ማሕረስ፣ብዕራይን ስነቃልን

ስነ-ቃል ናይ ሓደ ማሕበረሰብ መግለፂ ‘ዩ ይብልዎ። ነበረያ ነብረ፣ ምሳሌ፣ ሕንቅንሕንቅሊተይ፣ ኣዝግነኒን ግጥምን ዝኣምሰሉ ኣካል ባህልታትና ኮይኖም ፤ ቤተሰብ ዝቀራርብ፣ ስነምግባር ዘምህር፣ እናዳዘናግዓ ታሪኽን ያታን ካልኦት ጠቀምቲ ልምድታትና ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገረሉ ብልሓትን መንገድን ኮይኑ ሓደ ናይ ማሕበረሰብ ሃፍቲ ‘ዩ ይብሉ ናይቲ ዓውዲ ሙሁራት።

እቲ ስነ ቃል ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ውሽጢ ዘሎ ዝኾነ ይኹን ተግባራት ዝገልፅ ‘ውን ‘ዩ። ብሓፈሻ ናይቲ ሕብረተሰብ ኣተሓሳስባ፣ ኣመላኻኽታ፣ ኣብ ዓርሱ ብዓርሱ ዘሎ ርክባትን ዝግልፀሉ ‘ዩ።

ባህላዊ ግጥምታት ድማ ኣካል ስነ ቃል ኮይኑ መበገሲ ኹሎም ስነ ቃላት ብፍላይ ድማ መሰረት ዘበናዊ ግጥምታት ከም ዝኾኑ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ይዛረ።

ኣብዝሓ ግጥምታት ስነ ቃል ናይ እገለ ዝበሃሉ ኣይኮኑን፤ ብሓፈሻ ‹‹ናይ ህዝቢ ግጥሚ›› ተባሂሎም’ዮም ዝፅውዑ። ኣብ ሓደ ሓደ ናይ ቐደም ባህላውን ዘበናውን ደርፍታት ‘ውን ተኻቲቶም ክንረኽቦም ንኽእል ኢና።

‘ዞም ግጥምታት ስነ ቃል ህዝቢ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝበሃሉ እንተኾኑ ዓይነታት ኣለዎም ‘ዩ። ኣብ ሓጎስ ኣብ ደስታ፣ ኣብ ሓዘን፣ ኣብ ስራሕ ዝበሃሉ ይፈላለዩ ‘ዮም። እቶም ኣብ ስራሕ ዝበሃሉ ‘ውን ነናይ ባዕሎም እዋን ኣለዎም ‘ዩ።

ኣብ ማሕረስ፣ ኣብ ፃህያይ፣ ኣብ ዓፂድን ኣብ ምእካብ ዘርኢ ኸያዳን ዓርሱ ዝኽኣለ ባህርያት ኣለዎ ‘ዩ። ሐዚ እዋኑ እዋን ማሕረስ ዘርእን ‘ዩ። ስለ ዝኾነ ናይ ሎሚ ትኹረትና ኣብ እዋን ስራሕቲ ማሕረስ ዝዝውተሩ ስነ-ቃላት ግጥሚ ዜማታትን ‘ዩ ዝኸውን።

ኣብዝሓ ማሕበረሰብና ብሕርሻ ዝመሓደር ምስ ምዃኑን ዋና ማእገር ኢኮኖሚና’ውን ኣብዚ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይከውንን። ስለዝኾነ’ውን ‘ዩ ሓረስታይና ነዚ እዋን ልዑል ትኹረት ዝህቦን እገለ እኮ ንፉዕ ሓረስታይ ‘ዩ ብምባል መግለፂ ፅቡቅ ሰብእና ምዃኑ ዝገልፆ።

ኣብዚ እዋን ትኹረት ሕብረተሰብና ኣብ ማሕረስ ‘ዩ። ኩሉ ዝሓስቦ፣ ዝሰርሖን ዘውግዖን ኣብዚ ከባቢ ‘ዩ ዝሽክርከር። ብምዃኑ ‘ውን ኣብዚ ናይ ምድላውን ናይ ማሕረስ ስራሕቲ ኮይኑ ዜዝሞም ዜማታትን ግጥምታትን ኣብ ማ ሕረስ ዘድሀቡ ‘ዮም ዝኾኑ።

ማሕረስ እንትሕሰብ ድማ ብዛዕባ ብዕራይ ምሕሳቡ ኣይተርፍን። ስለዝኾነ ‘ውን ናይዚ እዋን ኣጀንዳ ሓረስታይ ካብ ዝኾኑ ሓደ ብዕራይ ‘ዩ። ብዕራይን ሓረስታይን ኣብ ዝኾነ እዋን ዘይነፃፀሉ ‘ዮም፤ ኣይርሓሓቑን። ሓረስታይ ሃገርና ትኹረቱ፣ ሓሳቡ፣ ወግዑ፣ ግጥሙን ዜምኡን ከይተረፈ ብዛዕባ ብዕራይ ‘ዩ ክብሃል ይክኣል።

ሓረስታይ ዝሓረሰሉ እዋን ሐዚ እንተኾነ‘ውን ንማሕረስ ዝገብረሉ ምድልዋት ገና ብሓጋዩ ጀሚሩ ‘ዩ። ምህርቱ ንምስሳን ዝሕግዞ ተፈጥሮኣዊ መዳበርያ ዝኾነ ድኹዒ እናደኩዐ፣ እንሓረሰን እናለስለሰን ፀኒሑ፤ እዋን ክረምቲ እንትኣትው ድማ ናውቲ ማሕረስ ዝኾኑ ነዊት፣ ኣርዑት፣ ዕርፊ፣ ዱግሪ፣ ቅትርቲ፣ ምራንን ማሕረሻን ዝመሳሰሉ ኣዳልዩ ኣብዑሩ ፀሚዱ ብሩኽ መዓልቲ ኣውዕለኒ ኢሉ ንፈጣሪኡ ሆኒ ኢሉ ምሕራስ ይጅምር።

