ጥበብን ስራሕትን ማሕሌታይ ቅዱስ ያሬድ

 ጥበበኛ ኣቦ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ብ505 ዓ.ም 5 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ኣክሱም ካብ ኣቡኡ ኣብዮድ (ይስሓቅ) ካብ ኣዲኡ ክርስቲና (ታውክልያ) ከምተወለደን ንቅዱስ ያሬድ ኣቡኡ ኣብ ሸውዓተ ዓመቱ ስለዝሞተ ኣዲኡ ክርስቲና ናይ ኣክሱም ገበዝ ንዝነበረ ኣኩኡ ጌዴዎን ከዕብዮን ከስተምህሮን ሓደራ ኢላ ከም ዝሃበቶን ሰነዳት ይሕብሩ።

ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድን ቅድሚ ሽሕ ዓመታት ንዓለም ዘድንቕ ዜማ ዝደረሰ ኢትዮጵያዊ ‘ዩ፡፡ ይኹን ‘ምበር ስራሕቱ ክንድትዝግባእ ኣብ ዓለም ኣፍልጦ ኣይረኸበን።

ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ምዕራባውያን ድማ ብ1980 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተወለደ ኣውስትርያዊ ሞዛርት ብብርኪ ዓለም ስሙይ ክኸውን ክኢሉ ‘ዩ። ግና ስሙይነት ሞዛርት ካብ ፍልስፍና ኖታ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ድሕሪ 1200 ዓመታት ዝመፀ ‘ዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ዓለም ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም ዝተመዝገበ ዜማዊ ድርሰት ንሰዓታት ጥራሕ ዝፀንሕ ምዃኑ ሰብ ሞያ ይዛረቡ። ኣብ ሓምሻይ ክፍለ ዘመን ንዓለም ቀዲሙ ብኢትዮጵያዊ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ዝተደረሰ ዜማ ግና ብሰዓታት ተኸፋፊሉ ንመዓልታት ዝዘልቕ ‘ዩ። እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንዓለም ኣቡጊዳ ሙዚቃ ዘምሃረትን ዝፈለመትን ሃገር ምዃና ይምስክር።

ዓለም ብቴክኖሎጂ ሙዚቃን ጥበበኛታትን ጎልቢታ ነንባዕላ ኣብ ትወዳደረሉ ዘመን ጥበበኛታት ጥበብ ኣብ ሓያል ውድድር ጥሒሎም ንፃት ሓድሽ ውልዶ ጥበብ ንምምሃዝ ንድሕሪት ኣብ ዘይብልሉ ግዘ ቅድሚ ሽሕ ዓመታት ዜማ ዝደረሰ ኢትዮጵያዊ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድን ስራሕቱን ኣብ ዓለም ኣፍልጦ ኣይረኸበን።

እዚ ድማ ከም ንኢትዮጵያ መሰረት ዝኾነ ፈላማይ ስልጣነ፣ ባህልን ታሪኽን ብዙሕ እንከይተዳህሰሰ እቲ መዝገብ ታሪኽ ተኸዲኑ ተቐሚጡ ከምዝነበረ የርእይ።

ታሪኽን መንነትን ኢትዮጵያዊ ማህሌታይ ያሬድ ብብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝለዓል ‘ኳ እንተኾነ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ስራሕቲ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ጥራሕ ‘ዩ ዓቚቡ ዝርከብ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ስራሕትን ዜማን ቅዱስ ያሬድ ክሳብ ሕዚ’ኳ ትጥቀመሉ እንተሃለወት ካብ ቃላዊ ዛንታ ብዝዘለለ ብዛዕባ ሰነድ ታሪኽን ስራሕትን ቅዱስ ያሬድ እኹል ‘ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

ቅዱስ ያሬድ ድርሰታቱ ኣብ ዘዳለወሉ እዋን ካብ ቅዱሳን መፃሕፍቲ ዝወሰዶም ዛዕባታት ብምድብ እናፈለየ ኣብ ድርሰታቱ ከም መሰረት ተጠቒሙሎም ‘ዩ፡ ፡

