ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ ለውጢ ብዙሕ ምምሕያሻት ተገይርሉ ተልእኽኡ ብብቕዓት እናተዋፀአ ይርከብ

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ 1928 ዓ.ም ከም ዝተመስረተ ድርሳናት ይሕብሩ። ካብ 88 ዓመት ኣቑፂሩ ኣሎ፤ ድሕሪ ለውጢ ብዙሕ ምምሕያሻት ተገይርሉ ኣብዘተኣማምን ብርኪ ይርከብ። በቢ ዓመቱ ንምኽባር ‘ውን እናተሰርሐሉ መፂኡ ሎሚ ዘበን ክኽበር ጀሚሩ ኣሎ።

ቕድሚ ሕዚ ግቡእ ቖላሕታ ስለዘይተገበረሉ ዉሱን መዓልቲ ተቐሚጥሉ እናተኸበረ ኣይመፀን። ኮይኑ ግና እቲ ሓይሊ ኣየር ልክዕ ከም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሕዚ ክኽበር ጀሚሩ ኣሎ። ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዓብዪ ታሪኽ ከምዘለዎ መጠን ዝተመስረተሉ መዓልቲ ብቀዋምነት መሰረት ብምግባር በቢዓመቱ ክኽበር ዝግበኦ ‘ዩ።

ሎሚ ዘበን 2016 ዓ.ም ካብ 20 ሕዳር ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተገብሩ መፂኡ ጥቑር ኣንበሳ ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ 6ታሕሳስ ናይ መጣቓለሊ ብዝደመቐ መልክዑ ክኽበር ‘ዩ። ብቐዋሚ ግን 20 ሕዳር በቢ ዓመቱ ከምዝኽበር ‘ዩ ተገሊፁ ‘ዩ።

ብፍላይ ድሕሪ ለውጢ ሓይሊ ኣየር ልዑል ቖላሕታ ተዋሂብዎ ብዙሓት ምምሕያሻት እናምፀአ ይርከብ። ንቐፃሊ እንታይ ዓይነት ተልእኾ ክዋፃእ ይኽእል? ነዚ ዓይነት እንታይ ዓይነት ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም ተባሂሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ማለት ብሓይሊ ሰብ፤ ቴክኖሎጂ ወዘተ እናተሰርሐ ይርከብ።

ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ህዋ ኢትዮጵያ ብምሕላው ዝፍለጥ ኣብዪ ትካል ‘ዩ። እዚ ትካል ትልእኽኡ ብብቕዓት ክዋፃእ ዝኽእለሉ ዓቅሚ ፈጢሩ ‘ዩ። በርግፅ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፍለ ኣይኮነን። ሓደ ኣካል ናይዚ ‘ዩ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሓጋዚ ናይዚ ‘ዩ። ብዙሕ ነፃፂልካ ዝረአ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ካብ እትፍረሐሎም እቲ ሓደ ሓይሊ ኣየር ‘ዩ። እዚ ትካል እዚ ተልእኽኡ ብብቕዓት ኣብ ምፍፃም ዝፍለጥ ትካል ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ድሕሪ ለውጢ ብዙሕ ለውጥታት ተገይርሉ ኣዝዩ ዘሚኑ ይርከብ።

ብታሪኽ እንተሪእና ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዘይ ሓይሊ ኣየር ምሕሳብ ዝኸብድ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ዘመናት ዝጋጠምዋ ውግኣት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንሓይሊ ሰራዊት ምክልኻል ብምሕጋዝ ፀላእቲ ብርሑቑ ክፈርሑን ንምድፋር ከይሓስቡን እናገበረ መፂኡ ‘ዩ።

ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣየር ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኢትዮጵያ ብርሑቑ ፀላእታ ክፈርሕዋ ከብ ዝገበረ እቲ ሓደ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ‘ዩ። እኒ ጀነራል ኣምሃ ደስታ፣ ለገሰ ተፈራ፣ ኮነሬል በዛብህ ጴትሮስ ሃይለ ሓይሊ ኣየር ዘፍረዮም ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ‘ዮም።

ኣብ ኩናት ኢትዮ ኤርትራ ዓለም ለኸ ሰላም ናይ ምኽባር ተልእኾ እዚ ኣየር ሓይሊ ብታዓዋታይነቱ ዝፍለጥ ‘ዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክፋል ሰሜን ሃገርና ዝነበረ ኩናት ሓደ ናይ ደገ ዋንነቱ ዘይፍለጥ ናይ ኩናት ጀት ናብ ኢትዮጵያ ንምእታው ፈቲኑ ብሓሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሓፊሩ ክምለስ ተገይሩ ‘ዩ።

