ባህሊ “ወፈራ ዓፂድ” መርኣያ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን

 ኣብ ዓመት ካብ ዘለው ኣርባዕተ ወቕትታት (እዋናት) ቀውዒ ሓደን ናይ መጀመርያ ክፋል ዘመን ወይ ዓመት ‘ዩ። ብመሰረት ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኣከፋፍላ ድማ ካብ 26 መስከረም ክሳዕ 25 ታሕሳስ ዘሎ እዋን ቀውዒ ተባሂሉ ከም ዝፅዋዕ ይፍለጥ።

እዚ ንጅምሮ ዘለና ወርሒ ጥቅምቲ ድማ ሽሙ ከምዝሕብሮ ናይ ግእዝ ሱር ቃሉ ጠቀመ ከምዝኾነን ትርጉሙ ድማ ሰሪሑ፣ ጠቃሚ ግዘ ከምዝኾነ ሓደ ሓደ ፍልፍላት ይገልፁ። በዚ መሰረት ‘ዚ ብፍላይ ሓረስታይ ዓድና ፍረ ረሃፁ ምዕፃድ ምእካብ ዝጅምረሉ ‘ዋን ‘ዩ ክብሃል ይከኣል።

ኣብዚ ወርሒ ‘ዚ ስራሕቲ ዓፂድ ዝራእቲ ዝበዝሑሉ ግዜ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ዝድለየሉ እዋን ‘ዩ ክብሃል ይክኣል። ህዝብና ካብ ዘለውዎ ብዙሓት ልምድታት ባህልታትን ናይ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ከምኡ ‘ውን መርኣያ ሓድነት ክብሃል ዝኽእል ንሓደ ውልቀ ሰብ ዝኸብዱ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ብሓባር ኮይንካ ንምስራሕ ዝሕግዝ ባህሊ ስራሕ ከማዕብል ክኢሉ ‘ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ይኹን ኣብ ኸባቢና ዘለውን ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ህዝቢታት ናብራ ሂወት ንምምችቻውን ንምምዕርራይን ኩሉ ግዘ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ዘድልዮ ዕማም ብምትሕግጋዝ ዝፍፅምዎ ስራሓቲ የዘውትሩ።

ኣብ ዓድና ድማ ብወፈራ ዝፍለጥ ሓባራዊ ስራሓቲ ዝከናወነሉ ሰናይ ባህሊ ኣለና ’ዩ። ወፈራ ንዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዝውዕል ኮይኑ ካብ ስራሕቲ ሕርሻ ክሳብ ምስራሕ ገዛን ካልኦት ከበድቲ ስራሕቲን ብምትሕግጋዝ ዝስረሐሉ ሜላ ‘ዩ።

ወፈራ ንሰለጤን ዓበይትን ከበድትን ስራሕቲ ከም ናይ ስራሕቲ ቀውዒ ዝበሉ ግዘ ዘይህቡ ከም ዓፂድን ምእካብን ዝበሉ ስራሕቲ መናእሰይ ሓደ ከባቢ ተኣኪቦም ብሓባር ብባህላዊ ደርፍታት እናዓጀቡ ዘካይድዎ ክቡር ባህሊ ‘ዩ፡፡ ወፈራ ብዝተፈላለየ ሽም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዝካየድ እንትኾን፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዝነብር ሓረስታይ ድማ ዝተለመደ ‘ዩ።

እዚ ባህሊ ወፈራ ዓፂድ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይን ከምኡ ‘ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ዝተለመደ ‘ዩ። ንኣብነት ሓደ ኣካል ማሕበረሰብ ዝኾነ ሓገዝ ዝጠልብ ስራሕ ምስዝህልዎ፤ ምስቲ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ በምምኽኻር መዓልቲ ይቁረፆ እሞ መዓልቱ ኣብ ዝኣኸለ ድማ እክለማይ ብምድላው ናብቲ ዝዕፀድ ቦታ ይውሰድ፡፡

ኩሎም ግዱሳት ንዝተመደበ ስርሓት (ወፈራ) ዘድሊ ናውቲ (ናይ ውልቆም ናውቲ) ሒዞም ይወፍሩ። እቲ ስራሕ ማሕረስ፣ ዓፂድ፣ ዝብጣ፣ ህድሞ ምህዳም (ገዛ ምስራሕ)፣ ኣብ መርዓ ኾነ ሓዘን ንፅጉማት ደቂ ዓዲ ንምሕጋዝ ዝዓለመ መደብ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ካልእ ከም ስፍሓት እቲ ስራሕ ንሙሉእ ጣብያ ወረዳን ዞባን ዝምልከት ጉዳያት ክኸውን ይኽእል ‘ዩ።