ካብ ብሉያትን ሓዲሳትን ከምኡ ‘ውን ካብ ሊቃውንቲ ብምቕማም ብዘይ ዝኾነ ፀገም ናይ ድርሰት ስራሕቱ ክዛዝም ክኢሉ ‘ዩ ይበሉ ሙሁራን፡፡ድርሰታት ቅዱስ ያሬድ መንፈሳዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ‘ዮም፡፡

ቅዱስ ያሬድ ኣብ ድርሰቱ ካብ ዝረአዩ ናይ ቃላት ኣማራርፃ፣ ኣዋቓቕራ ሓረግ፣ ምስጢራዊ፣ ዘይቤያዊ ኣገላልፃ ኣብ ድርሰታቱ ካብ ዝተራእየ ዓቢዪ ስነ-ጽሑፋዊ ክእለት ከም ዝነበሮ ምርዳእ ከምዝከኣል ሙሁራት ይገልፁ።

ቕዱስ ያሬድ ካብዝደረሶም ናይ መዝሙር መፃሕፍቲ ድጓ፣ ፆመድጓ፣ ዝማሬ፣ ምሥዋእትን ምዕራፍ ምጥቓስ ይከኣል፡፡ እዚኦም ብቋንቋ ግእዝ ዝተፅሓፉ ናይ መዝሙር መፅሓፍቲ ኮይኖም ቤተ ክርስትያን ንዘመናት እናተገልገለትሎም ትርከብ፡፡ ሓድግታት ቅዱስ ያሬድ ‘ዮም እናተባህሉ ድማ ይፅውዑ።

ቅዱስ ያሬድ ዝደረሶም መንፈሳዊ ሓድግታት እታ ቤተክርስትያን ክሳብ ሕዚ’ኳ ትጥቀመሉ እንተሃለወት ብዛዕባ ታሪኽን ስራሕትን ቅዱስ ያሬድ ክንድትዝድለ ዘይተነገረሉን ናብ ረብሓ ዘይተቐየረን ሃፍቲ ‘ዩ፡፡

ቅዱስ ያሬድ መንፈሳዊ ዜማ ጥራሕ እንተይኮስ ዜማ ባህላዊ መሳርሕታት ሙዚቃ ንክዓብይ ‘ውን ዓብይ ግደ ከምዘበርከተ ሙሁራን ይዛረቡ፡፡

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ንዘመናት እትጥቀመሉ ዘላ ሃይማኖታዊ ኖታታት መዝሙር ቅኔ፣ ዜማን ወረብን ብማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ዝተፈልሰፉ ‘ዮም።

ነዚ ድማ ‘ዩ ብፍላይ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ካብ ካልኦት ብዝተፈለየ በብዓመቱ 11 ጉንበት ንቅዱስ ያሬድ እትዝክሮ።

ነዚ ንኣሽሓት ዓመታት ዝዘለቐ ዛንታ ቅዱስ ያሬድ ኣብታ ሃገርን ኣብ መላእ ዓለምን ንክጎልህ ብምዕላም ካብ ቀረባ ዓመታት ንነዘ ብምትሕብባር ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም፣ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይን ካልኦት ሙሁራትን ዓበይቲ ዓድን ኣብታ መበቆል ቅዱስ ያሬድ ዝኾነት ከተማ ኣክሱም ዓበይቲ ናይ ዝኽሪ በዓላት በቢ ዓመቱ ምክያድ ጀሚሮም ‘ዮም፡፡

ስራሕቲ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ብዝግባእ ተተሰሪሕሉ ድማ ንዕብየት ቱሪዝም ዕዙዝ ግደ ከምዝህልዎ ስለ ዝእመን እዚ ንክኸውን ስራሕቲ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ሃይማኖታዊ መዝሙር ጥራሕ ተደሪቱ ከይተርፍ እናተሰርሐሉ ይርከብ፡፡

ሎሚ ዓመት 11 ጉንበት 2015 ‘ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ኣክሱም ማህሌታይ ያሬድ ዘበርከቶም ትውፊታት ናብ ቀፃሊ ወለዶ ንምሕላፍን ዝኽሪ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብታ ታሪኻዊት ዝኾነት ከተማ ኣክሱም ተሳሊጡ ‘ዩ፡፡

 መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 17 ጉንበት 2015 ዓ.ም

Recommended For You