በዓል ኢሬቻ መግለፂ ሕውነትን ሓድነትን

 ኢሬቻ ብዓሌት ፣ ፆታ ፣ ሃይማኖትን ካልኦት መለክዒታትን ብዘይ ኣድልዎ ኩሉ ሰብ ፈጣሪኡ ዘመስግነሉ በዓል ‘ዩ። ባዓል ኢሬቻ መግለፂ ሕውነታውን ሓድነታውን ከምዝኾነ ‘ውን ካብ ዝተፈላለየ ክፋል ኢትዮጵያ እናመፁ ዘኽብርዎ ኣካላት ምስክር ‘ዮም።

ባዓል ኢሬቻ ምስ ስርዓት ገዳ ዝተኣሳሰረ እንትኾን ማሕረሰብ ኦሮሞ ንዘመናት እናኸበረ ከምዝመፀ ምሁራን ይዛረቡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆራ ፊንፊኔ ፣ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ድማ ሆራ ሃር-ሰዲ ብምባል ድሕሪ በዓል መስቀል ብዘለዉ ቀዳምን ሰንበትን ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝተረኸበሉ ‘ቲ ባዓል ዝኽበር ‘ዩ።

ኢሬቻ ባዓል ምስጋና ‘ዩ። ህዝቢ ኦሮሞ ምድርን ሰማይን ንዘፈጠረ ፈጣሪ ዋቃ ምስጋና ንምብፃሕ ባዓል ኤሬቻ ይኽብር ይብሉ ናይቲ ማሕበረሰብ ባህላዊ መራሕቲ።

ኢሬቻ ናይ ሓድሽ ዘመን መለወጢ ‘ውን ‘ዩ ፤ ህዝቢ ኦሮሞ ክረምቲ ብምሕላፉ ብማዓልቲ ኢሬቻ ምስጋና ንፈጣሪ ዘቕርበሉ ማዓልቲ ‘ዩ። ብምኽንያት ክረምቲ ተራሓሒቁ ዝፀንሐ ዘመድ ኣዝማድ ኣብ እዋን መስከረም ዝራኸበሉ ‘ዩ።

እቲ ህዝቢ ‘ውን ክረምቲ ብፍቓድ ኣምላክ መሊኡ ዝነበረ ማይ ጎዲሉ ኣዝማድ ንኣዝማድ ኣራኺብና ፣ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ዘሰጋገረ ኣምላኽ ምስጋና ዘቕርበሉ ‘ዩ። ዝተፃለአ ተዓሪቁ ፣ ቂም ገዲፉ ብንፁህ ልቦና ፈጣሪ ንፅህ ናብ ዝገበሮ ማይ ዘለዎ ኸባቢ ኸይዱ ምስጋና የቕርብ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተወለድቲ ኦሮሞ ድማ እቲ ባዓል ኣብ ዘለዉዎ ከባቢ ብምኳን የኽብሩ ‘ዮም።

በዓል ኢሬቻ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ዝመሓላላፈሉ ባዓል ‘ውን ‘ዩ። ኣብ ሃገርና ጥራሕ እንተይኾነስ ኢሬቻ ካብ ኢትዮጵያውያን ሓሊፉ ዓለም ለኸ በፃሕቲ ክስሕብ ዝኸኣለ ከምዝኾነ ኣብ ባዓል ዝተረኸቡ ዑደተኛታት ይዛረቡ ‘ዮም።

ኢሬቻ ብዓሌት ፣ ፆታ ፣ ሃይማኖትን ካልኦት መለክዒታትን ብዘይ ኣድልዎ ኩሉ ሰብ ፈጣሪኡ ንምምስጋን ዝወፅአሉ በዓል ከምዝኾነ ግልፂ ‘ዩ። ብምዃኑ እቲ በዓል ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩሎም ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ብሓባር ዘኽቡሩዎ ስርዓት ኮይኑ ‘ዩ።

ኢትዮጵያውያን ከም ሃገር ብወግዒን ባህሊን ክብሪታትን ዝማዕበሉ ህዝቢታት ‘ዮም። ምክእኣልን ሓቢርካ ምንባር ዘበረታትዑ ብዙሓት ባህላዊን ሃይማኖታዊ ስርዓታት ከምዘለዉዎም ‘ውን ዝፍለጥ ‘ዩ። ኢሬቻ ዝፈልጥ ሰብ ቂም ሓዲጉ ሰላም ይሰብኽ ፣ ሓድነትን ሰላምን ምትሕብባርን ሕውነትን የጠናኽር።

ኢሬቻ ዘኽብር ሰብ ካብ ፈጣሪ ዝረኸቦ ዝኸበረ ህያብ ከምዘሎን ፣ ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ ሓድነትን ሓቢርካ ምንባርን እናድነቐ ፈጣሪኡ ከምዘመስግንን ‘ውን ምሁራን ይዛረቡ ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ባህሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዝንፀባረቐሉ ኣጋጣሚ ‘ውን ‘ዩ ባዓል ኤሬቻ ። ባህላዊ ኣልባሳት ከምኡ ‘ውን ባህላዊ ምግቢ ካብ ካልኦት ግዘ ጎሊሁ ዝራኣየሉ ባዓል ‘ዩ። ኣብቲ ዝኸበርሉ ማዓልታት ብፍላይ ድማ ባህላዊ ናይ ኦሮሞ ኽዳውንቲ ካብ ቆልዓ ክሳብ ዓብይ ማዕሪጉ ምርኣይ ዝተለመደ ‘ዩ።

ናይ ሎሚ ዓመት ድማ ከም ‘ቲ ልሙድ ንምኽባር ምድላዋት እናተገበሩ ይርከቡ። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ቢሾፍቱን ዝኽበር ‘ዚ ባዓል ናይ ህዝቢ ኦሮሞ ጥራሕ እንተይኾነስ ካብ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ‘ውን ተሳባሲቦም ናይ ባዕሎም ባህሊ ንምንፅብራቕ ዝተኣኻኸብሉ ‘ውን ‘ዩ። ኢሬቻ መዓልቲ ምስጋና ጥራሕ እንተይኾነስ ሓድነትን ፍቕርን ኢትዮጵያውያን ውን ዘጠናኽር ባዓል ‘ዩ።

 መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 24 መስከረም 2016 ዓ.ም

Recommended For You