ኣብ መስሕባት ቱሪዝም ኣዲስ ኣበባ እናወሰኸ ዝመፅአ ፍሰት ዑደተኛታት

ከተማ ኣዲስ ኣበባ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ጥራሕ ኣይኮነትን፤ ርእሰ ከተማ ኣፍሪካ፣ መናሃርያ ብዙሓት ዓለም ለኻዊ ትካላት፣ ኤምባሲታትን ዲፕሎማትን ‘ያ።

ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ጉባኤታት ብሰፊሑ ይሳለጡላ። ብዙሓት ዜጋታት ወፃኢ ሃገራትን ዝተፈላለያ ክልላት ሃገርናን ዝጎርፉላ ተቐባሊት ጋሻ ‘ውን ‘ያ።

ካብ መንጎ ናብታ ከተማ ዝመፁ እቶም ንዑደት ዝመፁ ብዘሓት ‘ዮም። ንዝተፈላለዩ ጉዳያት መፂኦም ኣብታ ከተማ ፃንሒት ዝገብሩ ‘ውን ብርክት ዝበሉ ‘ዮም። ብኸምዚኦምን ከምዚኦም ዝኣመሳሰሉን ኣብታ ከተማ ዝለዓለ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ይግበር።

ኣብታ ከተማ ዝርከቡ መስሕባትን መባፅሕታትን ቱሪዝም ዑደት ይግበረሎም። ምስዚ ተተሓሒዙ ‘ውን ዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ቱሪዝም ይወሃቡ። ነዚ ስዒቡ ድማ ዝለዓለ መጠን ዘለዎ ገንዘብ ናብ ኢኮኖሚ እታ ከተማ ፈሰስ ይግበር።

ኣብታ ከተማ ዘለዉ ብርክት ዝበሉ ነባራት መስሕባት ቱሪስት ከምዘለዉ ኮይኖም ካብ ቐረባ እዋን ናብዚ ድማ መንግስቲ መስሕባት ቱሪስት ብዝለዓለ ኩነታት እናልምዐ ይርከብ። በዚ ‘ውን ብመልዓዓላይነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ተሰሪሖም ናብ ስራሕ ዝኣተዉ ብዙሓት ቦታታት መስሕብ ዝተኻተትዎ ኣንድነት ፓርክ፣ ወዳጅነት ፓርክን እንጠጦ ፓርክን ግምት ዝወሃቦም ‘ዮም። ብተመሳሳሊ ሳይንስ ሙዝየምን ቤተ-መፅሓፍቲ ኣብርሆትን ‘ውን ካልኦት ስሕባት ቱሪስት ክኾኑ ክኢሎም ‘ዮም።

ካብዚ ሓሊፉ ‘ውን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወናኒት 20 ዝኾኑ ሙዝየማት፣ 20 ዝኾኑ ፓረክታት፣ ሓወልትታት ኣደባባይ፣ ዓበይቲ ቦታታት ዕዳጋ፣ ታሪኻዊ ቕርስታትን ዝኣመሳሰሉን ብዙሓት መስሕባትን መባፅሕታትን ቱሪዝም ከምዝኾነት መረዳእታ ቢሮ ባህሊ፣ ኪነ- ጥበብን ቱሪዝምን ከተማ ኣዲስ ኣበባ የመላኽት።

ዳይሬክተር ልምዓት መስሕብ ቱሪዝምን ምምሕዳር ልምዓት ቱሪዝም ውሽጢ ሃገርን ኣይተ ሳምሶን ኣይናቸው፤ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪካ ካብ ዘለዋ ሓሙሽተ ቀዳሞት ከተማታት መስሕብ ቱሪዝም አታ ሓንቲ ንምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝረከቡ ተዛሪቦም።

ከም እንጠጦ ፓርክ፣ ሳይንስ ሙዝየምን ኣንድነት ፓርክን ዓይነት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ኣዲስ ኣበባ መባፅሒ ቱሪዝም ምዃና ዘርእዩ ከምዝኾኑ ብምጥቃስ፤ ኣብ ቐፃሊ ‘ውን ካልኦት ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ኣብ መስሕባት ቱሪስት እታ ከተማ ዑደት ክገብሩ ‘ዮም ተባሂሉ ብትልሚ ዝተትሓዙ በዝሒ ቱሪስትታት ወፃኢ ዓዲ 580 ሽሕ እንትኸውን፤ 622 ሽሕን 702 ቱሪስትታት ወፃኢ ዓዲ ኣብታ ከተማ ዑደት ገይሮም።

