ስነ-ጥበብ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዘይንፀል ኣካል ስልጣነ ደቂ ሰባት ኮይኑ መበገሲ ለውጢታትን ነፀብራቕ ሕሉፍን ህልውን ሐደ ማሕበረስብ ‘ዩ። ኣብ ሕብረተሰብ ዓሚቝ ፅልዋ ካብ ዝፈጥር ሓደ ‘ዩ ምባል ይከኣል።
ኣብ ኣተሓሳስባና፣ ስምዒታትናን ኣረኣእያናን ፅልዋ ብምፍጣር ናብ ሓደ ኣንፈት ቖላሕታ ከንገብር ተኽእሎ ኣለዎ። ኣብ ሓደ ሕብረተሰባዊ ስርዓታት ማሕበራዊ ለውጢ ንክህልው ካብ ዘኽእሉ መሳርሒታት ሓደ ምዃኑ ሙሁራት ‘ቲ ዓውዲ ይገልፁ። ካብ ስእላዊ ስነ-ጥበብ ጀሚሩ ክሳብ ስነ-ፅሑፍ፣ ሙዚቃን ካልኦትን ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎ ፅልዋ ልዑል ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ ሃገርና ብፍላይ ኣብ ትግራይ ታሪኽ ገድሊዝነበሮ ፅልዋ ምርኣይ ይክኣል ‘ዩ።
ስነ-ጥበብ ኣታሓሳስባን ኣማላኻኽታን ኣብ ምቕያር ዘለዎ ግደ ቐሊል ኣይኮነን። ሰባት ንሓደ ነገር ንምስላጥ ጥበብ ይጥቐሙ። ኣረኣእያን ሓሳባትን ብምቕያር ሰባት ብሓደ ናብ ልምዓት ክወፍሩ ኣብ ምግባር ዕዙዝ ግደ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብኪነ ጥበብ ዝፍለጥ ህዝቢ ‘ዩ። ኣብ ማሕበራዊ መነባብርኡ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ እናተጠቐመሎም መፂኡ ‘ዩ።
ኮይኑ ግና ከምዚኦም ዝበሉ ፀጋታት ናብ ረብሓ ኣብ ምቕያር ጉድለታት እናተረኣዩ ይመፁ ኣለዉ ‘ዮም። እዞም ክብርታት እዚኦም ልምዓታትና ንምቅልጣፍ ብፍላይ ድማ ሕዚ ምስቲ በቲ ኩናት ዝገጠመና ክሳራ ንዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምቅልጣፍ ከንጥቀመሎም ይግበአና።
ጥበብ ህዝቢታት ብሓደ ኣላዓዒሉ ናብ ሓደ ዕላማ ንምምፃእ ዘለዎ ግደ ቐሊል ከምዘይኮነ ግልፂ ‘ዩ። ግንዛበ ንክህልወና ዝገብርን ናብ ሓደ ንክመፅእ ዘኽእልን ስለ ዝኾነ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ንጥፈታትና ከንጥቐመሉ ይግበአና።
ስነ-ጥበብ ነፀብራቕ ናይቲ ዘመን ሕብረተሰብ ኮይኑ ነይቲ እዋን ባህላዊ፣ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኩነታት ዘንፀባርቕን ስነ-ጥበባውያን ነቲ ፈጠራዊ ብቕዓቶም ብምጥቃም ኣብ ዘመኖም ዘሎ ኩነታት ንምቕራፅ ይጥቀሙሉ፤ ንኣብነት ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ምፍላጥ ብማዕኸናት ዜና ክመሓላለፍ ዘይክእል ሕልው ስእሊ ሕብረተሰብ የርእዩን ንምቅያር ‘ውን ይፍትኑ።
ንኣብነት ቃልሲ ናይ ዝተወፅዑ ማሕበረሰባት የመላኽቱ፤ ማሕበራዊ በደላት የቃልክዑ ወይ’ውን ፖለቲካዊ ቃልስታት የጉልሁ። እቲ ሕብረተሰብ ድማ ንርእሱ ዝረኣየሉን ብድሆታቱ ክገጥምን ዝኽእል መስትያት ይኾኑን።
ካሊእ ስነ-ጥበብ ኣካል መበገሲ ለውጢ ማሕበረስብ ኾይኑ የገልግል ‘ዩ። ስነ-ጥበብ ነቲ ዘሎ ፀገማትን ብድሆታትን ማሕበረሰብ ብምፍታሽ ሓሳባት ብምልዕዓል ንማሕበራዊ ለውጢ ከም መበገሲ ኮይኑ ብምግልጋል ኣማራፂ መፍትሒ ሓሳባት ብምቕራብ ዓሚቝን ሱር ዝሰደደ ፀገማት ብምብዳህ ንውልቀሰባት ነቲ ዝፀንሐ ስርዓታት ኣብ ሕቶ ምልክት ከእትዉ ብምግባር ዝያዳ ንፍትሒ ሕብረተሰብ ክጣበቑን ከነቓቕሕን ይኽእል።
ከምኡ’ ውን ካብ መንጎ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ቋንቋታትን ኣፈላላያት ማሕበረሰባት ሰጊሩ ምርድዳእን ርህራሄን የዐቢ። ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ክርድእዎን ዝኽእሉ ኣድማሳዊ ቋንቋ ኮይኑ የገልግል።