ብፍላይ ኣብዝሓለፉ 5 ዓመታት እዚ ኣየር ሓይሊ እዚ ብዙሕ ሪፎርም ተገይርሉ ብዕጥቒ ስልጠናን ቴክኖሎጂን ብምድርጃው ዓለም ለኸ ተዋዳዳርነቱ ኣጣናኺሩ ቐፂልሉ ‘ዩ። ተልእኽኡ ብብቕዓት ብምውፃእ ብቕዓቱ እናረጋገፀ ይርከብ። እዚ ሓይሊ ኣየር እዚ ንናይ ውሽጢ ዓዲ ውግእ ኣይተጣየሸን።

ልኣላውነት ሃገር ንምሕላው እምባር ንናይ ውሽጢ ዓዲ ወይ ንናይ ሰፈር ውግእ ተሓሲቡ ከምዘይተጣየሸ ‘ዩ መንግስቲ ዝሕብር። ልኣላውነት ኢትዮጵያ ንምጥሓስ ዝሓሰበ ወይ ዝፈተነ ኣካል ንምሕላው ‘ዩ። ነዚ ብዝግባእ ተዳልዩ ‘ዩ። ነዚ እዩ ብዝግባእ ተሃኒፁ። ነዚ ሎሚ ዘበን እናተኸበረ ዝርከብ በዓል ሓይሊ ኣየር ኣዛዚ ኣካዳሚ ሓይሊ ኣየር ኮነሬል ገዛሃኝ ነጋሽ ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዓብዪ ታሪኽ ዘለዎ ‘ዩ። እዚ ጥራሕ እንተይኮነስ ሃገርና ኢትዮጵያ ንነዊሕ ግዜ ኣቬሽን ሒዛ ዝፀንሐት ‘ያ። ብ1928 ዓ.ም ሓይሊ ኣየር ከም ሓይሊ ኣየር ኣዛዚ ዝተመደበሉ ‘ዩ ኔሩ። 20 ሕዳር 1928 ዓ.ም ስለ ዝተመስረተ 20 ሕዳር በቢ ዓመቱ ዝኽበር ‘ዩ ዝኸውን። ነዚ በዓል እዚ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ተገይሮም ኣለዉ።

ኢትዮጵያ ኣቬሽን ንነዊሕ እዋን ሒዛ ዝፀንሐት ሃገር ‘ያ። ምንልባት ‘ውን ሃገርና ካብ 1920 ዓ.ም ጀሚሩ ኣቬሽን ቴክኖሎጂ ናብ ዓዲ ኣእትያ ንመናእሰያታን ንህዝባን ክተፋልጥ ፀኒሓ ‘ያ። ይኹን እምበር ብኣየር ፀባይ ምኽንያት ቀዋሚ ዝኾነ ቦታ ኣይነበራን። ስለዚ ከምቲ ቅድም ክብል ዝተገለፀ ብቀዋሚነትን ብወግዓዊን ሓይሊ ኣየር ከም ሓይሊ ኣየር ኣዛዚ ዝተመደበሉ ብ1928 ዓ.ም ናይ ሎሚ 88 ዓመት ኣቢሉ ሕዳር 20 ‘ዩ ነይሩ።

እዚ ድማ ሎሚ እነኽብሮ በዓል መዓልቲ ሓይሊ ኣየር ተባሂሉ ዝኽበር ‘ዩ ዝኸውን። መበገሲኡ ድማ ከምቲ ቅድም ኢለ ዝበልክዎ ኾይኑ፤ ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ካብዚ ዋና በዓል ተተሓሒዙ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣለውና ‘ዮም። ካብዞም ምድላዋት እቲ ዋና ኣንሕና ‘ውን ከም ኣካዳሚ እኹል ምድላዋት ዝገበርናሉ ብፍላይ ሃገራዊ ለውጢ ተኸቲሉ ከም ሰራዊት መከላኸሊ ሪፎርም ተገይሩ ‘ዩ። ካብዚ ዝተገበረ ሪፎርም ድማ እቲ ሰራዊት መከላኸሊ ነፃ ወፂኡ ‘ዩ።

