ምዕቃብን ምልማዕን ቋንቋታትን ባህልታትን ትግራይ

ቋንቋን ባህልን ሓደ ካብ መለለይን መግለፅን መንነት ታሪኽን ሓደ ማሕበረሰብ’ዩ። ቋንቋን ባህልን ድማ ኣዝዮም ዝተኣሳሰሩን ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገፃት’ዮም ክብሃሉ ዝኽእሉን ኣብ ንሕድሕዶም ተመላላእትን ዘለዎም ‘ውን ‘ዮም። ቋንቋ ካብ ባህሊ ዝመፀ ክኸውን ከሎ ባህሊ ከዓ ብቋንቋ ከምዝፅሎን ከምዝድረኽን ጥራይ ዘይኮነስ ንሓደ ባህሊ ፍሉይ ዝገብሮን ካብ ካልእ ዝፈልዮ ‘ውን ‘ዩ።

ይኹን ‘ምበር ብሓደ ዓብላሊ ቋንቋ ይኹን ብኻሊእ ኣብ ልዕሊ ኻሊእ ቋንቋን ባህልን ብዝግበር ዝተፈላለየ ፀቕጢ ምድኻምን ምህሳስን ቋንቋን ባህልታትን እንትበፅሕ ንናይ ሃገር ባህላዊ ሃፍትን ማሕበራዊ መንነትን ይፀልዎ ‘ዩ። እዚ ንከይበፅሕ ድማ ኣብ ቋንቋታትን ባህልታትን ስራሕቲ ምኹስኳስን ምምዕባልን ምዕቃብን የድልዮ ‘ዩ። ኣብዚ ድማ ግደን ሓላፍነትን ኣካዳሚ ቋንቋታት ልዑል’ዩ::

ብፍላይ ቋንቋ መረዳድኢ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ሰባት መረበቶም፣ ባህሎም፣ ታሪኾምን ትዉፊቶምን ዘንፀባርቑሉ ሃፍቲ’ዩ ኣብ ዝብል ብዙሓት ይሰማምዑ ‘ዮም። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ሰማእታት ኣዳራሽ “ትግራይ ካበይ ናበይ?” ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ምሁራት ትግራይ ከምዝበልዎ “ትግርኛ መዘራረቢ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ህዝቢ ትግራይ ታሪኹን ባህሉን ዝገልፀሉ መበቆል ፍልስፍንኡን ስልጣነኡን’ዩ” ክብሉ ገሊፆም ነይሮም ‘ዮም።

ኣብቲ እዋን ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግርኛ ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ ከምዝገልፅዎ፤ ንዝሓለፉ 3ሽሕ ዓመታት ወለዶ እንትትካእ እቲ ዝሓልፍ ወለዶ ኣብቲ ቋንቋ ዓቕሙ፣ ፍልጠቱ፣ ክእለቱ፣ ታሪኹን ፍልስፍንኡን እናሓደገ ‘ዩ ኸይዱ። “ስለዝኾነ ዓሚቕ ዉሁሉል ዓቕሚ ኣብቲ ቋንቋ ኣሎ” ብምባል እቲ ቋንቋ ዝሓዞም ተረኻት ኮነ ክዓብዩ እንተድኣ ኾይኖም እቲ ቋንቋ ክብሪ ረኺቡ ክዓቢ ኣለዎ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ገሊፆም ‘ዮም።

“ከምኡ ክኸዉን እንከሎ ናብ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ክመጣጠር ይኽእል’ዩ። ስነ ፅሑፍ ክዓቢ ይኽእል’ዩ። መፅናዕትን ምርምርን በቲ ቋንቋ ክካየድ ይኽእል’ዩ” ዝበሉ ዶክተር ዳኒኤል፤ ሕጂ ንኽተሎ ዘለና ኣገባብ ግና ብኢንግሊዘኛ ኣፅኒዕኻ ናብ ትግርኛ ምትርጓም ከምዝኾነ ብምርዳእ፤ ኣብ ኢትዮጵያ/ትግራይን ኤርትራን ካብ ዘሎ ተዛራቢ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተዛረብቲ ከምዘለዉዎ ዝንገረሉ ቋንቋ ትግርኛ ክንድ እቲ ዝድለይ ኣብቲ ዓውዲ ብዘይ ምስርሑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዘለዎ ሃለዋት ኣብ ሓደጋ ‘ዩ ዝርከብ ክብሉ ኣጠንቂቆም ‘ዮም።

ናይ ታሪኽ ምሁር ዝኾኑ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ብወገኖም፤ ኣብቲ እዋን ከምዝሐበርዎ ማሕበረሰብ ትግራይን ኤርትራን ሓጎሱ፤ ሓዘኑን ስምዒቱን ብጓይላ መልቐስን ስነቃልን ዝገልፀሉ ኣካል መንነቱ ‘ምበር ከምቲ እንግሊዝኛ ኣብ ክፍሊ ኣትዩ ዝመሃሮ ተገይሩ ክረአ ዘለዎ ከምዘይኮነ ኣረዲኦም ‘ዮም።

