ሓይራ ሕምባሻን ጭጉራፍን

ሰማይ ጠቐር ኾይና፣ ጉዝምዝም እላበለ፤

ሓወርያ ከድምቅ፣ ጭጉራፍ ምስፈተለ፤

“ሓይራየየ” (3)

ጭጉራፍ ተኾልኺሉ፣ በረኻ እንትወፍር፤

በቲ ኾርዶ ፀባ፣ ኣብ ማእገሩ ይፀር።

ሓዋርያ ሓዋርያየ ..

ንዒ ተብለኪ ኣላ እታ ዓባይ ኻርያየ

ቱዋሕ . ቱዋሕ..ቱዋሕሕ..

ላጤ ላጤ ኽስቶ ዲኻ ኣታ መላጤ

እምባሻኻ ‘ኳ ክንዲ ቑላጤ

እሳ ልሳኳ ሓርኢ ልምጣጤ

ቱዋሕ . ቱዋሕ..ቱዋሕሕ..

ከምዚ ዝብሉ ህፃናት ወይ መናእሰይ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ‘ዮም። እዚ ዝብሉሉ እዋን ድማ ኩሉ ዓመት ሓምለ ዕለት 5 ኮይኑ በዓል ሓይራ (ሓዋርያ)’ዩ። በቢዓመቱ ዝኽበር ባህላዊ በዓል ሓይራ (ሓዋርያ) ሃይማኖታዊ መበገሲ ዘለዎ ኮይኑ፡ ባህላዊን ስርዓታት እናተኸተለ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዘመናት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላፈ ካብ ዝመፅኡ ባህልታት ሎሚ እንሪኦ ባህላውን ሃይማኖታውን መሰረት ዘለዎ በዓል ሓይራ ሓደ ‘ዩ።

ካብ ባህላዊ ኣከባብርኡ ብዝሓለፈ ድማ እዚ በዓል ዓመት ዓመት ሐምለ 5ተ ኣብ ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትን ዓብዪ በዓል ‘ዩ። እንተነኣሰ ንሓደ ወርሒ ኣብ “ፆመ ሐዋርያት” ብምፅናሕ፣ ፆም ዝፍትሐሉ ጊዜ ‘ዩ፡ ዋላኳ እቲ በዓል ናይ ቅዱሳን ሐዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን መዓልቲ ሰማዕትነት ዝሕሰበሉ ኮይኑ፤ መብዛሕተና ድማ ብልምዲ ሓይራ ወይ ሓወርያት እናበልና እንፅውዖ ወይ እንፈልጦ ‘ዩ።

በዓል ሓይራ እንትብዓል ኮነ እንትልዓል ሓቢሮም ካብ ዝልዓሉ ነገራት ሕምባሻን ጭጉራፍን ካብ ዘይተርፉ ‘ዮም። ካብ ሃይማኖታዊ በዓልነቱ ባህላዊ ጎኑ ጎሊሁ ንክወፅእ ወይ ንክፍለጥ ካብ ዝገብሩ ኣብ ሕምባሻን ጭጉራፍን ዘሎ ዝግበር ንጥፈታት ‘ዩ ክብሃል ይክኣል።

ዋና መድመቂት ናይዚ ባህላዊ በዓል ዝኾነት ጭጉራፍ ካብ ምንታይን ምንታይ ‘ዩ ዝስራሕ?

ጭጉራፍ ዓይነት ኣሰራርሕአ ከከም ከባቢኡን፤ ኣብቲ ከባቢ ከከም ዝርከበሉ ዓይነት እታወታት ዝፋላለን ኮይኑ ተግባራ ግና ሓደ ‘ዩ፤ ንሱ ድማ ርሕቀት ዘለዎ ቦታ ክስማዕ ዝኽእል ድምፂ ምፍጣር ‘ዩ ምባል ይክኣል።

ጭጉራፍ ካብ ዝለፍዐ ዒቃ ወይ ድማ ካልኦት ዝተፈላለዩ ልሕፅታት ኣግራብ ከም ሰራው፣ ጭዓ፣ ፋጭቋ፣ ፀቐንጠ፣ ልሓይ፣ ዓዂ፣ ፅምቋይት ወይ ካልእ ኦም እታወታት ተጠቒምካ ዝስራሕ ኮይኑ። ክትስራሕ ከለኻ ዒቃ ልሒፅካ (ጭሒግካ) ብማይ ብምሕፃብ እቲ ክሪ ይወፅእ።

ነቲ ክሪ ድማ አብ 3፣ 4፣ 5 ወይድማ 7 ብምኽፋል ይፍተል (ይፈሓስ) ኣብ ጫፉ ድማ ድምፂ ንክህብ ካብ ትርሽዋ ካብ ክሪ ዒቃ፣ ወይ ካልእ (ጭራ ፈረስ)ተፈቲሉ ዝእሰር “ነኳዒቶ” ይንጥልጠል። ነቲ ጭጉራፍ መትሐዚ ዝኸውን ዕንጨይቲ ድማ ኣብ ላዕሊ ይግበረሉ ፡ እቲ መትሓዚ ድማ ለዓት ይበሃል።