ቅድሚ ሐዚ ሰራዊት መከላኸሊና ሓደ ናይ ፓለቲካ ፓርቲ ሓላዊ ዝነበረሉ ከነታት ‘ዩ ነይሩ። እንእከብ እተነይርና ንናይ ሓደ ፖለቲካ ፓርቲ ራእይ ክንዝቲ እንተዘይኮይኑ ንናይ ትካልና ራእይ እንዝትየሉ ዝኾነ ኣጋጣሚ ኣይነበረን። ሎሚ እንተተኣኪብና ግና እንዝትይ ብዛዕባ ራእይ ትካልና ኢና።

ፅባሕ ትካል ተረኪቦም ሃገር ዘኽብሩ መናእሰይ ከመይ ነሰልጥን ኢልና ኢና እንዝቲ። ስለዝኾነ ብፍላይ ኣካዳሚ ሓይሊ ኣየር ብዋናነት ዝሰርሖ ኣብ ሓይሊ ሰብ ትኹረት ዝገበረ ‘ዩ። ኣብ ህንፀት ሓይሊ ሰብ ልዑል ስራሕ ሰሪሕና ኣሰልጢንና እነመርቆም ፓይሎታትን ቴክንሻናትን ኣለውና።

ምናልባት ንመጀመርያ ግዘ ብዝብሃል ብርኪ ንዝሓለፉ ሰላሳን ካብኡ ብላዕልን ተቋሪፁ ዝነበረ ናይ ሕፁያት መኮንናት ስልጠና ሂብና ስለዝነበርና፤ እዞም ሕፁያት መኮንናት ዝምረቁ ኣብዚ ዓብዪ በዓልና ዝኾነ ተዓጅቦም ‘ዮም። እዚ ንዓና ብፍላይ ከም ኣካዳሚ ዓቢ ትኹረት ብምሃብ እነኽብሮ በዓልና ‘ዩ።

ካልኦት ‘ውን ምስዚ ተተሓሒዙ ዝስርሑ ተግባራት ኣለው ‘ዮም። ብፍላይ ተዘይተሰሓሒተ ብነሃተይ ግምት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ታሪኽ ሓይሊ ኣየር ብዝብሃል ብርኪ ትርኢት ኣየራት ብነሃትና ፓይለታት ጥራሕ ዘይኮነስ ነባር ልምዲ ዘለዎም ፓይለታት ካልኦት ሃገራት ‘ውን ብምቅንጃው ዝሳተፉሉን እነርእየሉን እነኽብሮን ‘ዩ ዝኸውን።

እዚ ‘ውን ሓደ ናይቲ ምድላዋት ኣካል ‘ዩ። ካሊእ ድማ ቅድም ከምዝበልክዎ ኣንሕና ቀዳሚ ኣቬሽን ዝሃነፅና ሃገር ስለዝኾና፤ ናይ ኣፍሪካ ኣሕዋት ሃገራት ኣዘዝቲ ሓይሊ ኣየር ‘ውን ክመፁ ‘ዮም። ልዕሊ 20ዝኾኑ ናይ ሓይሊ ኣየር ኣመራርሓን ኣዘዝትን ክርከቡ ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን ካልኦት ናይ ውሽጢ ዓድን ናይ ደገን ዲፕሎማሰኛታት ኣብዚ ክርከቡ ‘ዮም።

ንመፈለምታ እዋን ፎረም ሓይሊ ኣየር ኣፍሪካ ብዝብል ፓነል ክካየድ ‘ዩ ዝኸውን። ኣብዚ ፓነል ንኣፍሪካ ኣሕዋትና ዓቅምና እነርእየሉን ንሶም ካብዚ ዘለና ዓቅሚ ኣቬሽን ዝወስድዎ ነገር እንተሃልዩ እንሕግዘሉን ኣንሕና ካብኦም እንረኽቦ እንተሃልዩ ድማ ብሓባር እንሰርሐሉን እንዓብየሉን ዕድል እንፈጥረሉን ንእግረመንገድና ድማ ዓቅምና ንጎሮባብትናን ንዓለምን ክነርእየሉ እንኽእል ኣጋጣሚ ዝፈጥር ኩነታት ስለዝኾነ፤ እዚ ኩሉ ብሓደ ገይርና እቲ በዓል ብድምቀት ንምኽባር ብሃንቀውታ እንፅበየሉ ኩነታት ኢና ዘለና።

ኮሎኔል ጃምቦ ኣዛገ ኣብ ሓይሊ ኣየር በረራ ቤት ትምህርቲ ኣዛዚ ዝኾኑን ነቲ ትካል ብምምራሕን ብኣብራሪነት ኣብ ምግልጋል ይርከቡ። እዞም ኮለኔል ኣብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኣየር ንልዕሊ 6 ዓመታት ዘገልገሉን ንትካሎም ፍሉይ ፍቅሪ ከምዘለዎም ይዛረቡ። እቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ኢትዮጵያ ለኣላዊነት ዘኽብሩን ዘሕልውን ብዙሓት ጀጋኑ ዘፍረየ ከምዝኾነ ገሊፆም ‘ዮም። ካብ ናይ ባዕሎም ኣፍ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይቀርብ:-