ኣብ እዋን ማሕረስ ሓረታስይ እናሓረሰ እቲ ሓደ ብዕራይ ናብ ታሕቲ እንተስሒቡ ናይቲ ብዕራይ ሽም እናፀውዐ ”ንዓ ውፃእ”፣ ”ንዓ ውረድ”፣ “ሕለፍ”፣ “ኪድ” “ሰሓብ”፣ “ነዓ ድሆር”፣ እናበለ ብፋፃ ዝተዓጀበ ናይ ባዕሉ ዜማ እናዜመ ናይቲ ብዕራይ ሽም ከም ሰብ እናፀውዓ ኩሒል፣ ጭላይ፣ ሊላይ፣ ሰናይ..እናበለ የወድሶ።

ብመረዋሕ ድምፁ ሆኒ! ሆኒ! እናበለ ስርሑ የሰላስል። ምኽንያቱ “ሆኒ” መንቃቅሒ መሳለጢ ስርሑ ስለዝኾነ። ገለ ካብ’ቲ ዝገብሮ ኣዝዩ ነዊሕን መሳጥን ጥዑምን ኣዛናዪን ደርፍታት ማሕረስ:-

“ነዓ በሎ ነዓ በሎ ኲሕላይ

ከይተርክበና ማይ”..

 “ይሓርስ ኣለኹ ደመናይ

እናመዓደኹ ደመናይየየ”.. እናበለ ነቲ ዝሓርሶን ዝዘርኦን ዘሎ መሬት ዝናብ ክረክብ እናተተስፈወ ናብ ሰማይ ቆላሕ እናበለ ስርሑ ይቅፅል።ከምኡ ‘ውን

“ኣምላኽ ክሕበካ ‘ዩ ፅሩይ ማይ

ሆኒ በል ሆኒ ሓረስታይ” እናበለ ብምዝያም ኣምላኽ ንሕርሽኦም ዝስምዕማዕ ዝናብ ክህቦም ከምዝኾነ ንባዕሉን ከምኡ ንዝኣምሰሉ ካልኦት ሓረስቶትን ተስፋ ከይቆረፁ ንክሰርሑን የተባብዕ።

ብዕራየ ብዕራየ ኩሉ ናትካ ሕራይ ..

ብዕራየ ብዕራየ ምቕማጥካ ላዕላየ…

ተብላዓኒ ጎጎ ተስትየኒ ፅራየ

ብዕራይ ደኣ ‘ብሉኻ..ብስም ወፅዑኻ …ጎይታይ ከይብሉኻ…

ብዕራየ፡ ብዕራየ ብዕራይ ወዲ ላሕ ምይ …

ናትካ ጎጎ ናይ ኣደኻ ጠስሚ ኣቤት ዘሎ ሓዋዊስካ ጣዕሚ። ብምባል ድሕሪ ድኻምን ፅዕርን ኣፍርዩ ዝረኽቦ ፅቡቅ ናብራን ብምሕባር ሳላ ብዕራይ ዝረኽቦ እኽልን ሳላ ላሕሚ ኣዲኡ ድማ ዝረኽቦ ፀባን ጠስምን ዝህልዎ ጥዑም ሂወትን የመስግኖን የውድሶን።

ኣብ ማሕረስ ኩሉ ትኹረቱ ኣብ ስራሕቲ ማሕረስ ብምዃኑ ሰብኣይ ንሰበይቱ ከምዚ ክብል ሓሳቡ ይገልፀላ፡-

የትኩሓልለይ

ክሓርስ ‘የ ጎልጉልለይ” ብምባል ኣብዚ እዋን ቅድሚ ስራሕ ንዝኾነ ይኹን ቀዳምነት ከምዘይህብን ኣብዚ ክትሕግዞ ድማ ከምዝግባእ ብዜምኡ ገይሩ የፍልጥ። እዙይ ዝትፈልጥ ሰበይቲ ድማ ኩሎም ደቃ ኣኪባ ካብ ናይ ገዛ ስራሕቲ ብተወሳኺ ደድሕሪ ዝሓርስ ሰብኣያ እናተኸተለት ትጎልጓል።

ብሓፈሻ ስነ -ቃል ሓደ ናይ መንነትና ኣካል ‘ዩ ። መብዛሕትኡ ነባሪ ህዝቢ ትግራይ መንባብርኡ ብሕርሻ ዝመሓደርን ኣብ ገፀር ዝነብርን ኮይኑ፤ ኣብ ሕድሕድ መነባብርኡ ድማ ዝተፈላለየ ዘይተሰነዱ ማሕደር ስነ ቃላት ዝወነነ ሕብረተስብ’ዩ።

እዚ ኣካል መንነትና ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ንስራሕ ዘለና ክብሪ መርኣያ ስለዝኾነ፤ እቲ ቀፃሊ ወለዶ’ውን ባህሉ ክፈልጥ ስለ ዘለዎ እዚ ባህሊ ብኣግባቡ ክዕቀብን ክስነድን ይግባእ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 20 ሓምለ 2015 ዓ.ም

Recommended For You