‹‹ማጋ ራጋ›› – ኣፈታትሓ ጎንፂ ብሄረሰብ ማረቆ

ኣብ ሃገርና ብርክት ዝበሉ ባህልታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ኣለዉ። ካብዚኦም ጎንፂ ዝፍተሐሎም መገዲ ሓደ ‹‹ማጋ ራጋ›› ዝባሃል ኣብ ብሄረሰብ ማረቆ ዝጥቀምሉ ኣፈታትሓ ጎንፂ’ዩ ።

ኣብቲ ውሽጢ ብሄረሰብ ማረቆ ዝፍጠሩ ጎንፅታት ኾነ ምስ ካልኦት ከባብታት ዝፍጠሩ ዘይምርድዳእ ኣፈታትሓ ጎንፂ ‹‹ማጋ ራጋ›› ብምጥቃም እናተፈትሐ ፀኒሑ ‘ዩ፤ ሎሚ ‘ውን እናተፈትሐ ይርከብ።

ኣብቲ ብሄረሰብ ጎንፅታት ብዝተፈላለዩ ብርክታት ይፍትሑ። ኣብ ቤተሰብ ውሽጢ ዝፍትሑ ጎንፅታት ፣ ብጎረቤት ብርኪ ዝፍትሑ ጎንፅታት ፣ ብዓሌት ደረጃ ዝፍትሑ ከምኡ ‘ውን ብብርኪ ብሄረሰብ ዝፍትሑ ጎንፅታት ኣለዉ።

ኣብ ታሕቲ ክፍትሑ ዘይከኣሉ ጎንፂታት እቲ ጉዳይ ናብ ቀፃሊ ብርኪ ‘ዩ ዝኸይድ። ሓደ ጎንፂ መጀመርያ ብርኪ ቤተሰብ ከይተርኣየ ናብ ቀፃሊ ብርኪ ኣይኼይድን። ቤተሰብ ዘይራኣዮ ጉዳይ ናብ ዓሌት ሽማግለታት ወይም ናይቲ ብሄረሰብ ሽማግለታት ኣይዛተይሉን። ብቤተሰብ ንክረአይ ይምልስዎ ‘ዮም።

ናይቲ ከባቢ ሽማግለታት እቲ ፀገም ንምፍታሕ ቕድሚ ምኻዶም ብታሕተዋይ ብርኪ ንምፍታሕ ፃዕሪ ምግባሮምን ዘይምግባሮምን ከፃርዩ ኣለዎም። ሓደ ጉዳይ ብታሕተዋይ ብርኪ እንድሕር ዘይተፈቲሑ ኣብ ቀፃሊ ዘለዉ ብርኪ ሽማግለታት እቲ ጉዳይ ብምድሓዝ ይምርምሩዎ ‘ዮም።

ኣብ ታሕተዋይ ናይ ዳኝነት ብርኪ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ግቡእ ‘ዩ ኢሎም እንድሕር ኣሚኖምሉ ኣቤቱታ/ ስምዐታ ዘቕረበ ሰብ ቤተሰቡ እቲ ውሳነ ንክቕበሎ ፅዕንቶ ይገብሩ ‘ዮም። ውሳነ ቤተሰቡ ንክቕበል ፅዕንቶ ይገብሩ ማለት ‘ዩ። ምርመራ ድሕሪ ምግባር ሽማግለ ቤተሰብ እንድሕር ስሕተት ሰሪሑ ንክስተኻኸል ይግበር።

‹‹ማጋ ራጋ›› ናይ ጎንፂ ኣፈታትሓ ብልሓት ካብ ክልተ ቃላት ዝተረኸበ እዩ ፤ ‹‹ማጋ›› ናይ መጀመርያ ዳኝነት ብርኪ እንትኾን ‹ራጋ› ድማ ናይ መጨረሻ ጎንፂ ምፍትሒ ናይ ዳኝነት ቦታ ‘ዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ሓደጋ መኪና እንትብፅሕ ናይ መጀመርያ ዳኝነት ዝሪኦ ‹ማጋ› ‘ዩ።

ማጋ ናይ መጀመርያ ጉድኣት ዝብፀሖ ጉድኣት ዝሓውየሉ ኩነታት ዝፈጥር ‘ዩ። እቲ ጉድኣት ዝበፅሖ ኣካል ካብ ጉድኣቱ እንትሓዊ እቲ ፀገም ከመይ ተፈጢሩ ዝብል ንምርምርን ናይ መወዳእታ ፍታሕ ንክህብ ናብ ‹ራጋ› ይላኣኽ።