መራሕቲ ሃይማኖት እዚ ኹሉ መንፈሳዊ ትርጉም ከምዘለዎ ዝሕብሩ ኮይኖም፤ እቲ ጭጉራፍ ናይ ሮማውያን ሓላንጊ ተምሳሌት ‘ዩ። ኣብ ጫፉ ንድምፂ ዝኸውን ነኳዒቶ ከምዝግበረሉ፣ ከምኡ ናይ ሮማውያን ሓለንጊ ‘ውን ኣብ ጫፉ በላሕቲ ነገራት (ላማ፣ ሚስማር፣ ቁራፅ ሓፂን…) ይኣስሩ ከምዝነበሩን ስቃይ ሐዋርያት መስካሕክሒ ከምዝነበረን ዘረድእ ‘ዩ።

ከምኡ’ውን ጭጉራፍ ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ምሳሌ እንትኸውን፣ ብብዙሕ ምቕጥቃጥን ምጭፍጫፍን ጭጉራፍ ከምንሰርሖ፣ ከምኡ ‘ውን ሐዋርያት ብናይ ኣይሁድን ኣሕዛብን መከራ ሐሊፎም፣ ስግኦም ከም ሽንጉርቲ ተቀርዲዱ፣ ብእብኒ ተቀጥቂጦም፣ ብሰይፊ አፃብዕቶም ተቆሪፆም፣ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቂሎም ከምዝሓለፉ ምስክርነት ዝህብ መልእኽቲ ‘ዩ ክብሉ’ውን የረድኡ።

በዓለ ሐዋርያት እንትኽበር ጭጉራፍን ሕንባሻን ሒዝካ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ተፀዋዊዕካ ናብ በረኻ ወይ ድማ ናብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ብምውፃእ ነቲ ጭጉራፍ ምንጓድ (ምትኳስ) ይጅምር። ድምፁ ድማ ክሳብ ርሑቅ ቦታ ይስማዕ።

እቲ ኻሊእ መድመቂ ናይዚ በዓል ድማ ሕምባሻ ‘ዩ። ሕምባሻ ከምዝፍለጥ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ከባቢ እንደርታን ኸባቢኡን መግለፂ ኽብርን ፍቅርን ‘ዩ። ንፈታዊኻን ኣዝማድካን ሕምባሻ ሒዝካ ዝጥየቅ።

ሕምባሻ ወይ ጎጎ ሓወርያ ድማ ብኣብዝሓ ንህፃናትን ጓሶትን ፍቅሮምን ሓልዮቶምን ንምግላፅ ካብ ዝጥቀመሎም ሓደ ‘ዩ። ሓደ ቆልዓ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ቤተሰቡ ልዕሊ ሓደ ሕንባሻ፣ ጎጎ፣ ዕንጉታ (ንእስ ዝበለ መጠን ዘለዎ ህምባሻ) ውህብቶ ይረክብ።

ካብ ዝተኣከቡ ሕምባሻታት ሓወርያ ዝተመረፁ “ፎስ ነጎዳ” ተባሂሉ ተከፋፊልካ ናብ ገዛ ይውሰድ። ኣብዝሓ ደቂ ሓዋርያ ሕምባሽኦም ንፎስ ነጎዳ ንክምረፀሎም ብጣዕሚ ‘ዮም ዝብህጉ ዝተመረፅሎም ድማ ደስ ኢልዎም ይውዕል።

ብሓፈሻ ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ብዙሓት ጠቀምቲ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላትን ስርዓታትን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሱ ዝኽበሩ ብዙሓት ‘ዮም።

ሃይማኖታዊ ትሕዝቶን ጠቀሜታኡን ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ባህላዊ አከባብሩኡ’ውን ሓድነትን ፍቅርን ኣብ ምዕዛዝን ፍቅሪ ከባቢኦም ባህልታት ማሕበረሰቦምን ሃገሮምን ኣብ ልቦም ሒዞም ንክዓብዩን ኣወንታዊ ተዘክሮታትን ከባቢኦም ነከማዕብሉ ካብ ዝሕግዙ’ውን ‘ዩ።

ስለዝኾነ ከምዚ ዝበሉ ጠቀምቲ ባህልታት ዘለዎም ረብሓታት ኣብ ግምት ብምእታው ንክዕቀቡን ንክሰፍሑን ንረብሓ ቱሪዝም ንክውዕሉን ኩሉ ዝምልከቶ ብትኹረት ክስርሓሉ ይግባእ፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 6 ሓምለ 2015 ዓ.ም

Recommended For You