ብሓፈሻ ስነ-ጥበብ ኣብ ህላወ፣ ልምዓት፣ ፍቕሪ፣ ሰላም፣ ናፅነት፣ ሓርነት፣ ሰብኣዊ መሰል፣ ሰብኣዊነት፣ ሓድነት፣ ቅንዕናን ምዕሩይ ምሕደራን፣ ስነ ምግባር፣ ካልኦት ፍልስፍናዊ ህይወት፣ ዕለታዊ ንጥፈታት ሕብረተሰብ፣ ታሪኽን ያታን ክኸውን ኣብ ምጉላህ ልዑልን ኣውንታዊን ግደ ከም ዘለዎን ብፍላይ ድማ ኣብቶም ተሳገርቲ ዝኾኑ ሓበራዊ ጣዕሚ ሂወት፣ ሰላም፣ ዕብየትን ሰብኣውነትን ዝረጋገፀሎም ኣድህቦ ይህብ፣ ሕሉፍን ህልውን ይገልፅ፣ ቀፃሊ ባህግን ምህዞን ከም ዘበረታትዕ ዝተፈላለዩ ሙሁራት ይገልፁ።
ከም ዝፍለጥ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስታት ትግራይ ስነ ጥበብ ብፍላይ ድማ ኪነ ጥበብ ዝነበሮ ግደ ኣብዝሓ ሰብ ዝግንዘቦ ‘ዩ። ሓድነት ሕዝቢ ብምጥንኻር ዘይስገሩ ዝመስሉ ከበድቲ ፈተናታት ንክሓልፍ መተካእታ ዘይብሉ ናይ ባዕሉ ግደ ተፃዊቱ ሓሊፉ ‘ዩ።
ኣብዚ እንገልፆ ዘለና ብዛዕባ ግደ ስነ ጥበብ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዘይኮነስ እዚ መተካእታ ዘይብሉ ናይ ስነ ጥበብ ዓብይ ዓቅሚ ኣብ እዋን ኲናት ጥራሕ ዘይኮነስ ሕዚ ድማ ብዝበለፀ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ከንጥቀመሉ ይግባእ።
እቲ ማሕበረሰብ ፅዒሩ ለፊዑ ሰሪሑ ክቅየረላ ዝኽእልን ሰላማን ድሕንነታን ዝተሓለወት ሃገርን ንክትህልው ዘኽእል ጥንኩር ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ንክፍጠር እቲ ዘይትካእ ግደ ስነ ጥበብን ሰነ ጥበባውያንን ግድኡ ክፃወት ክኽእል ከምዘለዎ ንምሕባር’ዩ። ስለዝኾነ ጥበባውያንን ግደኦም ንክፃውቱ ድማ ኣብዚ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ክሰርሑን ክድግፉን ይግባእ።
ብተወሳኺ ስነ-ጥበብ ወይ ስነ-ጥበባውያንን በቲ ዝተፈጠረ መዕነዊ ኲናት ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጠሮ ኣካላዊ፣ ስነ-ልቦናዊ፣ ኢኮኖምያዊን ማሕበራዊን ጉድኣት ብምሕዋይ ካብ ተስፋ ምቁራፅ፣ ስደት፣ ጥሜትን ሞትን ብምውፃእ ናብ ዝሐሸ ሂወት ዝመርሐሉ ኣንፈት ከርእዮን ከበረታትዖን ከምዝግባእን ከምኡ ‘ውን ኣብ ትግራይ ረብሓ ህዝቢ ዘረጋግፅ ጥንኩር መንግስቲ፣ ፖለቲካ ውዳበታትን ዝተፈላለያ ሲቪክ ማሕበራትን ንክህልዋን ለኣላውነት ህዝብን ለኣላውነት ሕግን ከይጥሓስ ሓታቲ ማሕበረሰብ ንክፍጠር ኣብ ምንቃሕን ትፅቢት ዝግበረሉ ግዲኡ ክፃወት ክኽእል ኣለዎ ማለት ‘ዩ።
ብሓፈሻ ስነ-ጥበብ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎ ፅልዋ ዓሚቝን ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎን ‘ዩ። ባህሊ ይቐርፅ የማዕብል፣ ጉድለት ዘለዎ ሕብረተሰባዊ ስርዓታት ብምፍታን ማሕበራዊ ለውጢ የበግስ። ከምኡ ‘ውን ሓባራዊ ንቕሓት ኣብ ምቕራፅን ኣወንታዊ ለውጢ ኣብ ምምራሕን ዓቢዪ ተራ ከም ዝፃወት ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስታት ትግራይ ‘ውን ስነ ጥበብ ብፍላይ ድማ ኪነ ጥበብ ዝነበሮ ግደ ኣብዝሓ ሰብ ዝርስዖ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ስነ ጥበብ ከምቲ ብረታዊ ቃልስታት ንምዕዋት ዝነበሮ ግደ ኣብ ዕብየት ኢኮኖምያውን ማሕበራውን እቲ ሕብረተሰብ ትፅቢት ከምዝግበረሉ ግዲኡ ይፃወት ኣሎ ዝብሃል ግና ኣይኮነን። ስለዝኾነ ኣብ ሕውየት ትግራይ ልዑል ግደ ብፍላይ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ዓውድታት ተሳትፎ ማሕበረሰብ ኣብ ምንቃሕ ግድኡ ብግቡእ ክዋፃእ ይግባእ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 22 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም