ድምቀት ብሄረሰብ ኮንሶ

ኢትዮጵያ ምልኩዓትን ዝተደባለቐ መንነትን ዘለዎም ህዝቢታት ዝነብሩላ ምድሪ ‘ያ። ኢትዮጵያውያን ካብ ዓለም ዝፍለይሉ ብዙሓት ባህላዊ ክብርታት ሰብዋና ምዃኖም ‘ዩ

።ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከትረኽቦም ዘይትኽእል ኣዝዮም ሰሓብትን ኣደነቕትን ክብርታት’ዮም።

ከም በዓል ጥምቀት፣ መስቀል፣እሬቻ፣ ጨምባላላን ካልኦት ባህላውን ሃይማኖታውን ስነ-ስርዓት ሃገርና ዝኣመሰሉ ናይ ጎደና በዓላት ንመንነት ህዝቢ ብንፁር ከም ዘርእዩ ምርዳእ ይከኣል ‘ዩ። ሕብረተሰብና ነዞም ፀጋታት እዚኦም ንኣሽሓት ዓመታት ዓቂቡ ናብ መፃኢ ወለዶ ከሰጋግር ክኢሉ ‘ዩ።

ሓደ ካብቶም ባህላዊ ክብርታት ሃገርና ዝኾነን ኣብ ቅርስታት ዓለም ዝተመዝገበ ናይ ኮንሶ ባህላዊ ክብሪ ክንድህስ ኢና። ኮንሶ ብድምር ብትሽዓተ ዓሌታት ዝቖሙ ‘ዮም፤ ብሰለስተ ተፈጥሮኣዊ መልክዓ ምድርን ባህላዊ ምሕደራዊ ስርዓትን(ቲንባ ካራታ ካታና፣ ከና ቁፋን ቱሮታ ቲቲባን) ዝተኸበቡ ህዝቢ ‘ዮም።

ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ክንረኽቦ ዘይንኽእል ኢትዮጵያዊ ዝኾነ ዘደንቕ ተፈጥሮኣዊ ስነ-ጥበብ ምዕቃብ ተፈጥሮ፣ ስርዓታት ሓጎስን ሓዘንን ይርከቡ።

ክብርታትን ናይቲ ከም ቅርሲ ዓለም ተመዝጊቡ ዘሎ ባህላውን ተፈጥሮ’ውን ፀጋታት ኮንሶ ዘጉልሁ ባህላዊ ፀጋታት ከምዝስዕብ ክነቕርብ ኢና። እቲ ሓበሬታ ብሓላፊ ክፍሊ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኣይተ ሰራዊት ዲባባ ዝረኸብናዮ ‘ዩ።

ኮንሶ -”ኣፋ ኮንሶ”

“ልዕሊ 2ሽሕን 22 ትርብዒት ኪሎሜትር ዝሽፍን ስፍሓት ዘለዎ ዞባ ኮንሶ፣ መልከኣ ምድራዊ ኣቀማምጥኡ መብዛሕትኡ ሽንጥሮታትን ጎበታትን እንትኸውን ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጥኡ ሰሓብን ማራኽን ‘ዩ ዝብሉ ኣይተ ሰራዊት።

ቁመቱ ካብ 570 ክሳብ 2 ሽሕን 100 ሜትሮ ልዕሊ ፀፍሒ ባሕሪ ምዃኑ ይገልፁ። ቁጠባ ህዝቢ ብሓፈሻ ኣብ ሕርሻ ዝተመስረተ ኮይኑ ምርባሕን ምህጣርን እንስሳ፣ ምፍራይ ንህቢ፣ ስራሕቲ ኢደ ጥበባት፣ ማእድን፣ ንግድን ቱሪዝምን እቶት ንቁጠባ እቲ ህዝቢ ዝድግፉ ንጥፈታት ‘ዮም።

ህዝቢ ኮንሶ ኣብ ርእሲ’ቲ መግለፂ ዕብየት ብታሪኽን ባህልን ብርክት ዝበሉ ናይ በዓሉ ፍሉይ ዝኾነ ታሪኻውን ባህላውን ክብርታት ’ውን ኣለዎ። እዞም ዝስዕቡ ባህላዊ ፀጋታት ናይ ኮንሶ ፍሉያት ባህላዊ ፀጋታት’ዮም።

ባህላዊን ፀጋታትን

‹‹ባህላዊ ፀወታ ኮንሶ›› ኣብ ትምህርቲ፣ ሳይንሳዊን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ዝተመዝገበ ኮይኑ ኮንሶ ካብ ተፈጥሮኣዊን ታሪኻዊ ቅርስታቱ ሓሊፉ ካልእ ብዙሕ ክብርታት ዘለዎ ህዝቢ ‘ዩ።

ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ተራእዮም ዘይፅገቡ፣ ተሰሚዖም ዘየስልችዉ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ኮይኖም፤ ኮንሶ ኣብ መንነቱ ዝተመርኮሰ ኣካዳድና ባህላዊ ክዳውንትን ኣመጋግባን ዝውንን ‘ውን ‘ዩ።

