ኣሸንዳ ንሰላም፣ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን

 ኣብ በዓል ኣሸንዳ ኣዋልድ ካብ ጭፍሪ እግረን እስካዕ ጨጉረን ንምፅባቕ ዘይገብርኦ የለን።ጨጉረን ይቑነና፤ካብ ብሩር ዝተሰርሐ ኣልቦን ኣብ ክሳድ ዝእሰር ዝተፈላለየ መጋየፅታትን ገይረን ተዃሒለን፤ተፈቲሉ ዝተኣለመ ባህላዊ ዓለባ ይኽደና።

ኣሸንዳ ዝበሃል ነዊሕ ሰቲ ተዓጢቐን እንትፃወታ፣ ኣሸንዳዋይ እንትብላ ድምቀት ይህበን። ካብ መንጎ እተን ኣዋልድ እተንጉሕ (ዜማ እትጅምር) ውደሳ ብዜማ እንትተቕርብ እተን ተቐበልቲ ድማ ብኸበሮን ብጣቕዒትን እንትዕጅባ የገርማ። ኣልባሳትን መጋየፅ ታትን ዘበናዊ ዘይምዃኑ ድማ ንባህሊ ዝተውሃቦ ትኹረት ፅቡቕ የርእየና።

ግጥምን ዜማን ፀወተአን ድማ ባህሊ መሰረት ዝገበረ ‘ዩ፤ እተን ኣዋልድ ኣፍቲ በዓል ደሚቐን ዝርአያ ኣብ ከባቢአን ብዝርከብ ባህላዊ መመላኽዒ ‘የን።ናይ ኩሉ ዓይኒ ኣብኣተን ‘ዩ ዝዓርፍ፤እቲ በዓል መበገሲኡ ሃይማኖታዊ እንተኾነ’ውን ብሓፈሻ ባህላዊ እሴት ‘ዩ ዘበዝሕ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ፅባቐ ዝተመልአ በዓል ኣሸንዳ ሕፅይቲ ንምእላሽ ዝጥምት ኣይስኣንን፤ እዚ ድማ ሓደ መግለፂ እቲ ባህሊ ‘ዩ።ኣብዚ ሐዚ እዋን ‘ውን ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ዝፍጠር ርክብ ከይኾነስ ሓደ ወዲ ንሓዳር እትኾኖ ንምእላሽ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ‘ዩ ዝጥቀም።

እሞ እዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ሕፅይቲ ንዝደልይ ‘ውን ጥንቃቐ ክገብር ‹‹ቖልዓ ኣሸንዳ ርኢኻ ኣይትተሓፀ ›› ባዕሉ እቲ ባህላዊ ምስላ ይመኽሮ።ከምዚ እናበለ ምኽንያቱ ድማ ኣፍቲ ዕለት ብምኽንያት ዝጥቀመኦ በዝሒ መጋየፂ መልኪዐን ስለዝወፃ ኹለን ቃሕ በሃሎ ስለዝኾና ‘ዩ።ነዚ ‘ዩ ድማ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ሕፅይ ቲ ኣይትምረፅ ዝበሃል።

ናይ ኣዋልድ ፀወታ ኣሸንዳ መበገሲኡ ወይ ድማ ትሕዝትኡ ሃይማኖታዊ ‘ዩ።ብኣመንቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ድሕሪ ፆመ ፍልሰታ ኣብ መበል 16 መዓልቲ ፆም ይፍታሕ። እተን ኣዋልድ ፆም ምስ ተፈትሐ ንመዓልታት ገዛ ገዛ እናዘወራ ዝተፃወተኦ ፀወታ ባህላዊ መልክዕ ኣለዎ።

ፅቡቕ ተባሂሉ ዝጥቀስ እሴት ማሕበረሰብ ምርቓትን ፅቡቕ ትምኒትን ብምዃኑ እተን ኣዋልድ ገዛ ገዛ እናዘወራ እንትፃወታ ይምረቓ፤እሳተን ‘ውን ይውድሳን ይምርቓን ንዓመታት ብፅቡቕ ከፅንሐን ይምነያ።

እዚ ኹሉ ዝገብራ ባህለን ስለዝፈትዋን ስለዝናፍቓን እቲ ማሕበረሰብ ‘ውን ኣብ ገዝኡ ኾይኑ ይፅበየን።ናብ ገዝኡ እንትመፃ ድማ ኣብ ገዛ ዘሎ ንኣውደ ዓመት ዝተዳለወ ምግብን መስተን የቕርበለን።እሳተን ድማ ናፍቲ ዝኸዳሉ ገዛ እንትኣትዋ ካብ መእተዊ በሪ ጀሚረን እናወደሳ ‘የን ዝኣትዋ።

