውን ካብ ዕንጨይትን ካብ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ሓፂን መፂንን ነገራት ምፅጋን እየ ቀፂለ። ኣብ ኢደይ ዘሎ ንዋትን ፀጋታትን ተጠቒመ ፍልጠተይ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝደለኽዎ ሕልሚ ንምትግባርን ዝከኣለኒ ነገር ክፈጥር ፈቲነ ከረጋግፅ ድማ ክኢለ ‘የ።

ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ኩሉ ዘሐጎሳኒ ሞባይላት ‘የን ነይረን። እዚ ድማ ዝደልዮ ዝነበርኩ ጉዳይ ‘ዩ። ዋላ ሕፅረት ገንዘብ እንተሃለወኒ ሞባይል ክህልወኒ ኣዝየ እደሊ ነይረ። ሞባይል ንህዝቢ ገጠር ምቾት ዝመልኦ መሳርሒ ስለዝነበረ ኣዝየ ድሌት ነይሩኒ።

ስድራይ ሞባይል ክገዝኡለይ ዝኽእልሉ ቁጠባዊ ዓቕሚ ኣይነበሮምን። ኮይኑ ግና ተስፋ ከይቖረፅኩ ወሲነ ስለ ዝፀዓርኩ ዝሐሰብክዎ ኣሳኺዐ ሕጂ ምሉእ ኣገልግሎት እትህብ ሞባይል ወኒነ ኣለኹ። ክብሮም ካልኦት ዝተደርበያ ኤሌክትሮኒክስ ‘ውን መሊሱ ናብ ጥቕሚ የውዕል ‘ዩ። ክሰርሓ ዘይኽእላ ዝተደርበያ ገጣጢሙ ራድዮ ሰሪሑ ‘ዩ።

ሓደ መዓልቲ ኣብ ገጠር ቁሸቱ ብኢዱ ዝሰርሓ ሞባይሉን ሬድዮን እናተጠቐመ ከሎ ካብ ከተማታት ዝመፁ ዝሓልፉ ኣጋይሽ ረኺቦሞ ክድነቑ ክኢሎም ‘ዮም። ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐት ቴለፎንን ተመሳሳሊት ሬድዮን ክጥቀም ምስ ረኣይዎ ድማ እንታይ ዓይነት ፍርያት ይጥቀም ከምዘሎ ተገረሙ።

ንሱ ካብ ምንታይን ከመይን ከምዝሰርሖ ነገሮም። ብዛዕባ ዝተቀመሉ ማተርያልን ፍርያትን መብርሂ እንትህቦም ንሳቶም ድማ ተገሪሞም ከመይ ጌሩ ከምኡ ክገብር ከም ዝኸኣለ ሓተትዎ። እቲ ፍርያት ናቱ ምህዞ ምዃኑን ኣብ ከተማታት ብዝረኣዮ ሞባይላት ተበጊሱ ከም ዘፍረዮምን መብርሂ ሃቦም።

ናብ ከተማ ዓዲ ሸሁ ወሲዶም ምስ ቤት ፅሕፈት ጉዳይ መናእሰይ ምምሕዳር ወረዳ እምባ ኣላጀ ኣላልዮምዎ ከዱ። ቤት ፅሕፈት ጉዳይ መናእሰይ እቲ ወረዳ ምስ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ክልል ትግራይ ርክብ ክገብር ሓገዝዎ። በቲ ሰንሰለት ኣቢሉ ድማ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ዝመሓላለፍ ኣብ መሃዝነት ውድድር ዘተኮረ መደብ ተሌቪዥን “መደብ መዳይብ” ክወዳደር ተመዝገበ።

ክብሮም ንቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ብዙሕ ምህዞታት ከም ዘለዎን ኣብ ገጠር ዓዱ ብዘሎ ሃፍትን ንዋትን ናብ ምህዞ ወይ ንብዙሕ ኣጠቓቕማ ዝኸውን ፍርያት ክቕይሮ ይፅዕር ኣሎ። ሕጂ ‘ውን ዓዱ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ካልእ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ስለዘይብላ ዝተደርበዩ ነገራት ተጠቒሙ ናብ ፍርያት ንምቕያር ይፅግንን ይእክብን። ‹‹ሓሳባተይ ናብ ፍርያት ንምቕያር ዕንጨይቲ ሓፂንን ካልኦት ቀለልቲ ፍርያትን ተጠቒመ እየ ይብል።››

ስለዚ ሓደ ነገር ክትበፅሖ እንተወሲንካ ክትግንዘቦ ይከኣል ‘ዩ። ሞባይል ካብ ዕዳጋ ከይገዛእኩ ሕልመይ ተሳኺዑ ናብ ምውናን በቒዐ ‘የ። እንኮ ዝገዛእክዋ ነገር ሲም ካርድን ሞባይል ካርድን ‘ዩ። ክብሮም ኣብዚ ሕዚ እዋን ካልኦት ምህዞታት ‘ውን ከምዘለዉዎ ገሊፁ ‘ዩ።

ብኢድ ዝተሰርሐት ሬድዮ፣ ስፒከር፣ ሪሞት ኮንትሮል ተጠቂማ ክትበርር እትኽእል ነፋሪት ካብቶም ካልኦት ምህዞታቱ ‘ዮም። “እታ ነፋሪት ቀላልን ንእሽቶን ‘ያ። እንተኾነ ግን ንልዕሊሓደ ሰዓት ብዘይምቁራፅ ክትበርር ትኽእል ‘ያ፤ ሪሞት ኮንትሮል ተጠቒመ ክቆፃራ እኽእል ‘የ።›› ዕድል እንተረኺበ ድማ ንዕላማ መጓዓዝያ እትኸውን ተግባራዊት ነፋሪት ክሰርሕ ክሙኩር ‘የ። ክብል ከብሮም ብውዕዉዕ ስምዒት ይዛረብ።  

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 4 ታህሳስ 2016 ዓ.ም

Recommended For You