‹ራጋ› ናይ መወዳእታ ፍታሕ ዝህብ ኣካል ‘ዩ። ‹ራጋ› ዘሕለፎ ውሳነ ብማረቆ ማሕበረሰብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ‘ዩ። ብይግባኝ ‘ውን ዘይረአ ‘ዩ። ኣብ ‹ማጋ› ውሳነ ግን ቕሬታ ምቕራብ ይካኣል ‘ዩ። እቲ ቕሬታ ዝቐርብ ን‹ራጋ› ‘ዩ።

‹ማጋ› ብግዜ ዝተፈጠረ ፀገም ዝፍትሕ እንትኾን ፣ ‹ራጋ› ግና ንድሕሪት ከይዱ ብዙሕ ነገራት ኣብ ግምት ኣእቲዩ ውሳነ ዘመሓላልፍ ‘ዩ። ናይ ቐታሊ ድሕረ ባይትኡ እንታይ ከምዝኾነ ፣ እቲ ኣጋጣሚ ከመይ ከምዝተፈጠረ ምንም ዓይነት ፀገም ንከይህሉ ብጥንቃቐ ዝግብር ናይ ጎንፂ ኣፈታትሓ ብልሓት ‘ዩ።

ማጋታት(ሽማግለታት) ዝኾነ ቅትለት ዝፈፀመ ሰብ ናብ ቤተሰብ ከይዶም ንቲ ጉዳይ ቤሰተብ ንከቕርቦ ይሓቱ። ቤተሰብ ቀታሊ’ውን ንቲ ቀታሊ ካብ ዘለዎ ቦታ ኣምፂኦም ን‹ማጋ› የረክቡ።እቲ ቀታሊ ኣብ ኢድ ሽማግለታት ምስኣተው ጨጉሩን ቅንድቡን ይላፃ፣ፅፍሩ ይቑረፅ።እዚ ዝግበር ቀታሊ ብዝፈፀሞ ገበን ከምዝሓዘነ ንምርኣይ’ዩ።

ሽማግለታት ንቲ ቀታሊ ምስሓዙ ናብ ቀታሊ ቤተሰብ ሩባ ምስ ኣስገሩ ናብ መዋቲ ስድራ ከይዶም ንቲ ጉዳይ ብሽምግላና ንምሓዝ ድሌት ከምዘለዎም ይገልፁ።ቅነ ሓዘን ምስተወደአ እቶም ሽማግለታት ቤተሰብ መዋቲ ሒዞም ናብ ስድራ ቀታሊ ይኸዱ።

ቀታሊ ኣብ ቅድሚ ሓው ወይ ውላድ እቲ መዋቲ ጠጠው ይብል።ስርነስርዓት ዕርቂ ድማ ይካየድ።ዕርቂ ምስተፈፀመ ቃታሊን ስድራ መዋቲን ብሓደ ኮይኖም መዓር ንክጥዕሙ ይግበር።

እዚ ክልቴኦም ስድራ ሓደ ምዃኖም ንምርኣይ’ዩ።ኣብዚ እዋን ሽማግለታት ይምርቑ።ድሕሪ እቲ ዕርቂ ስድራ መዋቲን ቀታሊን ጉልባቦም ቀሊዖም ብሓባር መኣዲ ይቋደሱ።ሜስ ይስተ። እቲ ፈለማ ንመዋቲ ቀረባ ስድራ ይውሃብ፣ቀፂሉ ንስድራ ቀታሊ።

ኣብ መወዳእታ ብስድራ ቀታሊ ዝቐረብን ፀሊም ጤል በስድራ ቀታሊ ተሓሪዱ ስነስርዓት ዕርቂ ይዛዘም።ቅድሚ እቲ ጤል ምሕራዱ ግና እቲ ቅትለት ከመይ ከመዘጋጠመ እቲ ቀታሊ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንክዛረብ ይግባር።‹ራጋ› ዝወሰኖ ድማ ዕላዊ ይግባር።

ስርዓት ኣፈታትሓ ጎንፂ ‹ማጋ ራጋ› ክንክን ክግበረሉ ዝግባእን ዝድገፍ ከምኡ ‘ውን ተሓልዩ ንቀፃሊ ወለዶ ክመሓላለፍ ዘለዎ ዝደንቕ ናይ ጎንፂ ኣፈታትሓ ብልሓት ‘ዩ። ብፍላይ ባህላዊ ትሕዝትኡ እናሰኣነ ከይኸይድ ዝምልከቶም ኣካላት ሓለዋ ክገብርሉ ይግባእ።

ካብ ምንም ንላዕሊ እቲ ዕርቂ ምስ ወረደ ናይ በዳልይን ተበዳላይን ብቒምን በደልን ከይደላለዩ ማዕፆ ዝዓፂ ከምዝኾነ ካብ ዘመናዊ ናይ ጎንፂ መፍትሒ ዝበለፀ ረብሓ ኣለዎ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 24 ጉንበት 2015 ዓ.ም

Recommended For You