ዕብየት ኪነ ጥበብ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን

ኪነ ጥበብ ናይ ሐደ ህዝብን ሃገርን ናይቲ ዘመን ፍልስፍና፣ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ኣመለኻኽታትን ኣተሓሳስባታትን ብምዕባይን ብምሕላውን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዘሰጋግር ‘ዩ።

ድራማ ወይ ተዋስኦ ኣብ ቅድሚ ተዓዛቢ ንኽቐርብ ብዝብል ዕላማ ዝተፀሓፈ ዓይነት ስነ ፅሑፍ ኮይኑ፤ እዚ ዓይነት ፅሑፍ ብመልክዕ ስክሪፕት ተፃሒፉ እቲ ዛንታ ብቶም ተዋሳእቲ ገፀ ባህርያት ኣብ መድረኽ ቴለቪዥን ወይ ሬድዮ ዝቐርብ ወይ ኣብ መድረኽ ብቴያትራዊ ስነ ጥበብ ዝፅወትን ነቲ ተመልካታይ ድማ ብገፀ ባህሪኡ ኣቢሉ ዝተፈላለዩ ስምዒታትን ግርጭታትን ብጥበብ እናዋዘየ መልእኽቲ ዘሕልፍ ‘ዩ ክብሃል ይክኣል።

ብዙሓት ዓይነታት ተዋስኦ ኣለው። ንኣብነት ኮሚዲ ዓይነት ተዋስኦ ንተዓዘብቲ ንምስሓቕ ዝዓለሙ ኮይኖም ፅሑፎም ድማ ልዑል ደረጃ ብልሒን ኣእምሮኣዊ ንቅሓ ዝሓትት፣ ካሊእ ሜሎድራማ፤ ንህዋሳት ተዓዘብቲ ብቐጥታ ዝስሕብን ብስምዒታት ዝመልአን ምግናን ዝበዝሖን፣ ትራጂክ ድራማ ካብቶም ጥንታውያን ድራማታት ሓደ ኮይኑ እዚ ዓይነት ድራማ ድማ ንፀገምን ስቓይን ደቂ ሰባት ዘቕርብ ዓይነት ‘ዩ። ከምኡ’ውን ሙዚቃዊ ድራማን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓይነት ድራማ ኣለው።

ኣብዚ ፅሑፍ ዓይነት ተዋስኦታት ንምግላፅ ዘይኮነስ ተዋስኦታት ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ልዑል ፅልዋ ዘለዎም ምስ ምዃኖም ኣብ ምንቓሕ ማሕበረሰብ ዘለዎም ረብሓ ንምርኣይ ‘ዩ ዝኸውን። ናብ ናይ ሃገርና ድራማታት ክንመፅእ ከለና ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ጋዜጣታት፣ መፅሄታት፣ ጣቢያታት ሬዲዮን ቴሌቪዥንን ናይ ኢትዮጵያ ፊልም እናተነቀፉ ፀኒሖም ‘ዮም፡፡

ክልተ ሰለስተ ኮይኖም ካብ ዝተቀመጥሉ ናይ ካፌ ጠረጴዛታት ታክስታትን ክሳብ ዓበይቲ መድረኻትን ድኽመታት ናይ ኢትዮጵያ ፊልምን ድራማታትን ክልዓሉ ፀኒሖም ‘ዮም፡፡ ዝንቀፉሉ ምኽንያት ድማ ብትሕዝትኦም ‘ዩ፡፡ ኩሉ ግዘ ተመሳሳሊ ነገር፣ ተመሳሳይ መልእኽቲ ዘቅርቡን ዝበሰለ ሓሳብ ዘይብሎምን፣ ዘይተፀንዑ፣ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ዝቅርቡ ምዃኖም ‘ዩ።

 ኣብ ሃገርና ብዙሓት ዝንቐፉ ድራማታት እንተሃለው’ውን ቀሊል ዘይብሃሉ ድራማታት ድማ ባህላዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ትሕዝቶ ዘለዎምን ትኹረት ብዙሓት ዝሰሓቡን ድራማታት ኣብ ዝተፈላለዩ ግዘታት ተራእዮም ‘ዮም።

ከም ገመና፣ ቤቶችን ካልኦትን ዝበሉ ሰሓብቲ ድራማታት ብሃገራዊ ቴሌቪዥን ይመሓላለፉ ነይሮም። ኣብዚ ቀረባ ግዘ እንተኾነ’ውን ብዙሓት ትኹረት ተመልከቲ ዝሰሓቡ ድራማታት ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ዘለዎም ኣለው ‘ዮም።

ከምኡ’ውን ቅድም ክብሉ ቐልቢ ብዙሓት ካብ ዝሰሓቡ ብትግርኛ ካብ ዝቀርቡ ‹‹ምትሓት ዓለባ›› ዝብል ድራማ ኣብ ምክልኻል ኤችኣይቪ/ኤድስ ዝተሰርሐ። ኣብዚ እዋን ድማ ከም‹‹ እንዳት ትሐሽን ገሬ እሙን››ን ዝበሉን ካልኦትን ብዙሕ ተመልካቲ ካብ ዘለዎም ድራማታት ተጠቀስቲ ‘ዮም።

ካብ ቀረባ እዋን ቀሊል ዘይብሃሉ ድራማታት ብህዝቢ ተፈታውነት እናረኸቡ ይመፅኡ ካብ ዘለው፤ እቶም ስራሕቲ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ድሕረ ገፃት ከይተረፈ ብተደጋጋሚ ክዘዋዋሩ ይረኣዩ ‘ዮም። እዞም ድራማታት እዚኦም ዋላ ‘ኳ ብዝተወሰነ መልክዑ ተፈታውነት እናረኸቡ ይመፅኡ እንተሃለው’ውን ክንድቲ ዝድለ ብርኪ ግና በፂሖም ‘ዮም ምባል ግና ኣይከኣልን።