ካሊእ ኣብዚ ብብዙሓት ከምዝግለፅ፤ ህዝቢ ትግራይ ወናኒ ነዊሕን ዓሚቅን ታሪኽን ስልጣነን እናሃለወ ኣብ ሕሉፍ እዋናት ታሪኹን ኣብ ምስናድ ጉድለት ዝነበሮ ኮይኑ፤ ኣብዚ እቲ ዝነበረ ጉድለት ብምእራም ታሪኽን ጅግንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምዕቃብ ዘሎ ተበግሶ ፅቡቅ ጅማሮ ‘ዩ።

ኣብ ምዕቃብ ምዕባይን ምልማዕን ባህልታትን ቋንቋታትን ታሪኽ ትግራይ ዓቢዪ ግደ ክፃወት ዝኽእል ምርምራት ዝሕተመሉ ሳይነሳዊ መፅሄት ዕላዊ ንምግባር ቅድሚ ሰሙናት ኣብ መቐለ ዘተ ኣብ ዝተኻየደሉ ዋና ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ ከምዝሓበርዎ፤ ሙሁራት ሞይኦም ብቋንቋታት ትግራይ እናሐሰቡን ምርምር እናካየዱን ህዝቢ ተረባሒ ኣብ ምግባር ናይ ባዕሉ ግደ ክህልዎ ‘ዩ ይብሉ።

መበቆላውነትን ጥንታውነትን ዝተላበሱ ሃፍትታት ትግራይ ብሳይንሳዊ መንገዲ ዕላዊ ክግበሩን ክንጥቀመሎምን ብዙሕ ረብሓ ዘለዎን መፅሄት ኣመልኪተን ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊት ካብኔ ሴክሬታርያት ሳይነስን ተክኖሎጅን ምህዞን ምርምርን ስልጠናን ዝኾና ዶክተር ኣልጋነሽ ተሰማ ብወገነን ከምዝበልኦ፤ ንመበገሲ ሳይነሳዊ መፅሄት ምኽንያት ካብ ዝኾነ ሓደ ኣብ ትግራይ ልዕሊ120 ኣብያተ ገዳማት ኣለው። ኣብዚ ብዙሕ ተሰኒዶም ዝተቀመጡ ፅሑፋት ኣለው። ካልኦት ካብዚ ክጥቀሙ ንርኢ ኢና፤ ኣንሕናኸ ንምንታይ ዘይንጥቀመሉ ካብ ዝብል’ዩ።

ብሓፈሻ ቋንቋታት ባህልታትን ንምዕቃብ ንምዕባይን ዝግበር ምንቅስቃሳት ብኣካዳሚ ቋንቋታት ጥራሕ ዝተደረኸ ዘይኮነስ ኣብዚ ወፃኢ ምስ ዝኾነ ኣብዚ ዓውዲ ንዕብየቱ ዝሰርሕ ኣካል ብምትሕብባር ክስራሕ ከምዝኽእል ዘርኢ ኣብ ሞንጎ ማእኸል ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ባህሊ ኦሮሞን ኣካዳሚ ቋንቋ ትግራይን ኣብቲ ዓውዲ ብሓባር ክሰርሑ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕ ከምዝተፈራረሙ ዝዝከር’ዩ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ኦሮሞ ኣይተ ዝናቡ ኣስራት ቋንቋታት፣ ባህልን ታሪኽን ክልቲአን ክልላት ንምዕባይ ብመፅናዕትን ምርምርን ዝተደገፈ ስራሕ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ዋና ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶ/ር ዳኒኤል ተኽሉ እቲ ኣካዳሚ ኣብ 2008 ዓ.ም ዝተመስረተ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ቋንቋታት ትግራይ ቋንቋ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንኽኾኑ ዝተፈላለዩ መፅናዕትን ምርምራትን ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም ‘ዮም።

ምስ ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ኦሮሞ ብምትሕብባር ምስ ህዝቢ ኦሮሞ ሕውነትን ሃገራዊ ሓድነትናን ንምጥንኻር ክንሰርሕ ኢና ድማ ኢሎም። ኣካዳሚ ቋንቋ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ስራሕቱ ክሰርሕ ከምዘይከኣለ ዝዝከር ኮይኑ ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ባህሊ ኦሮሞ ድማ ነቲ ማእኸል ከምዝድግፍ ቃል ከምዝኣተወ ዝፍለጥ ‘ዩ።

ብሓፈሻ ናይ ነዊሕ ዘመናት ታሪኽ ዘለዎ ሓደ ሕበረተሰብ ታሪኹ፣ ባህሉን ካልኦት መግለፂ መንነቱ ዝኾኑ ዝተሰነደሉ ሃገራዊ ቋንቋታቱ ንምዕቓብን ምልማዕን ብዙሕ ረብሓታትን ዘለዎ ምጅማር ሳይነሳዊ መፅሄት ቋንቋ ትግርኛ እኹል ቆላሕታ ተዋሂብዎ ኣብ ምስራሕ ንፅባሕ ዘይበሃል ዋኒን ምዃኑ ዝመላኽት ፅቡቅ ጅማሮ ስለዝኾነ ኣብ ምዕዋት እቲ ስራሕቲ ኩሉ እጃሙ ክዋፃእ ይግባእ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 8 ሰነ 2015 ዓ.ም

Recommended For You