ኣብ ታሪኽ ስነ ፅሑፍ ዓለም ከይተቋረፀ ዝቀፀለ ባህሊ ስነፅሑፍ

ኣብ ታሪኽ ስነ ፅሑፍ ዓለም ኢትዮጵያ መሰረት ስልጣነ ካብ ዝኾና ሃገራት ሓንቲ እያ። ብዙሓት ስነ ፅሑፍ ዝኻዕበተት፣ ዘኹርዕን ዘሕብንን ታሪኽ ዘሓዘት እያ።

ናይ ሃገርና ስነ ፅሑፍ ክንዲ ዝኾነይኹን ዘኻዕበተ ታሪኽ የሃልዎ እምበር ከም ዓብይ ታሪኽነቱ ኣብ መድረኻት ዓለም ስነ ፅሑፍ ብዙሕ ኣይረኣይን ዘሎ። እዙይ ነሃቱ ድኽመት ዘይኮነስ ኣብኡ ክስራሕ ካብ ዝግባእ ኽንድቲ ዝድለ ብዘይ ምስርሑ ክኸውን ይኽእል።

ሓቂ እዩ፤ ኣብ ኣፍሪካ ኾነ ኣብ ካልኦት ኣህጉራት ቀዳማይ ክብሃል ዝኽእል ኣብ ታሪኽ ስነ ፅሑፍ ዓብይ ቦታ ዘለዋ እንተኾነት እውን ብኡ ልክዕ እትፍለጥን ዝተነገረላን ሃገር ኣይኮነትን።

ነዚ ድማ ከም ዋና ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል እኹል ቖላሕታ ብምሃብ ኣብቲ ዘፈር ብዕቱብ ክስራሕ ብዘይምኻኣሉ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ናይዚ ፅሑፍ ዋና ዓላማ ሓዱሽ ሓበሬታ ንምሃብ ዘይኮነስ ስነ ፅሑፍ ነፀብራቕ ናይ ሕብረተሰባት ስለ ዝዀነ ብዘለና ክቡር ሃፍቲ ንክንኾርዕን ኣብዚ ዓውዲ ዘለው ዝምልከቶም ኣካላት ማለት እውን ኣብዚ ስራሕ ዝነጥፉ ዘለው ዝተፈላለዩ ሰባትን ሙሁራትን ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ሃፍቲ ንክሕለውን ናብ ረብሓ ንክውዕልን ግቡእ ቆላሕታ ሂቦም ንክዋስኡ ምዝኽኻርን ምብርባርን እዩ።

ናብ ዋና ጉዳይና እንትንምለስ፤ ስነ ፅሑፍ ሃገርና ኣብ ሕብረተሰብና ዘለዎ ዝርገሐን ኣመፃፅእኡን ምስ እንምልከት ኣቕሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። ከም ኣገላልፃ በዓል ሞያን ምሁርን ፊሎሎጂ ዶ/ር ጊደና መስፍን “ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ትግራይ ካብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዘለዋ ሃገራት ዝተፈለየ ቦታ ዘለዎ ከባቢ እያ።

ንምንታይ ካብ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ሻብዓይን ሻምናይን ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ናተይ እትብሎ ስልጣነ ዝወነነት እያ ነይራ። እዚ ስልጣነ ከዓ ናይ ባዕሉ ዘማዕበሎ ስነ ፅሑፍ ነይርዎ እዩ።ኣብ ስልጣነ ወዲ ሰብ ካብ ዝተመሃዙ ዓብለልቲ ፈጠራታት ስራሕቲ ሕርሻን ፅሑፍን እዮም።”

ስለዚ ካብዚ ስልጣነ ዘማዕበሎ ስነ ፅሑፍ እዚ ካብ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣቢሉ ጀሚሩ ክሳብ ሻብዓይ ክፍለዘመን ኣብ ዘሎ ኣብ ውቁራት እምኒ ዝተፅሓፉ መረዳእታት ኣለውና። ኣብዞም ውቁራት እምኒ ዘለው ፅሑፋት መብዛሕትኡ በባና ስለ ዘይተፀንዑን ንህዝቢ እውን ብኣግባቡ ስለዘይተገለፁን እምበር ብሓቂ ዘኹርዕ ሓድጊ ፅሑፋት ገዲፎምልና ኸይዶም እዮም።

ከም ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል ዓለም ገና ስልጣነ ዝብል ቃል ኣብ ዘይፍለጠሉ እዋን ኣኹስማውያን ኣብቶም ፅሑፋት ኣተሓሕዛ ምሩኻት ብዝምልከት ከይተረፈ እውን ፅሒፎምልና እዮም ከይዶም።

ስለዚ ስልጣነ ኣኩሱም ኣብ ውቁራት ኣእማን ካብ መርካቡ ብተወሳኺ ደሓር ድማ ብኸይዲ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ኣብ ዘመን ኢዛና ክርስትና ብብሄራዊ ብምእታው መፅሐፊ ብራናን ቀለምን ብምጥቃም ዝበለፀ ፅሑፋት እናተስፋሕፍሑ ዝመፅኡሉን ኣብ ከይዲ ድማ እናዓበየ ክሳብ ሐዚ ዘለናዮ እዋን ዝቅፅል ዘሎ ባህሊ ፅሑፍ እዩ ዘለና።

