ድሌት ሰላምን ፍቅርን ኣዴታት ትግራይ ብመንፈሳዊ ጥበብ እንትግለፅ

ስነ-ጥበብ ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ተርእዮ ኮይኑ፤ መግለፂ ነፀብራቕ ውሽጣዊ ድልየትናን ስምዒታትናን ኮይኑ የገልግል። ካብ ሓጎስን ሓዘንን ክሳብ ሕርቃን ስምዒታት የለዓዕል፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ናይ ምርድዳእ ድልድል ይፈጥር።

ስነ- ጥበብ ንቋንቋታትን ባህልታትን ብምስጋር ሓድነትን ሰላምን ኣብ ምዕባይ ብዋጋ ዘይግለፅ ግደ ከምዘበርክት ‘ውን ይግለፅ ‘ዩ። ኣብ ኣብዝሓ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምግቢ ደቂ ሰባት መመቀሪ ጨው ከምዝኣትዎ ኩሉ፤ ጥበብ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ምንቅስቃስ ሂወት ደቂ ሰባት ዘይተርፍ መመቀሪ ሂወት’ዩ እንተበልና ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይከውንን።

ካሊእ ስነ-ጥበብ መግለፂ ስምዒት ጥራይ ዘይኮነስ ሓሳባት ንምትሕልላፍ ዝሕግዝ መሳርሒ ‘ዩ። ብስነ- ጥበብ ኣቢልና ታሪኽ ክንፅሕፍ፤ ሕብረተሰባዊ ክብርታት ከነቃልሕ ኣብ ፖለቲካዊ ወይ ማሕበራዊ ፍፃመታት ርእይቶ ክንህብ ዘኽእል ‘ውን ‘ዩ።

ስነ ጥበብ ኣብ ዓለማዊ ሂወት ጥራሕ ዘይኮን ዝግለፅስ ኣብ መንፈሳዊ ሂወት ሓደ ማሕበረሰብ ‘ውን ከይተረፈ ዝግለፀሉ ኩነታት ኣሎ ‘ዩ። ዝተፈላለዩ ማሕበረሰብ ኣብ ሃይሞኖታዊን መንፈሳዊን ዛዕባታቶም ዝገብርዎ ምንስቃሳት ንኣብነት ንዝኣምንዎን ዘምልኽዎን ፈጣሪ ብመንፈሳዊ ስነ ጥበብ ኣቢሎም ግጥሚ ገጢሞም፣ ዜማ ደሪሶም ድልየቶም ባህጎም ንምስኻዕ ከምልኹ፣ ከመስግኑ፣ ክምህለሉ፣ ክፅልዩን ክዝምሩን ወዘተርፈ ይረኣዩ ‘ዮም።

እዚ ኹሉ እንብል ዘለና ብዛዕባ እንታይነት ስነ ጥበብ ንምባል ዘይኮነስ ኣብ ናይ ሎሚ ትኹረት ፅሑፍና ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዓመታዊ በዓል ንግሲ ወይ ኩስሚ ማርያም ሕዳር ፅዮን ምኽንያት ብምግባር ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታ ንንግሲ ናብ ኣኽሱም ኣብ ዝግበር ዝነበረ ጉዕዞ ትኹረት ብዙሓት ካብ ዝሰሓበ ሓደ ተጎዓዝቲ ኣዴታት ትግራይ መንፈሳዊ ስነ ጥበብ ኣቢለን ዝሕልፍኦ መልእኽቲ ከምዝነበረ ዝዝከር ‘ዩ።

 ብፍሉይ ኣብዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ካብቶም ትኹረት ዝሰሓቡ ሓደ ድማ፤ ኣዴታት ትግራይ ብሓደ ተኣኪበን ካብ ጎርሁ ስርናይ ወይ እገላ ዝብሃል ከባቢ ተበጊሰን ብእግረን ጥራሕ ዘይኮናስ፤ ጥራሕ እግረን ንሰለስተ መዓልቲ ተጓዒዘን ናብ በዓል ሕዳር ፅዮን ማርያም ኣክሱም እንትኸዳ ብኸበሮ፣ግጥምን ዜማን ዝተዓጀበ ኣብ ዝገብርኦ ምህለላን ፀሎትን ሓቢሩ ዘሕልፍኦ ዝነበራ መልእኽቲ ሰላም፣ ፍቅርን ሓድነትን ፍሉይ ቀልቢ ቡዙሓት ዝሰሓበ ‘ዩ ነይሩ።

