ቕነ ምድላዋት በዓል ኣሸንዳ

ጥበብ ኣብ ጎዳናታት ትግራይ ወቂቡን ደማቁን ካብ ዝርአየሉ ሓደ በዓል ኣሸንዳ ‘ዩ እንተተብሃለ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይከዉንን።

እቲ በዓል ናይ ኣዋልድ በዓል እንተኾነ’ዉን ካብ እዋን ናብ እዋን ግና ካብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሓሊፋ ናይ ቀልቢ ኩሉ ማሕበረሰብ ዝስሕብ በዓል ካብ ምዃን ሓሊፉ ቀስ ብቀስ ናይ ወፃእተኛታት ሓወፅቲ ዓዲ ምስሓብ ካብ ዝጅምር ዓመታት ምቁፃር ጀሚሩ ‘ዩ::

በዓል ኣሸንዳ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ማርያን ዓይኒ ዋሪን እናተብሃለ’ውን ዝፅዋዕ ኮይኑ ሃይማኖታዊ መሰረት ዘለዎ ባህላዊ በዓል ‘ዩ። ታሪኻዊ ኣመፃፅአ በዓል ኣሸንዳ ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ኣከራኸርቲ ሓሳባት ‘ዮም ዝለዓሉ።

ካብዚኦም ሓደ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ካብ ዝነጥፉ መራሒ ሃይማኖትን ዝኾኑ መምህር ናሁ ሰናይ ከምዝብልዎ፤ ኣሸንዳ ሃይማኖታዊ በዓል ምዃኑ ብምሕባር ብዘመነ ብሉይ ብሔዋን ምክንያት ደቂ ኣንስትዮ ይንዓቓ ነይረን ፣ርስቲ ‘ውን ኣየካፍልወንን ነይሮም።

ምክንያቱ ሄዋን ጓል አንስተይቲ ‘ያ ስለዚ ካብ ገነት ዝፀወእና ብኣኻትክን ምክንያት ‘ዩ እናበሉ ደቂ ተባዕትዮ ንደቂ ኣንስትዮ የሸግሩወን ፣ይፀርፉወን ይንዕቕወን ነይሮም ። እዚ እናሃለወ ብሄዋን ምኽንያት ዝተዓፀወ ገነት ብድንግል ማርያም ምኽንያት ስለዝተኸፈተን ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ሰማይ ክትዓርግ ከላ ብቅዱሳን መላእክት ተዓጂባ ብምእራጋን ‘የን ኣዋልድ በዓል ኣሸንዳ ዘኽብራን ኣኽቢረን ድማ ዝረኸብኦ ገንዘብ ናብ ቤተ ክርስቲያን ሒዘን ኸይደን ቤተ ክርስቲያን ዞይረን ስዒመን እቲ ገንዘብ ዝረክባ ዝነበራ፤ስለዝኾነ ኣሸንዳ ንድንግል ማርያም ዝውሃብ ሃይማኖታዊ ክብሪ ‘ዩ ብምባል ኣመፃፅኣ በዓል ኣሸንዳ የብርሁ።

ገለ ገለ ሰባት ድማ ምጅማር በዓል ኣሸንዳ ኣብ ኦሪት ምስ ዝርከብ ታሪኽ ጓል ዮፍታሔ ዘተሓሕዝዎ ኣለው። ይኹን ‘ምበር ፅንዓት ዘድልዮ ዋላ ‘ኳ እንተኾነ ምስኡ ዝተሓሓዝ አይመስልን ይብሉ መምህር ናሁ ሰናይ፤ምክንያቱ ድማ ጓል ዮፍታሔ ቅድሚ ምስዋኣ ደናግል ምስ ዝኾና መሓዙታ ንድንግልናኣ ንክልተ ወርሒ ዝአክል እናሓዘነት እናበኸት ድሕሪ ምፅናሓ ድሕሪኡ ‘ያ ተሰዊኣ ። በቢዓመት ከዓ ኣርባዕተ ጊዜ ብዛዕባ ጓል ዮፍታሔ ደናግል እስራኤል ናይ ሓዘን ዜማ የዚማላ ነይረን።

ስለዝኾነ ደናግል እስራኤል ንጓል ዮፍታሔ በቢዓመቱ እናበኸያ ይዝክርኣ፣ ስለ ተሰውአት፣ ስለ ዝሞተት ‘ዩ። ደቂ ኣሸንዳ ግና ድንግል ማርያም ካብ ሞት ተሲኣ ናብ ሰማያት ብቅዱሳን መላእክት ተዓጂባ ናብ ሰማያት ስለዝዓረገት ‘ዩ እናዘመራ ፣እናደረፋ፣ እናተሓጎሳ ዘኽብርኣ ዘለዋ ይብሉ። ዝኾነ ኾይኑ ዋና ሓሳብና እዙይ ኣይኮነን።

