ጥንታውን ታሪኻውን ቅርሲ ገዳም ደብረ ዳሞ

 ኣብ 537 ዓ.ም ብሃፀይ ንጉስ ገብረ መስቀል ከም ዝተመስረተ ዝንገረሉ ገዳም ደብረ ዳሞ፣ ኣብ ትግራይ ጥንታውያን ካብ ዝባሃሉ ገዳማት ‘ቲ ሓደ ‘ዩ።

እዚ ገዳም ስፍሓቱ ካብ ሰሜን ምዕራብ ናብ ደቡብ ምብራቅ 1000 ሜትር ዝዝርጋሕ ስፍሓት ዘለዎ ገዳም ‘ዩ። ብገደላት ዝተኸበበን 15 ሜትር ንውሓት ኣብ ዘለዎ ጎቦ ዝባን ኣብ ዝርከብ ሜደ ዝርከብ ገዳም ‘ውን ‘ዩ።

ኣብ ዝባን ገዳም ደብረ ዳሞ ክልተ ቤተ ክርስትያናት ዘለዉ ኮይኖም ብኣኽሱማዊያን ኪነ ህንፃ ዝተሃነፁ ‘ዮም። እቲ ብሃፀይ ገብረ መስቀል ከም ዝተሃነፀ ዝንገረሉ ቤተ ክርስትያን ብዝተፀረቡ ዕንፀይትን መንደቕን ብምጥቃም ዝተሃነፀ ኮይኑ ብተለምዶ ሳንድች እናተባሃለ ዝፀዋዕ ኣኽሱማዊ ኪነ ህንፃ ዝወነነ ‘ዩ።

ኣብ ውሽጢ እዚ ገዳም ብርክት ዝበሉ ሓድጊታት ይርከቡ። ካብ ኣቶም ገለ ንምጥቃስ ከባቢ 12 ዝኾኑ ናይ ወርቂ መስቀል፣ ብወርቅን ብርን ዝተሰርሑ ቅዱሳን መፃሕፍቲ፣ ናይ ሃወርያ ጳውሎስ ታሪኽ ዝገልፅ መፅሓፍን ካልኦት ምግላፅ ይከኣል።

ኣቡነ ኣረጋዊ ካብቶም 9 ቅዱሳን ሓደ ኮይኑ አብ ዞባ_ምብራቕ ትግራይ ጣብያ 70 ዳሞ (ሰብኣ ዳሞ) ዝርከብ እንትኸውን አብ ልዕሊ 60 ሜትሮ ንውሐት ዘለዎ እምባ ዝተመስረተ ‘ዩ። ከም ገመድ ዝተተንገ ምራን ብምጥቃም ንከባቢ 15ሜ ንውሓት ዝኣክል መደየቢ ኮይኑ የገልግል። እዚ ብባዕሉ ካብ ካልእ ገዳማት ፍልይ ዘብሎ እንትኸውን ትኹረት ብዙሕ ዑደተኛ ዝስሕብ ‘ዩ።

ናብ ላዕሊ ምስ ወፃእኻ ፊት ንፊትካ እትረኽቦ ቤተክርስትያን ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ‘ዩ። እዚ ቤተክርስትያን ናይ ኣክሱማዊት ጥበብ ኣተሃናንፃ ዝዓረፎን ካብ እምኒ ዝተሰርሑ ፅሩባት ዓንድታት ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ናሕሲ እቲ ቤተክርስትያን ዝተፈላለዩ ኣዝዮም ዘድንቑ ጥበብ ዝተመልኦም ቅርፅታት ኣለዉ።

 ኣተሃናንፃ እዚ ገዳም እንትትዕዘብ ስልጣነ ጥበብ ስነ ህንፃ ቀዳሞት ኣቦታትና ኣያታትናን ተድንቅ፣ ነቲ ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ዕብየት ኪነ ህንፃ መሰረት ሙኳኑ ድማ ትግንዘብ። ቀፂሉ ዘሎ ቤተክርስትያን ድማ ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ፃድቅ ‘ዩ። ኣቡነ ኣረጋዊ ተሰዊሮሙሉ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ዝተሃነፀ ‘ዩ።

ካልእ እዚ ገዳም ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ካብቶም ናይ መጀመርታ ገዳማትን ትምህርቲ ፈለገ ሂወት ዝተጀመረሎምን ሓደ ኮይኑ ንዕብየት ስነ ፅሑፍ ዓብይ ተራ ተፃዊቱ ‘ዩ። ኣብ ላዕሊ እቲ ገዳም ምስ ደየብካ ልዕሊ300 ፈለስትን ተምሃሮን፣ 200 መንበሪ ፈለስቲ ገዛውትን ልዕሊ 9 ጎዳጉዲ ማይን ትረክብ። ብተወሳኺ ‘ውን ብዙሐት ንመቃብር ዘገልግሉ መልግባት ከምዘለዉ ኣብቲ ቦታ ዝደየቡ ደቂ ተባዕትዮ ምእመናንን ይዛረቡ።

ገዳም ደብረ ዳሞ ንክትሪኦ ኣዝዩ ታባህግን ደስ ዝብል ሓድሽ መንፈስ ‘ዩ ዝስመዐካ፤ ውረድ ‘ውን ኣይመፀካን፤ ባሓቂ ኣብኡ ብዙሕ ናይ ሃይማኖት ታሪክ ‘ዩ ዘሎ። ገዳም ደብረ ዳሞ ኣቡነ ኣረጋዊ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ መንፈሳዊ ባዓላት ትግራይ ኮይኑ 14 ጥቅምቲ ብድሙቕ ይኽበር።

ሓደ ካብቶም ብሃንቀውታ ዝኽበሩ ዓበይቲ ገዳማት ትግራይ ኮይኑ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ተኸታሊ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትና በረከት፣ ረዲኤት፣ ጥዕና፣ ፅድቒ፣ ሰላምን ቅሳነትን ንምርካብ በፂሑ እንትምለስ ብሰላም ዳግማይ ኢንምለሰሉ ግዜ ይግበሮ እናበለ እናመስገነን ገሊኡ ድማ እናተመባፀዐን ይምለስ። ይመባፃዕ።

ገዳም ደብረ ዳሞ መንፈሳዊ ክብርታትን ታሪኻዊ ቅርሲታትን ሓልዩ ዝርከብ ገዳም ኮይኑ መስሕብ ቱሪዝም ‘ውን ኮይኑ እናገልገለ ይርከብ። ናይ ሃገር ውሽጥን ናይ ወፃኢ ዓዲን ዑደተኛታት ዝበፅሕሉ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ናይ ኢትዮጵያ ቱሪዝም መስሕብ ንምግባር ገና ብዝግባእ ዘይተሰርሐሉ ታሪኻዊ ቦታ ‘ዩ። እዚ ገዳም ብኹሉ መዳይ ዘድንቅ ኮይኑ በቲ ዝግበኦ መጠን ዘይተላለየን

 ንመስሕብ ቱሪዝም ዘይዋዓለን ብምኳኑ ብቐፃሊ ብምልላይ ኣብ ቱሪዝም ትግራይ ዝላዓለ ኣስተዋፀኦ ክህልዎ ምግባር ናይ ኩላትና ሓላፍነት ክኸውን ድማ ይግባእ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 8 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም

Recommended For You