በቲ ማሕበረሰባዊ፣ ባህላውን ሃይማናታውን መንፈሳዊ ስነ ጥበብ ኣቢለን ዘሕልፍኦም ካብ ዝነበራ መልእኽታት ኣብ ሞንጎ ኣሕዋት ደቂ ኣዳም ኩሉ ሰላምን ፍቅሪን ሓድነትን ዕርቅን ክሰፍንን ፅልኢ ክጠፍእን ከምዘለዎ ዘንፀባርቅ ትምኒትን ልመናን ንፈጣሪአን ዝምሕፀናሉ ኩነታት ዘርኢ ‘ ዩ።

“ኮሎም ደቂ ኣዳምየ ፤

ኩሎም ደቂ ሄዋንየ፤

ማርያም ጉንዳ ጉንዶ፤

 ኣይትዓርቅዮምንዶ።”

ብምባል ድማ ኩሎም ደቂ ሰባት ደቂ ኣዳምን ሄዋንን ኣሕዋት ስለዝኾኑ ኣብ ሞንግኦም ዝተፈጠረ ባእስን ፅልእን ዕርቂ ከምዝድልዮ ይገልፃ።

ብተመሳሳሊ ኩሉ ፀገማት ቅድሚ ምፍጣሩ ብሰንኪ ፅልኢ ሂወት ሰባት ከይጠፈአ ኢኮኖምያዊ ዕንወት ከይገጠመ ንፈጣሪ ፆሎት ምግባርን ምልማንን ከምዘድሊ ብምሕባር ከምዚ ይብላ።

“ብጋንኡ ብጋንኡየ፤

ምልማን ጌታ ብጋንኡየ፤

ኣሚንካ ከሎ ኣብገዝኡ፤

ሰላምካ ከሎ ኣብ ገዝኡ፤ ስገምካ ከሎ ኣብገዝኡየ፤

ምልማን ጌታ ብጋንኡየ።”

ብመንፈሳዊ ስነ ጥበብ፤ ብዘስረቅርቅ ድምፂን ጥዑም ላዛን ንፈጣሪአን ሰላም ራሕዋን ፍቅርን ብምልማን ኣስላማይ ክርስትያናይ ጉራጌታይ ኦሮመታይ ኣምሓራይ ከይበልኪ ንኹሉ ወዲ ኣዳም ሰላምን ዕርቅን ይፍጠረልና። ኩሉ ደቂ ኣዳም ንፈጣሪ ማዕረ ስለ እንበፅሖ ዕርቂ ፍጠረልና ብምባል ውሽጣዊ ድልየተንን ባህገንን ኣብ ኣደባባይ ይገልፃ።

“ልበይ ለካ ቀያማ፤ ንድንግል ንለምና፤ ፍቅርን ሰላምን ተውርደልና።” ብምባል ‘ውን ኣብ ልቢ ብዙሓት ቂም ከምዘሎ ብምዝኽኻር ይኹን እምበር ቂም ጠቃሚ ብዘይ ምዃኑ ንድንግል ማርያም ካብዚ መዋፂ ክትፈጥረለን ይምሕፀና።

ከም ኣገላልፃ እዘን ካብ ጎርሁ ስርናይ ብጥራሕ እግረን ንሰለስተ መዓልቲ ተጓዒዘን ናብ ዓመታዊ በዓል ሕዳር ፅዮን ማርያም ናብ ኣክሱም ዝኸዳ ኣደታት ትግራይ፤ በዚ ድኻም፣ ጥምየትን ፅምእን ዝመልኦ ጉዕዞ ገይረን ናብ ኣክሱም ማርያም ዝኸዳ ንውልቀ ረብሓአን ጥራሕ ዘይኮነስ ህፃናት ክምሃሩ ሓረስታይ ክሓርስ ኹሉ ወዲ ሰብ ሰላም፣ ልማትን ታሕጓስን ንክመፅእ እዩ ይብላ።

ብምውሳኽ ካብ “ደም ርጉኦ” “ፀባ ርጉኦ” ‘ዩ ዝሓይሽ ብምባል ደም ብምፍሳስ ዝመፅእ ረብሓ ከምዘየለን ኩሉ ሰብ ሰላማዊ ሂወት ክመርፅ ከምዘለዎ እየን ዝምዕዳ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 27 ሕዳር 2016 ዓ.ም

Recommended For You