ስነ- ቃል ማህደር ታሪኽ፣ ባህሊን ልምዲን ማሕበረሰብ

 ናይ ሓደ ማሕበረሰብ ታሪኽ ባሕሊን ልምድን ብሓፈሻ መንነቱ ተዓቂቦም ካብ ዝርከቡሉ ነገራት ሓደ ኣብ ስነ-ቃል ‘ዩ እንተተብሃለ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይከውንን።

ስነ ቃላት ሓደ ማሕበረሰብ መግለፂ ማንነት ዝኾኑ ከም ነበረያ ነብረ፣ ምሳለታት፣ ሕንቅንሕንቅሊተይ፣ ኣዝግነኒን ግጥምታት ማሰን መልቅስን ዝኣምሰሉ ታሪኽ፣ ባህልን ልምድን እቲ ማሕበረሰብ ካብ ምዕቃብ ብተወሳኺ፤ እንዳዘናግዑ ታሪኽ ባህልን ያታን ካልኦት ጠቀምቲ ልምድታትና ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገረሉ መንገዲን ብልሓትን ኮይኑ ሓደ ናይ ማሕበረሰብ ሃፍቲ ‘ዩ ይብሉ ናይቲ ዓውዲ ሙሁራት።

ስነ ቃል ሓደ ማሕበረሰብ ኣብቲ ሓደ ሕብረተሰብ ውሽጢ ዘሎ ዝኾነ ይኹን ተግባራት ዝገልፅ ኮይኑ፤ ብሓፈሻ ናይቲ ሕብረተሰብ ኣተሓሳስባ፣ ኣመላኻኽታ፣ ኣብ ዓርሱ ብዓርሱ ዘሎ ርክባትን ዝግልፀሉ ‘ውን ‘ዩ።

ባህላዊ ግጥምታት ድማ ኣካል ስነ ቃል ዝኾኑን መበገሲ ኹሎም ስነ ቃላት ብፍላይ ድማ መሰረት ዘበናዊ ግጥምታት ከም ዝኾኑ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ይዛረቡ። ኣብዝሓ ግጥምታት ስነ ቃል ናይ እገለ ዝበሃሉ ኣይኮኑን፤ ብሓፈሻ ‹‹ናይ ህዝቢ ግጥሚ›› ተባሂሎም’ዮም ዝፅውዑ። ኣብ ሓደ ሓደ ናይ ቐደም ባህላውን ዘበናውን ደርፍታት ‘ውን ተኻቲቶም ክንረኽቦም ንኽእል ኢና።

‘ዞም ግጥምታት ስነ ቃል ህዝቢ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝበሃሉ እንተኾኑ ዓይነታት ኣለዎም ‘ዩ። ኣብ ሓጎስ ኣብ ደስታ፣ ኣብ ሓዘን፣ ኣብ ስራሕ ዝበሃሉ ይፈላለዩ ‘ዮም። እቶም ኣብ ስራሕ ዝበሃሉ ‘ውን ነናይ ባዕሎም እዋን ኣለዎም ‘ዩ።

ኣብ ማሕረስ፣ ኣብ ፃህያይ፣ ኣብ ዓፂድን ኣብ ምእካብ ዘርኢ ኸያዳን ዓርሱ ዝኽኣለ ባህርያት ኣለዎ ‘ዩ። ሐዚ እዋኑ እዋን ዓፂድን ምእካብ ዘርኢ ኸያዳን ‘ዩ። ስለ ዝኾነ ናይ ሎሚ ትኹረትና ኣብ እዋን ምእካብ ዘርኢ ኸያዳን ዝዝውተሩ ስነ-ቃላት  ግጥሚ ዜማታትን ‘ዩ ዝኸውን።

ኣብዝሓ ማሕበረሰብና ብሕርሻ ዝመሓደር ምስ ምዃኑን ዋና ማእገር ኢኮኖሚና’ውን ኣብዚ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይከውንን። ስለዝኾነ’ውን ‘ዩ ሓረስታይና ነዚ እዋን ልዑል ትኹረት ካብ ዝህቦም እዋናት ሓደ ምኽያድ ዓውዲ ‘ዩ። ኣብዚ እዋን ሓረስታይ ፍረ ረሃፁ ዝረኽበሉ፣ ካብ ጥምየት ተገላጊሉ ናይ ፅጋብን ታሕጓስን ዝመፅኣሉ እዋን ብሙዃኑ ደስ ዝብል ተስፋ ዝመልኦ ግዘ ‘ዩ።

ኣብዚ እዋን ካብ ኣብዝሓ ሓራስታይ ትግራይ ከበሳታት ኤርትራን ካብ ዝስማዕ ጥዑም ድምፂ ሓረስታይ ዝተዓጀበ ዎ! ዎሆ! ዝብል ‘ዩ። ንቶም ካብ ሓጋይ ጀሚሮም መርየት እንተለሳልስ እንትሓርስ ካብኡ ከይተፈለዩ በዓል ውዕለታኡ ዝኾኑ ኣብዑሩ ብጥዑም ድምፁ እናሞገሰ እናወደሰ ስራሕቲ መኼዳኡ “ዎሆ..” እናበለ ይቅፅል።

ምኽንያቱ “ዎሆ..’ ሓደ መነቃቅሕን መሳለጢ ስርሑ ስለዝኾነ ‘ዩ። ገለ ካብ’ቲ ሓረቶት ዓድና ኣብ መኼዳ ዝገብርዎ ጥዑምን ኣዝናጋዒን ደርፍታት መኼዳ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

ኣቤት ዘሎ ሓዋዊስካ ጣዕሚ። እናበለ የመስግን “ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ ከምዝብሃል”

 ዎ ሆየ ዎሆ!