እዚ ‘ውን ንኮንፈረንስታት፣ ኢግዚቢሽናት፣ ዓውደ ርእያትን ካልኦት ዝተፈላሌ ጉዳያትን ናብታ ከተማ ንዝመፅኡ ቱሪስትታት ወፃኢ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣይተ ሳምሶን ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ በጀት ዓመት ካብ ቱሪስትታት ወፃኢ 30 ነጥቢ 56 ቢሊዮን ብር ንምርካብ ተተሊሙ፤ 39 ነጥቢ 12 ቢሊዮን ብር ናብ ኢኮኖሚ እታ ከተማ ፈሰስ ንክኸውን ተገይሩ ኢሎም። እቲ ገንዘብ ናብ ዝተፈላለዩ ትካትን ውልቀሰባትን ፈሰስ ዝኾነ ‘ዩ።

እዚ ‘ውን ንፀራጊ ጫማ ሓዊሱ ታከሲ ቱሪስት፣ ዘጎብንዩ ትካላት፣ ግልጋሎት ሆቴል ዝህቡ ትካላትን ዝኣመሰሉን ዝተሰራጨወ ‘ዩ።

ፍሰት ቱሪስትታት ውሽጢ ዓዲ እንትንምልከት ናብታ ከተማ መፂኦም ዑደት ክገብ ‘ዮም ተባሂሉ ዝተተለመ ሓሙሽተ ነጥቢ ሓደ ሚሊዮን እንትኸውን፤ ሸውዓተ ሚሊዮንን 353 ሽሕን ቱሪስትታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ መባፅሕታት ቱሪስት እታ ከተማ ዑደት ከምዝገበሩ ተዛሪቦም።

እቶም ቱሪስትታት ውሽጢ ዓዲ ናብታ ከተማ ዝመፅእሉ ምኽንያት ዑደት ንምግባር ተሊሞም ከምዘይኮነ ገሊፆም፤ ዘመድ ጥየቓ፣ ንምዝንጋዕ፣ ንኣኼባ፣ ንሕክምናን ዝኣመሰሉን ጉዳያት ዝመፁ ‘ውን ከምዝሓውስ የርድኡ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ኸይዲ ካብ ቱሪስትታት ውሽጢ ዓዲ ዝርከብ ኣታዊ ምስላሕ ከምዘይተጀመረ ዝገለፁ ኣይተ ሳምሶን፤ ካብ ዝቕፅል በጀት ዓመት ጀሚሩ ሳይነሳዊ ብዝኾነ ሜላ ንምስላሕ ዘኽእል ስራሕ እናተሰረሐ ከምዝኾነ ኣመላኺቶም።

ፍሰት ቱሪስት ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ቑፅሩ ቱሪስት ኮን ፈሰስ ዝግበር ገንዘብ ወሰኽ ከምዘረአየ ዝገለፁ ኣይተ ሳምሶን፤ እዚ ‘ውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቑፅሪ ናብታ ከተማ ዝኣተዉ ቱሪስትታት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ከመኡ ‘ውን ናብ ኢኮኖሚ ፈሰስ ዝግበር ገንዘብ እናወሰኸ ከምዝኾነ የመላኽት ኢሎም።

ኣይተ ሳምሶን ኣተሓሒዞም ‘ውን፤ ኣብታ ከተማ ንዘለዉ መስሕባትን መባፅሕታትን ቱሪዝም ንምልማዕ ንቱሪስትታት ምችዋት ንክኾኑ ንምግባር ዝተወሰኑ እሴታት ኣብ ምምላእን ሓደሽቲ መስሕባትን መባፅሕታትን ቱሪዝም ኣብ ምስራሕን ብዙሓት ምንቅስቓት እናተገበሩ ከምዝርከቡ ገሊፆም፤ ኣብታ ከተማ ፃንሒት ቱሩስትታት ከናውሑ ዝኽእሉ ሓደሽቲ ቦታታት መባፅሒ ቱሪዝም ፈሊኻ ንምልማዕ ስራሕቲ ከምዝተጀመረ ሓቢሮም።

ኣብ ዝቕፅል በጀት ዓመት ቑፅሪ ቱሪስትታት ውሽጢ ዓዲ ንምውሳኽን ንምስፋሕን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ጎስጓስ ንምስራሕ ከምዝተተለመ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር፤ ብተመሳሳሊ ቱሪስትታት ወፃኢ ዓዲ ንምስሓብ ሚድያታት ወፃኢ ‘ውን ብምጥቃም ዝተፈላለዩ መማረፅታት ብምጥቃም ስራሕቲ ምፍላጥ ንምስራሕ ከምዝተተለመ ‘ውን ሓቢሮም።

በሪሁ ኣረጋ   

ወጋሕታ 13 ሓምለ 2015 ዓ.ም

Recommended For You