ከምዝፍለጥ በዓል ኣሸንዳ ይቀራረብ ስለዘሎ ደቂ ኣሸንዳ ብዝተፈላለየ መልክዕ ብውልቐን ምድላዋት ዝግበረሉ እዋን ‘ዩ። ደቂ ኣሸንዳ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ፀቢቐን ደሚቐን ንክርኣያ ዝሕግዝወን ኩሉ ከም ባህላዊ ኣልባሳት፣ መፀባበቒታትን መጋየፂታትን ዝበሉ ዘዳልዋሉ እዋን እንትኾን፤ ከምኡ’ውን ብሓባር ዝመኻኸራሉን ዝጎጃጀላሉን ፤ ናይቲ በዓል ብሕታዊት ባህላዊ መሳርሒ ሙዚቓ ዝኾነት ኸበሮ ዝኣምሰሉን ካልኦት ነቲ በዓል ዘድልዩ ኩሉ ዘዳልዋሉ ‘ዩ።

ኣብ ከተማታት ዕዳጋታትን ድማ ምስ ምቕራብ በዓል ኣሸንዳ ተተሓሒዙ ብባህላዊ ኣልባሳት፣ መጋየፂታትን መፃባበቂታትን ደሚቆም ዝርኣይሉ ‘ዩ::ምስዙይ ተተሓሒዙ ናይ ሎሚ ኣሸንዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ወትሩ ፍልይ ብዝበለ መልክዕ ምድላዋት ዝርኣይሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ::

ካብዞም ምድላዋት ንኣብነት ሓደ “ኤግዝብሽን ኣሸንዳ” ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ ፍሬንድሽብ ኢንተርናሽናል ሆቴል “ሄዋን ክምስ ትበል” ብዝብል መሪሕ ቓልን 30 ሚእታዊ ኣታዊኡ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ኮይኑ ናይ ኣሸንዳ ባህላዊ መፀባበቕቲ መጋየፅትን ኣልባሳትን ዝቐርበሉ ኤግዝብሽን ካብ ነሓሰ 1-5 ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሕን ብዙሓት ደቒ ኣሸንዳን ብሓፈሻ ድማ ንመላእ ተወለድቲ ትግራይ ዝተዓደሙሉ ባዛር ‘ዩ::

ብተመሳሳሊ ድማ በዓል ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ትካላት ገበርቲ ሰናይ ንዝተፀገማ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዛት ዘተኣኻኽባሉ ኩነታት ዘሎ ኾይኑ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይርኣይ ኣሎ:: ከም “ሀርት ፎሮ ሂሟኒቲ” ዝበሉ ሃገር በቆል ትካላት ገበርቲ ሰናይ ዝበሉ “ሓደ ቐምሽ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ” ብዝብል መሪሕ ቃል ንዝዓረቓ ተመዛበልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክዳውንቲ ኣብ ምእካብ ይርከቡ::

ከምኡ’ውን ብዘጋጠመ ዉግእ ምኽንያት ዝተሃሰየ ቱሪዝም ትግራይ ንምብርትታዕን፤ ዝተጎድኣ ደቒ ኣንስትዮ ብስነ ልቦና ንምሕጋዝ “ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ” ዝብል ምልዕዓል ብምፍጣር በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ንምኽባር ብጉጅለ ንምኻድ ጎስጓሳትን ምድላዋት ክገብሩ ይርኣይ ኣሎ:: ምስዙይ ጎና ጎኒ ድማ ዝተፈላለዩ ኣልባሳትን ዘይበላሸዉ ምግብታት ምትእኽኻብ ኣካል ምድላዋት ኣሸንዳ ኮይኑ ይውገን ኣሎ::

ካሊእ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ምድላዋት ይገብሩ ካብ ዘለዉ ተማታት ከተማ ማይጨው ፍሉይ ምድላዉ ‹‹በዓል ኣሸንዳ ራያ ድስነ ልቦና ሕውየት›› ካብ 15- 18 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ነባርን ባህላውን ኣከዳድና ብዝብል የፋልጡ ኣለው፤ከምኡ’ውን ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲን ካልኦት ከተማታት ብድምቐት ንምኽባር ይዳለዋ ኣለዋ።

ብሓፈሻ ምድልዋት ኣሽንዳ ትግራይ እዚ ዓመት ካብ ካልእ ዓመት ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓልነቱ ካብ ምኽባር ብዝሓለፈ ብዝተፈጠረ ኲናት ምኽንያት ዝተሃሰየ ማሕበረሰብን ቱሪዝም ትግራይ ንምንቅቃሕን ተሓሳቢ ብዝገበረ ብተበግሶ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ምትሕግጋዝ፣ ምትሕልላይን ምትሕብባርን ዝረኣየሉ ዘሎ ‘ዩ።

እዚ ዝበረታታዕ ተበግሶ እዚ ብዝበለፀ ብዝምልከቶም ናይቲ ዓውዲ ሰባትን ትካላትን ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣብ ትግራይ ኣካል ሕውየት ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣብ ኢኮኖሚን ማሕበራውን ምንቅቃሕ ንክፈጥር ክስራሕ ይግባእ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 04 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

Recommended For You