ዘመን ተሳገርቲ ስራሕቲ በኣሉ ግርማ ብቴያትር

ደራሲን ጋዜጠኛን በኣሉ ግርማ ዘመን ተሳገርቲ ዝኾኑ ስራሕቲ ስነ ፅሑፍ ንተደረስቲ ኣቕሪቡ ‘ዩ። ቅድም ኢሎም ዝሕተሙ ኣብ ዝነበሩ ጋዜጣታትን መፅሄትን ማሕበራውን ፖለቲካን ኢኮኖምያውን እዋናዊ ዛዕባን ዝዳህሰሱ ፅሑፋት ንኣንበብቲ ኣቕሪቡ ‘ዩ።

ኣብ ወፃኢ ሃገራት ተማሂሮም ካብ ዝመፁ ኢትጵያውያን ብምዃን ምስ ንጉሰ ነገስታት ቀዳማዊ ሃፄይ ሃይለስላሴ ቀሪቡ ናይ ስራሕ መመርሒ ተቐቢሉ ጋዜጣ ‹‹የዛሬይቱ ኢትዮጵያ ›› ኣዳላዊ ኾይኑ ስራሑ ጀሚሩ ‘ዩ። ናብ ምዕራብ ዓለም ተሳጊሩ ዝረኸቦ ፍልጠት ነታ ጋዜጣ ተነባቢነት ንምዕባይ ሓገዚዎ ‘ዩ።

ቀፂሉ ድማ ብእቴጌ መነን ኣስፋው ሽም ዝተሰየመ ብኣምሓራኛን እንግሊዝኛን ቋንቋ እትዳሎ ዝነበረት ‹‹መነን›› መፅሄት ኣዳላዊ ኾይኑ ሰሪሑ ‘ዩ። ሓደሽቲ መፅሄት ንክጣየሽ ‘ውን ፃዕሪ ገይሩ ‘ዩ ፤ ብምቕፃል ‘ውን ኣብ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ ክፍሊ ስነ ፅሑፍ ዋና ኣዳላውን ኣብ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ዋና ኣዳላዊ ኾይኑ ሰሪሑ ‘ዩ።

ዘመን ተሳጋሪ ዝኾኑ ፅሑፋቱ ኸዚ ‘ውን ኣብቲ ጋዜጣ ተሓቲሞም ደሚቖም ይራኣዩ ‘ዮም። ኣብ እዋን ሰርዓት ደርጊ ድማ ናብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ዋና ስራሕ መካየዲኾይኑ ተመዲቡ ‘ዩ።

እዚ ደራሲ ናይ ስነ ፅሑፍ ሰብ ካብ መፅሄትን ጋዜጣን ስራሕቲ ብዝሓለፈ ብብዙሕ ድርሰት ስራሑ ብዝበለፀ ይፍለጥ ‘ዩ። ካብ ድርሰቱ ድማ ካድማስ ባሻገር ፣ ኦሮማይ ፣ የቀይ ኮኮብ ጥሪ ፣ የህሊና ደወል ፣ ደራሲው፣ ሃዲስን ዝኣመሰሉ ብዋናነት ዝጥቀሱ ‘ዮም።

ኣብዚኦም ስራሕቲ ስነ ፅሑፍ ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ኩነታት ብናይ ባዕሉ ገፀ ባህሪ ቀሪፁ ንኣንበብቲ ኣቕሪቡ ‘ዩ። ብገላፂ ናይ ድርሰት ኣፀሓሕፋ ስልቱ ድማ ናይ ብዙሓት ኣንበብቲ ቀልቢ ስሒቡ ‘ዩ። ንሃገርና ዘመናዊ ልብወለድ ኣፀሓሕፋ ስልቲ መሰረት ካብ ዝሃቡ ደራስያን ውሽጢ  እቲ ሓደ ‘ዩ።

እዚ ደራሲ ብዝፈጠሮ ዘመን ተሳጋራይ ስነፅሑፍ ስራሕቲ ዘተኾረን ንዕኡ ዝዝክርን ‹‹በኣሉ ግርማ ቤርሙዳ›› ዝተብሃለ ቴያትር ብውድነህ ክፍሌ ደራሲነት ፣ ብዶክተር ተሻለ ኣሰፋ ኣዳላውነት ብኣንዱኣለም ደጀኔ (ኣባቡ) ቀንዲ ተዋሳኣይ ኣብ ቀረባ ኣብ ሃገር ፍቅር ቴያትር ንተመልከቲ ክቐርብ ‘ዩ።

ናይቲ ቴያትር ደራስን ፀሓፍን ተውኔት ውድነህ ክፍሌ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝተዛረቦ፣ በኣሉ ግርማ ኣብቲ ዘመን ብጋዜጠኝነት ኾነ ሓቂ ብምዝራብ ዓብይ ዋጋ ዝኸፈለ ሰብ ‘ዩ። ኾይኑ ግና ንዓይ ሓዊሱ ኣብዚ ዘመን ዘለና ባዓል ሞያ ቴያትርን ጋዜጠኛታትን ብዝኸፈሎ ዋጋ ልክዕ ስሙ ክልዕሎ ኣይካኣልናን ክብል ገሊፁ ‘ዩ።

በኣሉ ግርማ ዝሞቐ ሓዳር እናሃለዎ ዓብይ ዋጋ ዝኸፈለ ደራሲ ‘ዩ ፤ ናይ ስነ ፅሑፍ ስራሕቱ እንተተነበቡ ‘ውን ዝኸፈሎ ዋጋ ዝኣክል ኣይተዘከረን። እኳደኣስ ተረሲዑ ‘ዩ። እዚ ቴያትር ንምስራሕ ምልዕዓል ዝመፅአ ናቱ ውዕለታ ንምኽፋል ‘ዩ።

በኣሉ ግርማ ኣብቲ ግዜ ዝፈፀሞ ተግባር ንደራስያንን ጋዜጠኛታትን ዓብይ ትምህርቲ ‘ዩ። ከም ደራስን ጋዜጠኛን ምንም ዝፈርሕ ከምዘየለን ንዝኣመንሉ ጉዳይ ፊት ለፊት ክቃለሱ ከምዘለዎም፣ ዝኾነ ዋጋ ንምኽፋል ድልዋት ክኾኑ ከምዘለዎም ናቱ ታሪኽ ዘረድእ ‘ዩ። ናይ ሎሚ ጋዜጠኛታት ደራስያን ድማ እዚ እናሰበሩ ንበኣሉ ግርማ ድማ ሓወልቲ ጠጠው እናበሉ ‘ዮም።

‹‹በኣሉ ግርማ ቤሩሙዳ›› ዝተብሃለሉ ምኽንያት በቢ ግዚኡ ንሞይኡ ዝኸፈሎ መስዋትነት ንምዝካር ካብ ሓደ ሓደ ፅንዓት ብምልዓል ኣብቲ ስርዓት ከመይ ህይወቱ ክስእንን ኣስክሬኑ ክጠፍእን ከምዝኻኣለ ግምት ንምቕማጥ ዝተሰርሐ እዚ ቴያትር ብዙሓት ናይ ጥበባት ኣካላት ኣብ ዝተረኸብሉ 18 ሰንበት 2015ዓ.ም ኣብ ሃገር ፍቕሪ ቴያትር ንተመልካቲ ክፍቲ ኾይኑ ‘ዩ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 22 ሰነ 2015 ዓ.ም

Recommended For You