ብዕራየ ብዕራየ

ምቕማጥካ ላዕላየ

ተብላዓኒ ጎጎ ተስትየኒ ፅራየ።

ብዕራይ ደኣ ‘ብሉኻ

ብስም ወፁዑኻ

ጎይታይ ከይብሉኻ።

 ብዕራይ ዘለዎ ሰብ

ሓሓሊፉ ይዋሰብ

ብዕራይ ዘይብሉ ሰብ

ሓሓሊፉ ይዕሰብ።

ብዕራየ- ብዕራየ

ብዕራይ ወዲ ላሕመየ

ይሃብካ ልዋምየ

ናትካ ጎጎ ናይ ኣደኻ ጠስሚ

 ውዕለታ ብዕራዩ ኣብ ቀረባኡ ንዘለው ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ከባቢኡ ብርሕቀት ንዘለው ተፈጥሮታት ኩሎም ‘ውን ንክሰምዑ ብዝመስል ድምፁ ዓው ኢሉ ውዕለታ ብዕራዩ ብመሳጢ ድሚፁ ይገልፅ። እዚ ተግባር ሓረስታይ ብዙሕ ዘይነስተውዕሎ ብተዘዋዋሪ ግና ጠቃሚ መልኽቲ ዘሕልፍ መልኽቲ ‘ውን ‘ዩ። ምኽንያቱ ሓገዝ ኣብ ዘድልየካ እዋን ኣብ ጎንኻ ኮይኑ ንዝደገፈካ ብግቡእ ክተኽብሮን ክተመስግኖን ከምዝግባእን ኣብ ዝኾነ እዋን ንዝተገበረልካ ኹሉ ኣመስጋኒ ንክትኸውን ዘምህር ‘ዩ።

 ዎሆማ ዎሆ

ሓጋይ’ውን ሆሆ

ክረምቲ’ውን ሆሆ

ሰይማ- ሰየ

ሽዱዱ- ሽዱዱ

በዓል በሪህ ጸዓዱ

ብዝሑ’ሞ ኣይትሓዱ

ህጠሩ ሰውዱ

ነቊዩ ሞንጉዱ

ዓውዲ ኣይተሐምዱ

መሊእኩሞ ኪዱ

ክሳብ ከንፈር ዓውዱ።

ብምባል ፀፅቡቅ እናተመነየሎም ከምዚ ድማ ይብሎም።

 ዓሪማ -ዓሪ

ሓዳርካ ተዐሪ

ሓሸው ሸው ኣብሎ

ኣብ እግርኻ ዘሎ

ኣይትዓዃልሎ

ብዕራይ በዓል ቅነ

መላእ መዓኸነ

ዝበልካዮ ኮነ።

ብምባል ካብ ምምስጋን ብተወሳኺ እቲ ስራሕቲ መኼዳ ብግቡእ ንክኸይድ ድልየቱን ባሁጉን ‘ውን ከምሰብ እንትገልፅ ይስማዕ።

 ተብልዕ ስርናየ እናተባህለ ዓሪ ይባሃል እሞ ሓሳር ምስ ኣዉፃእኻ ጉዳእ ትብሎ ንብዕራይ ጉዳእ ፀላኢኻ ይጎዳእ እናበልካ እናጫለኻ ተዝሩ እሞምስ ወዳእኻ መንገደኛታት ካብ ዓዉዲ እኽሊ ዝልምኑ ይቶኽቡሎም። ብድሕሪ እዚ ዓያብትኻ ወይ ተረሽዋታትካ መሊእካ እንተስ ብፍፈረስካ እንተስ ብኣድጊካ ፅዒንካ ምህርትኻ ሒዝካ ዓይኒ ሕዝ ክተብል እንከላ ምድሪ ሰማይ ናብ ገዛኻ ትአትው፡፡

ብሓፈሻ ስነ ቃል ሓደ ማሕበረሰብ ኣብቲ ሕብረተሰብ ውሽጢ ዘሎ ዝኾነ ይኹን ተግባራት ዝገልፅ ኮይኑ፤ናይቲ ሕብረተሰብ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ልምዲ፣ ኣተሓሳስባን ኣመላኻኽታን ዓቂቡ ዝሓዘ ስለዝኾነ ብግቡእ ክስነድን ክዕቀብን ይግባእ። ኣብዚ ዝተጠቅምናሎም ዝተወሰኑ ፍልፍላት ካብ ሓደ ሓደ ናይ ተጋሩን ኤርትራውያንን ማሕበራዊ ድሕረ ገፃት ዝተወሰዱ ‘ዮም።

 ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 15 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም

Recommended For You