ምኽንያቱ ኣብዝሓ ዘቅረብዎም ትሕዝቶ ስራሕቶም ኣብ ክንዲ ነቲ ማሕበረሰብ ዘድልዮ መልእኽቲ ብዝምልከቶ በዓል ሞያ ምኽሪ ተዋሂብዎን ተፀኒዑን ዝስርሑ፤ ካብ መጠን ንላዕሊ ቐልድታት ዝበዝሖምን መዓልታዊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘዋወሩ ዘረባታትን ካብ ናይ ካድረታት ዝተኣራረዩ ዝተለጋጋአቡ ዘረባታት ዝመስሉ ስራሕቲ ውሑዳትን ኣይኮኑን።

ስለዝኾነ ኣብዚ መረኸብቲ ሓፋሽ ይኹኑ ካልኦት ዝገደሱ ወገናት ኣብ ዝርኣዩ ገለ ጉድለታት ብምንቃፍ፤ ፅቡቃት ስራሕቲ እንትስርሑ ድማ ኣድናቆት ክልግሱ ይግባእ።

እዙይ ከምዘሎ ኮይኑ ግና ኣብ ሃገርና ምስ ዘሎ ዘይተረጋግዐ ኩነታትን በቢመዓልቱ ብእንሰምዖም ቀልብኻ ዝበታትኑ ነገራት ውሽጢ ኮይንኻ ትኹረት ዝስሕቡ ስራሕቲ ድራማ ምቅራብ’ውን ብጣዕሚ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ይኹን ‘ምበር ካብዚ ዝሐሹ ስራሕቲ ንምቅራብ ክስራሕ ይግባእ።

ልክዕ ‘ዩ ኣብዚ እዋን ብፈጠራታት ልበወለድ እናዘናጋዕኻ ሃናፂ መልእኽቲ ምቅራብ ምኽኣል ቐሊል ስራሕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ሐዚ እንነብረሉ ዘለና ነባራዊው ዓለም በቢመዓልቱ ልዕሊ ፈጠራዊ ስራሕቲ ዝኾኑ ዘገርሙ ኩነታት ‘ዮም ዝፍጠሩ።

ልዕሊ ኣብ ዓለም ኾነ ኣብ ሃገርና በቢመዓልቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያታ ዝረኣዩ መገረምቲ ነገራት ብስራሕቲ ፈጠራ ድራማ ትኹረት ስሒብካ ዘድሊ መልእኽቲ ምሕላፍ ምኽኣል ናይዚ እዋን ፈተና ‘ዩ ምባል ይክኣል።

ስለዝኾነ ኣብዚ እዋን ስርሑ ዘለው ፅቡቃት ስራሕቲ ድራማታት ክምስገኑ ይግብኦም፤ ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን ትኹረት ሰባት ምስሓብ ምኽኣል ባዕሉ ቀሊል ስራሕ ስለዝኾነ። ኣብዚ እዋን ናይ ሰባት ትኹረት ምስሓብ ምኽኣል ብብዙሕ ነገር ከቢድ ‘ዩ። ካብኡ ሓደ፤ ኣብዚ ዘመን ከምናይ ቀደም ኩሉ ነገር ሓዱሽ ኣይኮንን፡፡ ኣብዝሓ ሰብ ዝደለዮ ነገር ኣብ ኢዱ ‘ዩ ዘሎ።

ብዙሕ ትኹረት ዝስሕቡ ነገራት ኣብ ኢድና ዝርከቡ ስለዝኾኑ፤ ካብኦም ንላዕሊ ትኹረትና ዝስሕቡ ነገራት እንተረኺቡ ጥራሕ ‘ዩ ናብ ካሊእ ክኸይድ ዝኽእል። እዞም ትኹረት ስሒቦም ዝርኣዩ ዘለው ድራማታት ነዚ ቴክኖሎጂ ዘምፅኦ ዘመናዊ ነገራት ስዒሮም ‘ዮም ትኹረት ስሒቦም ዘለው ማለት ‘ዩ።

እዞም ስራሕቲ ጥበብ ካብ ምዝንጋዖ ብተወሳኺ ብዙሕ ባሕላዊ፣ ማህበራዊን ፖለቲካውን ረብሓታት ኣለዎም ‘ዩ። እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ብዙሕ ሓባራዊ ዛዕባ ተቀራራቢ ግንዛበ ንክህልዎ ይገብር ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ካሊእ ዘይተረኣየ ካሊእ ሓቂ፣ ዘይተራየ መልክዕ፣ ካልእ ልምዲን ካሊእ ፍልስፍናን … ዝበሉ ብፈጠራ ስራሕቲ ይድህስሱ።

ብሓፈሻ ቅድም ከምዝገለፅናዮ ጥበብ ኣብ ክንዲ ምጥቃም ንዕለታዊ ዘርባ ማሕበራዊ ሓፋሽን ንመጋውሒ ኣጀንዳ ፖለቲከኛታት ካብ ምዃን ወፂኡ ብትኽክል ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ኣብ ዝኾኑ ኣጀንዳታት ትኹረት ብምግባር ናይ ባዕሉ ኣጀንዳ ተቀሪፁ፤ ኣብ ምንቓሕ ህብረተሰብ ናይ ባዕሉ ግደ ክፅወት ኣለዎ።

ግድኡ ንክፃወት ድማ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ንዕብየቱ ብምሕጋዝ ኣብቲ ዝድለይ ናይ ዕብየት ብርኪ ንክበፅሕ እጃሙ ክዋፃእ ይግባእ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 27 ሓምለ 2015 ዓ.ም

Recommended For You