ሃላላ- ካብ መቐመጢ ንጉስ ክሳብ መስሕብነት ቱሪስት

ኢትዮጵያ ወናኒት ንመስሕብነት ቱሪስት ዝውዕሉ ብዙሓት ተፈጥሮኣውን ሰብ ሰራሕን ቅርስታት ‘ያ። ንቕርስታት ሓሊኻ ንወለዶ ካብ ምምሕልላፍ ብዝዘለለ ልምዲ ኣልሚዕኻ ከም መስሕብ ቱሪስት ምውዓል ግና ሃገርና ምስ ዘለዋ ዓቕሚ እንትነፃፀር እኹል ‘ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና እዚ ልምዲ እናተለወጠ ‘ዩ፣ ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን መስሕብ ዝኾኑ ቦታታት ብፕሮጀክትታት መኣዲ ንሃገር፣ መኣዲ ንወለዶን ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክትታትን ኣቢልኻ ብምልማዕ ንዑደተኛታት ክፍቲ ናይ ምግባር ልማድ እናተጠናኸረ ‘ዩ።

ምቹዋት ኩነታት ድማ ኣቀማምጣ ገፀ-ምድሪ ኢትዮጵያ፣ ምችው ነባሪ ኣየር፣ ሰሓብቲ ተፈጥሮኣዊ ቦታታት፣ ብርቂ ዝኾኑ እንስሳትን ዓሌታት እፅዋትን ከምኡ’ውን ውሩያት ፍሉጣት ኢትዮጵያውያን ዝሰርሕዎም ኣዝዮም ዘደንቑ ዓበይቲ ተግባራት ዑደት ንምግባር ካብ ኩለን ክፍለ ዓለማት ደበኽ ምባሎም ዘይከሓድ ሓቂ ‘ዩ።

ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ መኣዲ ንሃገርን መኣዲ ንወለዶን ተባሂሎም እናተሰርሑ ዘለዉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ካብ ምፍጣር ሓሊፎም ኣታዊ ቱሪዝም እናዕበዩ ከምዝኾኑ ዝእመን ‘ዩ።

ብተወሳኺ’ውን እቶም ብመንግስታውን ውልቃውን ትካላት ከምኡ’ውን ብውልቀ ሰብሃፍቲ እናተሰርሑ ዝርከቡ ሆቴላት፣ ሎጃት፣ ፓርክታትን መዘናግዒ መናእሰይን መባፅሒ ቱሪስት እናኾኑ ‘ዮም።

እቲ ሓደ ኣካል መኣዲ ንሃገር ዝኾነ ሪዞርት ሃላላ ኬላ ‘ውን ኣብ ሃገርና ሓደሽቲ መባፅሒ ቱሪስት ካብ መንጎ ዝኾኑ ምዕሩጋትን ሰሓብትን ቦታታት እቲ ሓደ ‘ዩ።

ሪዞርት ሃላላ ኬላ ኣብ ዞባ ዳውሮ ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 450 ኪሎሜትር ርሕቐት ይርከብ።እቲ ቦታ ንተፈጥሮ ብልክዕ ግልፅ ኣቢሉ ዘርእይ እንትኾን፣ሃላላ ኬላ ዝብል ስያመ ዝረኸበ ኣብ 1760 ዓ.ም ከምዝተወለዱ ብዝዝረበሎም በቶም ናይ ቀደም ንጉስ ዳውሮ ሃላላ ምኽንያት ከምዝኾነ ይዝረበሉ።

እቶም ንጉስ ዘስርሕዎ እካብ እምንን መቐመጥን ኣብዚ ሕዚ እዋን መስሕብ ቱሪስት እናኾነ ይርከብ። ብፍልፍል ሓይሊ ኮይሻ ምኽንያት ካብ ዝተፈጠረ ሰብ ሰራሕ ቃላይ ፀግዒ ዝርከብ ሪዞርት ሃላላ ኬላ ኣብ ውሽጡ ታሪኻውን ባህላውን ቅርስታት እቲ ከባቢ ዘርእይ ሙዝየም ከምኡ’ውን ማእከላት ምርምር ኣካቲቱ ዝሓዘ ‘ዩ።

ሃላላ ኬላ ሰላምን ፀጥታን፣ ታሪኽን ባህልን ንዝደለዩ ከምኡ’ውን ንተፈጥሮ ካብ ልቦም ንዘድንቑን ብፍረኣ ‘ውን ባህ ንዝብሎም ዑደተኛታት ናይ ቀረባ ፈታዊ ኮይኑ።

እቲ ቦታ እቲ ዓብዪ ህንፃ ዳውሮ ካቲ ሃላላ፣ እቲ ዘደንቕ ፍልፍል ሓይሊ ኮይሻን ንልቢ ብሓጎስ ዝስውር ብሄራዊ ፓርኪ ጨበራ ጩርጩራ ከምኡ’ውን እቲ ብዝተፈላለዩ ባህልታት ዝተመልአ ማሕበረሰብ ፃራ ዝርከበሉ ቦታ ‘ዩ።

ሪዞርት ሃላላ ኬላ መሰረተ ልምዓቱ ንመባፅሒ ቱሪስት ምቹው ኮይኑ ካብ ምስርሑ ብተወሳኺ ገፀ-ምድራዊ ኣቀማምጣ እቲ ከባቢ፣ ታሪኻዊ ቦታታት፣ ኣብ ዙርይኡ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ዓሌታት እፅዋት ዑደተኛ ናብቲ ቦታ ንኽፈስስ ዘገድዱ ዓበይቲ ምኽንያታት ‘ዮም።