ንኣብነት ከም ምትኻል ምግዳብ፣ ፈልሲ ምትኻል ዝኣመሰሉን ከምኡ ‘ውን ከም ሃገር ምክልኻል ኣምበጣን ካልኦት ባልዓት ኣዝርእትን ወይ ናይ ህልውና ሓደጋ እንተጋጥምን ብሓባራዊ ወፈራ ይካየድ።

ኣብዚ እዋን ድማ ከከም ኣድላይነቱ ነቲ ስራሕቲ ንምስላጥን ንምንቅቓሕን ዝሕግዝ ባህላዊ ደርፍታት እናተደረፈ ፣ ከበሮን ጭራወጣን እናተወቅዐ እቲ ስራሕቲ ክካየድ ይግበር፡፡ ኣብዚ ካብ ባህላዊ ደርፍታት ብተወሳኺ እኽለማይ ዘቅርቡ መናእሰይን ደቒ ኣንስቲዮን ደድሕሪ እቶም ወፈርቲ እናሰዓቡ ብምሕጋዝ ስራሕቲ ወፈራ ንክቃላጠፍ ይገብሩ፡፡

ንኣብነት ተጋዳላይ፣ድምፃውን ተዋሳእን ገብረስላሰ ብርሃነ (ሽሙየ) ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዓፂድ ዝዝውተሩ ባህላዊ ደርፍታት ከምዝስዕብ ይገልፆም:-

“ገናየ ኣለና ገናየ..ያ ሆሆ

ዓፃዳይ ባርጌዶ ያ ሆሆ..ንቅድሜኻ ኺዶ ያ ሆሆ …

ጎልጎል ክየ ማዕዶ በዓል ማዕፂድ ጣዛ ያሆሆ .. ተጠንቂቅካ ሓዛ ያሆሆ … ኢድካ ከይትቖርፃ ከይመስለካ ዋዛያ ሆሆ..

ገናየ ኣለና ገናየ ያ ሆሆ.. እናበሉ ጥንቃቀ ብዝተመልኦን ብቅልጣፈን ስራሕቶም ንክኽውኑ የበራታትዑዎም።

ከምኡ ‘ውን ደቂ ኣንስትዮ ነቶም ኣብ ወፈራ ዝነጥፉ ሰባት ከምዚ ክብላ የበራታትዓ፣ “ደስ ይብለና ኣሎ ደስ ይብለና ኣሎ ኣታ ዝዕማምኩም ደስ ይብለና ኣሎ”

እዚ ወፈራ ተባሂሉ ዝካየድ ስርሓቲ ቀንዲ ሃብታም ባህሊ መርኣያ ሓባራዊ ስርሓት ህዝብናን ከይዱ ከይዱ ድማ ዓሌት፣ ሃይማኖትን ፆታን ኣፈላልይ ብዘይብሉ ዘሳትፍ መሰረት መግለፂ ምትሕግጋዝ ሓድነት ክበሃል ይክኣል። ከምዝፍለጥ ሓድነት ድማ ሓይሊ’ዩ ።

ባህሊ ወፈራ መርኣያ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ሓድነትን ‘ዩ ካብ በልና ኣብዚ እዋን ሃገርና ብፍላይ ድማ ትግራይ ብዙሓት ወፈራታት እትጠልበሉ እዋን ‘ያ ትርከብ።

ወፈራ ንሕውየት ዝተጎድኣ ኢኮኖምኣን ማሕበራዊ ሂወታን፤ ወፈራ ንሕውየትን ዕብየትን ሰላም፣ ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ዘድሊ ሙዃኑ ብዘይምዝንጋዕ ኣብ ዝሃለወ የሃልው ኩሉ ግዱስ ፈታዊ ህዝቡን ዓዱን ዝኾነ ዜጋ እዚ ወፈራ ንክካየድ ክቅስቅስን ንቁሕ ተሳታፊ ንክኸውን ዜግነታዊ ሓላፍነቱ ክዋፅእን ይግባእ እናበልና ኣብዚ ንዛዝም።

 ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 1 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም

Recommended For You