“ኣነ ኮሎኔል ጃምቦ ኣዛገ ይብሃል። ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ በረራ ቤት ትምህርቲ ኣዛዚ ‘የ። ገና ተምሃራይ ኮይነ ብንኡሰይ እናሃለኹ ናብ ሓይሊ ኣየር እንትቑፀር ነሃተይ ሲነር ንዝነበሩ ይጥይቅ ነይረ። ክንደይ ዓመት ኣገልጊልካ ኢለ ክጥይቅ ከለኹ 10 ዓመት ኢሎም እንትምልሱለይ ይድንግፅ ነይረ። ከመይ ኢሉ ሓደ ሰብ ን10 ዓመት ኣብ ሓደ ትካል ይፀንሕ ይብል ነይረ።

ሓደ ሓደ እዋን እቲ ሞያ እንተፎቲኻዮ ግና ምንም ኣይመስለካን ‘ዩ። ቅድም ኢሉ ይኹን ሐዚ ኣብ ሓይሊ ኣየር ዝነበሩ መናእሰይ ፓይሎታት ይናፍቁካ። ኣብቲ ትካል ብዙሕ ነገር ኢኻ ትምሃር ቴክኖሊጂ ትምሃር፣ ማሕበራዊ ሂወት ትምሃር ከም ሓደ ቤተሰብ ኢኻ ትኸውን። ብዋናነት ናይ በረራ ትምህርቲ ምስልጣን ‘ዩ ስራሕና።

ካብ ጃማሪነት ክሳብ መሰረታዊ ሞያ ብምምሃር፤ ገና ምንም ዘይፈልጡ ሓደሽቲ ተምሃሮ ንበረራ ትምህርቲ ድልየት ዘለዎም በቲ ዘሎ መስፈርቲ ብጥዕና ዝምጥኑ፣ ብኣካዳሚካል ብቁዕ ዝኾኑ ተምሃሮ ኣሰልጢና ናብ ዝተፈላለየ ዘፈር ናብ ትራንስፖርት ስትሪም ናብ ሄሊኮብተር ከምኡ ‘ውን ክሳብ ናብ ሳይተር ጀት ዘብቅዕ ክፍሊ እዚ ናይ በረራ ቤት ትምህርቲ ‘ዩ።

ናይዚ ዘመን ቴክኖሎጂ ብዝሓለወ መልክዕ ኣናሎግ ናብ ድጅታል ዝቀየረ ‘ዩ። ሐዚ መሰልጠኒና ጀት ናብ ድጂታል ዝቀየርናሉ ኩነታት ኣሎ። ብሓይሊ ሰብ፣ ብመሰረተ ልምዓትን ቴክኖሎጅን ዓበይቲ ስራሕቲ ዝስረሐሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። እዚ ድማ ኣባናን ኣብ ኣብረርትን ናይ በረራ መምህራን ብምፍራይን ናይ ኣብረርቲ ብቅዓት ብምዕባይን ንመፃኢ ዓቢዪ ሓይሊ ኣየር ምህናፅ ይክኣል ‘ዩ። .

ናይዛ ሃገር ክሊ ኣየር ዘኽብር ዋና ሓይሊ ኣየር ‘ዩ። ኣንሕና ድማ ኩሉ ግዜ ድልዋት ኮይና ኢና ክንሕልው ዘለና። ኣነ ኣብዚ ትካል እዚ እንትኣትው ሃገር ወኪለ ‘የ ኣትየ። ንሓደ ዓለማ ናይ ሃገርና ሰላምን ፀጥታን ድሕንነትን ንምሕላው ‘ዩ። ካሊእ ዝኾነ ምኽንያት የብልናን። ሓንቲ ሃገር ሓንቲ ኢትዮጵያ ‘ያ ዘላትና። ንዕኣ ንቆስል ንዕኣ ‘ውን ንመውት። ፅባሕ ድማ ወለዶ ክመፅእ ‘ዩ። እቲ ወለዶ ድማ ክርከብ ‘ዩ። ሃገር ድማ ትቅፅል።”

ኣብርሃ ሓጎስ፣መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 4 ታህሳስ 2016 ዓ.ም

Recommended For You