ኣብ ኮንሶ ኣይሽምካይዶ ሓጎስን ሰሓቕን ሓዘን ‘ውን ይደምቕ ‘ዩ። ብውሕዱ ንሎሚ ዝሓዝናዮም ክብርታት ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

ብደርፍን ሳዕስዒትን ንሞት ዝስዕር

ሞት ብኮንሶ ይስዓር። ሓዘን ዘሎን ትፅቢት ዝግበረሉን እንተኾነ ‘ኳ ማሕበረሰብ ኮንሶ ንመልኣከ ሞት ብቐሊሉ ኢዱ ኣይህብን።

ኣብቲ ሕብረተሰብ ብፍላይ ፅቡቕ ሽምን ዝናን ዘለዎም ሰባት እንትሞቱ ህዝቢ ኮንሶ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ብድምቀት ይስንዮ። ሓላፊ ክፍሊ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ኣይተ ሰራዊት ዲባባ ነዚ ጉዳይ ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልፁዎ።

‹‹ብደርፊ ዝስነዩ ሰባት ዝተመረቑ ሰባት ‘ዮም ተባሂሉ ይእመን፤›› ዝተፈላለየ ደርፊ ይድረፍ፤ ህይወት ማሕበረሰብ ኮንሶ ምስ ሕርሻ ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ ድሕሪ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ ሕርሻ ‘ውን ይድረፍ።

ባህላዊ ናይ ስፖርታዊ ፀወታታት

ኮንሶ በዓል ብዙሕ ባህላዊ ክብርታት ‘ዩ፤ ካብኣቶም ኣብቲ ሕብረተሰብ ፍሉይ ቦታ ዝወሃቦም ስፖርታዊ ፀወታታት ዝድነቑ፣ ዝናፈቑን ዝፍተዉን ባህላዊን ታሪኻዊን ስፖርታዊ ፀወታታት ኣብ ብሄረ ኮንሶ ይርከቡ። ካብዞም ክብርታት እዚኦም ነዞም ዝስዕቡ ፀጋታት ንምርኣይ ንፈትን።

እቶም ሓለፊ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኮንሶ ሰብ ኣብዝሞተሉ እዋን በደርፊ፣ ሳዕስዒትን ታሕጓስን ዝስንየሉ ባህሊ ኣለዎ። እዚ ባህሊ እዚ ‹‹ሺሌታ›› ይበሃል። ካብቶም ማሕበራዊ ምትእስሳራቱ ካብ ዘጠናኽሩን ቁጠባዊ ዓቕሙ ዘጉልሑን ባህላዊ ንጥፈታት “ስነ-ስርዓት ብኽያት” ቀዳማይ ደረጃ ይሕዝ።

እቲ ባህላዊ ስርዓተ ሓዘን ፍሉይ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታት ናይቲ ህዝቢ ዘርኢ ኮይኑ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ‘ዩ። ካልእ ኣብ ማሕበረሰብ ኮንሶ ተፈታዊ ስፖርታዊ ፀወታ “ኩራላይ” ይበሃል። ተፈታዊ፣ ተናፋቒ፣ ወቕት ዝሕልው ስፓርታዊ ፀወታ ብሄረሰብ ኮንሶ ‘ዩ። እዚ ፀወታ ኣብ ብሄረሰብ ኮንሶ ኣብ ሓጋይ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ዝካየድ ‘ዩ።

እዚ ፀወታ ኣብ ክልተ ተፈጥሮኣዊ ሸነኻት ዝተኸፋፈለ ኮይኑ ኣብ መንጎ ኣናእሽቱን ዓበይትን ዝግበር ዓቢዪ ውድድር ዘለዎ ስፓርታዊ ፀወታ ‘ዩ። “ኩራይላ” ንማሕበረሰብ ኮንሶ ፍሉይ ዝኾነ ስፖርታውን ባህላውን ክብርታት ኮይኑ ናይቲ ፀወታ ኣካይዳ ድማ ኩዕሶ ዝመስል ቕርፂ ናብ ሰማይ ብምድርባይን ምቚላውን ዝካየድ ዓይነት ፀወታ ‘ዩ።

ታኬካ (ታሻ)

ኣይተ ሰራዊት ወሲኾም ከምዝገለፅዎ፣ ካልእ ሓደ ስፖርታዊ ፀወታ ታኬካ (ታሻ) ተባሂሉ ይፍለጥ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብኣቦታትን መናእሰይን ኮንሶ ዝፅወት ባህላዊ ፀወታ ‘ዩ። እቲ ፀወታ ብልሒ ዝሓትት ባህላዊ ፀወታ ኮይኑ ‘ዩ።

እቲ ፀወታ ካብ ኣቦታትን መናእሰይን ሓሊፉ ሰገናት ‘ውን ዝፃወትዎ ዓይነት ፀወታ ‘ዩ። እዚ ባህላዊ ዓይነት ስፖርታዊ ፀወታ ብዘመናዊ ኣፀዋውዓ ገበጣ እንትኸውን ኣብ ማሕበረሰብ ኮንሶ በዓል 6፣ በዓል 12 ታሻ ዝብል ናይ ሒሳብ ቀመር ዘለዎ ‘ዩ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 29 ሰነ 2015 ዓ.ም

Recommended For You