እዙይ ድማ ኣብ ታሪኽ ስነ ፅሑፍ ዓለም ከይተቋረፀ ዝቀፀለ ባህሊ ፅሑፍ ካብ ዝበሃሉ ቐዳሞት ተፀራሕቲ እውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ዓድና እዚ ኹሉ ሃፍትታት እንተሃለወና እውን ክንድቲ ዘድሊ ዘይተሰረሐሉን ዘይተረባሕናሉን እዩ ከንብል እኽእል ኢና።

ምኽንያቱ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፉ ዝመፅኡ ዘይትክኡ ፅሑፋት ግቡእ ኣተሓሕዛን ቆላሕታን ተወሂብዎም ተሓብሒቦም ክቅመጡን ክፅንዑን ብዘይምኽኣሎም ቀሊል ዘይብሃል ክሳራታት ይበፅሕ ከምዘሎ ኣይዝንጋዕን።

ካሊእ ርሑቅ ከይከድና ኣብ ዝተፈላለየ መፅናዕታዊ ስነ ፅሑፋት ሃገርና ከም ጀማሪ ድርሰት ስነ ፅሑፍ ብደረጃ ቅርፂ መፅሓፍ ግን ደብተራ ፍሳሓጊዮርግስ ዘየሓ ኢዮም። ኣብ መወዳእታ 19 ክፍለ ዘበን ዝተፀሓፉ “ታሪኽ ኢትዮጵያ” ን “ጦብላሕታ” ን ዝብሉ ክልተ መፃሕፍቲን ካልኦትን ኣብ ታሪኽ ስነ-ፅሑፍ ትግርኛ ተጠቀስቲ እዮም።

እዙይ ከምዙይ እናሃለወ ኣብ መፈለምታ 20 ክፍለ ዘበን ብፍላይ ስነ ፅሑፍ ትግርኛ ቁሩብ ተዘሓሒሉ ከምዝነረ ሓደ ሓደ መረዳእታት ይሕብሩ እዮም። ካብ 1930ታት ክሳብ 1960ታት ኣብ ዘለዉ ዓማውቲ ግና ዝሐሸ ውፅኢታት ስነ-ፅሑፍ ንረክብ።

ኣብ 2006 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ዋዕላ ቋንቋታት ትግራይ ብዳንኤል ተኽሉ ረዳ (ዶ/ር) ዝቐረበ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ከም ዝሕብሮ፤ መጠን ስነ- ፅሑፍ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ዝለዓለ ለውጢ እናመዝገበ ከም ዝመፀአን ብፍላይ ካብ 1999 ዓ.ም ክሳብ 2006 ዓ.ም ኣዝዩ ቅልጡፍ ቁፅራዊ ዕቤት ከም ዘመዝገበ ምርዳእ ይከኣል።

ብሓፈሻ ኣብቲ ዝተሓበረ መዋእል 248 መፃሕፍቲ ብቋንቋ ትግርኛ ብርሃን ሕትመት ሪኦም። እዙይ ድማ ኣብ ምዕባለ ቋንቋን ስነ- ፅሑፍን ሃገርና ገዚፍ ዝላ እዩ።

ስነ-ፅሑፍ ትግርኛ ብፍላይ ኣብ ዘበነ ደርጊ ክልተ መልክዓት ነይሮምዎ። በቲ ሓደ ገፅ ኣብ ሓራ መሬት ዝነበረ ውዕዉዕ ምንቅስቓስ እንትኾን ኣብዚ ዘበን ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ብቕዓት በፂሑ ከም ዝነበረ ይዝከር።

በቲ ካሊእ ገፅ ኣብ ጓጓ ደርጊ ኣብ ስነ-ፅሑፍ ትግርኛ ምንም ዓይነት ምንቅስቓስ ኣይነበረን። እዚ ዘበን ንስነ-ፅሑፍ ትግርኛ ዘበን ፀልማት ነይሩ ተባሂሉ ይግለፅ እዩ።

ካብኡ ንደሓር ዘለው እዋናት ግና ብዝሐሸ እናተጠናኸረ ዝመፅአሉን ኩነታት ኮይኑ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን እውን ብዝበለፀ ዕብየት ስነ ፅሑፍ ናብ ብራኸ ዝመፅኣሉ ምልክታት ተስፋ ይረኣዩ ኣለው።

ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣከባቢታት ዝርከቡ ጥንታዊ ስነ-ፅሑፋት ኣብ ሓንቲ ሃገር፤ ኣህጉር ከምኡ እውን ኣብ ታሪኽ ዕብየት ደቂ ሰባት ልዑል ቦታ ዘለዎ ብምዃኑን ብፍላይ ናይ ሃገርና ስነ ፅሑፍ ክንዲ ዝኾነ ይኹን ዘኻዕበተ ታሪኽ እንተሃለዎ እውን ከም ዓብይ ታሪኽነቱ ዝግብኦ ኣተሓሕዛ ተገይርሉ፤ ካብኡ ዝርከቡ ረብሓታት ኣብ ምጥቃምን ኣብ ምዕዛዝን ኣብ መድረኻት ዓለም ስነ-ፅሑፍ ንክፍለጥን ብትኹረት ክስርሓሉ ይግባእ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 1 ሰነ 2015 ዓ.ም

Recommended For You