ፕሬዚዳንት ማሕበር ጋዜጠኛታት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ጋዜጠኛ ሄኖክ ስዩም፣ ብመኣዲ ንሃገርን መኣዲ ንወለዶን እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ቱሪዝም ንዘፈር ቱሪዝም ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግሩ ‘ዮም ይብል። እቲ ሓደ ኣካል መኣዲ ንሃገር ዝኾነ ሃላላ ኬላ ንሃገርና ኮነ ነቲ ክልል መባፅሒ ቱሪስት ምዃኑ ነዚ ሓደ መርአዪ ምዃኑ ‘ዩ ተዛሪቡ።

ግድብ ፍልፍል ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ኮይሻ ካብ ዝህቦ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ብተወሳኺ እቲ ዝተፈጠረ ሰብ ሰራሕ ቃላይ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ንልምዓት ቱሪዝም ምውዓል ከምኡ’ውን ጠመተ ስኢኑ ዝነበረ ሃላላ ኬላ ለሚዑ መባፅሒ ቱሪስት ክኸውም ምግባሩ ኣሰይ ዘብል ተግባር ‘ዩ ይብል።

ካብ ጋዜጠኛ ሄኖክ እንተኾይኑ፣ ሪዞርት ሃላላ ኬላ ኣብቲ ከባቢ ምስርሑ ንፃንሒት ቱሪስት የናውሕ፣ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብኢኮኖሚ ተጠቃሚ ይገብር።

እቲ ቦታ ታሪኽ ነዊሕ ዘመን ዘለዎን ቱባ ባህሊ እቲ ከባቢ ዝሓዘን ‘ዩ ዝበለ ጋዜጠኛ ሄኖክ፣ እቲ ዝተሰርሐ ሪዞርት ንዓለም ለኸ መለክዒ መዕረፊ ዑደተኛታት ዘማልአ ብምዃኑ ንሃገርና መባፅሒ ቱሪስት ንምግባር ዝለዓለ ግደ ከምዘለዎ የረድእ።

እቲ ልምዓት ንቱሪዝም ካብ ምስፍሕፋሕን ዕድል ስራሕ ካብ ምፍጣርን ብተወሳኺ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ዕድል ከምዘለዎ ይሕብር።

እቲ ልምዓት ሕዚ ካብ ዝህልዎ ዝለዓለ ረብሓ ንላዕሊ ኣብ ቐፃሊ ንዝስርሑ ልምዓታት ዓብዪ ምንቕቓሕ ዝፈጥር ‘ዩ ዝብል እቲ ጋዜጠኛ፣ ንቱሪዝምን ተፈጥሮን ናይ ምሕላው ባህሊ ብዝበለፀ ንክጠናኸርን ንኽዓብን ይገብር ኢሉ።

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብዙሓት ቦታታት ዑደት ክግበረሎምን መባፅሒ ቱሪስትን ምዃን እናኽኣሉ ብስእነት መሰረተ ልምዓት መንገዲ ጥራሕ መባፅሒ ከይኾኑ ቀርዮም ‘ዮም ዝብል ጋዜጠኛ ሄኖክ ፣ ሃላላ ኬላ ግና ፀገም መሰረተ ልምዓት መንገዲ ዝተቐረፈሉ ምዃኑ ንዑደተኛታት ምቹው ምዃኑ ይገልፅ።

ኢትዮጵያ ብዙሓት ሃፍትታት ቱሪዝም እንተሃለዉዋ’ውን ብምኽንያት ልምዓት ቱሪዝም ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝቐረቡ ግን ውሱናት ምዃኖም ነቲ ስራሕ ምጥንኻር ይግባእ ክብል ሓሳቡ ሂቡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ቱሪዝም ኣይተ ስለሺ ግርማ ብወገኖም ሪዞርት ሃላላ ኬላ ተሰሪሑ ንግልጋሎት ክፍቲ ድሕሪ ምዃኑ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብቲ ቦታ ዑደት እናገበሩ ምዃኖም ኣረዲኦም።

ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ዲፕሎማት ወፃኢ ሃገር ምስ ስድርኦም ናብቲ ቦታ እናኸዱ ‘ዮም ዝበሉ ኣይተ ስለሺ፣ እቲ ሪዞርት ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ታሪኻዊ ቅርስታትን ቱባ ባህልታት እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ምፍላጥን ዘይትካእ ግደ እናተፃወተ ይርከብ ይብሉ።

ዞባ ዳውሮ ብዙሓት ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮኣውን መስሕባት ቱሪስት ዘለዎ እንተኾነ’ውን ብብዙሓት ከይተፈለጠ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም እቲ ፕሮጀክት ድሕሪ ምምራቑ እቲ ቦታ ዘለዎ ዓቕሚ ቱሪዝም እናተፈለጠ ከምዝኾነ ኣብራህሪሆም።

ኣብ ሃገርና መስሕብ ቱሪስት ዝኾኑ ብዙሓት ቦታታት ኣለዉ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ፣ ብዝተፈላለዩ ፀገማት መሰረተ ልምዓት ምኽንያት መስሕባት ምልማዕ ኣይከኣሉን። ሃላላ ኬላ ዕቑር ሃፍትታትና ከመይ ክነልምዖም ከምንኽእል መርኣያ ክኸውን ‘ዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያውያን ኣብ ሪዞርት ሃላላ ኬላ ዑደት ብምግባር ምስ ባህሎምን ታሪኾምን ብዝበለፀ ምትእስሳር ክፈጥሩ ይግባእ ክብሉ ኣይተ ስለሺ ተዛሪቦም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 15 ሰነ 2015 ዓ.ም

Recommended For You