ከምዚ እናበላ ከባቢአን ይኾላ ፣ይዘራ፤ስድራ ቤት ድማ ንደቁ ናፅነት ዝህበሉ ዕለት ‘ዩ።በቲ ከባቢ ዝፍራሕ ወይ ድማ ብናብርኡ ዝሐሸ ዝበሃል ሰብ ከይተረፈ ገዝኡ ንደቂ ኣሸንዳ ኽፉት ‘ዩ። ኣቀባብላ እንድሕር ዘየፀቢቑ ድማ ካብ ፀርፊ ኣየምልጥን።

ዓቐን ናፅነተን ማዕረ ክንድዚ ‘ዩ።ናይ ስድራ ቤታ ቑፅፅር ዘለዋ ከይተረፈት ኣብዛ ዕለት እዚኣ ኣይትኽላእን። ምስ መሓዙታ ክትፃወት ይፍቀደላ።

ካብ ነሓሰ 16 ጀሚሩ ዝግበር ናይ ኣዋልድ ፀወታ ኣብ ትግራይ፣ዋግኽምራን ቆቦን ኣዝዩ ዝፍለጥ ‘ዩ። ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን በቢዓመቱ ይኽበር። ባህላዊ ፀወታ ድማ ብሓደ ሓደ ነገር ተዘይኮይኑ መሰረታዊ ዝበሃል ኣፈላላይ ከምዘይብሉ መረዳእታታት ይሕብሩ።እዚ ፀወታ ምእታው ሓዱሽ ዓመት ዘርእይ ብምዃኑ ድባቡን ስምዒቱን ፍሉይ ‘ዩ።

ሎሚ ዘበን ደሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ኹናት ዝኽበር በዓል ስለዝኾነ ፍሉይ ይገብሮ። ደቂ ኣሸንዳ ብመጋየፅታት ማዕሪገን ዝወፅኣሉ’ዩ።

እቶም መጋየፅታት ዝተፈላለዩ እንትኾኑ ኣብ ጨጉሪ ርእሲ ዝግበር ካብ ዕንቍ ዝስራሕ ጭጓጉሑት ፣ካብ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዝዳለው ክሪ ኣብ ኽሳድ ዝእሰር፣ብተወሳኺ ድማ ኣብ ኽሳድ ዝእሰር ዝተፈላለየ መጋየፅታት ሕንቆ መስቀል፣ዓብዪ መስቀል ፣ጎባጉብ ካብ ንሃስን ብሩርን ዝተሰርሑ፣ኣብ ኣፃብዕቲ ዝእሰር ዝብጦ ዝበሃል ዓብዪ ብሩር ‘ዮም።

ሎሚ ዘነብ ኣብ ትግራይ ዝኽበራ በዓል ኣሸንዳ፤ ማርያ፤ ዓይኒዋሪ ባህላዊን ሃይማኖታዊን ክብርታቱ ብዝሓለወ መልክዑ ከምዝኽበር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣፅበሃ ገብረእግዚኣብሄር ንቲ በዓል ኣመልኪቶም ንመራኸቢ ሓፋሽ ከምዝገለፅዎ፣ በዓል ኣሸንዳ፤ ማርያ፤ ዓይኒ ዋሪ እዚ ዓመት ሕውየትን ተረባሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋፅ ማእኸል ገይሩ ከምዝኽበር ገሊፆም ኣለው።

እቲ በዓል ኣብ መዓልቱ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝኽበር ብምሕባር ቀፂሉ ድማ ካብ ትግራይ ወፃእ ካብ 16 ክሳብ 26 ነሓሰ ክኽበር’ዩ።

በዓል ኣሸንዳ/ማሪያ 16 ነሓሰ ኣብ መብዛሕቲአን ከተማታትን ገፀር ወረዳታትን ዝኽበር ሃይማኖታዊ በዓል እንትኸውን፣ዓይኒ ዋሪ ድማ 24 ነሓሰ ኣብ ኣኽሱምን ከባቢኣን ዝኽበር ‘ዩ።

እቲ በዓል ‹‹በዓል ኣሸንዳ ንሰላም፣ ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ›› ብዝብል ቴማ ከምዝኽበር እቲ ቢሮ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣብሪሁ ኣሎ።ሰናይ ቅንያት ኣሸንዳ።  

ወጋሕታ 11 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

Recommended For You